እምንቶ ምግባር ዝጠፍእ ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ፧
‘ኣብዚ እዋን እዚ ብሓቂ ትውክልቲ ክትገብረሉ እትኽእል ሰብ ኣሎዶ፧’ ገለ ተስፋ ዝቘረጹ ሰባት ከምዚ ኢሎም ክሓቱ ሰሚዕካ ትኸውን ኢኻ። ወይ ድማ ኣብ ህይወትካ ዘይሓሰብካዮ ነገር ኣጋጢሙካ ምስ ተጨነቕካ ከምኡ ኢልካ ሓቲትካ ትኸውን ኢኻ።
ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ትካላትን ኣብ ካልኦት ሰባትን እምንቶ ምግባር ይጠፍእ ምህላዉ ዘይከሓድ ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ እምንቶ ምጥፋእ ምህላዉ መብዛሕትኡ እዋን ቅቡል ኢዩ። ነቲ ብዙሓት ፖለቲከኛታት ንኽምረጹ ጐስጓስ ክገብሩ ከለዉ ዝገብርዎ መብጽዓታት ክፍጽምዎ ኢዮም ኢሉ ብሓቂ ትጽቢት ዝገብር ሰብ ኣሎዶ፧ ብ1990 ኣብ ጀርመን ን1,000 ዝዀኑ ተማሃሮ ብምሕታት እተገብረ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ: ካብቶም ተማሃሮ 16.5 ካብ ሚእቲ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ሽግራት ፖለቲከኛታት ክፈትሕዎ ከም ዝኽእሉ እምንቶ ከም ዘለዎም ክገልጹ ከለዉ: ዕጽፊ ዝዀኑ ድማ ኣጸቢቖም ከም ዝጠራጠሩ ገለጹ። መብዛሕትኦም ኣብቲ እቶም ፖለቲከኛታት ንግድላት ክፈትሑ ዘለዎም ተኽእሎን ድሌትን እምንቶ ከም ዘይብሎም ገለጹ።
እታ ሽቱትጋርተር ናኽቪሽተን እተባህለት ጋዜጣ [ቋንቋ ጀርመን] “ኣዝዮም ብዙሓት ፖለቲከኛታት መጀመርታ ብዛዕባ ጥቕሚ ገዛእ ርእሶም ኢዮም ዝሓስቡ: ብድሕርዚ ዝከኣሎም እንተድኣ ኰይኑ ናይ መረጽቶም ይገብሩ” ብምባል መረርኣ ገለጸት። ኣብ ካልኦት ሃገራት ዘለዉ ሰባት እውን ነዚ ይሰማምዕሉ ኢዮም። እታ ዘ ዩሪፕያን እተባህለት ጋዜጣ [እንግሊዝኛ] ብዛዕባ ሓንቲ ሃገር “መንእሰያት ነቶም ፖለቲከኛታት ጥቕሚ ርእሶም ዘቐድሙ ገይሮም ምርኣዮም ኣብ ሓቂ እተመርኰሰ: እቶም ዓበይቲ ድማ ዝሰማምዕሉ ጕዳይ ኢዩ” በለት። ‘እቶም መረጽቲ ኵሉ ግዜ ነተን ናይ ፖለቲካ ሰልፍታት ካብ ስልጣን ከም ዘውርድወን’ ድማ ሓበረት። እታ ጋዜጣ ወሲኻ “ምስቶም [ኣብታ ሃገር] ዘለዉ መንእሰያት ገለ ግዜ ዘሕለፈ ዝዀነ ይኹን ሰብ እምንቶ ከም ዘይብሎምን ኣንፈቶም ዘጥፍኡ ኰይኑ ከም ዝስምዖምን ብኡንብኡ ከስተብህል ይኽእል ኢዩ” ትብል። እንተዀነ ግን: ሓደ ደሞክራስያዊ ምምሕዳር ናይ ህዝቢ እምንቶ ምስ ዘይህልዎ ኣይዕወትን ኢዩ። እቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ፕረዚደንት ዝነበረ ጆን ኤፍ. ኬነዲ “ሓደ ምምሕዳር ዕዉት ዝኸውን እቲ ህዝቢ እምንቶ ምስ ዝገብረሉ ኢዩ” ኢሉ ነበረ።
እቲ ዘጋጥም ሃንደበታዊ ናይ ቍጠባ ቅሉውላውን ቀልጢፍካ ናይ ምህብታም ሜላታት ዘጋጥሞ ፍሽለትን ንብዙሓት ነቲ ኣብ ገንዘብ ዝነበሮም እምንቶ ኣብ ጥርጥር ከም ዝኣቱ ገይርዎ ኢዩ። እቲ ናይ ዓለም ዕዳጋ ብጥቅምቲ 1997 ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ብዝዀነ መገዲ ምስ ተለዋወጠ: ሓንቲ ናይ ዜና መጽሔት ብዛዕባ እቲ ዝነበረ “ሓለፍ ዝበለ: ሓድሓደ ግዜ ድማ ንጹር ዘይኰነ እምንቶ ምጥፋእ” ከምኡውን ብዛዕባ እቲ “ካብ ሰብ ናብ ሰብ ዝመሓላለፍ እምንቶ ምጥፋእ” ተዛሪባ ኣላ። “[ኣብ ሓንቲ ናይ እስያ ሃገር] እምንቶ ዝበሃል ነገር ብምጥፍኡ ህላወ ናይቲ ምምሕዳር እውን ከይተረፈ . . . ኣብ ስግኣት ዝወደቐ ኢዩ ዝመስል” በለት። ኣብ መወዳእታ ብምጥቕላል “ቍጠባ ኣብ እምንቶ እተመርኰሰ ኢዩ” ብምባል ገለጸት።
ሃይማኖት እውን እምንቶ ከም ዝህሉ ካብ ምግባር ሰኒፉ ኢዩ። እታ ክሪስት ኢን ዳር ጌገንቫርት እትበሃል ናይ ጀርመን ሃይማኖታዊት መጽሔት “እቲ ህዝቢ ኣብታ ቤተ- ክርስትያን ዘለዎ እምንቶ ምጕዳል ቀጺሉ” ብምባል ብዘሕዝን መገዲ ትገልጽ። ካብ 1986 ክሳዕ 1992 ኣብ ዝነበረ ዓመታት ቍጽሪ እቶም ኣብ ቤተ-ክርስትያን ኣጸቢቑ ወይ ብእተወሰነ ደረጃ እምንቶ ዝነበሮም ጀርመናውያን ካብ 40 ሚእታዊት ናብ 33 ሚእታዊት ጐደለ። ኣብታ ናይ ቅድም ምብራቕ ጀርመን እሞ ኸኣ ናብ ትሕቲ 20 ሚእታዊት ጐደለ። ብኣንጻሩ ድማ ብዝሒ ናይቶም ኣብታ ቤተ-ክርስትያን እምንቶ ዘይብሎም ሰባት ኣብ ምዕራብ ጀርመን ነበር ካብ 56 ናብ 66 ሚእታዊት: ኣብ ምብራቕ ጀርመን ነበር ድማ ናብ 71 ሚእታዊት ደየበ።
እምንቶ ምጥፋእ ዝረአ ዘሎ ኣብ ሰለስተ ዓንዲ ሕቖ ናይ ሓደ ማሕበረሰብ ማለት ኣብ ፖለቲካ: ቍጠባ: ከምኡውን ሃይማኖት ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ካልእ መዳያት እውን ግሁድ ኢዩ ኰይኑ ዘሎ። ካልእ ኣብነት ኣተገባብራ ሕጊ ኢዩ። ኣብ ናይ ገበነኛ መቕጽዒ ሕግታት ዘሎ መህደሚ መገድታት: ንሕጊ ብቕንዕና ኣብ ምትግባር ዘሎ ግድላት: ከምኡውን ዘተሓታትት ናይ ቤት ፍርዲ ብይናት ዝኣመሰለ ነገራት ነቲ ሰባት ዝነበሮም ትውክልቲ ኣጸቢቑ ከም ዝጐድል ገይርዎ ኢዩ። ብመሰረት ታይም ዝበሃል መጽሔት [እንግሊዝኛ] “ዜጋታትን ፖሊስን ኣብቲ ንሓደገኛታት ዝዀኑ ዓመጽቲ ካብ ማእሰርቲ ብተደጋጋሚ ቀልጢፉ ዝፈትሕ ስርዓት እምንቶ ከም ዘይህልዎም ገይርዎም ኢዩ።” ብሰንኪ እቲ ኣብ ፖሊስ ዝርአ ብልሽውናን ጭከናን: ሰብ ኣብኦም ዝገብሮ ዝነበረ እምንቶ እውን ከም ዝጠፍእ ኰይኑ ኢዩ።
ዝፈረሰ ናይ ሰላም ዋዕላታትን ናይ ተዅሲ ደው ምባል ስምምዓት ምጥሓስን ኣብቲ ኣህጉራዊ ፖለቲካዊ ኣገባብ እምንቶ ምግባር ጠፊኡ ከም ዘሎ ዝሕብር ኢዩ። እቲ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝዀነ ቢል ሪቻርድሰን: ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሰላም ንኸይህሉ ቀንዲ ዕንቅፋት እንታይ ምዃኑ ክገልጽ ከሎ “እምንቶ ምጥፋእ ኣሎ” ብምባል ሓበረ።
ብብሕቲ ደረጃ ድማ እቲ ሰባት ግድላት ከጋጥሞም ከሎ ዝርዳኣሎምን ዘጸናንዖምን ንምርካብ ዝገብርዎ ዝነበሩ ተሪፉ: ኣብ መንጎ ናይ ቀረባ ኣዝማድን ኣዕሩኽን እውን ከይተረፈ እምንቶ ምግባር የለን። እዚ ምስቲ እብራዊ ነብዪ ሚክያስ “ንብጻይ ኣይትእመንዎ: ብፈታዊ ድማ ኣይትተአመኑ: ኣብ ቅድሚ እታ ኣብ ሕቝፍኻ እትዐርፍውን ደገ ኣፍካ ሐሉ” ብምባል ዝገለጾ ኵነታት ዝሰማማዕ ኢዩ።—ሚክያስ 7:5
ናይዚ እዋን ምልክት ኢዩ
ኣርቱር ፊሸር እተባህለ ጀርመናዊ ናይ ስነ-ኣእምሮ ተመራማሪ ኣብዚ ቀረባ እዋን ከምዚ ዝስዕብ ከም ዝበለ ተጠቒሱ ኣሎ:- “እቲ ኣብ ምምዕባል ሕብረተሰብን ብሕታዊ መጻእን ዝነበረ እምንቶ ኣብ ዝዀነ ይኹን መዳይ ንጹር ብዝዀነ መገዲ ጐዲሉ ኢዩ። መንእሰያት እቲ ኣብ ሕብረተሰብ ዘሎ ትካላት ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ ዝብል ምሉእ እምነት የብሎምን። እቲ ኣብ ፖለቲካዊ: ሃይማኖታዊ: ወይ ኣብ ካልእ ዝዀነ ይኹን ማሕበር ዝነበሮም እምንቶ ጠፊኡ ኢዩ።” እቲ ብዛዕባ ሕብረተሰብ ዘጽንዕ ኣልሪክ ቤክ ብዛዕባ እቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ስልጣናት: ትካላት: ከምኡውን ክኢላታት ዝምልከት “ናይ ምጥርጣር ባህሊ” ከም ዘሎ ምዝራቡ ዘገርም ኣይኰነን።
ከምዚ ዝኣመሰለ ባህሊ ኣብ ዘለዎ ግዜ ሰባት ርእሶም ከግልሉ: ዝዀነ ይኹን ስልጣን ክነጽጉ: ከምኡውን ካብ ካልኦት ምኽሪ ወይ መምርሒ ከይረኸቡ ክውስኑ ብምድላይ ብመሰረት ብሕታዊ መዐቀኒታቶም ከም ዝነብሩ ይዀኑ። ገሊኦም ከኣ ምስቶም ትውክልቲ ክገብርሎም ዘይክእሉ ኰይኑ ዝስምዖም ሰባት ኣብ ዝገብርዎ ርክብ ካብ መጠን ንላዕሊ ጠርጠርቲ: ምናልባት እውን ዘይሓለይቲ ይዀኑ። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣረኣእያ ምህላዉ ድማ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ ጐዳኢ ዝዀነ ሃዋሁ ይፈጥር። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል:- ‘ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ግና ክፉእ ዘመን ከም ዝመጽእ: እዚ ፍለጥ። ሽዑ ሰባት ፈተውቲ ርእሶም: ፈተውቲ ገንዘብ: ተጀሃርቲ: ዕቡያት: ተጻረፍቲ: ንወለዶም ዘይእዘዙ: ዘየማስዉ: ርኹሳት: ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም እኳ ዜብሎም: ተቐየምቲ: ሓመይቲ: ቀለልቲ: ጨካናት: ሰናይ ዘይፈትዉ: ኣሕሊፎም ዚህቡ: ህዉኻት: ተፈኽነንቲ: ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ኣዕዚዞም ተድላ ዚፈትዉ: መልክዕ ኣምልኾ ዘለዎም ነቲ ሓይሉ ግና ዚኽሕድዎ ኪዀኑ ኢዮም።’ (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5፣ ምሳሌ 18:1) ብሓቂ እምበኣር: ኣብዚ እዋን እዚ እምንቶ ምግባር ምጥፍኡ ምልክት ናይዚ እዋን እዚ: ምልክት “ዳሕሮት መዓልትታት” ኢዩ።
ኣብዛ ከምዞም ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለዉ ዓይነት ሰባት እተፍሪ: እምንቶ ምግባር ዝጠፍኣላ ዘሎ ዓለም: ሰባት ንህይወት ምሉእ ብምሉእ ከስተማቕርዋ ኣይክእሉን ኢዮም። ኵነታት ክቕየር ኢዩ ኢልካ ምሕሳብ ተቐባልነት ዘለዎ ድዩ፧ ኣብዚ እዋን እዚ ዝርአ ዘሎ ምጥፋእ እምንቶ ከልግስ ይኽእልዶ ኢዩ፧ ከምኡ እንተድኣ ኰይኑ መዓስን ብኸመይን፧