ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w98 15/9 ገጽ 8-9
  • እቲ ትዕቢተኛ ኣመሓዳሪ ግዝኣቱ የጥፍእ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እቲ ትዕቢተኛ ኣመሓዳሪ ግዝኣቱ የጥፍእ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ተሓጋጋዚ ንጉስ ድዩ ነይሩ ወይስ ንጉስ፧
  • ሕሉፍ ርእሰ-ምትእምማን ዝነበሮ ትዕቢተኛ ምስሌነ
  • ንዓለም ዝቐየራ ኣርባዕተ ቓላት
    ንትንቢት ዳንኤል ኣቕልበሉ!
  • ትፈልጥዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
  • መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዳንኤል እንታይ ይብል፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ዳንኤል—ኣብ ፍርዲ ዝቐረበት መጽሓፍ
    ንትንቢት ዳንኤል ኣቕልበሉ!
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
w98 15/9 ገጽ 8-9

እቲ ትዕቢተኛ ኣመሓዳሪ ግዝኣቱ የጥፍእ

ነብዪ ዳንኤል “ንጉስ ቤልሻጽር ንሽሕ መኳንንቱ ዓብዪ ምሳሕ ገበረሎም: ኣብ ቅድሚ እቶም ሽሕ ድማ ወይኒ ይሰቲ ነበረ” ኢሉ ጸሓፈ። ይኹን እምበር: እቲ ድግስ እናተኻየደ ኸሎ: እቲ ንጉስ “ገጹ ተለወጠ: ሓሳባቱ ኸኣ ኣጨነቖ: ጅማውቲ ሕቝኡ ድማ ላሕልሔ: ኣብራኹውን ንሓድሕዱ ተዋቕዔ።” እታ ለይቲ እቲኣ ቅድሚ ምውጋሓ ድማ: “ቤልሻጽር ንጉስ ከለዳውያን ተቐትለ። ዳርዮስ ሜዶናዊ ኸኣ . . . ነታ መንግስቲ ተቐበላ።”​—⁠ዳንኤል 5:⁠1, 6, 30, 31

ቤልሻጽር መን ኢዩ ነይሩ፧ “ንጉስ ከለዳውያን” እተባህለኸ ብኸመይ ኢዩ፧ ኣብቲ ናይ ባቢሎን ግዝኣትከ እቲ ናይ ሓቂ ማዕርጉ እንታይ ኢዩ ነይሩ፧ ግዝኣቱ ዘጥፍአኸ ብኸመይ ኢዩ፧

ተሓጋጋዚ ንጉስ ድዩ ነይሩ ወይስ ንጉስ፧

ዳንኤል ንነቡካድነጻር ከም ኣቡኡ ንቤልሻጽር ገይሩ ኢዩ ዝገልጾ። (ዳንኤል 5:⁠2, 11, 18, 22) ይኹን እምበር: ቃል ብቓሉ ኣቦን ወድን ኣይነበሩን። እታ ብራይሞንድ ፒ. ዳዎርቲ እተዳለወት ናቦኒደስ አንድ ቤልሻዛር (እንግሊዝኛ) እትበሃል መጽሓፍ: ነቡካድነጻር ምናልባት ብኣዲኡ ናቶክሪስ ኣቢሉ ኣባሓጎኡ ነይሩ ክኸውን ከም ዝኽእል ሓሳብ ትህብ። ነቡካድነጻር ቅድሚኡ ንጉሳዊ ስልጣን ስለ ዝነበሮ እውን ንቤልሻጽር “ኣቦኡ” እተባህለ ብንግስነት ዝመጸ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (ምስ ዘፍጥረት 28:⁠10, 13 ኣረኣእዮ።) ዝዀነ ዀይኑ: እቲ ኣብ መበል 19 ክፍለ-​ዘበን ኣብ ደቡባዊ ኢራቕ እተረኽበ ኣብቲ ብካይላ እተሰርሐ ሓያሎ ናይ ኲኒፎርም ጽሑፋት ቤልሻጽር ነቲ ንጉስ ባቢሎን ዝነበረ ናቦኒደስ ዓቢ ወዱ ከም ዝነበረ ይግለጽ።

እቲ ኣብ ዳንኤል ምዕራፍ 5 ዘሎ ጸብጻብ ኣብቲ ብ539 ቅ.ኣ.ዘ. ማለት ኣብታ ባቢሎን ዝወደቐትላ ለይቲ እተገብረ ፍጻመታት ጥራይ ስለ ዘጕልሕ: ቤልሻጽር ብኸመይ ንጉሳዊ ስልጣን ከም ዝረኸበ ኣየዘንቱን ኢዩ። ስነ-ጥንታዊ ምንጭታት ግን ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ ናቦኒደስን ቤልሻጽርን ዝነበረ ዝምድና ገለ ሓሳባት ይህቡ ኢዮም። ኣላን ሚላርድ እተባህለ ናይ ስነ-ጥንቲ ተመራማርን ናይ ጥንቲ ናይ ሴማዊ ቋንቋታት ፍልጠት ዘለዎን “እቲ ናይ ባቢሎናውያን ቦኽሪ መጻሕፍቲ: ናቦኒደስ ኣብ ሓደ ቦታ ዘይቀውም ገዛኢ ከም ዝነበረ ኢዩ ዝገልጽ” ብምባል ይዛረብ። ሚላርድ ወሲኹ ከምዚ ይብል:- “ነቶም ናይ ባቢሎን ኣማልኽቲ ዋላ እኳ እንተ ዘይገደፎም: . . . ኣብ ካልኦት ክልተ ከተማታት ማለት ኣብ ሁርን ሃራንን ንዝርከብ ናይ ወርሒ ኣምላኽ ኣዝዩ ብዙሕ ግምት ሂብዎ ነበረ። ናቦኒደስ ኣብቲ ዝገዝኣሉ ሓያሎ ዓመታት: ኣብ ባቢሎን ተቐሚጡ ኣይፈልጥን ኢዩ፣ ኣብ ክንድኡስ ኣብቲ ኣብ ሰሜናዊ ዓረብ ኣብ ቴይማ [ወይ ከኣ ቲማ] ዝርከብ ርሑቕ ፍርያም ቦታ ተቐመጠ።” ናቦኒደስ ዝበዝሐ ግዝኣቱ ካብታ ርእሰ-ኸተማ ዝዀነት ባቢሎን ርሒቑ ኢዩ ኣሕሊፍዎ። ኣብቲ ዘይህልወሉ ግዜያት ከኣ: እቲ ናይ ምምሕዳር ስልጣን ንቤልሻጽር ይህቦ ነበረ።

እቲ “ናይ ናቦኒደስ ናይ ጽሑፍ ጸብጻብ” ዝበሃል ካብቲ ናይ ኲኒፎርም ሰነድ እተዋጽአ ጽሑፍ ብዛዕባ እቲ ሓቀኛ ናይ ቤልሻጽር ቦታ ብዝያዳ ብምንጻር ከምዚ ኢሉ ይገልጽ:- “[ናቦኒደስ] ነቲ ‘ወተሃደራዊ ሓይልታት’ ነቲ ዓቢ: ቦኽሪ (ወዱ) ብሓላፍነት ሂብዎ ነበረ: ነቶም ኣብታ ሃገር ኣብ ኵሉ ቦታ ዝነበሩ ወተሃደራት ድማ (ብትእዛዝ) ቤልሻጽር ገይሩ ይእዝዞም ነበረ። (ኵሉ ነገር) ንቤልሻጽር ወኪልዎ ነበረ: ንግስነት እውን ብሓላፍነት ሂብዎ ነበረ።” ስለዚ እምበኣር: ቤልሻጽር ተሓጋጋዚ ንጉስ ኢዩ ነይሩ።

ሓደ ተሓጋጋዚ ንጉስ ግን ከም ንጉስ ክቝጸር ይከኣል ድዩ፧ ኣብ 1970ታት ኣብ ሰሜናዊ ሶርያ እተረኽበ ብዛዕባ ሓደ ናይ ጥንቲ ገዛኢ ዝገልጽ ሓወልቲ ሓደ ገዛኢ ዝተሓተ መዓርግ እውን ይሃልዎ ንጉስ ተባሂሉ ክጽዋዕ ልሙድ ነገር ከም ዝነበረ ይገልጽ። እቲ ሓወልቲ ብዛዕባ ሓደ ናይ ጐዛን ገዛኢ ዝገልጽ ኰይኑ: ብቛንቋ ሶርያን ኣረማይስጥን ተቐሪጹ ይርከብ። እቲ ብቛንቋ ሶርያ እተቐረጸ ጽሑፍ ነቲ ሰብኣይ ናይ ጐዛን ኣመሓዳሪ ብምባል ይጽውዖ: እቲ ተመሳሳሊ ናይ ኣረማይስጢ ጽሑፍ ግን ንጉስ ብምባል ይጽውዖ። ስለዚ እምበኣር ቤልሻጽር ኣብቲ ወግዓዊ ናይ ባቢሎናውያን እተቐርጸ ጽሑፋት ወዲ ንጉስ ክበሃል ከሎ: ኣብቲ ብኣረማይስጢ እተጻሕፈ ናይ ዳንኤል ጽሑፍ ግን ንጉስ ተባሂሉ ምጽውዑ ዘይልሙድ ነገር ኣይኰነን።

እቲ ኣብ መንጎ ናቦኒደስን ቤልሻጽርን ዝነበረ ናይ ግዝኣት ሓባራዊ ስርዓት ክሳዕ እተን ናይ መወዳእታ መዓልትታት ናይ ባቢሎን ግዝኣት ቀጺሉ ኢዩ። ስለዚ ኸኣ: ኣብታ ባቢሎን ዝወደቐትላ ለይቲ: ቤልሻጽር ንዳንኤል ኣብታ መንግስቲ ካልኣይ ዘይኰነስ ሳልሳይ ገዛኢ ክገብሮ ዕድመ ኣቕሪብሉ ነበረ።​—⁠ዳንኤል 5:⁠16

ሕሉፍ ርእሰ-ምትእምማን ዝነበሮ ትዕቢተኛ ምስሌነ

እቲ ኣብ ናይ ቤልሻጽር ግዝኣት እተራእየ ናይ መወዳእታ ፍጻመታት እቲ ወዲ ንጉስ ሕሉፍ ርእሰ-​ምትእምማንን ትዕቢትን ከም ዝነበሮ ዝሕብር ኢዩ። እቲ ግዝኣቱ ብ5 ጥቅምቲ 539 ቅ.ኣ.ዘ. ከብቅዕ ከሎ: ናቦኒደስ ብናይ ሜዶንን ፋርስን ሓይልታት ስለ እተሳዕረ ኣብ ቦርሲፓ ተዓቚቡ ነበረ። ባቢሎን ንባዕላውን ተኸቢባ ነበረት። ቤልሻጽር ግን ኣብታ ለይቲ እቲኣ ኣብታ ነቕ ብዘይብል መናድቕ ተሓጺራ ዝነበረት ከተማ ብምንባሩ ዓቢ ዕቝባ ተሰሚዕዎ ስለ ዝነበረ: “ንሽሕ መኳንንቱ ዓብዪ ምሳሕ” ገበረሎም። ኣብ መበል ሓምሻይ ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ዝነብር ዝነበረ ሂሮዶተስ ዝበሃል ግሪኻዊ ጸሓፍ ታሪኽ ሰባት ኣብ ውሽጢ እታ ኸተማ “ኣብቲ ግዜ እቲ ይስዕስዑን ይዘናግዑን ነበሩ” ብምባል ይዛረብ።

እቶም ካብቲ ናይ ባቢሎን መናድቕ ወጻኢ ዝነበሩ ናይ ሜዶንን ፋርስን ሰራዊት ግን ንቑሓት ነበሩ። ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ቂሮስ ብምዃን: ነቲ ብማእከል እታ ኸተማ ኣቋሪጹ ዝሓልፍ ዝነበረ ካብ ሩባ ኤፍራጥስ ዝፈስስ ማይ ካብ መገዱ ኣለዪዎ። እቶም ወተሃደራቱ እቲ ናይ ማይ ዓቐን ኣዝዩ ምስ ጐደለ ብኡንብኡ በቲ ናይቲ ሩባ መትረብ ኣቢሎም እናጠልቀዩ ንኽሓልፉ ድሉዋት ነበሩ። ነቲ ዓቐበት ብምሕኳር በቲ ኣብ ጥቓ እቲ ሩባ ዘሎ መናድቕ ዝርከብ ካብ ኣስራዚ እተሰርሐ ክፉት ማዓጹ ኣቢሎም ናብታ ኸተማ ይኣትዉ።

ቤልሻጽር ነቲ ኣብ ወጻኢ እታ ኸተማ ዝግበር ንጥፈታት ኣስተብሂልሉ ነይሩ እንተ ዝኸውን: ነቲ ካብ ኣስራዚ እተሰርሐ መዓጹ ክዓጽዎ: ነቶም ድልዱላት ሰብኡቱ ኣብ ደንደስ እቲ ሩባ ዘሎ መናድቕ ከም ዝድይቡ ብምግባር ንጸላእቱ ከጥቅዕ ምኸኣለ ነይሩ። ኣብ ክንድኡ ግን: እቲ ትዕቢተኛ ቤልሻጽር ብመስተ ሰኺሩ: ነቲ ካብ ቤተ መቕደስ የሆዋ ዝወሰድዎ ኣቓሑ ከምጽእዎ ኣዘዘ። ድሕርዚ ንሱን ዕዱማቱን ኣንስቱን ዕቁባቱን ነቶም ናይ ባቢሎናውያን ኣማልኽቲ እናወደሱ ብድርቅና ብእኡ ገይሮም ሰተዩ። ሽዑ ሃንደበት: ሓንቲ ኢድ ብተኣምራታዊ መገዲ ተራእየት እሞ ኣብ ኣደራሽ እቲ መንደቕ ክትጽሕፍ ጀመረት። ቤልሻጽር ብፍርሒ ተዋሒጡ ንትርጕም ናይቲ መልእኽቲ ክነግርዎ ነቶም ጥበበኛታት ሰብኡት ጸውዖም። እንተዀነ ግን: “ነታ ጽሕፈት ኬንብብዋን ትርጓሜኣ ኸኣ ነቲ ንጉስ ኪነግርዎን ኣይከአሉን።” ኣብ መወዳእታ: ንዳንኤል “ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣምጽእዎ።” እቲ ተባዕ ናይ የሆዋ ነብዪ ብመለኮታዊ መንፈስ ተደሪኹ ባቢሎን ብሜዶንን ፋርስን ክትወድቕ ምዃና ብምትንባይ ንትርጕም ናይቲ ተኣምራታዊ መልእኽቲ ገለጾ።​—⁠ዳንኤል 5:⁠2-28

ሜዶንን ፋርስን ነታ ኸተማ ብቐሊሉ ሓዝዋ: ቤልሻጽር ድማ ኣብታ ለይቲ እቲኣ ሞተ። ቤልሻጽር ምስ ሞተን ምናልባትውን ናቦኒደስ ንቂሮስ ኢዱ ምስ ሃበን: እቲ ናይ ባቢሎን ግዝኣት ኣብቅዐ።

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]

ዳንኤል ነቲ ናይ ባቢሎናውያን ግዝኣት ከም ዝጠፍእ ዝገልጽ መልእኽቲ ይትርጕሞ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ