ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w11 15/9 ገጽ 16-20
  • በቲ መቀዳደሚ ብትዕግስቲ ጕየ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • በቲ መቀዳደሚ ብትዕግስቲ ጕየ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንኽትዕወት ትዕግስቲ የድሊ
  • “ደበና ምስክር”
  • ተዓዊቶም—ብኸመይ፧
  • ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ
  • ክሳዕ መወዳእታ ክትጽመም ትኽእል ኢኻ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • “ምእንቲ ኽትረኽብዋ . . . ጕየዩ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ‘እቲ ጕያ ወድእ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
  • ኣብቲ ናይ ህይወት ቅድድም ሕልናኻ ኣይተዕርብ!
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
w11 15/9 ገጽ 16-20

በቲ መቀዳደሚ ብትዕግስቲ ጕየ

“በቲ ኣብ ቅድሜና ተሐንጺጹልና ዘሎ መቀዳደሚ ኸኣ ብትዕግስቲ ንጕየ።”​—እብ. 12:1።

1, 2. ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናዊ ናብራ ምስ እንታይ እዩ ኣመሳሲልዎ፧

ኣብ ዓዓመት፡ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ናይ ማራቶን ቅድድም ይግበር እዩ። እቶም ብሉጻት ዚበሃሉ ተቐዳደምቲ ኣብቲ ቕድድም ዚኣትዉ፡ ዓወት ንምርካብ እዩ። እቶም ካልኦት ተቐዳደምቲ ግና፡ ካብዚ ቕሩብ ፍልይ ዝበለ ዕላማ እዩ ዘለዎም። እዚኣቶም ነቲ ጕያ ምውዳኡ ጥራይ፡ ከም ሓደ ዜዅርዕ ዓወት እዮም ዚቘጽርዎ።

2 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ክርስትያናዊ ናብራ ምስ ቅድድም ተመሳሲሉ ኣሎ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ነቶም ኣብ ጥንታዊት ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያን ብጾቱ፡ ኣብ ቀዳመይቲ መልእኽቱ፡ ነዚ ሓሳብ እዚ ኣጕሊሑሎም ኣሎ። “ኣብቲ ስፍራ ቕድድም ዚቃዳደሙኸ ዅላቶም ከም ዚጐዩ፡ ነታ ዓስቢ ዓወት ግና ሓደ ኸም ዚወስዳዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትረኽብዋ፡ ከምኡ ጕየዩ” ኢሉ ጸሓፈ።​—1 ቈረ. 9:24።

3. ጳውሎስ፡ ሓደ ተቐዳዳማይ ጥራይ ከም ዚዕወት ዝጠቐሰ ስለምንታይ እዩ፧

3 ጳውሎስ፡ ሓደ ኻብቶም ክርስትያናት ጥራይ ነቲ ዓስቢ ህይወት ከም ዚረክብ፡ እቶም ካልኦት ግና ንኸንቱ ኸም ዚጐይዩ ድዩ ዚዛረብ ነይሩ፧ ኣይፋሉን! ኣብ ውድድር ዚጐይዩ ተቐዳደምቲ፡ ምእንቲ ኺዕወቱ ኣጸቢቖም እዮም ዚጽዕሩን ዚለማመዱን። ጳውሎስ ንክርስትያን ብጾቱ፡ ኣብቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንምርካብ ዚገብርዎ ቕድድም ከምኡ ዓይነት ጻዕሪ ኺገብሩ እዩ ዚደልዮም ነይሩ። በዚ ኸምዚ፡ ዓስቢ ህይወት ንምርካብ ተስፋ ኺገብሩ ይኽእሉ ነበሩ። እወ፡ ኣብ ክርስትያናዊ ቕድድም፡ ጕያኦም ዚውድኡ ዘበሉ ነቲ ዓስቢ ዓወት ይረኽብዎ እዮም።

4. ነቲ ኣብ ቅድሜና ተሓንጺጹልና ዘሎ መቀዳደሚ ብዚምልከት እንታይ ክንምርምር ኣሎና፧

4 እዘን ቃላት እዚኣተን ንዅሎም እዞም ሎሚ ንህይወት ኣብ ዚግበር ቅድድም እንጐዪ ተቐዳደምቲ፡ ጕያና ንኽንውድእ የተባብዓና፡ ብዛዕባ ኣነባብራና ኣርዚንና ንኽንሓስብ ኸኣ ይድርኻና እየን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ እቲ ኣብ ሰማይ ይኹን ኣብ ምድራዊት ገነት ዚርከብ ህይወት መወዳድርቲ የብሉን። ሓቂ እዩ፡ እቲ ጕያ ነዊሕን ኣድካምን እዩ፣ ብዘይካዚ፡ ብዙሕ ዕንቅፋታትን መስገሊታትን ሓደጋታትን ዘለዎ እዩ። (ማቴ. 7:13, 14) እቲ ዜሕዝን ግና፡ ገሊኣቶም ኣብ መገዲ ዛሕቲሎም፡ ተሓሊሎም፡ ወይ ወዲቖም እዮም። ኣብቲ ንህይወት ዚግበር ቅድድም፡ እንታይ ዕንቅፋታትን ሓደጋታትን እዩ ዜጋጥም፧ ነዚ ብኸመይ ክትሰግሮ ትኽእል፧ ነቲ ጕያ ወዲእካ ዓወት ክትረክብ እትኽእልከ ብኸመይ ኢኻ፧

ንኽትዕወት ትዕግስቲ የድሊ

5. ኣብ እብራውያን 12:1 ተመዝጊቡ ኸም ዘሎ፡ ጳውሎስ ብዛዕባ ቕድድም እንታይ እዩ ጠቒሱ፧

5 ጳውሎስ ኣብታ ጸኒሑ ነቶም ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ይሁዳን ዝነበሩ እብራውያን ክርስትያናት ዝለኣኻ መልእኽቱ፡ እንደገና ብዛዕባ ጸወታታት ኣትለቲክስ ወይ ቅድድም ጠቒሱ ነይሩ እዩ። (እብራውያን 12:1 ኣንብብ።) ሓደ ሰብ ኣብቲ ቕድድም ብኸመይ ኪሳተፍ ከም ዘለዎ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብኸመይ ኪዕወት ከም ዘለዎ እውን ሓቢሩ እዩ። እቲ ጳውሎስ ንእብራውያን ክርስትያናት ዝሃቦም መንፈስ ዝነፈሶ ምኽሪ እንታይ ትምህርቲ ሒዙልና ኸም ዘሎ ቕድሚ ምምርማርና፡ ነዚ መልእኽቲ ንኺጽሕፍ እንታይ ከም ዝደረኾን ንኣንበብቱ እንታይ ንኺገብሩ የተባብዖም ከም ዝነበረን እስከ ንመርምር።

6. ክርስትያናት ካብ መራሕቲ ሃይማኖት እንታይ ጸቕጢ እዩ ዚወርዶም ነይሩ፧

6 እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ብሕልፊ እቶም ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ይሁዳን ዚነብሩ ዝነበሩ፡ ብዙሕ ፈተናታትን ጸገማትን የጋጥሞም ነበረ። በቶም ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ ሓያል ጽልዋ ዚገብሩ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ፡ ከቢድ ጸቕጢ ይወርዶም ነበረ። ኣቐድም ኣቢሎም እዞም መራሕቲ እዚኣቶም፡ ንየሱስ ክርስቶስ ከም መናዓቢ ተቘጺሩ ኸም ዚዅነን፡ ከም ገበነኛ ተፈሪዱ ድማ ከም ዚቕተል ገይሮም እዮም። ድሕርዚ ኸኣ ነቶም ብዛዕባኡ ዚሰብኩ ይጻረርዎም ነበሩ። ኣብ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት፡ ደድሕሪ እቲ ብ33 ድ.ክ. እተፈጸመ ተኣምራት፡ ንክርስትያናት ምፍርራህን መጥቃዕትን ይወርዶም ከም ዝነበረ ዚገልጽ ሓያሎ ጸብጻባት ተመዝጊቡ ኣሎ። እዚ ዅነታት እዚ፡ ነቶም እሙናት ክርስትያናት ብዙሕ ጸገማት ከም ዝፈጠረሎም ፍሉጥ እዩ።​—ግብ. 4:1-3፣ 5:17, 18፣ 6:8-12፣ 7:59፣ 8:1, 3።

7. እቶም ጳውሎስ ዝጸሓፈሎም ክርስትያናት ዚነብሩሉ ዝነበሩ እዋን ኣዝዩ ጽንኩር ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

7 እዞም ክርስትያናት እዚኣቶም፡ ቀቅድሚ እቲ ስርዓት ኣይሁድ ዜብቅዓሉ እዋን እውን ይነብሩ ነይሮም እዮም። የሱስ ከኣ ብዛዕባ እቲ ኣብቶም ዘይእሙናት ህዝቢ ኣይሁድ ዚወርድ ጥፍኣት ኣቐዲሙ ነጊርዎም ነይሩ እዩ። ብዘይካዚ፡ ቀቅድሚ እቲ ጥፍኣት እንታይ ነገራት ከም ዚፍጸም ኣብ ርእሲ ምንጋሩ፡ ምእንቲ ኺድሕኑ እንታይ ስጕምቲ ኺወስዱ ኸም ዘለዎም ዚሕብር ንጹር መምርሒታት እውን ሂቡዎም እዩ። (ሉቃስ 21:20-22 ኣንብብ።) እንታይከ እዮም ኪገብሩ ነይርዎም፧ የሱስ፡ “ስስዔን ስኽራንን ሓልዮት ሓዳርን ንልብኹም ከይኸብድ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ብድንገት ከይትመጸኩምሲ፡ ንነፍስኹም ተጠንቀቑ” በሎም።​—ሉቃ. 21:34።

8. ንገሊኣቶም ክርስትያናት ከም ዚዝሕሉ ወይ ከም ዚሕለሉ ዝገበሮም እንታይ ኪኸውን ይኽእል፧

8 ጳውሎስ ናብ እብራውያን መልእኽቲ ኣብ ዝጸሓፈሉ እዋን፡ ካብቲ የሱስ ነቲ መጠንቀቕታታት እቲ ዝሃበሉ እዋን 30 ዓመት ኣቢሉ ሓሊፉ ነበረ። ክንድዚ ዚኣክል ግዜ ምሕላፉ፡ ነቶም ክርስትያናት እንታይ ጽልዋ እዩ ገይሩሎም፧ ገሊኣቶም በቲ ኣብ መዓልታዊ ናብራኦም ዜጋጥሞም ዝነበረ ጸቕጥታትን መሐንኰሊታትን ተሰኒፎም፡ መንፈሳዊ ዕቤት ካብ ምግባር ከኣ ዓዲ ውዒሎም ነበሩ። መንፈሳዊ ዕቤት እንተ ዚገብሩ ነይሮም ግና ሓይሊ ምረኸቡ። (እብ. 5:11-14) ገሊኣቶም ከኣ፡ ምስ መብዛሕትኦም እቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነበሩ ኣይሁድ እንተ ተሓባቢሮም፡ ቀሊል ናብራ ኺነብሩ ኸም ዚኽእሉ ዀይኑ ተሰሚዕዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ። ደሓር ከኣ እቶም ሽዑ ዝነበሩ ኣይሁድ ንኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ኣይጠንጠንዎን፣ ከመይሲ ንሕጉ ብመጠኑ ይሕልውዎ ነይሮም እዮም። ገሊኣቶም ክርስትያናት ድማ፡ በቶም ሕጊ ሙሴን ስርዓት ኣቦታትን ኪሕሎ ኸም ዚግባእ ዚምህሩ ኣብታ ጉባኤ ዝነበሩ ውልቀ ሰባት፡ ተሓቢሎም ወይ ጃጅዮም ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ጳውሎስ፡ ክርስትያን ኣሕዋቱ ብመንፈስ ንቑሓት ኰይኖም ብምቕጻል ኣብቲ ቕድድም ምእንቲ ኺዕገሱ፡ ንኺሕግዞም እንታይ እዩ ኺብል ዚኽእል ነይሩ፧

9, 10. (ሀ) ኣብ መወዳእታ እብራውያን ምዕራፍ 10፡ እንታይ ጳውሎስ ዝጸሓፎ ዜተባብዕ ሓሳባት ኢና እነንብብ፧ (ለ) ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ እቶም ጥንታውያን መሰኻኽር ብእምነት ዝገበርዎ ተግባራት ዝጸሓፈ ስለምንታይ እዩ፧

9 ጳውሎስ ንእብራውያን ክርስትያናት ኬበራትዖም ደልዩ፡ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ እንታይ ኢሉ ኸም ዝጸሓፈሎም ምምርማርና ኣገዳሲ እዩ። ንሱ ኣብ እብራውያን ምዕራፍ 10፡ “ሕጊ፡ ጽላሎት እቲ ዚመጽእ ሰናይ ነገር” ከም ዝዀነ ሓቢሩ፡ ብዛዕባ እቲ መስዋእታዊ በጃ ክርስቶስ ዘለዎ ዋጋ እውን ኣነጺሩ ገሊጹ ኣሎ። ኣብ ኣጋ መወዳእታ እታ ምዕራፍ ከኣ፡ ንክርስትያናት፡ “ፍቓድ ኣምላኽ እናገበርኩም፡ ነታ ተስፋ ምእንቲ ኽትረኽብዋስ፡ ትዕግስቲ የድልየኩም እዩ። ማለት፤ ገና ኣዝዩ ቕሩብ ዘመን እዩ፡ እቲ ዚመጽእ ኪመጽእ እዩ ኣይኪድንጕን ከኣ እዩ” ኢሉ ተላበዎም።​—እብ. 10:1, 36, 37።

10 ጳውሎስ ኣብ እብራውያን ምዕራፍ 11፡ ብዛዕባ ናይ ሓቂ እምነት ጽቡቕ ገይሩ ገሊጹ ኣሎ። ኣብዛ ምዕራፍ እዚኣ ብምልእታ፡ ታሪኽ ናይቶም እምነት ብምርኣይ ኣብነት ዝዀኑ ሰብኡትን ኣንስትን ኣዘንትዩ ኣሎ። እዚ ኻብ ኣርእስቱ ወጻኢ ድዩ ነይሩ፧ ኣይፋሉን። ከመይሲ፡ ጳውሎስ ክርስትያን ብጾቱ ብትብዓት ስጕምቲ ንኺወስዱን ትዕግስቲ ንኺህልዎምን፡ እምነት ወሳኒት ምዃና ኺፈልጡ ኸም ዜድልዮም ተገንዚቡ ነበረ። እቲ እቶም ጥንቲ ዝነበሩ እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ዝገደፍዎ ብሉጽ ኣብነት፡ ነቶም እብራውያን ነቲ ዜጋጥሞም ፈተናታትን ጸገማትን ንኺወጽኡሉ ሓይሊ ኺህቦም ይኽእል ነበረ። ስለዚ ኸኣ፡ ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ጥንታውያን እሙናት ኣገልገልቲ ብእምነት ዝገበርዎ ተግባራት ድሕሪ ምዝርዛሩ፡ “ምእንትዚ ንሕና ድማ ብኽንድዚ ዚአክል ደበና ምስክር ተኸቢብና ኸሎና፡ ንዅሉ ዚኸብደናን ነቲ ዚጠብቀና ሓጢኣትን ነርሕቕ፡ በቲ ኣብ ቅድሜና ተሐንጺጹልና ዘሎ መቀዳደሚ ኸኣ ብትዕግስቲ ንጕየ” ኺብል ክኢሉ እዩ።​—እብ. 12:1።

“ደበና ምስክር”

11. ብዛዕባ እቶም “ክንድዚ ዚአክል ደበና ምስክር” ተባሂሎም ዘለዉ ሰባት ምስትንታንና፡ እንታይ ጽልዋ እዩ ኺገብረልና ዚኽእል፧

11 እቶም “ክንድዚ ዚአክል ደበና ምስክር” ተባሂሎም ዘለዉ ሰባት፡ ከምቶም ነቲ ቕድድም ንኺዕዘቡ፡ ወይ ነቲ ዝፈትውዎ ተቐዳዳማይ ወይ ጋንታ ንኺርእዩ ጥራይ ዝመጹ ተዓዘብቲ ወይ ተመልከትቲ ኣይኰኑን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ልክዕ ከምቶም ኣብ መቀዳደሚ ዚጐይዩ ተቐዳደምቲ እዮም ነይሮም። ጕያኦም ከኣ ብዓወት ወዲኦም እዮም። ሕጂ ሞይቶም እኳ እንተለዉ፡ ከምቶም ንሓደስቲ ተቐዳደምቲ ዜተባብዑ ተመክሮ ዘለዎም ተቐዳደምቲ ጌርካ ኺረኣዩ ይኽእሉ እዮም። ሓደ ተቐዳዳማይ፡ ገለ ኻብቶም ዕዉታት ተቐዳደምቲ ኣብ ዙርያኡ ዀይኖም ይዕዘብዎ ኸም ዘለዉ እንተ ዚፈልጥ፡ እንታይ ኪስምዖ ኸም ዚኽእል እሞ ገምት። ብዝከኣሎ መጠን ብምጕያይ ንኺዕወትዶ ኣይምተደረኸን፧ እቶም ጥንታውያን መሰኻኽር ድማ ብተመሳሳሊ ኸምዚ ዝኣመሰለ ምሳልያዊ ቕድድም ክሳዕ ክንደይ ኣድካሚ ይኹን ብዘየገድስ፡ ብዓወት ኪዛዘም ከም ዚኽእል ኪምስክሩ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ ድማ፡ እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ እብራውያን ክርስትያናት፡ ኣብቶም “ደበና ምስክር” ብምጥማት፡ ተቢዖም ‘በቲ መቀዳደሚ ብትዕግስቲ ኺጐዩ’ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። ንሕና እውን ከምኡ ኽንገብር ንኽእል ኢና።

12. ካብቶም ጳውሎስ ዝጠቐሶም ኣብነታት እንታይ ኢና ኽንመሃር እንኽእል፧

12 መብዛሕትኦም እቶም ጳውሎስ ዝጠቐሶም እሙናት ሰባት፡ ምስ ኵነታትና ዚመሳሰል ኵነታት እዩ ነይርዎም። ንኣብነት፡ ኖህ ኣብቲ እታ ቕድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበረት ዓለም እትጠፍኣሉ እዋን እዩ ዚነብር ነይሩ። ንሕና እውን ብተመሳሳሊ፡ ጥፍኣት እዚ ሕጂ ዘሎ ስርዓት ዓለም ኣብ እተቓረበሉ እዋን ኢና እንነብር ዘሎና። ኣብርሃምን ሳራን ብናይ ሓቂ ኣምልኾ ምእንቲ ኺመላለሱ፡ ካብ ዓዶም ኪወጹን መብጽዓ የሆዋ ኽሳዕ ዚፍጸም ኪጽበዩን ጻውዒት ቀሪቡሎም ነይሩ እዩ። ንሕና እውን፡ ርእስና ኽሒድና፡ ስምረት የሆዋን ነቲ ዘዳለወልና በረኸትን ክንረክብ ጻውዒት ቀሪቡልና ኣሎ። ሙሴ ናብ ምድሪ ተስፋ ንምእታው፡ ብሓደ ኣዝዩ ዜፍርህ በረኻ ተጓዒዙ እዩ። ንሕና እውን፡ ናብ ሓዳስ ዓለም ንምእታው፡ ኣብዛ ጥፍኣታ ቐሪቡ ዘሎ ዓለም ንጕዓዝ ኢና ዘሎና። ብሓቂ እምበኣር፡ እቲ እዞም ኣቐዲሞም እተጠቕሱ ሰባት ዘሕለፍዎ ዅነታት፡ ማለት ዓወቶምን ውድቀቶምን፡ ብርታዐኦምን ድኻሞምን፡ ምምርማርና ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።​—ሮሜ 15:4፣ 1 ቈረ. 10:11።

ተዓዊቶም—ብኸመይ፧

13. ንኖህ እንታይ ብድሆታት እዩ ኣጋጢምዎ፧ ነቲ ብድሆታት እቲ ንኽዋጽኣሉ ዝሓገዞኸ እንታይ እዩ፧

13 ኣገልገልቲ የሆዋ ኣብቲ ቕድድም ተዓጊሶም ንኺዕወቱ ዝሓገዞም እንታይ እዩ፧ ነቲ ጳውሎስ ብዛዕባ ኖህ ዝጸሓፎ ሓሳባት እሞ ኣቕልበሉ። (እብራውያን 11:7 ኣንብብ።) ‘ህያው ትንፋስ ዘለዎ ዅሉ ስጋ ዜጥፍእ ማይ ኣይሂ ናብ ምድሪ ኺመጽእ፡’ ንኖህ “ገና ዘይተራእየ ነገር” እዩ ነይሩ። (ዘፍ. 6:17) ማይ ኣይሂ ቕድሚኡ ፈጺሙ ዘየጋጠመ ነገር እኳ እንተ ነበረ፡ ኖህ ከም ዘይከኣል ወይ ከም ዘይከውን ነገር ገይሩ ኣይረኣዮን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ የሆዋ ንዅሉ እተዛረቦ ነገር ከም ዚፍጽሞ፡ ኖህ እምነት ነይርዎ እዩ። ብዘይካዚ፡ ነቲ ኺፍጽሞ እተሓትቶ ነገር ኣዝዩ ኸቢድ ከም ዝዀነ ገይሩ ኣይረኣዮን። የግዳስ፡ ከምቲ የሆዋ ዝኣዘዞ ገበረ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንዅሉ ነገር ከምኡ ገበረ” ይብለና። (ዘፍ. 6:22) ኖህ ብዙሕ ነገራት እዩ ገይሩ። ዕዮኡ፡ መርከብ ምስራሕ፡ እንስሳታት ምእካብ፡ ንሰባትን ንእንስሳታትን ዚኸውን ምግቢ ኣብታ መርከብ ምኽዛን፡ መልእኽቲ መጠንቀቕታ ምስባኽ፡ ከምኡውን መንፈሳውነት ስድራ ቤቱ ምድልዳል ዜጠቓልል እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ከምቲ የሆዋ ዝኣዘዞ ኺገብር ወትሩ ቐሊል ከም ዘይነበረ ርዱእ እዩ። እንተዀነ ግና፡ እምነትን ትዕግስትን ኖህ፡ ንዕኡን ንስድራ ቤቱን ህይወትን በረኸትን ከም ዚረኽቡ ገበሮም።

14. ኣብርሃምን ሳራን እንታይ ፈተናታት እዮም ተዓጊሶም፧ ካብ ኣብነቶምከ እንታይ ንመሃር፧

14 ኣብርሃምን ሳራን ኣብቶም ጳውሎስ ዝዘርዘሮም ‘ከቢቦምና ዘለዉ ደበና ምስክር’፡ ደድሕሪ ኖህ ተጠቒሶም ኣለዉ። ካብቲ ኣብ ኡር ዜሕልፍዎ ዝነበሩ ንቡር ናብራ ተፈናቒሎም እዮም፣ እንታይ ከም ዜጋጥሞም ከኣ ኣይፈልጡን እዮም ነይሮም። ኣብ ፈታኒ ዅነታት ድልድልቲ እምነት ብምርኣይን እዙዛት ብምዃንን ኣብነት ገዲፎም እዮም። ኣብርሃም ምእንቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ሓያሎ መስዋእትታት ኪኸፍል ፍቓደኛ ስለ ዝነበረ፡ ‘ነቶም ዚኣምኑ ዅሎም ኣቦኦም’ ተባሂሉ ኺጽዋዕ ብቑዕ እዩ። (ሮሜ 4:11) እቶም ጳውሎስ መልእኽቱ ዝሰደደሎም እብራውያን፡ ብዛዕባ ናብራ ኣብርሃም ኣጸቢቖም ይፈልጡ ስለ ዝነበሩ፡ ጳውሎስ ኣብቲ ቐንዲ ነጥብታት ጥራይ እዩ ኣተኲሩ። ኰይኑ ግና፡ ጳውሎስ፡ “እዚኦም ኵላቶም [እንተላይ ኣብርሃምን ስድራ ቤቱን] ነተን ተስፋታት ኣይረኸብወንን፡ ግናኸ ካብ ርሑቕ ርእዮም ተሳለምወን እሞ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኣጋይሽን ስደተኛታትን ምዃኖም እናተአመኑ፡ ብእምነት ሞቱ” ዚብል ሓያል ትምህርቲ እዩ ኣመሓላሊፉ። (እብ. 11:13) ኣብ ኣምላኽ ዝነበሮም እምነትን ምስኡ ዝነበሮም ብሕታዊ ርክብን ብትዕግስቲ ኺጐዩ ኸም ዝሓገዞም ንጹር እዩ።

15. ሙሴ ነቲ ዝመርሖ ዝነበረ ናብራ ህይወት ንኺመርጽ ዝደረኾ እንታይ እዩ ነይሩ፧

15 ካልእ ካብቶም “ደበና ምስክር” ተባሂሎም እተጠቕሱ ኣገልገልቲ የሆዋ፡ ሙሴ እዩ። ንሱ፡ ምሹእን ልዑልን ናብራ ገዲፉ፡ “ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ደኣ መከራ ኺጸግብ ሐረየ።” ነዚ ኺመርጽ ዝደረኾኸ እንታይ እዩ፧ ጳውሎስ ብዛዕባኡ፡ “ናብቲ ዓስቢ ጠመተ እሞ፡ . . . ነቲ ዘይርኤስ ከም ዚርእዮ ዀይኑ ተዐጊሱ ጸንዔ” ኢሉ ጸሓፈ። (እብራውያን 11:24-27 ኣንብብ።) ሙሴ ‘ንጊዜኡ ብሓጢኣት ባህ ኪብሎ’ ኣይደለየን። ኣምላኽን መብጽዓታቱን ንሙሴ ጋህዲ እዩ ነይሩ፣ እዚ ኸኣ ብሉጽ ትብዓትን ትዕግስትን ንኼጥሪ ሓገዞ። እስራኤላውን ካብ ግብጺ ወጺኦም ናብ ምድሪ ተስፋ ኪኸዱ ኸለዉ፡ ብብርቱዕ ጻዕሪ ኺመርሖም ዝኸኣለ እውን በዚ ምኽንያት እዚ እዩ።

16. ሙሴ ናብ ምድሪ ተስፋ ንኸይኣቱ ምስ ተኸልከለ፡ ስለምንታይ እዩ ዘየማረረ፧

16 ሙሴ እውን ከም ኣብርሃም፡ መብጽዓ ኣምላኽ ኪፍጸም ከሎ ኣይረኣየን። እስራኤላውያን ኣብ ምድሪ ተስፋ ቐቅድሚ ምእታዎም፡ ኣምላኽ ንሙሴ፡ “ነታ ኣነ ንደቂ እስራኤል ዝህቦም ምድሪ ኣማዕዲኻ ትርእያ፡ ናብኣ ግና ኣይትአቱን ኢኻ” በሎ። ከምኡ ዝበለሉ ምኽንያት ድማ፡ ሙሴን ኣሮንን ኣብ ማይ መሪባ ብህዝቢ እስራኤል ተቘጢዖም፡ ንኣምላኽ ‘ኣብ ማእከል እቲ ህዝቢ ስለ ዝጠለምዎን ስለ ዘይቀደስዎን እዩ።’ (ዘዳ. 32:51, 52) እሞኸ ሙሴ በዚ ኣማሪሩ ወይ ተቐይሙ ድዩ፧ ኣይፋሉን። ነቶም ህዝቢ በረኸት የሆዋ ንኺረኽቡ ለሚኑሎም እዩ። “ዎ እስራኤል፡ ብጹእ ኢኻ፡ ብእግዚኣብሄር ዝደሐነ ህዝቢ መን እዩ ኸማኻ፧ ዋልታ ሓገዝካ፡ ንሱ ድማ ሴፍ ሓበንካ እዩ” ብዚብል ቃላት ከኣ ደምደመ።​—ዘዳ. 33:29።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ

17, 18. (ሀ) ኣብቲ ንህይወት ዚግበር ቅድድም፡ ካብቶም “ደበና ምስክር” እንታይ ንመሃር፧ (ለ) ኣብዛ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

17 ንሕና እውን ጕያና ኽንውድእ እንተ ዄንና፡ ኣብ ኣምላኽን ኣብ መብጽዓታቱን ድልድልቲ እምነት ክትህልወና ኸም ዘለዋ፡ ካብ ናብራ እቶም ከቢቦምና ዘለዉ “ደበና ምስክር” ተማሂርና ኢና። (እብ. 11:6) እምነት ንዅሉ ናብራ ህይወትና ኽትጸልዎ ኣለዋ። ኣገልገልቲ የሆዋ ኸም ምዃንና መጠን፡ እቲ ኣምላኽ ዝኣተዎ መብጽዓ ኸም ዚፍጸም ንኣምን ኢና። “ነቲ ዘይርኤ” ኽንርእዮ ስለ ዝኸኣልና፡ በቲ መቀዳደሚ ብትዕግስቲ ኢና እንጐዪ።​—2 ቈረ. 5:7።

18 ክርስትያናዊ ጕያ ቐሊል ኣይኰነን። ይኹን እምበር፡ ጕያና ብዓወት ክንውድእ ንኽእል ኢና። ኣብዛ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ጕያና ንኽንውድእ ኪሕግዘና ዚኽእል ተወሳኺ ነጥብታት ክንምርምር ኢና።

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

• ጳውሎስ ብዛዕባ እቶም ጥንታውያን እሙናት ምስክር ብዙሕ ሓሳባት ዝጸሓፈ ስለምንታይ እዩ፧

• ነቲ እቶም ከቢቦምና ዘለዉ “ደበና ምስክር” ዝገደፍዎ ኣብነት ምምርማርና፡ ብትዕግስቲ ንኽንጐዪ ኼተባብዓና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

• ካብ ኣብነት እቶም እሙናት ምስክር ዝዀኑ ኖህን ኣብርሃምን ሳራን ሙሴን እንታይ ተማሂርካ፧

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]

ኣብርሃምን ሳራን ነቲ ምሾት ዝመልኦ ናብራ ኡር ክርሕርሑ ፍቓደኛታት ነበሩ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ