ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w20 ለካቲት ገጽ 31
  • ትፈልጥዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ትፈልጥዶ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እቲ ትዕቢተኛ ኣመሓዳሪ ግዝኣቱ የጥፍእ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ንዓለም ዝቐየራ ኣርባዕተ ቓላት
    ንትንቢት ዳንኤል ኣቕልበሉ!
  • መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዳንኤል እንታይ ይብል፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ዳንኤል—ኣብ ፍርዲ ዝቐረበት መጽሓፍ
    ንትንቢት ዳንኤል ኣቕልበሉ!
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
w20 ለካቲት ገጽ 31
ስም ቤልሻጽር ዘለዎ ሲልንደር ካይላ።

ስም ቤልሻጽር ዘለዎ ሲልንደር ካይላ

ትፈልጥዶ፧

ስነ ጥንቲ ብዛዕባ እንታይነት ቤልሻጽር ብዓል ባቢሎን ዜረጋግጽ ብኸመይ እዩ፧

ንሓያሎ ዓመታት፡ ሓያስያን መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ ኣብ መጽሓፍ ዳንኤል ተጠቒሱ ዚርከብ ንጉስ ቤልሻጽር ብሓቂ ኸም ዘይነበረ ይማጐቱ ነይሮም እዮም። (ዳን. 5:1) ከምዚ ዓይነት ኣረኣእያ ዝሓዙ ኸኣ፡ ተመራመርቲ ስነ ጥንቲ ብዛዕባ ህልውናኡ ዚገልጽ ዋላ ሓንቲ መርትዖ ኺረኽቡ ብዘይምኽኣሎም እዮም። እዚ ግና ብ1854 ተቐዪሩ እዩ። ስለምንታይ፧

በታ ዓመት እቲኣ፡ ጆን ጆርጅ ተይለር ዝስሙ ቆንስል ብሪጣንያ፡ ኣብ ዑናታት እታ ሕጂ ኣብ ደቡባዊ ዒራቕ እትርከብ ጥንታዊት ከተማ ኡር ዳህሰሰ። ኣብኡ ኣብ ሓደ ዓብዪ ግምቢ ድማ፡ ሲልንደራት ካይላ ረኸበ። እቲ ሲልንደራት 10 ሰንቲ ሜተር ዝንውሓቱ ዀይኑ፡ ጽሑፍ ኲኒፎርም እተቐርጾ እዩ ነይሩ። ኣብ ሓደ ኻብቲ ሲልንደራት ከኣ፡ ንናቦኒደስ ንጉስ ባቢሎንን ንቤልሻጽር በዅሪ ወዱን ነዊሕ ዕድመ ዚምነ ጸሎት ተጻሒፉ ይርከብ እዩ። ሓያስያን እውን ከይተረፉ፡ እዚ ርኽበት እዚ፡ ቤልሻጽር ከም ዝነበረ ዜረጋግጽ ምዃኑ ተሰማሚዖምሉ እዮም።

ኰይኑ ግና፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ቤልሻጽር ዚብሃል ከም ዝነበረ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንጉስ ከም ዝነበረ እውን ይገልጽ እዩ። ሓያስያን ድማ ነዚ ነጥቢ እዚ ኣልዒሎም ኪነቕፉ ጀሚሮም እዮም። ንኣብነት፡ ኣብ መበል 19 ዘመን ዚነብር ዊልያም ታልቦት ዝስሙ እንግሊዛዊ ተመራማሪ ስነ ፍልጠት፡ ገሊኦም ሰባት፡ “ቤል-ሳር-ኡሱር [ቤልሻጽር] ምስ ኣቦኡ ናቦኒደስ ብሓባር ዚገዝእ እዩ ነይሩ” ኸም ዚብሉ ድሕሪ ምግላጽ፡ “ብዛዕባ እዚ ግና ንእሽቶ መርትዖ እውን የሎን” ኢሉ ጽሒፉ ነይሩ እዩ።

እንተዀነ ግና፡ ኣብ ካልእ ሲልንደራት ኣብ እተረኽበ ጽሑፋት፡ ንጉስ ናቦኒደስ ኣቦ ቤልሻጽር ንዓመታት ኣብታ ርእሲ ኸተማ ዘይነበረሉ ግዜ ኸም ዝነበረ ምስ ሓበረ፡ እቲ ኽርክር መዕለቢ ተረኽበሉ። ንሱ ኣብ ዘይነበረሉ እዋንከ እንታይ ኰነ፧ ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ፡ “ናቦኒደስ ናብ ካልእ ዓዲ ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ ንቤልሻጽር ዝፋኑን መብዛሕትኡ ሰራዊቱን ብሕድሪ ሂብዎ እዩ” ይብል። ስለዚ፡ ቤልሻጽር ኣብቲ ግዜ እቲ መጋዝእቲ እቲ ንጉስ ኰይኑ የገልግል ነይሩ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ተመራማሪ ስነ ጥንትን ምሁር ቋንቋን ዝዀነ ኣለን ሚላርድ፡ “መጽሓፍ ዳንኤል ንቤልሻጽር ‘ንጉስ’ ኢላ ምጽዋዓ” ግቡእ ኸም ዝዀነ ገሊጹ ኣሎ።

ልክዕ እዩ፡ ኣገልገልቲ ኣምላኽ፡ መጽሓፍ ዳንኤል ሓቅነታ ዘመስከረትን ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ ተጻሕፈትን ከም ዝዀነት ዚሕብር ቀንዲ መርትዖ ኣብ ውሽጢ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚርከብ እዮም ዚኣምኑ።—2 ጢሞ. 3:16።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ