ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w98 15/8 ገጽ 5-7
  • እምንቶ ምግባር እንደገና ዝህልወሉ ግዜ!

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እምንቶ ምግባር እንደገና ዝህልወሉ ግዜ!
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ፍሪኡኸ እንታይ ኰነ፧ ሕማቕ ርክብ ከም ዝፍጠር ገበረ
  • ኣብ መን ኢና ትውክልቲ ክንገብር እንኽእል፧
  • እምንቶ ምግባር እንደገና ክህሉ ኢዩ
  • እምንቶ ምግባር ዝጠፍእ ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ነቲ ኣብ ጽድቂ ኣምላኽ ዘሎና እምንቶ ምሕያል
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ስለምንታይ ኢና እንኣርግን እንመውትን፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2019
  • እምንቶና ኣብ የሆዋ ክንገብር ይግባእ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
w98 15/8 ገጽ 5-7

እምንቶ ምግባር እንደገና ዝህልወሉ ግዜ!

ኣብዚ እዋን እዚ ዝርአ ዘሎ ምጥፋእ እምንቶ ምልክት ናይተን “ዳሕሮት መዓልትታት” እኳ እንተዀነ: ኣሽሓት ዓመታት ይገብር እውን ነይሩ ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠1) መጀመርታ ኣብ ሓደ ዘይትግምቶ ቦታ​—⁠ኣብ ገነት​—⁠ኢዩ ጀሚሩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ቦታ ከምዚ ይብል:- “ኣምላኽ ከኣ ኣብ ኤድን ብሸነኽ ምብራቕ ገነት ተኸለ። ነቲ ዝገበሮ ሰብ ድማ ኣብኣ ኣንበሮ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ምርኣዩ ዜብህግ: ምብልዑ ዝጥዑም ኵሉ ኦም ኣብ ምድሪ ኣብቈለ: ኣብ ማእከል ገነት ከኣ ኦም ህይወት: እታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ድማ [ገበረ]።”​—⁠ዘፍጥረት 2:⁠8, 9

እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሓሳባት ምስዚ ዘመናዊ ምጥፋእ እምንቶ እንታይ ርክብ ከም ዘለዎ እቲ ቀጺሉ ዘሎ ቍጽርታት የብርሆ ኢዩ። ከምዚ ነንብብ:- “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ንሰብ፤ ካብ ኵሉ ኦም ገነት ከም ዝደሌኻ ብላዕ: ካብታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና: ካብኣ ምስ እትበልዕ መዓልትስ ሞት ክትመውት ኢኻ እሞ: ካብኣ ኣይትብላዕ: ኢሉ ኣዘዞ።” (ዘፍጥረት 2:⁠16, 17) ኣዳም ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝበሎ ክጠራጠረሉ ዝኽእል ምኽንያት ነይርዎዶ ኢዩ፧

ቀጺልና ከምዚ ነንብብ:- “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ካብ ዝፈጠሮ ዅሉ ኣራዊት መሮር ተመን ይጐርሕ ነበረ። ነታ ሰበይቲ ኸኣ፤ ኣምላኽሲ፤ ካብ ዅሉ ኦም ገነት ኣይትብልዑ: ኢሉዶ ኣዚዙ እዩ፧ በላ። እታ ሰበይቲ ነቲ ተመን በለቶ፤ ኣብ ገነት ካብ ዘሎ ፍረ ኦም ንበልዕ ኢና። ብዛዕባ ፍረ እታ ኣብ ማእከል ገነት ዘላ ኦም ግና ኣምላኽ፤ ከይትሞቱስ: ካብኣ ኣይትብልዑ ኣይትተንክይዋውን: በለ። እቲ ተመን ድማ ነታ ሰበይቲ፤ ኣይፋልኩም: ኣምላኽ ደኣ ካብኣ ምስ እትበልዑ መዓልቲ ኣዒንትኹም ከም ዚኽፈታ: ከም ኣምላኽውን ከም እትዀኑ: ጽቡቕን ክፉእን ከኣ ከም እተፈልጡ: ስለ ዝፈለጠ እዩ እምበር: ከቶ ኣይትሞቱን ኢኹም በላ። እታ ሰበይቲ ድማ: እታ ኦም ምብልዓ ጥዕምቲ: ነዒንቲ ኸኣ ጽብቕቲ: ጥበብ ብምሃባውን እተብህግ ኦም ምዃና ርእያ: ካብ ፍሪኣ ወሲዳ በልዔት: ምስኣ ኸኣ ንሰብኣያ ሀበቶ: ንሱውን በልዔ።”​—⁠ዘፍጥረት 3:⁠1- 6

ኣዳምን ሄዋንን ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ንጹር መጠንቀቕታ ሸለል ብምባል ኣብ የሆዋ እምንቶ ከም ዘይብሎም ኣርኣዩ። ነቲ ብተመን ገይሩ ንሄዋን እተዛረባ ተጻራሪ ኣምላኽ ዝዀነ ሰይጣን መሰልዎ። ሰይጣን እቲ ኣብ ኣመራርሓ ኣምላኽ ዝነበሮ እምንቶ ኣጥፍአ። በዚ ምኽንያት እዚ ከምኡውን ትዕቢተኛን ህርፉን ልቢ ስለ ዝነበሮ ኣንጻር ኣምላኽ ዓለወ: ንሰባት ድማ ከም ናቱ ክገብሩ ኣስሓቶም። ኣምላኽ ክትውከሎ እትኽእል ከም ዘይኰነ ገይሮም ከም ዝሓስቡ ገበሮም።

ፍሪኡኸ እንታይ ኰነ፧ ሕማቕ ርክብ ከም ዝፍጠር ገበረ

ኣብ ካልኦት ትውክልቲ ክገብሩ ዘይክእሉ ሰባት ዕርክነት ክምስርቱ ከቢድ ኰይኑ ከም ዝረኽብዎ ኣስተብሂልካ ትኸውን። ፓብሊሱስ ሳይረስ እተባህለ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ዝነበረ ናይ ላቲን ጸሓፊ “እቲ እንኮ ማእሰር ዕርክነት እምንቶ ምግባር ኢዩ” ብምባል ጸሓፈ። ኣዳምን ሄዋንን በቲ ዝገበርዎ ዕልወት ኣብ ኣምላኽ ትውክልቲ ከም ዘይገብሩ ኣርኣዩ። ስለዚ ድማ ኣምላኽ እውን ኣብኦም እምንቶ ዝገብረሉ ምኽንያት ኣይነበሮን። እቲ ዝነበረ ትውክልቲ ወይ እምንቶ ምግባር ብምጥፍኡ ድማ እቶም ናይ መጀመርታ ሰባት ምስ ኣምላኽ ዝነበሮም ዕርክነት ኣጥፍኡ። ብሰንኪ ዕልወቶም ምስ ኰነኖም ድሕሪኡ የሆዋ ምስኦም ከም እተዛረበ ዝነግር ዋላ ሓንቲ ሓበሬታ የለን።

እቲ ኣብ መንጎ ኣዳም ሄዋንን ዝነበረ ርክብ እውን ተበላሽዩ ኢዩ። የሆዋ ንሄዋን “ደቂ ብጻዕሪ ኽትወልዲ ኢኺ: ድሌትኪ ድማ ናብ ሰብኣይኪ ኪኸውን እዩ: ንሱውን ኪመልከኪ እዩ ” ብምባል ኣጠንቀቓ። (ዘፍጥረት 3:⁠16 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) እቲ ዘ ጀሩሳሌም ባይብል እተባህለ ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ቅዱስ “ኣብ ልዕሌኺ ክጕይተት ኢዩ” ይብል። ከምቲ ኣምላኽ ደልይዎ ዝነበረ ኣብ ልዕሊ ሰበይቱ ፍቕራዊ ዝዀነ ርእስነት ኣብ ክንዲ ዘዘውትር: ኣብ ልዕሊኣ ብምጕይታት ኣዛዚኣ ኰነ።

ምስ ሓጥኡ ኣዳም ንሄዋን ተሓታቲት ክገብራ ጸዓረ። ብኣረኣእያ ኣዳም ካብታ ፍጽምቲ ዝነበረት ገነት ወጺኦም: ኣብ ሓንቲ ገና ዘይተዐየት ምድሪ ኣብ ትሕቲ ዘይምቹእ ኵነታት ቅድሚ ሙማቶም ባሮት ንክዀኑ እተሰጉ ብሰንካ ኢዩ። (ዘፍጥረት 3:⁠17-19) እዚ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ምስሕሓብ ከም ዝፈጠረ ክንግምት ንኽእል ኢና። ኣዳም ድሕሪ ሕጂ ንሄዋን ኣይሰምዓን ኢየ ብምባል ኣንጸርጺሩ ይኸውን ኢዩ። ስለዚ ድማ ምናልባት ‘ካብ ድሕሪ ሕጂ ንነጀው: ጐይታኺ ኣነ እየ!’ ኢሉ ክነግራ ቅኑዕ ኰይኑ ተሰሚዕዎ ይኸውን። በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ ሄዋን ኣዳም ከም ርእሲ ስድራቤት መጠን ዝነበሮ ሓላፍነት ዘይምፍጻሙ ምግንዛባ ኣብኡ ዝነበራ እምንቶ ኣጥፊኣ ክትከውን ትኽእል ኢያ። ዝዀነ ዀይኑ ሰባት ኣብ ኣምላኽ እምንቶ ብዘይምግባሮም ነቲ ምስኡ ዝነበሮም ዕርክነት ኣጥፍኡ: ኣብ ንሓድሕዶም ዝነበሮም ርክብ ከኣ ኣበላሸዉ።

ኣብ መን ኢና ትውክልቲ ክንገብር እንኽእል፧

ከምቲ ኣብ ናይ ኣዳምን ሄዋንን ኣብነት እተራእየ: እምንቶና ክንገብረሉ ዝበቅዕ ኵሉ ሰብ ኣይኰነን። ሓደ ሰብ እምንቶና ክንገብረሉ ዝበቅዕ ምዃኑን ዘይምዃኑን ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል፧

መዝሙር 146:⁠3 “ብመሳፍንቲ: በቲ ኺረድእ ዘይከአሎ ወዲ ሰብ ኣይትወከሉ” ብምባል ትምዕደና። ኣብ ኤርምያስ 17:⁠5-7 ኸኣ “ኣብ ሰብ ዚውከል: ቅልጽሙ ኸኣ ኣብ ስጋ ዚገብር: ብልቡውን ካብ እግዚኣብሄር ዚርሕቕ ሰብ ርጉም ይኹን” ዝብል ነንብብ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ “ኣብ እግዚኣብሄር ዚውከል: ትጽቢቱ ኸኣ ኣብ እግዚኣብሄር ዚገብር ሰብ ብሩኽ እዩ።”

ይኹን እምበር: ኣብ ሰባት እምንቶ ምግባር ኵሉ ግዜ ጌጋ ኢዩ ማለት ኣይኰነን። እዘን ጥቕስታት እዚኣተን ኣብ የሆዋ እምንቶ ምግባር እትጠዓሰሉ ከም ዘይኰነ: ኣብ ዘይፍጹማት ሰባት እምንቶ ምግባር ግን ሓድሓደ ግዜ ኣብ ሓደጋ ከም ዘውድቕ ዝሕብራ ኢየን። ንኣብነት: እቶም ነቲ ኣምላኽ ጥራይ ክገብሮ ዝኽእል ነገራት​—⁠ድሕነትን ጸጥታ ዘለዎ ምሉእ ሰላምን ምምጻእ​—⁠ካብ ሰባት ክረኽብዎ ትጽቢት ዝገብሩ መወዳእትኡ ጓሂ ኢዩ ዝዀኖም።​—⁠መዝሙር 46:⁠9፣ 1 ተሰሎንቄ 5:⁠3

ሰባትን ዘቘምዎ ትካላትን እምንቶ ክትገብረሎም እትኽእል ምስ ዕላማታት ኣምላኽ ዝሰማምዑን ኣምላኻዊ ስርዓታት ዘንጸባርቑን ምስ ዝዀኑ ጥራይ ኢዩ። ስለዚ ካልኦት ኣባና እምንቶ ክገብሩ ከነተባብዖም እንተድኣ ኴንና: ቅኑዓትን ትውክልቲ ዝግበሮምን ብምዃን ሓቂ ክንዛረብ ይግባእ። (ምሳሌ 12:⁠19፣ ኤፌሶን 4:⁠25፣ እብራውያን 13:⁠18 NW ) እቲ ካልኦት ኣባና ዝገብርዎ ትውክልቲ ቅኑዕ: ከምኡውን ምንጪ ናይ ንሓድሕድ ምብርታዕን ምትብባዕን ዝኸውን ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተሰማሚዕና ምስ እንመላለስ ጥራይ ኢዩ።

እምንቶ ምግባር እንደገና ክህሉ ኢዩ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር እምንቶኦም ኣብ ኣምላኽ ክገብሩን ንኻልኦት ድማ ኣብ ኣምላኽ እምንቶ ንኽህልዎም ክሕግዙን ድልዱል መሰረት ኣለዎም። ኣምላኽ ‘ክሕሱ ዘይክእል’ ብምዃኑ ነቲ ዝበሎ ክገብሮ ኢዩ ኢልካ ኵሉ ግዜ ትውክልቲ ክትገብረሉ እትኽእል እሙን ኢዩ። ኣብቲ ኣምላኽ ፍቕሪ እምንቶ ምግባር ፈጺሙ ናብ ጓሂ ኣይመርሕን ኢዩ።​—⁠እብራውያን 6:⁠18፣ መዝሙር 94:⁠14፣ ኢሳይያስ 46:⁠9-11፣ 1 ዮሃንስ 4:⁠8

ኣብ የሆዋ እምንቶ ብምግባር ዝሓበሩን ምስ ስርዓታቱ ተሰማሚዖም ዝነብሩን ሰባት ኣብ ንሓድሕዶም እምንቶ ክገብሩ እውን ኣጸቢቖም ይድረኹ ኢዮም። ኣብዛ እምንቶ ምግባር ዝጠፍኣላ ዘሎ ዓለም ክትኣምኖም እትኽእል ሰባት ክትረክብሲ ኣየ ከመይ ዝበለ ሓጐስ ኰን ኢዩ! ኣብ ሓንቲ ንእተዘርበ ወይ ንእተገብረ ነገር ምሉእ እምንቶ ክንገብረሉ እንኽእል ዓለም ምንባር ማለት ክሳዕ ክንደይ ዓቢ ፍልልይ ከም ዘለዎ እሞ ሕሰቦ! ኣብታ ኣምላኽ ከምጽኣ እተመባጽዓላ ሓዳስ ዓለም እቲ ኵነታት ከምኡ ኢዩ ክኸውን። ምጥፋእ እምንቶ ዝበሃል ነገር እንደገና ፈጺሙ ኣይክህሉን ኢዩ!

ኣብቲ ግዜ እቲ ክትነብር ምፈቶኻዶ፧ ትፈቱ እንተድኣ ኴንካ ብዛዕባ እቲ ህይወት ንምርካብ ኣምላኽ ዝደልዮ ብቕዓታት ብምፍላጥ ነቲ ኣብ ኣምላኽን መብጽዓታቱን ዘሎካ እምንቶ ንኸተደልድል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይዕድሙኻ ኣለዉ። መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕ ኣምላኽ ከም ዘሎ: ብዛዕባ ድሕንነት ደቅሰብ ከም ዝግደስ: ከምኡውን ብመንግስቱ ገይሩ ንናይ ዓለም ግድላት ንምዕራይ ቀልጢፉ ስጕምቲ ከም ዝወስድ ዝያዳ መረጋገጺ ይህበካ። ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ኣብ ኣምላኽን ቃሉ መጽሓፍ ቅዱስን እምንቶ ንኽገብሩ ተማሂሮም ኢዮም። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንህዝቢ ብናጻ ብኸመይ ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝገብሩሎም ከርእዩኻ ሕጉሳት ኢዮም። ወይ ድማ ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ናብ ሓተምቲ ናይዚ መጽሔት እዚ ጽሓፍ።

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ኣብ ኣምላኽ እምንቶ ምግባር ብምጥፍኡ ኣብ መንጎ ሰባት ዝነበረ ርክብ ተበላሸወ

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ሰባት እምንቶ ክግበሮም ብቑዓት ዝዀኑ ምስ ኣምላኻዊ ስርዓታት ተሰማሚዖም ምስ ዝኸዱ ጥራይ ኢዩ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ