እምነት ካብ ምጕዳል ተጠንቀቑ
“ኣቱም ኣሕዋተየ: . . . ሓደ እኳ ኻባኻትኩም: ሓጢኣት እናዐሸዎ ኸይተርር እሞ: ምናልባሽ ኣብ ሓደ ኻባኻትኩም ካብ ህያው ኣምላኽ ዜርሕቕ እኩይ ዘይአምን ልቢ ኸይህሉ: ተጠንቀቑ።”—እብራውያን 3:12
1. እቲ ጳውሎስ ንእብራውያን ክርስትያናት ዝጸሓፈሎም ቃላት ንኸመይ ዝበለ ዘርዕድ ኵነታት ኢዩ ከም እነቕልበሉ ዝገብረና፧
ሓደ እዋን ምስ የሆዋ ኣምላኽ ብሕታዊ ርክብ ዘስተማቕሩ ዝነበሩ ሰባት ‘እኩይ ልቢ’ ኣሕዲሮም ‘ካብ ህያው ኣምላኽ ክርሕቁ’ ከም ዝኽእሉ ክትሓስቦ ከሎኻስ ዘርዕድዶ ኸይኰነ! ዓቢ መጠንቀቕታ ድማ ኢዩ! እዘን ናይ ሃዋርያ ጳውሎስ ቃላት ነቶም ዘይኣምኑ ዘይኰነስ ነቶም ብመሰረት በጅነታዊ መስዋእቲ የሱስ ክርስቶስ ህይወቶም ንየሆዋ ኣምላኽ ወፍዮም ዝነበሩ ሰባት ኢየን ተጻሒፈን።
2. እንታይ ሕቶታት ኢና ክንምርምር ዘድልየና፧
2 ሓደ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ እተባረኸ መንፈሳዊ ኵነታት ዝርከብ ሰብ “እኩይ ዘይኣምን ልቢ” ከሕድር ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧ ፍቕሪ ኣምላኽን ነቲ ዘይንበቕዖ ሕያውነትን ዝጠዓመ ሰብ ደይመደይ ኢሉ ካብኡ ክርሕቕ ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧ እዚ ነገር እዚ ንገሌና ከጋጥመና ይኽእልዶ፧ እዘን ሕቶታት እዚኣተን ዘተሓሳስባ ኢየን: ነቲ እዚ መጠንቀቕታ እዚ ሒዝዎ ዘሎ ምኽንያት ክንጥምት ከኣ ይሕግዛና ኢየን።—1 ቈረንቶስ 10:11
ከምዚ ዝኣመሰለ ሓያል ምኽሪ ዘድለየ ስለምንታይ ኢዩ፧
3. ነቶም ኣብ ውሽጥን ከባብን የሩሳሌም ዝነበሩ ናይ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ክርስትያን ዝትንክፎም ዝነበረ ኵነታት ግለጾ።
3 ጳውሎስ ነቶም ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ እብራውያን ክርስትያናት መልእኽቱ ዝጸሓፈሎም ብ61 ከ.ኣ.ዘ. ኢዩ ዝመስል። ሓደ ጸሓፍ ታሪኽ ኣብዚ እዋን እዚ “ነቶም ኣብ ከተማ የሩሳሌም ይኹን ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ናይቲ ምሉእ ኣውራጃ ዝነበሩ ኵሎም ለባማትን እሙናትን ሰብኡት ሰላም ወይ ከኣ ድሕንነት ኣይነበሮምን” ብምባል ትዕዝብቱ ገለጸ። እቶም ጨቈንቲ ሰራዊት ሮሜ ዝገብርዎ ዝነበሩ ምስቲ ኣጉል ትብዓት ናይቶም ኣንጻር ሮሜ እተሰለፉ ሃገራዊ ስምዒት ዝነበሮም ኣይሁድ ከምኡውን ምስቲ ከተርቲ በቲ ዕግርግር ተጠቒሞም ዝፍጽምዎ ዝነበሩ ገበናት ተደሚሩ ሕጊ ዝጠሓሰሉን ዓመጻ ዝሰፈነሉን እዋን ኢዩ ነይሩ። ኵሉ እዚ ነገራት እዚ ነቶም በዚ ጕዳያት እዚ ንኸይጠላለፉ ኣበርቲዖም ዝጽዕሩ ዝነበሩ ክርስትያናት ኣዝዩ ኣሸጋሪ ኢዩ ነይሩ። (1 ጢሞቴዎስ 2:1, 2) ሕሉፍ ሓሊፉ እኳ ድኣ ብምኽንያት ገለልትነቶም ገሊኦም ሰባት ነቲ ሕብረተሰብ እቲ ዘይጠቕሙ: አረ መናዓብቲ እውን ከም ዝዀኑ ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎም ነይሮም። ክርስትያናት መብዛሕትኡ ግዜ ይግፍዑ ኢዮም ነይሮም: ብሕታዊ ክሳራታት እውን ኣጋጢምዎም ኢዩ።—እብራውያን 10:32-34
4. እብራውያን ክርስትያናት ንኸመይ ዝበለ ሃይማኖታዊ መልክዕ ዝሓዘ ጸቕጢ ኢዮም ተቓሊዖም ነይሮም፧
4 እብራውያን ክርስትያናት ሃይማኖታዊ መልክዕ ዝሓዘ ብርቱዕ ምጽራር እውን ይወርዶም ነይሩ ኢዩ። እቲ ናይቶም እሙናት ደቀ-መዛሙርቲ የሱስ ውዕዉዕ መንፈስን እቲ ውጽኢቱ ዝዀነ ቅልጡፍ ምስፍሕፋሕ ናይታ ክርስትያናዊት ጉባኤን ነቶም ኣይሁድ—ብፍላይ ድማ ነቶም ሃይማኖታውያን መራሕቶም—ቅንኦምን ኵራኦምን ከም ዝለዓዓል ገይርዎም ኢዩ። ንሰዓብቲ የሱስ ክርስቶስ ንምሽጋርን ንምስዳድን ዘይገበርዎ ነገር ኣይነበረን።a (ግብሪ ሃዋርያት 6:8-14፣ 21:27-30፣ 23:12, 13፣ 24:1-9) ንገለ ክርስትያናት ማህረምትን ኣብ ሞት ዘብጽሕን መስጐጕቲ እኳ እንተ ዘየጋጠሞም ካብ ኣይሁድ ባጫን ላግጽን ይወርዶም ነይሩ ኢዩ። ክርስትና እቲ ንኣይሁድነት ክብሪ ዝህቦ ዝነበረ ነገራት ማለት ከም እኒ ቤት መቕደስ: ክህነት: በዓላት: ወግዓዊ መስዋእትታትን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለን ስለ ዘይነበሮ ከም ሓድሽ ሃይማኖት ተወሲዱ ብንዕቀት ኢዩ ዝርአ ነይሩ። እቲ መራሒኦም የሱስውን እንተዀነ ገበነኛ ተባሂሉ ስለ እተፈርደ ብሞት ተቐጺዑ ኢዩ። ክርስትያናት ሃይማኖቶም ሒዞም ክቕጽሉ እምነትን ትብዓትን ጽንዓትን የድልዮም ነበረ።
5. እቶም ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ ክርስትያናት ብመንፈስ ንቑሓት ክዀኑ ኣድላዪ ዝነበረ ስለምንታይ ኢዩ፧
5 ልዕሊ ዅሉ ድማ እቶም ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ እብራውያን ክርስትያናት ኣብ ታሪኽ ናይቲ ህዝቢ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኣብ ዝነበረ እዋን ኢዮም ዝነብሩ ነይሮም። እቲ ጐይትኦም የሱስ ክርስቶስ እተዛረቦ ብዙሕ ነገራት መወዳእታ ናይ ኣይሁድ ኣገባብ ድሮ ከም ዝኣኸለ ዘመልክት ኢዩ ነይሩ። መወዳእታ ናይቲ ኣገባብ እቲ ርሑቕ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ ነይሩ። ክርስትያናት ምእንቲ ክድሕኑ ብመንፈስ ንቑሓት ክዀኑን ‘ናብ ኣኽራን ንምህዳም’ ከኣ ድልዋት ክዀኑን ነበሮም። (ማቴዎስ 24:6, 15, 16) ከምቲ የሱስ ዝኣዘዞም ህጹጽ ስጕምቲ ንኽወስዱ ዘኽእሎም እምነትን መንፈሳዊ ሓይልን ነይርዎም ደዀን ይኸውን፧ ገለ ምጥርጣራት ዝነበረ ይመስል።
6. እቶም ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ ክርስትያናት ብህጹጽ ዘድልዮም ዝነበረ ነገር እንታይ ኢዩ፧
6 ምሉእ ናይ ኣይሁድ ኣገባብ ቀቅድሚ ምጥፍኡ ኣብ ዝነበራ ናይ መወዳእታ ዓሰርተ ዓመታት: እብራውያን ክርስትያናት ካብ ውሽጥን ወጻእን እታ ጉባኤ ከቢድ ጸቕጥታት ይወርዶም ከም ዝነበረ ርዱእ ኢዩ። ምትብባዕ የድልዮም ነበረ። ይኹን እምበር: እቲ ዝመረጽዎ መገዲ ቅኑዕ ምዃኑ ከምኡውን ንኸንቱ ይሳቐዩን ይጽመሙን ከም ዘይነበሩ ንኽግንዘቡ ዝሕግዞም ምኽርን መምርሕን እውን የድልዮም ነይሩ ኢዩ። ዘሐጕስ ድማ ጳውሎስ ነቲ ኣጋጣሚ እቲ ኣልዒሉ ክሕግዞም ተዳለወ።
7. እቲ ጳውሎስ ንእብራውያን ክርስትያናት ዝጸሓፈሎም ሓሳባት ከገድሰና ዝግብኦ ስለምንታይ ኢዩ፧
7 እቲ ጳውሎስ ንእብራውያን ክርስትያናት ዝጸሓፈሎም ሓሳባት ኣዝዩ ከገድሰና ይግብኦ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ምስ ግዜኦም ኣብ ዝመሳሰል እዋን ኢና እንነብር ዘሎና። መዓልቲ-መዓልቲ ካብዛ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሰይጣን ዘላ ዓለም ጸቕጥታት ይወርደና ኢዩ። (1 ዮሃንስ 5:19) እቲ የሱስን ሃዋርያትን ብዛዕባ ዳሕሮት መዓልትታትን “መወዳእታ ዓለምን” እተነበይዎ ትንቢታት ኣብ ቅድሚ ኣዒንትና ይፍጸም ኣሎ። (ማቴዎስ 24:3-14፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:1-5፣ 2 ጴጥሮስ 3:3, 4፣ ራእይ 6:1-8) ልዕሊ ዅሉ ድማ: ‘ካብዚ ዝመጽእ ነገር ንምምላቝ’ ብመንፈስ ንቑሓት ኴንና ክንጸንሕ የድልየና።—ሉቃስ 21:36
ካብ ሙሴ ዝዓቢ
8. ጳውሎስ በተን ኣብ እብራውያን 3:1 ዘለዋ ቃላት ገይሩ ንሰዓብቱ ክርስትያናት እንታይ ክገብሩ ኢዩ ዝላበዎም ነይሩ፧
8 ጳውሎስ ብዛዕባ ሓደ ኣገዳሲ ነጥቢ ብምጥቃስ “ናብቲ . . . እሙን ዝዀነ የሱስ: ናይ ምእማንና ሃዋርያን ሊቀ ኻህናትን ኣቕልቡ” ኢሉ ጸሓፈ። (እብራውያን 3:1) ‘ምቕላብ’ ክበሃል ከሎ “ኣነጺርካ ምግንዛብ . . . ምሉእ ብምሉእ ምርዳእ: ኣጸቢቕካ ምቕላብ” ማለት ኢዩ። (ቫይንስ ኤክስፖዚቶሪ ዲክሽነሪ ኦቭ ኦልድ ኤንድ ኒው ተስታመንት ዎርድስ [እንግሊዝኛ] ) ስለዚ እምበኣር ጳውሎስ ነቶም ኣመንቲ ብጾቱ ነቲ የሱስ ኣብ እምነቶምን ድሕነቶምን ዘበርከቶ ግደ ናይ ሓቂ ሞሳ ንምርኣይ ትግሃት ዝመልኦ ጻዕሪ ክገብሩ ኢዩ ዝላበዎም ነይሩ። ከምዚ ምግባር ነቲ ኣብ እምነት ንኽጸንዑ ዝገበርዎ ቈራጽነት ዘደልድለሎም ኢዩ። እቲ የሱስ ዘበርከቶ ግደ እምበኣር እንታይ ኢዩ ነይሩ: ናብ የሱስ “ከነቕልብ” ዘሎናኸ ስለምንታይ ኢና፧
9. ጳውሎስ ንየሱስ ከም ‘ሃዋርያን’ ከም ‘ሊቀ ኻህናትን’ ገይሩ ዝጠቐሶ ስለምንታይ ኢዩ፧
9 ጳውሎስ ነተን ‘ሃዋርያ’ ከምኡውን ‘ሊቀ ኻህናት’ ዝብላ ስያመታት ኣብ የሱስ ኣውዒልወን ኣሎ። ‘ሃዋርያ’ ሓደ እተላእከ ሰብ ኢዩ። እታ ቓል ኣብዚ ነቲ ኣምላኽ ምስ ደቅሰብ ንምርኻብ ዝገበሮ መገዲ ኢያ እተመልክት። ‘ሊቀ ኻህናት’ ከኣ ደቅሰብ ብእኡ ኣቢሎም ናብ ኣምላኽ ክቐርቡሉ ዝኽእሉ ሰብ ኢዩ። ክልቲኡ እዚ ምድላዋት እዚ ንሓቀኛ ኣምልኾ ኣድላዪ ኢዩ: እቲ ንኽልቲኡ ኣሕቢሩ ዝሓዘ ኸኣ የሱስ ኢዩ። ንደቅሰብ ብዛዕባ ኣምላኽ ዝገልጽ ሓቂ ንኽምህሮም ካብ ሰማይ እተላእከ ንሱ ኢዩ። (ዮሃንስ 1:18፣ 3:16፣ 14:6) ኣብ ርእሲ እዚውን የሱስ ኣብቲ የሆዋ ዘዳለዎ መንፈሳዊ ቤት መቕደስ ምሳልያዊ ሊቀ ኻህናት ኰይኑ ብምግልጋል ሓጢኣት ይቕረ ክብል ተሸይሙ ኢዩ። (እብራውያን 4:14, 15፣ 1 ዮሃንስ 2:1, 2) ነቲ ብየሱስ ኣቢልና ክንረኽቦ እንኽእል በረኸት ብሓቂ ነማስወሉ እንተድኣ ዄንና: ኣብ እምነት ጸኒዕና ደው ንምባል ትብዓትን ቈራጽነትን ክህልወና ኢዩ።
10. (ሀ) ጳውሎስ ንእብራውያን ክርስትያናት ነቲ ክርስትና ኣብ ልዕሊ ኣይሁድነት ዝነበሮ ጸብለልትነት ክግንዘብዎ ዝሓገዞም ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ጳውሎስ ነቲ ዝሃቦ ሓሳብ ዝያዳ ንምድልዳል እንታይ ሓፈሻዊ ሓቅነት ዘለዎ ነጥቢ ኢዩ ዝጠቐሰ፧
10 ጳውሎስ ነቲ ናይ ክርስትያናዊ እምነት ዋጋ ንምጕላሕ ንየሱስ ምስቲ ኣይሁድ ካብ ኣቦታቶም እቲ ዝዓበየ ነብዪ ገይሮም ዝርእይዎ ዝነበሩ ሙሴ ኣነጻጺርዎ ኣሎ። እብራውያን ክርስትያናት ነቲ የሱስ ካብ ሙሴ ዝዓቢ ምዃኑ ዝገልጽ ሓቂ ብምሉእ ልቦም ክቕበልዎ ክኢሎም ነይሮም እንተ ዝዀኑ: ክርስትና ካብ ኣይሁድነት ጸብለል ዝበለ ምዃኑ ዝጠራጠሩሉ ምኽንያት ኣይምሃለዎምን። ጳውሎስ ሓቢርዎ ከም ዘሎ ሙሴ ናይ “ቤት” ኣምላኽ ማለት ናይ ህዝቢ ወይ ጉባኤ እስራኤል ሕድሪ ክቕበል በቒዑ እኳ እንተ ነበረ ሓደ እሙን ጊልያ ወይ ባርያ ጥራይ ኢዩ ነይሩ። (ዘሁልቍ 12:7) ብኣንጻሩ ግን የሱስ ውሉድ: ኣብ ልዕሊ እታ ቤት ከኣ ጐይታ ነበረ። (1 ቈረንቶስ 11:3፣ እብራውያን 3:2, 3, 5) ጳውሎስ ነቲ ዘቕረቦ ሓሳብ ዝያዳ ንምድልዳል ነዚ ዝስዕብ ሓፈሻዊ ሓቅነት ዘለዎ ነጥቢ ጠቐሰ:- “ቤት ዘበለትሲ ሰራሒኣ አለዋ: እቲ ንዅሉ ዘዳለወ ግና ኣምላኽ እዩ።” (እብራውያን 3:4) ኣምላኽ ካብ ዝዀነ ይኹን ካልእ ኣካል ይዓቢ ምዃኑ ሓደ እኳ ይኹን ኣብ ሕቶ ከእትዎ ዝኽእል የለን: ከመይሲ ንሱ ሃናጺ ወይ ፈጣሪ ናይ ኵሉ ኢዩ። ስለዚ እምበኣር የሱስ መሳርሕቲ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ ንሙሴ ሓዊስካ ካብ ዝዀነ ይኹን ካልእ ፍጡር ዝዓቢ ክኸውን ኣለዎ።—ምሳሌ 8:30፣ ቈሎሴ 1:15-17
11, 12. ጳውሎስ ንእብራውያን ክርስትያናት ‘ክሳዕ መወዳእታ ኣጽኒዖም’ ክሕዝዎ እተላበዎም እንታይ ኢዩ: ንሕናኸ ንምኽሩ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ከነውዕሎ ምኸኣልና፧
11 ብሓቂ እብራውያን ክርስትያናት ኣብ ዝለዓለ ክቡር ቦታ ኢዮም ነይሮም። ጳውሎስ “ካብቲ ሰማያዊ ጽውዓ ግደ” ዝነበሮም ምዃኖም ኣዘኻኺርዎም ኢዩ: እዚ ድማ ካብ ዝዀነ ይኹን እቲ ናይ ኣይሁድ ኣገባብ ክህቦ ዝኽእል ነገር ኣኽቢርካ ክርአ ዝነበሮ መሰል ኢዩ። (እብራውያን 3:1) ቃላት ጳውሎስ ነቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ነቲ ምስ ናይ ኣይሁድነት ውርሻኦም እተተሓሓዘ ነገራት ብምጥንጣኖም ጓሂ ኣብ ክንዲ ዝስምዖም ሓድሽ ውርሻ ናይ ምቕባል መሰል ብምርካቦም መመስገንቲ ከም ዝዀኑ ገይርዎም ክኸውን ኣለዎ። (ፊልጲ 3:8) ጳውሎስ ነቲ እተዋህቦም መሰል ኣጽኒዖም ክሕዝዎ ድኣ እምበር ብኸምኡ ከም እተዋህቦም ገይሮም ከይወስድዎ ክላበዎም ከሎ ከምዚ በለ:- “ክርስቶስ ግና ከም ውሉድ ኣብ ልዕሊ ቤቱ [ቤት ኣምላኽ] እዩ። ትብዓትናን ትምክሕቲ ተስፋናን ክሳዕ መወዳእታ ኣጽኒዕና እንተ ሐዝናስ: ቤቱ ንሕና ኢና።”—እብራውያን 3:6
12 እወ: እብራውያን ክርስትያናት ካብቲ ኣንጠልጢሉ ዝነበረ መደምደምታ ናይ ኣይሁድ ኣገባብ ክድሕኑ እንተድኣ ነይርዎም: ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ተስፋ ‘ክሳዕ መወዳእታ ኣጽኒዖም’ ክሕዝዎ ነበሮም። ሎሚውን ንሕና ካብ መወዳእታ ናይዚ ኣገባብ እዚ ክንድሕን እንተድኣ ደሊና ልክዕ ከምኡ ክንገብር ኣሎና። (ማቴዎስ 24:13) ሓልዮት ናብራ: ናይ ሰባት ዘይምግዳስ: ወይ ከኣ እቲ ናይ ገዛእ ርእስና ናይ ዘይፍጽምና ዝምባለታት ነቲ ኣብ መብጽዓታት ኣምላኽ ዘሎና እምነት ከነቓንቐና ከነፍቅደሉ ኣይግብኣናን ኢዩ። (ሉቃስ 21:16-19) ንገዛእ ርእስና ብኸመይ ከነዕጥቓ ከም ዘሎና ምእንቲ ክንፈልጥ ነቲ ጳውሎስ ቀጺሉ እተዛረቦ ቃላት ነቕልበሉ።
“ልብኹም ኣይተትርሩ”
13. ጳውሎስ እንታይ መጠንቀቕታ ኢዩ ዝሃበ: ንመዝሙር 95 እተጠቕመላኸ ብኸመይ ኢዩ፧
13 ጳውሎስ ነቲ ክቡር ቦታ ናይ እብራውያን ክርስትያናት ኣመልኪቱ ድሕሪ ምዝራቡ: እዚ ዝስዕብ መጠንቀቕታ ሃበ:- “ምእንትዚ መንፈስ ቅዱስ ከምዚ ይብል፤ ሎሚ ድምጹ እንተ ሰማዕኩም: ከምቲ ብነድሪ በታ መዓልቲ ፈተና ኣብ በረኻ ዝገበርኩምዎ: ልብኹም ኣይተትርሩ።” (እብራውያን 3:7, 8) ጳውሎስ ካብ መበል 95 መዝሙር ጠቒሱ ይዛረብ ስለ ዝነበረ: “መንፈስ ቅዱስ ከምዚ ይብል” ክብል ይኽእል ነይሩ ኢዩ።b (መዝሙር 95:7, 8፣ ዘጸኣት 17:1-7) ቅዱሳት ጽሑፋት ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ዝነፈሶ ኢዩ።—2 ጢሞቴዎስ 3:16
14. እስራኤላውያን የሆዋ ንዝገበረሎም ነገራት ብኸመይ መለሽሉ: ስለምንታይከ፧
14 እስራኤላውያን ካብ ባርነት ግብጺ ሓራ ድሕሪ ምውጽኦም ምስ የሆዋ ኪዳን ናይ ምእታው ዓቢ ክብሪ ተዋሂብዎም ኢዩ። (ዘጸኣት 19:4, 5፣ 24:7, 8) ይኹን እምበር በቲ የሆዋ ዝገበረሎም ነገር ሞሳ ኣብ ክንዲ ዘርእዩ: ብኡንብኡ ዓለዉ። (ዘሁልቍ 13:25–14:10) እዚ ክፍጸም ዝኸኣለ ብኸመይ ኢዩ፧ ጳውሎስ ልቦም ስለ ዘትረሩ ብምባል እቲ ምኽንያት ጠቒስዎ ኣሎ። ይኹን እምበር ንቓል ኣምላኽ ዝጥንቀቐሉን ኣወንታዊ ምላሽ ዝህበሉን ዝነበረ ልቢ ብኸመይ ኢዩ ክተርር ዝኽእል፧ ካብዚ ንኽንሕሎኸ እንታይ ኢና ክንገብር እንኽእል፧
15. (ሀ) ‘ድምጺ ኣምላኽ’ ኣብ ዝሓለፈን ሕጅን ዝዛረብ ዘሎ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ብዛዕባ ‘ድምጺ ኣምላኽ’ ዝምልከት ንገዛእ ርእስና እንታይ ሕቶታት ኢና ክንሓታ ዘሎና፧
15 ጳውሎስ ንመጠንቀቕትኡ “ሎሚ ድምጹ እንተ ሰማዕኩም” ብምባል ንህሉው ግዜ ዘመልክት ኣዘራርባ ይጥቀም።፧ ኣምላኽ ንህዝቡ ብሙሴን ብኻልኦት ነብያትን ገይሩ ተዛሪብዎም ኢዩ። ጸኒሑ ኸኣ የሆዋ ብወዱ የሱስ ክርስቶስ ገይሩ ተዛረቦም። (እብራውያን 1:1, 2) ሎሚ መንፈስ ዝነፈሶ ምሉእ ቃል ኣምላኽ ማለት መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎና። ከምኡውን መንፈሳዊ ‘መግቢ በብግዜኡ’ ክህብ ብየሱስ እተሾመ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ኣሎና። (ማቴዎስ 24:45-47) ስለዚ እምበኣር ኣምላኽ ገና ይዛረብ ኢዩ ዘሎ። ይኹን እምበር: ጽን ኢልናዶ ንሰምዕ ኣሎና፧ ንኣብነት ብዛዕባ ክዳንን ኵለንትናዊ ኣቃውማን ወይ ከኣ ንመዘናግዕን ሙዚቃን እንገብሮ ምርጫ ዝምልከት ምኽሪ ክወሃበና ከሎ ብኸመይ ኢና እንምልሰሉ፧ ነቲ ዝዝረብ ዘበለ ብምቕላብን ብምእዛዝን ‘ንሰምዕ’ ዲና፧ መመኽነይታ ናይ ምቕራብ ወይ ከኣ ነቲ ምኽሪ ናይ ምቅዋም ልምዲ እንተድኣ ኣልዩና: ኣልባብና ናይ ምትራር ስዉር ሓደጋ ንኸጋጥመና ባዕልና መገዲ ንኸፍት ኣሎና ማለት ኢዩ።
16. ልብና ክተረሉ ዝኽእል ሓደ መገዲ እንታይ ኢዩ፧
16 ክንገብሮ እንኽእልን ክንገብሮ ዘሎናን ነገር ካብ ምግባር ነድሓርሕር እንተድኣ ዄንና እውን ልብና ክተርር ይኽእል ኢዩ። (ያእቆብ 4:17) ሽሕኳ የሆዋ ንእስራኤላውያን ብዙሕ ነገር ገይርሎም እንተዀነ: እምነት ካብ ምርኣይ ሰኒፎም: ኣንጻር ሙሴ ዓልዮም: ነቲ ብዛዕባ ከንኣን ዝሰምዕዎ ክፉእ ወረ ክኣምኑ መሪጾም: ምድሪ ተስፋ ከይኣትዉ ድማ ኣብዮም ኢዮም። (ዘሁልቍ 14:1-4) በዚ ድማ የሆዋ ኣብ በረኻ 40 ዓመታት ከሕልፉ ፈረዶም። ኣብዚ ዓመታት እዚ ኸኣ እቶም ዘይእሙናት ኣባላት ናይቲ ወለዶ እቲ ክሞቱ ነበሮም። ኣዝዩ ስለ ዝጸልኦም ኣምላኽ ከምዚ በለ:- “ኵሉ ሳዕ ብልቦም ይስሕቱ: መገደይ ግና ኣይፈለጥዎን: በልኩ። ብቝጥዓይ ድማ፤ ናብ ዕረፍተይ ኣይኪአትዉን እዮም: ኢለ መሐልኩ።” (እብራውያን 3:9-11) ካብዚ ንዓና ዝኸውን ትምህርቲ ረኺብናዶ፧
ንዓና ዝኸውን ትምህርቲ
17. እስራኤላውያን ሽሕ’ኳ ነቲ ብርቱዕ ተግባራት የሆዋ ርእዮሞ: ንቓላቱ ድማ ሰሚዖምዎ እንተዀኑ እምነት ዘጕደሉ ስለምንታይ ኢዮም፧
17 እቶም ካብ ግብጺ ዝወጹ ወለዶ እስራኤላውያን ነቲ ብርቱዕ ተግባራት የሆዋ በዒንቶም ርእዮምዎ ንኣዋጃቱ ኸኣ በእዛኖም ሰሚዖምዎ ኢዮም። ገና ግን ኣምላኽ ናብ ምድሪ ተስፋ ብደሓን ክመርሖም ከም ዝኽእል እምነት ኣይነበሮምን። ስለምንታይ፧ የሆዋ “መገደይ . . . ኣይፈልጥዎን” በለ። ነቲ የሆዋ ዝበሎን ዝገበሮን ይፈልጥዎ እኳ እንተ ነበሩ ኣብቲ ንኽሓልየሎም ዘለዎ ክእለት ግን እምንቶን ትውክልትን ኣየማዕበሉን ነበሩ። በቲ ንብሕቶም ዘድልዮም ነገራትን ባህግታትን ኣዝዮም ተዋሒጦም ስለ ዝነበሩ ንመገድታት ኣምላኽን ዕላማታቱን ግምት ኣይሃብዎን። እወ: ኣብ መብጽዓኡ እምነት ኣጕዲሎም ነበሩ።
18. ጳውሎስ ብዝበሎ መሰረት “እኩይ ዘይኣምን ልቢ” ዘምጽእ ተግባር እንታይ ኢዩ፧
18 እዘን ንእብራውያን እተጻሕፋ ቃላት ከምቲ ሽዑ ዝነበረን ሓይሊ ገይረን ኣባናውን ይውዕላ ኢየን:- “ኣቱም ኣሕዋተየ . . . ምናልባሽ ኣብ ሓደ ኻባኻትኩም ካብ ህያው ኣምላኽ ዜርሕቕ [“ብምርሓቕ:” NW ] እኩይ ዘይአምን ልቢ ኸይህሉ: ተጠንቀቑ።” (እብራውያን 3:12) ጳውሎስ ‘ካብ ህያው ኣምላኽ ምርሓቕ’ “እኩይ ዘይኣምን ልቢ” ከምጽእ ከም ዝኽእል ብምምልካቱ ነቲ ጠንቂ ናይቲ ጕዳይ ገሊጽዎ ኢዩ። ኣብ መጀመርታ ናይዛ መልእኽቲ እዚኣ ብምኽንያት ዘይምቕላብ ክመጽእ ዝኽእል ‘ምርሓቕ’ ጠቒሱ ነይሩ ኢዩ። (እብራውያን 2:1 NW ) ይኹን እምበር: እታ ‘ምርሓቕ’ ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ስያመ “ምግላል” ማለት ክትከውን ከላ ምስታ “ክሕደት” እትብል ቃል እተተሓሓዘት ኢያ። ናይ ንዕቀት ባህሪ ብምንጽብራቕ ደይመደይ ኢልካ ብፍላጥ ንዝግበር ተቓውሞን ምንጻልን ክድዓትን ድማ ኢያ እተመልክት።
19. ምኽሪ ዘይምስማዕ ናብ ከቢድ ሳዕቤን ክመርሕ ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧ ብምሳሌ ግለጽ።
19 እቲ ካብዚ እንረኽቦ ትምህርቲ እምበኣር: ነቲ የሆዋ ብቓሉን ብኽፍሊ እቲ እሙን ባርያን ኣቢሉ ዝህበና ምኽሪ ብምንጻግ ‘ንድምጹ ናይ ዘይምስማዕ’ ልምዲ ኣማዕቢልና እንተድኣ ኣሊና ልብና ነዊሕ ከይጸንሐ ክድንዝዝን ክተርርን ኢዩ። ንኣብነት ክልተ ዘይተመርዓዉ ኣንጻር ጾታ ኣዝዮም ይቀራረቡ ይዀኑ። ነቲ ጕዳይ ዕሽሽ እንተ ዝብልዎኸ፧ ዕሽሽ ምባሎም ነቲ ዝፈጸምዎ ነገር ንኸይደግምዎ ይከላኸለሎም ድዩ: ወይስ እንደገና ንኽፍጽምዎ መሊሱ ኢዩ ዘቕልለሎም፧ ብተመሳሳሊ መገዲ እቲ ክፍሊ ባርያ ኣብቲ ንሙዚቃን መዘናግዕን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለን እንገብሮ ምርጫ ኣዚና መረጽቲ ክንከውን ኣድላዪ ምዃኑ ዝገልጽ ምኽሪ ክህበና ከሎ ብምስጋና ተቐቢልና ኣብቲ ዘድልየሉ ምትዕርራይ ንገብር ዲና፧ ጳውሎስ ‘ኣኼባና ከይንሓድግ’ ይላበወና። (እብራውያን 10:24, 25) ገሊኦም ግን እዚ ምኽሪ እዚ ተዋሂብዎም ክነሱ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ፈኲስ ኣመለኻኽታ ኢዩ ዘለዎም። ካብ ገሊኡ ኣኼባታት ምብኳር: ወይ ከኣ ኣብ ገሊኡ ኣኼባታት ምሉእ ብምሉእ ዘይምክፋል እውን ከይተረፈ ክሳዕ ክንድዚ ከቢድ ነገር ኣይኰነን ዝብል ስምዒት እውን ይህልዎም ይኸውን።
20. ነቲ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ምኽሪ ብኣወንታዊ መገዲ ክንምልሰሉ ኣድላዪ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
20 ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋትን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ እተመስረተ ጽሑፋትን ብንጹር ተገሊጹ ዘሎ ‘ድምጺ’ የሆዋ ኣወንታዊ ምላሽ ዘይንህበሉ እንተድኣ ዄንና ቀልጢፍና ‘ካብ ህያው ኣምላኽ ክንርሕቕ’ ኢና። መጀመርታ ንምኽሪ ዕሽሽ ምስ እትብል ጸኒሕካ ንኸተናእሶን ክትነቕፎን ክትቃወሞን ቀሊል ኢዩ። እዚ ባህሪ እዚ ብኣጋ እንተድኣ ዘይተኣሪሙ “እኩይ ዘይኣምን ልቢ” ኢዩ ዘፍሪ: ካብዚ ደረጃ እዚ ክትፍወስ ከኣ መብዛሕትኡ ግዜ ኣጸጋሚ ኢዩ። (ምስ ኤፌሶን 4:19 ኣረኣእዮ።) ኤርምያስ ኣነጺሩ “ልቢ ኻብ ኵሉ ጐራሕን ኣዝዩ ሕሱምን እዩ: መንከ የስተውዕሎ፧” ብምባል ጸሓፈ። (ኤርምያስ 17:9) በዚ ምኽንያት እዚ ጳውሎስ ነቶም ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ እብራውያን “ሎሚ ኺብሀል ከሎ: ኣብ ጸጽባሕ ንሓድሕድኩም ተማዓዐዱ እምበር: ሓደ እኳ ኻባኻትኩም: ሓጢኣት እናዐሸዎ ኸይተርር” ብምባል ተላበዎም።—እብራውያን 3:13
21. ኵላትና እንታይ ክንገብር ኢና ተማዒድና ዘሎና: ከመይ ዝበለ መጻኢኸ ኢዩ ዘሎና፧
21 ሎሚውን የሆዋ ብቓሉን ብማሕበሩን ገይሩ ይዛረበና ምህላዉ ምፍላጥናስ ክንደይ ዘሐጕስ ኰን ኢዩ! እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ‘ነታ ናይ መጀመርታ እምንቶና ኽሳዕ መወዳእታ ኣጽኒዕና ክንሕዛ’ ብቐጻሊ ይሕግዘና ኣሎ። (እብራውያን 3:14) ንፍቕሪ ኣምላኽን መሪሕነቱን ምላሽ እንህበሉ ግዜ ሕጂ ኢዩ። ከምኡ ምስ እንገብር ነቲ ኣብ ዕረፍቱ ‘ምእታው’ ዝምልከት ካልእ መብጽዓ የሆዋ ከነስተማቕሮ ንኽእል ኢና። (እብራውያን 4:3, 10) ጳውሎስ ቀጺሉ ምስ እብራውያን ክርስትያናት እተመያየጠሉ ኣርእስቲ እዚ ኢዩ: ኣብታ እትቕጽል ዓንቀጽ እንምርምሮ ኣርእስቲ እውን ንሱ ኢዩ።
[እግረ-ጽሑፋት]
a ደድሕሪ ሞት ፌስጦስ እቲ ካብ ጕጅለ ሰዱቃውያን ዝነበረ ሃናንያ: ሊቀ ኻህናት ከም ዝዀነ እሞ ነቲ ንየሱስ በዲኡ ሓዉ ዝነበረ ያእቆብን ንኻልኦት ደቀ መዛሙርትን ናብ ሳንሄድሪን ኣቕሪቡ ንሞት ከም ዝፍረዱን ብዳርባ እምኒ ከም ዝቕተሉን ምግባሩ ጆሴፈስ ጸብጻብ ኣቕሪቡ ኣሎ።
b ጳውሎስ ካብቲ “መሪባ” ከምኡውን “ማሳ” ንዝብላ ናይ እብራይስጢ ቃላት ብተኸታታሊ “ምቍያቝ” ከምኡውን “ምፍታን” ብምባል ተርጕምወን ዘሎ ናይ ግሪኽ ሰፕቱጀንት ከም ዝጠቐሰ ፍሉጥ ኢዩ። ኣብታ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ ጥራዝ 2 (እንግሊዝኛ) ገጽ 350 ከምኡውን ገጽ 379 ርአ።
ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧
◻ ጳውሎስ ንእብራውያን ክርስትያናት ኣዝዩ ሓያል ምኽሪ ዝጸሓፈሎም ስለምንታይ ኢዩ፧
◻ ጳውሎስ ንእብራውያን ክርስትያናት ካብ ናብራ ኣይሁድነት ዝሓሸ ነገር ከም ዝነበሮም ክግንዘቡ ዝሓገዞም ብኸመይ ኢዩ፧
◻ ሓደ ሰብ ልቡ ክተርር ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧
◻ “እኩይ ዘይኣምን ልቢ” ምእንቲ ከይነማዕብል እንታይ ኢና ክንገብር ዘሎና፧
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]
ኣብቲ ዝዓበየ ሙሴ ዝዀነ የሱስ እምነት ትገብርዶ ኣሎኻ፧