ንኣምላኽ ብመገዲ ሓቂ ምምላኽ
ኣምልኾ ብኣምላኽ ተቐባልነት ክረክብ እንተድኣ ዀይኑ: ኣብ ሓቂ እተመስረተ ክኸውን ኣለዎ። (ዮሃንስ 4:23) መጽሓፍ ቅዱስ እቶም ሓቀኛታት ኣምለኽቲ ኣባላት “ናይታ ሓቂ ዓንድን መሰረትን ዝዀነት ማሕበር ህያው ኣምላኽ” ከም ዝዀኑ ገይሩ ኢዩ ዝፈልዮም። (1 ጢሞቴዎስ 3:15) እቶም ጉባኤ ኣምላኽ ዘቝሙ ሰባት ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎ ሓቂ ይኣምኑዎ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ብዘላ ምድሪ ይእውጅዎ: ምስኡ ተሰማሚዖም ይነብሩን ይጣበቑሉን ኢዮም።—ማቴዎስ 24:14፣ ሮሜ 10:9-15
ናይ የሆዋ መሰኻኽር በቲ ሎሚ ኣብ ልዕሊ 200 ሃገራት ዝግበር ዘሎ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምምሃር ዕዮኦም ኣዝዮም ፍሉጣት ኢዮም። መጽሓፍ ቅዱስ የጽንዑ: ክምርዝ ዝኽእል ጽልዋ ፍልስፍና ሰባት ከይሓወሱ ድማ ንሓቂ ይምህሩ። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ትምህርትታቶም ትፈልጦ ዲኻ፧ ብዙሓት ሰባት ኣንጻር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣሉታዊ ዝዀነ ሓበሬታ ክውረ ስለ ዝሰምዑ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ክሰምዕዎም ኣይደልዩን ኢዮም። ይኹን እምበር: እቶም ቅኑዕ ልቢ ዘለዎም ሰባት እቶም መሰኻኽር ዝሰብክዎ ነገር ሓቂ እንተ ዀይኑን እንተ ዘይኰይኑን ባዕሎም መርሚሮም ክውስኑ ይዕደሙ ኢዮም። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣገዳሲ ውሳነ ኣብ ቤላቤለው እተመስረተ ክኸውን የብሉን። ንትምህርትታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብብሕቶም ዝመርመርዎ ሓያሎ ሰባት ብዙሕ ረብሓ ረኺቦም ኢዮም።
ፍልጠት ሓቂ ንፍርሂ ይኣልዮ
ንኣብነት: ናይ አዩካንያ ተመክሮ ርአ። አዩካንያ ኣብ ሓንቲ ንስርዓት ካቶሊክ ጠቢቓ እትስዕብ ስድራቤት ኢያ ዓብያ። ኣቡኣ ካብቶም ብ1979 ናይ ካቶሊክ ጳጳስ ንሜክሲኮ ምእንቲ ክበጽሑ ምውህሃድ ዝገበሩ ሓደ ነበረ። አዩካንያ መሓዙታ ክትበጽሕ ከላ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኸበት። ምስ ሓገዝዋ ድማ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎ ተጠንቂቓ ክትግንዘቦ ጀመረት። ከምዚ ብምባል ከኣ ትዝክር:- “መጀመርታ ብፍርሂ እኳ እንተ ተዋሓጥኩ: ንሓቂ ግን ረኺበያ ነበርኩ! ስለዚ ኸኣ ካብቲ ቅድም ዝኣምኖ ዝነበርኩ እምነት እቲ ዝበዝሐ ጌጋ ኢዩ ነይሩ ማለት ኢዩ። ስድራቤተይን መሓዙተይን ዘፍቅሮም ሰባትን ኵሎም ተጋግዮም ነበሩ። እዚ ድማ ብውሽጠይ ኣሻቐለኒ። ወለደይ ነቲ ሓድሽ ዝረኸብክዎ እምነት ብኸመይ ክርእይዎ ኢዮም ኢለ ብቐጻሊ ንርእሰይ እሓትት ነበርኩ። ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደን ሓገዝ የሆዋ ምስ ረኸብኩን: ነዚ ዘጨንቕ ኵነታት እዚ ከህድኦ ጀመርኩ። ሓደ መዓልቲ ንሓደ ናይ ቲኦሎጂ ፕሮፈሰር ዝዀነ ፈታው ስድራቤትና ከማኽሮ ወሰንኩ። ብዛዕባ እቲ ሓቂ ንምርካብ ዝነበረኒ ባህጊ ድማ ገሊጸ ነገርክዎ። ድሕርዚ ንሱ ‘ንሓቂ ክትፈልጥያ እንተድኣ ደሊኺ: ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኸቢ’ በለኒ።”
አዩካንያ ከምቲ ዝፈርሃቶ ስድራቤታ ካብ ገዛ ሰጐጕዋ። ይኹን እምበር: እቶም መሰኻኽር ብዘይ ምቍራጽ መንፈሳዊ ሓገዝ ገበሩላ። ከምዚ ብምባል ከኣ ትዛረብ:- “ኣብ ሓቂ ጽኑዕ ኣቕዋም ክወስድ ተበራታዕኩ። ከምኡ ንምግባር ምቅላስ እውን እንተዀነ ዝግብኦ ምዃኑ ተገንዘብኩ። እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝገበሩለይ ሓልዮት ኣዝዩ ኣድላዪ ኢዩ ነይሩ። እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ፍቕራ ገሊጻትለይ ኢያ። ናብ ማሕበር ኣምላኽ ምጥባቐይ ከኣ ብዘይ ደገፍ ስድራቤተይ ኣብ ሓቂ ጽኑዕ ኣቕዋም ንኽወስድ ሓጊዙኒ ኢዩ።”
ካልእ ኣብነት እውን ርአ። ሳብሪና ስርዓታዊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ስድራቤት ምይይጥ ኣብ ዝግበረሉ ስድራቤት ኢያ ዓብያ። ሓቂ ኢዩ: ሓንቲ ‘ሃይማኖታዊት ስድራቤት’ ኣቚሞም ነበሩ። ሳብሪና ጌጋታቶም ንኸተቃልዕ ኢላ ምስ ኣባላት እተፈላለዩ ሃይማኖታት ብተደጋጋሚ ትራኸብ ነበረት። ሓንቲ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር ምስ ዓደመታ: ንእምነቶም ከፍሽሎ ኢየ ኢላ ብምሕሳብ ነግ ፈረግ ከይበለት ተቐበለታ። ከምዚ ብምባል ከኣ ትዝክር:- “ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝኣክል ጽንዓት ምስ ገበርኩ: ‘ነቲ ናተይ ሓቂ’ ከየጥፍእ ፈራህኩ። ናይተን ዝመርመርክወን ሓያሎ ሃይማኖታት ሓሶት ንምፍሻል ቀሊል ኰይኑ ረኺበዮ ነበርኩ: ንትምህርቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግን ጌጋ ምዃኑ ከፍሽሎ ኣይከኣልኩን።”
ሳብሪና እቲ ሓዲርዋ ዝነበረ ፍርሂ ነቲ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ትገብሮ ዝነበረት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽንዓት ከም እተቋርጾ ገበራ። ብድሕሪኡ ግን ብመንፈሳዊ መገዲ ዋላ ሓንቲ ከም ዘይብላ ተፈለጣ። ነቲ ጽንዓት እንደገና ክትጅምሮ ወሰነት: መወዳእትኡ ድማ ነዚ ሓድሽ ዝረኸበቶ እምነት ተቐበለቶ። ዕቤት ብምግባራ ከኣ ነቲ እትማሃሮ ዝነበረት ንኻልኦት ከተካፍሎም ደለየት። ምስቶም መሰኻኽር ኣብቲ ናይ ቤተ-ቤት ኣገልግሎቶም እውን ከይተረፈ ክትካፈል ሓተተት። ከምዚ ብምባል ድማ ትገልጽ:- “ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይነ ክሰብኽ ፍቓድ ቅድሚ ምርካበይ: ‘ሓንቲ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትኰኒዶ ብሓቂ ትደልዪ ኢኺ፧’ ዝብል ሕቶ ቀረበለይ። ‘ኣይደልን ኢየ!’ ብምባል መለስኩ። ንኻልኣይ ግዜ ብፍርሂ ተወሓጥኩ።” መወዳእትኡ: ኣብ ኵሉ ኣኼባታት ከየቋረጸት ክትካፈል ምስ ጀመረት: ንህዝቢ ኣምላኽ ምስ ተዓዘበቶም: ንመሰረታዊ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ከም ዘውዕልዎ ኸኣ ምስ ተዓዘበት: እዚ ብርግጽ ሓቂ ኢዩ ኣብ ዝብል መደምደምታ በጽሐት። ጸኒሓ ድማ ተጠምቀት: ሕጂ ናይ ምሉእ ግዜ ሰባኺት ኢያ።
ኣዝዮም ፍሉያት ዝዀኑ ስለምንታይ ኢዮም፧
ሓደ ሰብ: ‘ትምህርቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ናይ ካልኦት ሃይማኖታት ትምህርቲ ኣዝዩ ፍሉይ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧’ ኢሉ ይሓትት ይኸውን። እቶም መሰኻኽር ኣብ ምንታይ ከም ዝኣምኑ ሕጽር ዝበለ ምርምር ምግባር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ቅኑዓት ክርስትያናትን ሓቀኛታት ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስን ምዃኖም ንኽትርዳእ ክሕግዘካ ኢዩ። ነዚ ኣብ ላዕሊ ብሕጽር ዝበለ ሓሳባት ቀሪቡ ዘሎ መሰረታዊ እምነቶም ዝገልጽ ጥቕስታት ናይ ብሕትኻ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒምካ ከተንብቦ ነተባብዓካ።
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ምንታይ ከም ዝኣምኑን ንትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ብኸመይ ከም ዝስዕብዎን ተጠንቂቕካ ብምምርማር: በቲ ሓቂ ብምፍላጥ ዝርከብ ሓርነት ክትባረኽ ትኽእል ኢኻ። (ዮሃንስ 17:17) ንሓቂ እትፈርሃሉ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት የለን። ነቲ “ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም: እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ” ዝብል መብጽዓ የሱስ ኣይትረስዓዮ።—ዮሃንስ 8:32
[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ሳጹን]
ገለ ካብቲ መሰረታዊ እምነታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር
◯ የሆዋ ኵሉ ዝኽእል ኣምላኽ ኢዩ። እቲ ናይ ብሕቲ ስሙ ድማ ኣብቲ ናይ ጥንቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኢደ-ጽሑፋት ልዕሊ 7,000 ግዜ ተጻሒፉ ይርከብ።—መዝሙር 83:18 NW
◯ የሱስ ክርስቶስ ህይወቱ ንደቅሰብ ክህብ ኢሉ ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ዝመጸ ወዲ ኣምላኽ ኢዩ። (ዮሃንስ 3:16, 17) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ኣብ ወንጌላት ዝረኽብዎ ትምህርታት የሱስ ክርስቶስ ኢዮም ዝስዕቡ።
◯ እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝብል ስም ኣብ ኢሳይያስ 43:10 ኣብቲ ‘ንስኻትኩም ምስክረይ ኢኹም: ይብል እግዚኣብሄር [“የሆዋ:” NW ]’ ዝብል ጥቕሲ እተመርኰሰ ኢዩ።
◯ እታ ሰባት ኣብቲ “ኣቡነ ዘበሰማያት” ዝበሃል ጸሎት ዝጽልይዋ መንግስቲ: እታ መጽሓፍ ቅዱስ ዝመባጽዓ ገነት ምእንቲ ኽትመጽእ ንዅሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ መከራን ስቓይን ድሕሪ ቐረባ ግዜ እተልግሶ ሰማያዊት መንግስቲ ኢያ።—ኢሳይያስ 9:6, 7፣ ዳንኤል 2:44፣ ማቴዎስ 6:9, 10፣ ራእይ 21:3, 4
◯ ፍቓድ ኣምላኽ ዝገብር ዝዀነ ይኹን ሰብ ነቲ እታ መንግስቲ እተምጽኦ በረኸት ንዘለኣለም ክሕጐሰሉ ኣጋጣሚ ኣለዎ።—ዮሃንስ 17:3፣ 1 ዮሃንስ 2:17
◯ ክርስትያናት ንባህርያቶም ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎ ከሰማምዕዎ ኣለዎም። ሓቀኛታት ክዀኑ: ጽፉፍን ስነ-ምግባራውን ናብራ ክነብሩ: ንብጾቶም ድማ ከፍቅሩ ጻዕሪ ክገብሩ ኣለዎም።—ማቴዎስ 22:39፣ ዮሃንስ 13:35፣ 1 ቈረንቶስ 6:9, 10
[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቶም ኣብ ልዕሊ 200 ሃገራት ዘለዉ ሰባት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ይእውጁሎም