ኣብቲ ናይ ህይወት ቅድድም ሕልናኻ ኣይተዕርብ!
“በቲ ኣብ ቅድሜና ተሐንጺጹልና ዘሎ መቀዳደሚ ኸኣ ብትዕግስቲ ንጕየ።”—እብራውያን 12:1
1, 2. እንታይ ባህ ዘብል ፍጻመታት ኢዩ ነዞም ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዘሐጕሶም፧
ኣብ ባህ ዘብልን ኣጸጋምን እዋን ኢና እንነብር ዘሎና። ልዕሊ 80 ዓመታት ይገብር: ማለት ብ1914: የሱስ ንጉስ ናይታ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ክኸውን ተሸመ። ‘መዓልቲ ጐይታ:’ ምስኡ ተተሓሒዙ ድማ ናይዚ ኣገባብ እዚ “ዘመን መወዳእታ” ጀመረ። (ራእይ 1:10፣ ዳንኤል 12:9) ካብ ሽዑ ኣትሒዙ እቲ ክርስትያናት ንህይወት ዝገብርዎ ቅድድም ብህጹጽ ናህሩ ወሰኸ። ኣገልገልቲ ኣምላኽ ምስታ ዕላማ የሆዋ ንምፍጻም ብዘይ ዕረፍቲ እትንቀሳቐስ ሰማያዊት ሰረገላ የሆዋ: ሰማያዊት ማሕበሩ: ማዕረ ማዕረ ንምጕዓዝ ብርቱዕ ጻዕሪ ይገብሩ ኢዮም።—ህዝቅኤል 1:4-28፣ 1 ቈረንቶስ 9:24
2 ህዝቢ ኣምላኽ ኣብቲ ዘለኣለማዊ ህይወት ንምርካብ ዝግበር ‘ቅድድም ክጐዩ’ ኸለዉ ሓጐስ ረኺቦምዶ፧ እወ: ብርግጽ ሓጐስ ረኺቦም ኢዮም! ምእካብ ናይቶም ተረፍ ኣሕዋት የሱስ ክርእዩ ብሓጐስ ተሰራሲሮም: ናይ መወዳእታ ምሕታም ናይቶም ተረፍ 144,000 ኣብ ምዝዛሙ ከም ዝዀነ ብምግንዛቦም ባህ ኢልዎም ኢዩ። (ራእይ 7:3, 4) ኣብ ርእሲ እዚ ድማ: እቲ የሆዋ ዝሸሞ ንጉስ ነቲ ዝበሰለ ‘ፍረ ምድሪ’ ንምዕጻድ ማዕጺዱ ከም ዝሰደደ ምስትውዓሎም የሐጒስዎም ኢዩ። (ራእይ 14:15, 16) ኣየ ከመይ ዝበለ ፍረ ዀን ኢዩ! (ማቴዎስ 9:37) ክሳዕ ሕጂ ከም እተራእየ: ልዕሊ ሓሙሽተ ሚልዮን ዝዀና ነፍሳት ተኣኪበን ኣለዋ: እዚኣቶም “ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን ካብ ብዘሎ ቛንቋታትን እተአከቡ: ሓደ እኳ ኪቘጽሮም ዘይኽእል ብዙሓት ሰብ [“ዓቢ ጭፍራ:” NW ]” ኢዮም። (ራእይ 7:9) ሰብ ኪቘጽሮም ስለ ዘይክእል: እዞም ዓቢ ጭፍራ ኣብ መወዳእታ ክንድዚ ክዀኑ ኢዮም ክብል ዝኽእል ዋላ ሓደ ሰብ የለን።
3. ከመይ ዝበለ ዕንቅፋታት እናሃለወ ክነሱ ኢና ወትሩ ሕጕስ መንፈስ ንምዅስኳስ ክንጽዕር ዝግብኣና፧
3 ሓቂ ኢዩ: ኣብቲ ቕድድም ብናህሪ ክንጐዪ ኸሎና ሰይጣን ክዕንቅፈና ወይ ከዝሕለና ኢዩ ዝጽዕር። (ራእይ 12:17) ውግእ: ጥሜት: ፌራ: ከምኡውን እቲ ኻልእ መለለዪ ናይዚ መወዳእታ ግዜ ዝዀነ ኵሉ ዓይነት ሽግራት እናሃለወ ኽነሱ ተጸሚምካ ጕያ ኽትቅጽል ቀሊል ኣይኰነን። (ማቴዎስ 24:3-9፣ ሉቃስ 21:11፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:1-5) እንተዀነ ግን: መወዳእታ ናይቲ ቕድድም እናቐረበ ይመጽእ ብምህላዉ ኣልባብና ብሓጐስ ይሰራሰር ኢዩ። ነቲ ጳውሎስ ኣብ ግዜኡ ንዝነበሩ ክርስትያናት ብጾት ክህልዎም ዘተባብዖም መንፈስ ከነንጻባርቕ ኢና እንጽዕር:- “ብጐይታ ዅሉ ሳዕ ተሐጐሱ: ደጊመ፤ ተሐጐሱ: እብል አሎኹ።”—ፊልጲ 4:4
4. በቶም ኣብ ፊልጲ ዝነበሩ ክርስትያናት እንታይ ዝዓይነቱ መንፈስ ኢዩ እተንጸባረቐ፧
4 እቶም ጳውሎስ እዘን ቃላት እዚኣተን ዝጸሓፈሎም ክርስትያናት ኣብ እምነቶም ሓጐስ ይረኽቡ ከም ዝነበሩ ኣየጠራጥርን ኢዩ: ከመይሲ ጳውሎስ ‘ብጐይታ ባህ ምባል [“ቀጽሉ: ” NW ]’ ኢዩ ኢልዎም። (ፊልጲ 3:1) ሰብ ፊልጲ ብቕንእን ዉዕዉዕ ስምዒትን ዘገልግሉ ለጋሳትን ፈቃራትን ጉባኤ ኢዮም ነይሮም። (ፊልጲ 1:3-5፣ 4:10, 14-20) ይኹን እምበር: ከምቲ መንፈስ እቲ ዝነበሮም ኵሎም ናይ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ክርስትያናት ኣይኰኑን። ንኣብነት: ገለ ካብቶም ጳውሎስ መጽሓፍ እብራውያን ዝጸሓፈሎም ካብ ኣይሁድ ዝመጹ ክርስትያናት ንሻቕሎት ምኽንያት ኢዮም ነይሮም።
‘ናብቲ ዝሰማዕካዮ ኣዚኻ ኣቕልብ’
5. (ሀ) እታ ናይ መጀመርታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ክትቀውም ከላ እብራውያን ክርስትያናት እንታይ መንፈስ ኢዩ ዝነበሮም፧ (ለ) ኣብ ከባቢ 60 ከ.ኣ.ዘ. ዝነበረ መንፈስ ናይ ገሊኦም እብራውያን ክርስትያናት ግለጽ።
5 ኣብ ታሪኽ ዓለም ናይ መጀመርታ ክርስትያናዊት ጉባኤ እታ በቶም ብስጋ ኣይሁድን ጵሮሴሊታትን ዝቘመት: ብ33 ከ.ኣ.ዘ. ድማ ኣብ የሩሳሌም እተመስረተት ኢያ ነይራ። እንታይ ዓይነት መንፈስ ነበራ፧ ሓደ ሰብ ካብቲ መስጐጕቲ እናሃለወ ክነሱ ዘርኣየቶ ዉዕዉዕ መንፈስን ሓጐስን ክማሃር ምስ ዝደሊ ነተን ቀዳሞት ምዕራፋት መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ምንባብ ጥራይ ይኣኽሎ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:44-47፣ 4:32-34፣ 5:41፣ 6:7) ይኹን እምበር: ዓመታት እናሓለፈ ምስ ከደ ኵነታት ተለወጠ: ብዙሓት ካብ ኣይሁድ ዝመጹ ክርስትያናት ኣብቲ ናይ ህይወት ቅድድም ብርእዮ ዘሓሉ። ሓደ መወከሲ ጽሑፍ ነቲ ኣብ ከባቢ 60 ከ.ኣ.ዘ. ዝነበረ ኵነታቶም ኣመልኪቱ ከምዚ ይብል:- “ምስልካይን ምሕላልን: ዘይተፈጸመ ትጽቢታት: እተናውሐ ተስፋታት: ደይ መደይ ኢልካ ዝግበር ስንፍናን እምነት ምጕዳልን እተራእየሉ ሃዋሁ ኢዩ ነይሩ። ክርስትያናት ኢዮም ነይሮም እንተዀነ ግን ንኽብሪ እቲ ሰማያዊ ጽውዓኦም ዝነበሮም ሞሳ ነክዩ ነበረ።” ቅቡኣት ክርስትያናት ኣብ ከምዚ ዝበለ ኵነታት ክወድቁ ዝኸኣሉ ብኸመይ ኢዮም፧ ንገለ ክፍልታት ናይታ (ኣብ ከባቢ 61 ከ.ኣ.ዘ. እተጻሕፈት) ጳውሎስ ንእብራውያን ዝሰደደሎም መልእኽቲ ምምርማር ነዚ ሕቶ እዚ ንኽንምልሶ ይሕግዘና ኢዩ። ከምዚ ዝበለ ምምርማር ንዅልና ሎሚ ዘሎና ሰባት ኣብ ተመሳሳሊ ድኹም መንፈሳዊ ኵነታት ንኸይንጥሕል ክንጥንቀቕ ዝሕግዘና ኢዩ።
6. ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ ከምኡውን ኣብቲ ኣብ የሱስ ክርስቶስ እምነት ብምግባር እተመስረተ ኣምልኾ ኴንካ ዝቐርብ ኣምልኾ ዘሎ ገለ ፍልልያት እንታይ ኢዩ፧
6 እብራውያን ክርስትያናት ካብቲ የሆዋ ብሙሴ ኣቢሉ ንዝሃቦ ሕጊ ኢየ ዝእዘዝ ዝብል ስርዓት ኣይሁድነት ኢዮም መጺኦም። እቲ ሕጊ እቲ ንብዙሓት ኣይሁድ ክርስትያናት ኣዝዩ ዝማርኾም ዝነበረ ይመስል: እዚ ድማ ምናልባት ንብዙሕ ዘበናት ናብ የሆዋ ዘቕርብ እንኮ መገዲ: ከምኡውን ክህነትን ስርዓታዊ መስዋእትታትን ኣብ ዓለም ውሩይ ዝነበረ ቤት መቕደስን ዝሓዘ መሳጢ ኣገባብ ኣምልኾ ስለ ዝነበረ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ክርስትና ግን እተፈልየ ኢዩ። ልክዕ ከምቲ ‘[ገና ኣብ መጻኢ ንዝርከብ] ዓስቢ ዝጠመተ’ ከምኡውን ‘ነቲ ዘይርአስ ከም ዝርእዮ ዀይኑ ተዓጊሱ ዝጸንዐ’ ሙሴ: ብመንፈሳዊ ዓይኒ ምርኣይ ዝሓትት ኢዩ ነይሩ። (እብራውያን 11:26, 27) ብዙሓት ኣይሁድ ክርስትያናት ከምዚ ዝበለ ብመንፈሳዊ ዓይኒ ምርኣይ ከም ዝጐደሎም እተረጋገጸ ኢዩ። ዕላማ ብዘለዎ ኣገባብ ኣብ ክንዲ ዝጐዩ ሓንከስከስ ኢዮም ዝብሉ ነይሮም።
7. እቲ ካብኡ ወጺእናሉ ዘሎና ኣገባብ ነቲ ኣብ ናይ ህይወት ቅድድም እንገብሮ ጕያ ብኸመይ ኢዩ ክትንክፎ ዝኽእል፧
7 ሎሚኸ ተመሳሳሊ ኵነታት ኣሎዶ፧ ኣብ ኵነታት ለውጢ ከም ዘሎ ዘይከሓድ ኢዩ። ገና ግን: ክርስትያናት ካብ ሓደ ኣዝዩ ዝጀሃር ኣገባብ ኢዮም ወጺኦም። ዓለም ባህ ዘብል ኣጋጣሚታት ትቕርብ ኢያ: ምስናይዚ ግን ኣብ ልዕሊ ሰባት ሰፍ ዘይብል ሓላፍነታት ተንብር ኢያ። ብተወሳኺ: ብዙሓት ካባና ተጠራጣሪ ኣረኣእያ ልሙድ ኣብ ዝዀነሉ ከምኡውን ንነገራት ስሱዕን ቅድም ንዓይን ዝብል ኣመለኻኽታ ዘለዎም ሰባት ኣብ ዝርከብሉ ሃገራት ኢና እንነብር። ብኸምዚ ዝኣመሰለ ኣገባብ ክንጽሎ እንተድኣ ፈቒድና: ‘ኣዒንቲ ልብና’ ብቐሊሉ ክፈዝዝ ይኽእል ኢዩ። (ኤፌሶን 1:18) ናበይ ገጽና ንኸይድ ከም ዘሎና ኣነጺርና ከነስተውዕል እንተድኣ ዘይክኢልና ኣብቲ ናይ ህይወት ቅድድም ከመይ ኢልና ኢና እንጐዪ፧
8. ክርስትና ካብቲ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዄንካ ዝግበር ኣምልኾ ጸብለል ዝብለሉ ገለ ገለ መገድታት እንታይ ኢዩ፧
8 ጳውሎስ ነቶም ኣይሁድ ክርስትያናት ምእንቲ ኸነቓቕሖም ናይ ክርስትና ኣገባብ ኣብ ልዕሊ ሕጊ ሙሴ ዘለዎ ጸብለልትነት ኢዩ ኣዘኻኺርዎም። ሓቂ ኢዩ: ስጋውያን ህዝቢ እስራኤል ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዝነበሩ ህዝቢ የሆዋ ኸለዉ: የሆዋ በቶም ብመንፈስ እተደረኹ ነብያት ኣቢሉ ይዛረቦም ነበረ። ጳውሎስ ቀጺሉ: ሎሚ ግን “በቲ ወራስ ኵሉ ዝገበሮ ብእኡውን ዓለም ዝፈጠረ ወዱ ገይሩ” ተዛረበና ይብል። (እብራውያን 1:2) ብተወሳኺ ድማ: የሱስ ካብ ኵሎም እቶም ኣብ መስመር ዳዊት ዝነበሩ ነገስታት ‘ብጾቱ’ ዝዓበየ ኢዩ። ካብ መላእኽቲ እውን ከይተረፈ ዝለዓለ ኢዩ።—እብራውያን 1:5, 6, 9
9. ልክዕ ከምቶም ኣብ ግዜ ጳውሎስ ዝነበሩ ክርስትያን ኣይሁድ: ናብቲ የሆዋ ዝዛረቦ “ኣዚና ኸነቕልብ” ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ፧
9 ስለዚ: ጳውሎስ ንክርስትያን ኣይሁድ “ምእንቲ ኸይንጠፍእ: ናብቲ ዝሰማዕናዮ ኣዚና ኸነቕልብ ይግብኣና እዩ” ብምባል መኸሮም። (እብራውያን 2:1) ብዛዕባ ክርስቶስ ምምሃር ዓቢ በረኸት እኳ እንተዀነ: ካልእ ተወሳኺ ግን የድሊ ነበረ። ንጽልዋ ናይቲ ኣብ ከባቢኦም ዝነበረ ናይ ኣይሁድ ዓለም ምእንቲ ኽጻረርዎ ንቓል ኣምላኽ ጽን ኢሎም ክሰምዑ የድልዮም ነበረ። ንሕና እውን ነቲ ተቓሊዕናሉ ዘሎና ካብዛ ዓለም እዚኣ ዝመጽእ ቀጻሊ ፕሮፓጋንዳ ኣብ ግምት ብምእታው ናብቲ የሆዋ ዝዛረቦ ነገራት “ኣዚና ኸነቕልብ” የድልየና ኢዩ። እዚ ድማ ጽቡቕ ናይ መጽናዕቲ ልምዲ ምምዕባልን ጠቓሚ ዝዀነ መደብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ምህላውን ማለት ኢዩ። ከምቲ ጳውሎስ ጸኒሑ ኣብታ ናብ እብራውያን ዝጸሓፋ መልእኽቲ እተዛረቦ: ኣብ ኣኼባታትን እምነትና ንኻልኦት ኣብ ምእዋጅን ስርዓታውያን ምዃን ማለት እውን ኢዩ። (እብራውያን 10:23-25) ከምዚ ዝበለ ንጥፈታት ነቲ ኽቡር ተስፋና ምርኣይ ምእንቲ ኸይንስእን ብመንፈስ ንቑሓት ኴንና ንኽንጸንሕ ክሕግዘና ኢዩ። ንኣእምሮና ናይ የሆዋ ኣተሓሳስባ እንተድኣ መሊእናዮ: በቲ እዛ ዓለም እዚኣ ኣባና ከተውርዶ እትኽእል ዝዀነ ይኹን ነገር ኣይክንዕብለልን ወይ ሚዛንና ኣይክንስሕትን ኢና።—መዝሙር 1:1-3፣ ምሳሌ 3:1- 6
“ንሓድሕድኩም ተማዓዐዱ”
10. (ሀ) ንሓደ ናብ ቃል የሆዋ ኣዝዩ ዘየቕልብ ሰብ እንታይ ከጋጥሞ ይኽእል፧ (ለ) ‘ንሓድሕድና ክንማዓዓድ’ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
10 ንመንፈሳዊ ነገራት ኣዚና እንተድኣ ዘየቕሊብናሉ: ተስፋታት ኣምላኽ ሓቅነት ዘይብሉ መሲሉ ክረኣየና ይኽእል ኢዩ። እዚ ነገር እዚ ኣብተን ኵሎም ኣባላተን ካብቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ዝዀኑ ጉባኤታት ከምኡውን ገለ ካብቶም ሃዋርያት ገና ብህይወት ከለዉ ከይተረፈ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ኣጋጢሙ ኢዩ። ጳውሎስ ንእብራውያን ከምዚ ብምባል ኣጠንቀቖም:- “ኣቱም ኣሕዋተየ: ሎሚ ኺብሀል ከሎ: ኣብ ጸጽባሕ ንሓድሕድኩም ተማዓዐዱ እምበር: ሓደ እኳ ኻባኻትኩም: ሓጢኣት እናዐሸዎ ኸይተርር እሞ: ምናልባሽ ኣብ ሓደ ኻባኻትኩም ካብ ህያው ኣምላኽ ዜርሕቕ እኩይ ዘይአምን ልቢ ኸይህሉ: ተጠንቀቑ።” (እብራውያን 3:12, 13) እታ “ተጠንቀቑ” እትብል ናይ ጳውሎስ መግለጺት ንቑሕ ናይ ምዃን ኣድላይነት ኢያ እተጕልሕ። ሓደጋ የንጸላሉ ኢዩ ዘሎ! ናይ እምነት ምጕዳል “ሓጢኣት” ኣብ ኣልባብና ክዓቢ ይኽእል ይኸውን: ኣብ ክንዲ ናብ ኣምላኽ እንቐርብ ድማ ካብኡ ክንርሕቕ ንኽእል ኢና። (ያእቆብ 4:8) ጳውሎስ ‘ንሓድሕድና ክንማዓዓድ’ የዘኻኽረና። ካብ ሕውነታዊ ሕብረት ዝርከብ ምዉቕ ርክብ የድልየና ኢዩ። “እቲ ንርእሱ ዚፍለ ትምኒቱ ይደሊ: ንዅሉ ጥበብውን ይቃወሞ።” (ምሳሌ 18:1) ናይ ከምዚ ዝበለ ሕብረት ኣድላይነት ሎሚ ንዘለዉ ክርስትያናት ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት: ኣሰምብሊታት: ከምኡውን ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት ስርዓታውያን ኰይኖም ንምክፋል የለዓዕሎም።
11, 12. ነቲ ናይ መባእታ ክርስትያናዊ ሰረተ-እምነታት ጥራይ ብምፍላጥ ክንዓግብ ዘይብልና ስለምንታይ ኢዩ፧
11 ጳውሎስ ጸኒሑ ኣብታ መልእኽቱ እዚ ቐጺሉ ዘሎ ጠቓሚ ዝዀነ ተወሳኺ ምኽሪ ይህብ:- “ከም ምንዋሕ ዘመኑስ መምህራን ክትኰኑ እኳ ምተገብኣኩም ነይሩ: ነቲ ናይ መጀመርታ ትምህርቲ ቘልዑ ናይ ቃል ኣምላኽ ከም ብሓድሽ ኪምህሩኹም የድልየኩም አሎ እሞ ጸባ ደኣ እምበር: ዕጹም ብልዒ ኣየድልየኩምን እዩ። ጸባ ዚቕለብ ዘበለ ዅሉ ቘልዓ እዩ . . . ዕጹም ብልዒ ግና ነቶም ጽቡቕን ክፉእን ንምፍላይ ብምልማድ ንልቦናኦም ዜላምዱ ብጹሓት እዩ።” (እብራውያን 5:12-14) ገለ ኣይሁድ ክርስትያናት ናይ ምርዳእ ክእለቶም ካብ ምዕባይ ሰኒፎም ከም ዝነበሩ ፍሉጥ ኢዩ። ነቲ ንሕግን ግዝረትን ዝምልከት ተወሳኺ ብርሃን ንምቕባሉ ደንጕዮም ነበሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 15:27-29፣ ገላትያ 2:11-14፣ 6:12, 13) ገሊኣቶም ምናልባት ንኸም ሰሙናዊ ሰንበትን ዓመታዊ መዓልቲ ምትዕራቕን ዝኣመሰለ ልምዳዊ ተግባራት ገና ኣኽቢሮም ይርእይዎ ነይሮም ይዀኑ ኢዮም።—ቈሎሴ 2:16, 17፣ እብራውያን 9:1-14
12 ስለዚ ኸኣ: ጳውሎስ “ናይ ክርስቶስ መጀመርታ ነገሩ ሐዲግና . . . ናብ ፍጻሜ ንሕለፍ” ይብል። (እብራውያን 6:1) ብዛዕባ መግቡ ኣጸቢቑ ዝጥንቀቕ ናይ ማራቶን ጐያያይ ነቲ ነዊሕን ኣድካምን ቅድድም ብምጽማም ንኽውድኦ ዝበለጸ ዓቕሚ ኣለዎ። ብተመሳሳሊ: ብዛዕባ መንፈሳዊ መግቡ—ኣብቲ ናይ ‘መጀመርታ ነገራት’ ከይተደረተ—ኣጸቢቑ ዝጥንቀቕ ክርስትያን ድማ ኣብቲ ቕድድም ንኽቕጽልን ነቲ ቕድድም ክውድእን ዝበለጸ ዓቕሚ ኣለዎ። (ምስ 2 ጢሞቴዎስ 4:7 ኣረኣእዮ።) እዚ ድማ ኣብ ‘ምግፋሕን ምንዋሕን ምዕማቝን ቍመትን’ ቃል ሓቂ ተገዳስነት ምምዕባል: ብእኡ ኣቢልካ ናብ ብስለት ምዕባይ ማለት ኢዩ።—ኤፌሶን 3:18
“ትዕግስቲ የድልየኩም እዩ”
13. እብራውያን ክርስትያናት ኣብ ዝሓለፈ እዋናት እምነቶም ዝገለጹ ብኸመይ ኢዮም፧
13 ኣብቲ ደድሕሪ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ዝነበረ እዋን: ኣይሁድ ክርስትያናት ከቢድ ምጽራር እኳ እንተ ኣጋጠሞም ብጽንዓት ደው ኢሎም ኢዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 8:1) ጳውሎስ “ነተን ብዙሕ ገድልን ስቓይን ተዐጊስኩም: ብርሃን እተቐበልኩምለን ቀዳሞት መዓልትታት ዘክርወን” ኢሉ ክጽሕፍ ከሎ ምናልባት ነዚ ዅነታት እዚ ብምዝካር ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (እብራውያን 10:32) ከምዚ ዝበለ ተኣማንነት ዘለዎ ምጽማም ንኣምላኽ ዝነበሮም ፍቕሪ ኣርእዩ: ኣብ ቅድሚኡ ድማ ናይ ምዝራብ ናጽነት ሂብዎም ኢዩ። (1 ዮሃንስ 4:17) ጳውሎስ ብሰንኪ ጕድለት እምነት ነቲ ዝረኸብዎ ናይ ምዝራብ ናጽነት ከይድርብይዎ ይምዕዶም። ከምዚ ኢሉ ይላበዎም:- “ፍቓድ ኣምላኽ እናገበርኩም: ነታ ተስፋ ምእንቲ ኽትረኽብዋስ: ትዕግስቲ የድልየኩም እዩ። ማለት፤ ገና ኣዝዩ ቕሩብ ዘመን እዩ: እቲ ዚመጽእ ኪመጽእ እዩ ኣይኪድንጕን ከኣ እዩ።”—እብራውያን 10:35-37
14. ንየሆዋ ኣምላኽ ንነዊሕ ዓመታት ድሕሪ ምግልጋልና እውን እንተዀነ ምእንቲ ኽንጽመም ክሕግዘና ዘለዎ ሓቅታት እንታይ ኢዩ፧
14 እዞም ሎሚ ዘሎናኸ፧ መብዛሕትና ነቲ ናይ ክርስትና ሓቂ ክንማሃር ከሎና ቀናኣት ኢና ነይርና። እቲ ቕንኢ እቲ ገና ኣሎዶ፧ ወይስ ‘ነታ ቐዳመይቲ ፍቕሪ ሓዲግናያ’ ኢና፧ (ራእይ 2:4) ምናልባት ንኣርማጌዶን ምጽባይ ብመጠኑ ተስፋ ስለ ዘቝረጸና ወይ ድማ ስለ ዘድከመና ካብቲ ዝነበርናዮ ዝሒልና ዲና፧ ሓንሳእ እሞ ሕስብ ኣብለሉ። ቃል ሓቂ ካብቲ ቕድሚ ሕጂ ዝነበሮ ዝለዓለ ግምት ኣይነከየን። የሱስ ገና ሰማያዊ ንጉስና ኢዩ። ኣብ ሓንቲ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ክንነብር ዘሎና ተስፋ ገና ኸም ቀደሙ ኢዩ: ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ድማ ገና ይቕጽል ኢዩ ዘሎ። ፈጺምካ ክርሳዕ ዘይብሉ ድማ “እቲ ዚመጽእ ኪመጽእ እዩ ኣይኪድንጕን ከኣ እዩ።”
15. ከም የሱስ: ገለ ክርስትያናት መሪር መስጐጕቲ እተጸመሙ ብኸመይ ኢዮም፧
15 ስለዚ ድማ: እተን ኣብ እብራውያን 12:1, 2 ዘለዋ ቃላት ጳውሎስ ኣዝየን ዝሰማምዓ ኢየን:- “ንዅሉ ዚኸብደናን ነቲ ዚጠብቀና ሓጢኣትን [ምጕዳል እምነት] ነርሕቕ: በቲ ኣብ ቅድሜና ተሐንጺጹልና ዘሎ መቀዳደሚ ኸኣ ብትዕግስቲ ንጕየ። ናብቲ: ሕፍረት ንዒቑ: ስለቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ መስቀል እተዐገሰን ኣብ የማን ኣምላኽ እተቐመጠን ጀማር እምነትናን ደምዳሚኣን የሱስ ንጠምት።” ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ዝጽመምዎ ብዙሕ ነገራት ኢዩ ዘሎ። ልክዕ ከምቲ ብዘሰቅቕ ሞት ክሳዕ ዝመውት እሙን ዝነበረ የሱስ: ገሊኦም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣዝዩ ሕሱም መስጐጕቲ—ኣብያተ ማእሰርቲ: ስቅያት: ምግሳስ: ሞት እውን ከይተረፈ—ብተኣማንነት ተጸሚሞም ኢዮም። (1 ጴጥሮስ 2:21) ነቲ ዘርኣይዎ ንጽህና ምሕላው ክንምርምር ከሎና ልብና በቲ ኣብኣቶም ዘሎና ፍቕሪ ኣይመልእንዶ ኢዩ፧
16, 17. (ሀ) መብዛሕትኦም ክርስትያናት ምስ ከመይ ዝበለ ንእምነቶም ዝብድህ ነገራት ኢዮም ዝቃለሱ፧ (ለ) ኣብቲ ናይ ህይወት ቅድድም ጕያና ንምቕጻል ዝሕግዘና እንታይ ምዝካር ኢዩ፧
16 ይኹን እምበር: ‘ምስቲ ሓጢኣት እቲ ብምቅላስኩም ገና ኽሳዕ ኣብ ደም እትበጽሑ ኣይተቓወምኩምን’ ዝብል ቀጺሉ ዘሎ ቃላት ጳውሎስ ኣብ ዝበዝሑ ክርስትያናት ዝውዕል ኢዩ። (እብራውያን 12:4) እንተዀነ ግን: ኣብዚ ኣገባብ እዚ መገዲ ሓቂ ንዝዀነ ይኹን ካባና ቀሊል ኣይኰነን። ገሊኦም ንላግጺ ብምጽማም ወይ ሓጢኣት ንምፍጻም ዘሎ ድፍኢት ብምቅዋም: በቲ ኣብ ዓለማዊ ስራሕ ወይ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኻብ “ሓጥኣን . . . [ዝመጽእ] ምጽራር” ተስፋ ይቘርጹ ኢዮም። (እብራውያን 12:3) ብርቱዕ ፈተና ነቲ ገሊኣቶም ዝለዓለ መዐቀኒታት ኣምላኽ ንምዕቃብ ዘርኣይዎ ቈራጽነት ኣላሕሊሕዎ ኢዩ። (እብራውያን 13:4, 5) ከሓድቲ ንመንፈሳዊ ሚዛን ናይቶም ነቲ መርዛም ፕሮፓጋንድኦም ጽን ኢሎም ዝሰምዑ ሒደት ሰባት ተንኪፍዎ ኢዩ። (እብራውያን 13:9) ንኻልኦት ብምኽንያት ናይ ባህሪ ፍልልይ ዘጋጥም ግድላት ሓጐሶም ይሰርቆም። ቅጥዒ ዘይብሉ ናይ መዘናግዕን ናይ ግዜ ዕረፍትን ንጥፈታት ንገሊኦም ክርስትያናት ኣስኒፍዎም ኢዩ። ብዙሓት ድማ በቲ ኣብዚ ኣገባብ እዚ ዘሎ ናይ ናብራ ግድላት ጸቕጢ ተሰሚዕዎም ኢዩ።
17 ሓቂ ኢዩ: ካብዚ ዝረኣናዮ ኵነታት ‘ክሳዕ ኣብ ደም ዘብጽሕ ምቅዋም’ ኣይሓትትን ኢዩ። ገሊኡ ድማ ምንጩ ባዕልና ዝገበርናዮ ጌጋ ውሳነ ዀይኑ ክርከብ ይኽእል ኢዩ። ኵሉ ግን ንእምነትና ዝብድህ ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ: ኣዒንትና ኣብቲ የሱስ ዘርኣዮ ብሉጽ ናይ ምጽማም ኣብነት ከም ዘተኵር ክንገብሮ ዘሎና። ተስፋና ክሳዕ ክንደይ ዓቢ ምዃኑ ፈጺምና ኣይንረስዕ። የሆዋ ‘ነቶም ዝደልይዎ ዓስቢ ኸም ዝህቦም’ ዘሎና እምነት ፈጺምና ኣይነጥፍኣዮ። (እብራውያን 11:6) ከምዚ ምስ እንገብር: ኣብቲ ናይ ህይወት ቅድድም ጕያና ምእንቲ ኽንቅጽል መንፈሳዊ ሓይሊ ክህልወና ኢዩ።
ክንጽመም ንኽእል ኢና
18, 19. ከመይ ዝበለ ታሪኻዊ ፍጻመታት ኢዩ ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ እብራውያን ክርስትያናት ነቲ መንፈስ ዝነፈሶ ናይ ጳውሎስ ምኽሪ ከም ዘቕለብሉ ዝሕብር፧
18 ኣይሁድ ክርስትያናት ነቲ ናይ ጳውሎስ መልእኽቲ ብኸመይ መለስሉ፧ ካብቲ መልእኽቲ እብራውያን እተጻሕፈትሉ ግዜ ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመታት ኣቢሉ ይኸውን ይሁዳ ኣብ ውግእ ኢያ ነይራ። ብ66 ከ.ኣ.ዘ. ንፍጻሜ ናይቲ “የሩሳሌም ብሰራዊት ተኸቢባ እንተ ርኤኹም: ሽዑ ጥፍኣታ ኸም ዝቐረበ ፍለጡ” ዝብል ቃላት የሱስ: ሰራዊት ሮሜ ንየሩሳሌም ከበብዋ። (ሉቃስ 21:20) ይኹን እምበር: ንጥቕሚ እቶም ኣብቲ እዋን እቲ ኣብ የሩሳሌም ክህልዉ ዝኽእሉ ክርስትያናት ኢሉ የሱስ ከምዚ በለ:- “ሽዑ ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ይህደሙ: ኣብ ውሽጣ ዘለዉ ኸኣ ካብኣ ይውጽኡ: ኣብ ሃገረ ሰብ ዘለዉውን ናብኣ ኣይእተዉ።” (ሉቃስ 21:21) ስለዚ: እቲ ምስ ሮማውያን ዝነበረ ውግእ ፈተና ኣምጽአ:- እቶም ኣይሁድ ክርስትያናት ነታ ማእከል ኣምልኾ ኣይሁድ ዝነበረትን እታ ኽብርቲ ቤት መቕደስ ድማ ዝነበረትላን የሩሳሌም ሓዲጎምዋ ክኸዱ ድዮም፧
19 ሃንደበትን ብዘይ ፍሉጥ ምኽንያትን: ሮማውያን ኣዝለቑ። ሃይማኖታውያን ኣይሁድ ነዚ ዅነታት እዚ ኣምላኽ ነታ ቅድስቲ ኸተማኦም ይከላኸለላ ከም ዝነበረ ገይሮም ወሲዶምዎ ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። ክርስትያናትከ፧ ታሪኽ ከም ዝሃደሙ ኢዩ ዝነግረና። ድሕርዚ: ብ70 ከ.ኣ.ዘ. ሮማውያን እንደገና ተመልሱ: ኣብ ህይወት ዘስካሕክሕ መቕዘፍቲ ብምውራድ ንየሩሳሌም ምሉእ ብምሉእ ኣጥፍእዋ። እታ ብዮኤል ኣቐዲሙ ተዘሪቡላ ዝነበረ “መዓልቲ እግዚኣብሄር [“የሆዋ:” NW ]” ኣብ ልዕሊ የሩሳሌም መጸት። እሙናት ክርስትያናት ግን ኣብኡ ስለ ዘይነበሩ ‘ድሒኖም’ ኢዮም።—ዮኤል 2:30-32፣ ግብሪ ሃዋርያት 2:16-21
20. እታ ዓባይ “መዓልቲ የሆዋ” ከም ዝቐረበት ምፍላጥና በየናይ መገድታት ኢዩ ከለዓዕለና ዘለዎ፧
20 ሎሚ: ካልእ ዓባይ “መዓልቲ እግዚኣብሄር [“የሆዋ:” NW ]” ንብምሉኡ እዚ ኣገባብ እዚ ድሕሪ ሓጺር እዋን ከተጥፍኦ ምዃና ንፈልጥ ኢና። (ዮኤል 3:12-14) እታ መዓልቲ እቲኣ መዓስ ከም እትመጽእ ኣይንፈልጥን ኢና። ቃል ኣምላኽ ግን ብሓቂ ክትመጽእ ምዃና የረጋግጸልና ኢዩ! የሆዋ ከም ዘይትድንጒ ተዛሪቡ ኢዩ። (ኣንባቆም 2:3፣ 2 ጴጥሮስ 3:9, 10) ስለዚ እምበኣር: “ናብቲ ዝሰማዕናዮ ኣዚና ኸነቕልብ ይግብኣና እዩ።” ካብቲ ብቐሊሉ ‘ዝጠብቀና ሓጢኣት’ ማለት እምነት ምጕዳል: ንርሓቕ። ክሳዕ መወዳእታ ንምጽማም ንቝረጽ። እታ ዓባይ ሰረገላ መሰል ሰማያዊት ማሕበር የሆዋ ኣብ ጕዕዞ ኸም ዘላ ዘክሩ። ዕላማኣ ድማ ክትፍጽም ኢያ። ስለዚ ዅልና ጕያና ንቐጽል ኣብቲ ናይ ህይወት ቅድድም ድማ ሕልናና ኣይነዕርብ!
ትዝክሮዶ፧
◻ ነየናይ ጳውሎስ ንሰብ ፊልጲ ዝሃቦም ምዕዶ ምቕላብ ኢዩ ኣብቲ ናይ ህይወት ቅድድም ንኽንጽመም ዝሕግዘና፧
◻ ነቲ እዛ ዓለም እዚኣ ንኸነስግል እትገብረልና ጽልዋ ክንቃወሞ ዝሕግዘና እንታይ ኢዩ፧
◻ ኣብቲ ቕድድም ምእንቲ ኽንጽመም ንሓድሕድና ክንተሓጋገዝ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
◻ ገለ ካብቲ ንሓደ ክርስትያን ከዝሕሎ ዝኽእል ነገራት እንታይ ኢዩ፧
◻ ኣብነት የሱስ ንኽንጽመም ክሕግዘና ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧
[ኣብ ገጽ 8, 9 ዘሎ ስእሊ]
ክርስትያናት ልክዕ ከም ተቐዳደምቲ: ዝዀነ ይኹን ነገር ክዕንቅፎም ከፍ ቅዱ የብሎምን
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]
ነታ ዓባይ ሰማያዊት ሰረገላ የሆዋ ዕላማ ኣምላኽ ካብ ምፍጻም ክኽልክላ ዝኽእል ዋላ ሓንቲ የለን