ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w98 15/10 ገጽ 19-24
  • ምስ ስማ እትሰማማዕ የሩሳሌም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምስ ስማ እትሰማማዕ የሩሳሌም
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዘደንቕ መዓልቲ ኣኼባ
  • ካልእ ዘሐጕስ ኣኼባ
  • ንቤት ኣምላኽ ሸለል ክንብሎ ኣይግባእን
  • ባህ ዘብል ጽምብል
  • ምኽንያት ናይ ዘለኣለም ሓጐስ
  • የሩሳሌም—‘ሓለፋ ኵሉ ሓጐስካ’ ድያ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ካብ መጽሓፍ ነህምያ ዚጐልሕ ነጥብታት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • መካበብያ የሩሳሌም
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • መናድቕ የሩሳሌም
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
w98 15/10 ገጽ 19-24

ምስ ስማ እትሰማማዕ የሩሳሌም

“የሩሳሌም ንእልልታ: ህዝባ ኸኣ ንሓጐስ ክፈጥር እየ እሞ: በቲ ኣነ ዝፈጥሮስ ክትሕጐሱን ንዘለኣለም ደስ ኪብለኩምን እዩ።”​—⁠ኢሳይያስ 65:⁠18

1. እዝራ ብዛዕባ እታ ሕርይቲ ከተማ ኣምላኽ ከመይ ተሰምዖ፧

ከም ንቑሕ ተማሃራይ ናይ ቃል ኣምላኽ መጠን እቲ ኣይሁዳዊ ካህን ዝነበረ እዝራ ነቲ የሩሳሌም ሓደ እዋን ምስ ናይ የሆዋ ጽሩይ ኣምልኾ ዝነበራ ርክብ ክቡር ገይሩ ኢዩ ዝርእዮ ነይሩ። (ዘዳግም 12:⁠5፣ እዝራ 7:⁠27) እቲ ንኸተማ ኣምላኽ ዝነበሮ ፍቕሪ ኣብቲ ብመንፈስ ቅዱስ ተደሪኹ ዝጸሓፎ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ​—⁠ቀዳማይን ካልኣይን ዜና መዋእል ከምኡውን እዝራ​—⁠ይርአ ኢዩ። እታ የሩሳሌም እትብል ስም ኣብዘን ናይ ታሪኽ መዛግብቲ እዚኣተን ርብዒ ናይቲ ኣብ ምልእቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ ኢዩ። እዛ ስም እዚኣ ኣብ ምልእቲ መጽሓፍ ቅዱስ ልዕሊ 800 ግዜ ኢያ ተጠቒሳ ዘላ።

2. እዝራ ስሕት ኢሉ ነታ የሩሳሌም እትብል ስም ብኸመይ ኢዩ ጽሒፍዋ: ናይዚ ትርጕምከ እንታይ ኢዩ፧

2 ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጥቅመሉ እብራይስጢ “የሩሳሌም” በቲ ድርብ ዝዓይነቱ ናይ ቋንቋ እብራይስጢ ኣጸሓሕፋ ከም እትግለጽ ክንርዳእ ንኽእል ኢና። እቲ ድርብ ኣጸሓሕፋ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብቲ ከም ዓይኒ: እዝኒ: ኢድ: ከምኡውን እግሪ ዝኣመሰለ ጽምዲ ዝዀነ ነገራት ኢዩ ዝውዕል። ኣብዚ ድርብ ኣጸሓሕፋ እዚ: እታ የሩሳሌም እትብል ስም ነቲ ህዝቢ ኣምላኽ ብትንቢታዊ መገዲ ብመንፈሳውን ኣካላውን ኣብ ክልቲኡ ዝህልዎም ሰላም ከም እተመልክት ገይርካ ክትውሰድ ትከኣል ኢያ። ቅዱሳት ጽሑፋት እዝራ ነዚ ነገር እዚ ምሉእ ብምሉእ ተረዲእዎ እንተ ዀይኑን እንተ ዘይኰይኑን ኣይገልጽን ኢዩ። ከም ካህን መጠን ግን ኣይሁድ ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘለዎም ሰላም ከስተማቕርዎ ንምሕጋዝ እቲ ዝከኣሎ ኢዩ ገይሩ። የሩሳሌም ምስቲ “ናይ ድርብ ሰላም ዋንነት [ወይ መሰረት] ዘለዋ” ዝብል ትርጕም ናይ ስማ ተሰማሚዓ ምእንቲ ክትነብር ከኣ ኣበርቲዑ ኢዩ ዓዩ።​—⁠እዝራ 7:⁠6

3. እንደገና ብዛዕባ ንጥፈታት ናይ እዝራ ክሳዕ እንሰምዕ ክንደይ ዝኸውን ዓመታት ሓለፈ: ኣብ ከመይ ዝበለ ኵነታትከ ኢና እንረኽቦ፧

3 ኣብ መንጎ እተን እዝራ ንየሩሳሌም ዝበጽሓለንን ነህምያ ናብታ ኸተማ ዝኸደለንን ግዜ ዝነበራ 12 ዓመታት እዝራ ኣበይ ከም ዝነበረ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይጠቅስን ኢዩ። እቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበረ ድኹም መንፈሳዊ ኵነታት ናይታ ሃገር ግን እዝራ ከም ዘይነበረ ኢዩ ዘምስል። እንተዀነ ግን: እቲ ናይታ ከተማ መናድቕ ደድሕሪ ምህናጹ እዝራ ከም እሙን ካህን መጠን ኣብ የሩሳሌም የገልግል ከም ዝነበረ ኢና እንርኢ።

ዘደንቕ መዓልቲ ኣኼባ

4. ነታ መጀመርታ መዓልቲ ናይታ ሻብዐይቲ ወርሒ እስራኤል ኣገዳሲት ዝገብራ እንታይ ኢዩ፧

4 መናድቕ የሩሳሌም ኣብታ ኣገዳሲ በዓል ዝነበራ ኣብ ናይ እስራኤል ሃይማኖታዊ ዓውደ ኣዋርሕ ሻብዐይቲ ዝዀነት ወርሒ ቲሽሪ ተወድአ። እታ መጀመርታ መዓልቲ ናይ ቲሽሪ በዓል ቓና መለኸት ዝበሃል ፍሉይ በዓል ናይ ሓዳስ ወርሒ ዝበዓለላ ኢያ። ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ መስዋእቲ ናብ የሆዋ ክቐርብ ከሎ እቶም ካህናት መለኸት ይነፍሑ ነበሩ። (ዘሁልቍ 10:⁠10፣ 29:⁠1) እዛ መዓልቲ እዚኣ ንእስራኤላውያን ናብቲ ዓመት ዓመት ኣብ 10ይ ወርሒ ትሽሪ ዝግበር መዓልቲ ምትዕራቕን ናብቲ ካብ 15 ክሳዕ 21 ናይዛ ወርሒ እዚኣ ዝብዓል ባህ ዘብል በዓል ምእካብን ዘዳልዎም ኢዩ ነይሩ።

5. (ሀ) እዝራን ነህምያን ናይታ ‘ሳብዐይቲ ወርሒ ቀዳመይቲ መዓልቲ’ ጽቡቕ ገይሮም እተጠቕሙላ ብኸመይ ኢዮም፧ (ለ) እስራኤላውያን ዝበኸዩ ስለምንታይ ኢዮም፧

5 “ብሳብዐይቲ ወርሒ: ብቐዳመይቲ መዓልቲ” “እቶም ህዝቢ ዅላቶም” ተኣከቡ: ከምኡ ክገብሩ ነህምያን እዝራን ኢዮም ዝዀኑ ኣተባቢዖሞም። ሰብኡት: ኣንስቲ: ከምኡውን “ኪስምዑ ምስትውዓል ዘለዎም ኵላቶምን” ኢዮም ነይሮም። ስለዚ ኸኣ መንእሰያት ቈልዑ ኣብኡ ነበሩ: እዝራ ኣብቲ መድረኽ ደው ኢሉ ነቲ ሕጊ ‘ካብ ዚበርህ ጀሚሩ ክሳዕ ፍርቂ መዓልቲ’ ከንብቦ ከሎ ጽን ይብሉ ነበሩ። (ነህምያ 8:⁠1- 4) ኣብ መንጎ ኸኣ እቶም ህዝቢ እቲ ዝንበብ ዝነበረ ምእንቲ ክርድኦም እቶም ሌዋውያን ይሕግዝዎም ነበሩ። እዚ ኸኣ እስራኤላውያን ንሳቶምን ኣቦታቶምን ንሕጊ ኣምላኽ ካብ ምእዛዝ ከም ዝሰነፉ ተገንዚቦም ንኽበኽዩ ኣለዓዓሎም።​—⁠ነህምያ 8:⁠5-9

6, 7. ካብቲ ነህምያ ነቶም ኣይሁድ ካብ ምብካይ ደው ንኸብሎም ዝወሰዶ ስጕምቲ ክርስትያናት እንታይ ክማሃሩ ይኽእሉ፧

6 እዚ ግን ጕሂኻ እትበኽየሉ ግዜ ኣይነበረን። በዓል ኢዩ ነይሩ እቶም ህዝቢ ኸኣ መናድቕ የሩሳሌም ሃኒጾም ዝወድእሉ ግዜ ኢዩ ነይሩ። ስለዚ ነህምያ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ንኽሕዙ ከምዚ ብምባል ሓገዞም:- “ኪዱ ዝሰብሔ ብልዑ: ዝጠዐመ ድማ ስተዩ: ነቶም ዜብሎም ከኣ ግዲኦም ስደዱሎም። እዛ መዓልቲ እዚኣ ንጐይታና እተቐደሰት እያ እሞ: ሓጐስ እግዚኣብሄር ሓይልኹም እዩ እሞ: ኣይትጕሀዩ።” ነዚ ብምእዛዝ “ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ እቲ ዝነገርዎም ቃል ኣስተውዒሎም እዮም እሞ: ኪበልዑን ኪሰትዩን ግዴታት ከኣ ኪሰዱን ዓብዪ ሓጐስውን ኪሕጐሱ ኸዱ።”​—⁠ነህምያ 8:⁠10-12

7 ህዝቢ ኣምላኽ ሎሚ ካብዚ ጸብጻብ እዚ ብዙሕ ክማሃሩ ይኽእሉ ኢዮም። እቶም ኣብ ኣኼባታትን ኣሰምብሊታትን ክፍልታት ክህቡ መሰል ዝረኸቡ ሰባት ነዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ኣብ ኣእምሮኦም ክሕዙ ይግባእ። እዚ ኣጋጣሚታት እዚ ነቲ ሓድሓደ ግዜ ኣድላዪ ዝዀነ ዝእርም ምኽሪ ዝህብ ኣብ ርእሲ ምዃኑ: ምስቲ ኣምላኽ ዝደልዮ ነገራት ተሰማሚዕካ ብምኻድ ንዝርከብ ጥቕምን በረኸትን እውን የጕልሕ ኢዩ። ናይቲ እተገብረ ሰናይ ነገራት ናእዳን ንምጽማም ዝሕግዝ ምትብባዕን ድማ ይወሃብ ኢዩ። ህዝቢ ኣምላኽ ብምኽንያት ናይቲ ካብ ቃል ኣምላኽ ዝረኸብዎ ዝሃንጽ መምርሒታት: ካብዚ ከምዚ ዝበለ ኣኼባታት ሕጉስ ልቢ ሒዞም ክኸዱ ኣለዎም።​—⁠እብራውያን 10:⁠24, 25

ካልእ ዘሐጕስ ኣኼባ

8, 9. ኣብ ካልአይቲ መዓልቲ ናይታ ሻብዐይቲ ወርሒ እንታይ ፍሉይ ኣኼባ ኢዩ እተኻየደ: እዚኸ ንህዝቢ ኣምላኽ እንታይ ኣስዓበሎም፧

8 ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ናይዛ ፍልይቲ ወርሒ እዚኣ “እቶም ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ናይቲ ዅሉ ህዝብን ካህናትን ሌዋውያንን ቃላት እቲ ሕጊ ኺምርምሩ ናብ እዝራ ጸሓፊ ተአከቡ።” (ነህምያ 8:⁠13) እዝራ ‘ሕጊ እግዚኣብሄር ንምምርማርን ንምግባርን: ስርዓትን ፍርድን ከኣ ኣብ እስራኤል ክምህርን ልቡ እተዳለወ’ ስለ ዝነበረ ነዚ ኣኼባ እዚ ንምምራሕ ብቕዓት ነይርዎ ኢዩ። (እዝራ 7:⁠10) ብዘይ ጥርጥር እዚ ኣኼባ እዚ ነቲ ህዝቢ ኣምላኽ ምስቲ ሕጊ ኪዳን ኣጸቢቖም ክሰማምዑሉ ዝግብኦም መዳያት ዘጕልሕ ኢዩ። ነቲ ዝቐርብ ዝነበረ በዓል ዳስ ንምብዓል ግቡእ ምድላዋት ምግባር እቲ ቕልጡፍ ምስትብሃል ዘድልዮ ዝነበረ ኢዩ።

9 እዚ ሰሙን ዝወስድ በዓል እዚ በቲ ልክዕ ዝዀነ ኣገባብ ተባዕለ: ኵሎም እቶም ህዝቢ ኣብ ግዝያዊ መጽለሊ ቀነዩ: እቲ መጽለሊ ኸኣ ብናይ እተፈላለየ ኣእዋም ጨነፍርን ኣቝጽልትን እተሰርሐ ኢዩ። እቶም ህዝቢ ነዚ ዳሳት እዚ ኣብ ልዕሊ ናሕሶም: ኣብ መካበብያኦም: ኣብ ኣጸድ ቤት መቕደስን ኣብ ናይ የሩሳሌም ኣደባባይን ገበርዎ። (ነህምያ 8:⁠15, 16) ነቶም ህዝቢ ንምእካብን ካብ ሕጊ ኣምላኽ ንኸተንብበሎምን ኣየ ከመይ ዝበለ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ነበረ! (ምስ ዘዳግም 31:⁠10-13 ኣረኣእዮ።) እዚ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ “ካብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ጀሚሩ ኽሳዕ እታ ዳሕረይቲ መዓልቲ” ይግበር ነበረ: ንህዝቢ ኣምላኽ ከኣ “ኣዝዩ ዓብዪ ሓጐስ” ኰነ።​—⁠ነህምያ 8:⁠17, 18

ንቤት ኣምላኽ ሸለል ክንብሎ ኣይግባእን

10. ኣብታ መበል 24 መዓልቲ ናይታ ሳብዐይቲ ወርሒ ፍሉይ ኣኼባ እተዳለወ ስለምንታይ ኢዩ፧

10 ኣብ ማእከል ህዝቢ ኣምላኽ ዝፍጸም ከቢድ ጌጋ ንምእራም ግቡእ ግዜን ቦታን ኣለዎ። እዚ ግዜ እዚ ከምኡ ዝበለ ግዜ ምዃኑ ብምግንዛብ እዝራን ነህምያን ዕለት 24 ናይ ወርሒ ቲሽሪ መዓልቲ ጾም ከም ዝኸውን ገበሩ። ሕጊ ኣምላኽ ከኣ እንደገና ተነበ: እቶም ህዝቢ ኸኣ ሓጢኣቶም ተናዘዙ። ሽዑ እቶም ሌዋውያን ነቲ ኣምላኽ ምስቶም ፋሉል ዝኸዱ ህዝቡ ዝገበሮ ናይ ምሕረት ምምልላስ ዘርዘርዎ: ሰናይ ዝዀነ መግለጺ ውዳሴ የሆዋ ገበሩ: ሓላቑኦም: ሌዋውያኖምን ካህናቶምን ብማሕተም ዘረጋገጽዎ “ኪዳን” ከኣ ኣቘሙ።​—⁠ነህምያ 9:⁠1-38

11. ኣይሁድ ንገዛእ ርእሶም በየናይ “ኪዳን” ኢዮም ኣሲሮማ፧

11 እቶም ህዝቢ ብሓፈሽኡ ነቲ እተጻሕፈ “ኪዳን” ክፍጽሙ መሓሉ። ‘ብሕጊ ኣምላኽ ክኸዱ’ ነበሮም። ምስ ‘ህዝብታት እታ ሃገር’ ናይ መርዓ ኪዳን ከይገብሩ ተሰማምዑ። (ነህምያ 10:⁠28-30) ኣብ ርእሲ እዚ እቶም ኣይሁድ መዓልቲ ሰንበት ክሕልዉ: ነቲ ሓቀኛ ኣምልኾ ንምድጋፍ ዓመታዊ ናይ ገንዘብ ውጽኢት ክገብሩ: ነቲ መሰውኢ ዝኸውን ዕንጨይቲ ከምጽኡ: ቦኽሪ መጓሲኦምን ከብቶምን ንመስዋእቲ ክህቡ: ቦኽሪ ምድሮም ከኣ ናብ ክፍልታት ቤት መቕደስ ከምጽኡ ንርእሶም ኣለዓዓልዋ። ‘ቤት ኣምላኾም ከይሓድጉ’ ቈሪጾም ከም ዝነበሩ ንጹር ኢዩ።​—⁠ነህምያ 10:⁠32-39

12. ሎሚ ንቤት ኣምላኽ ሸለል ዘይምባል እንታይ ዘጠቓለለ ኢዩ፧

12 ሎሚ ህዝቢ የሆዋ ነቲ ኣብ ኣጸድ ናይቲ ዓቢ መንፈሳዊ ቤት መቕደስ የሆዋ ናይ ‘ምግልጋል’ መሰል ሸለል ከይብልዎ ክጥንቀቑ ኣለዎም። (ራእይ 7:⁠15) እዚ ንዕቤት ኣምልኾ የሆዋ ኢልካ ስርዓታዊ ዝዀነ ልባዊ ጸሎት ምግባር እውን ዘጠቓልል ኢዩ። ምስ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸሎት ተሰማሚዕካ ንምንባር ንክርስትያናዊ ኣኼባታት ምድላውን ኣብኡ ምስታፍን: ኣብቲ ብስራት ንምስባኽ ዝግበር ምድላዋት ምክፋል: ነቶም ተገዳስነት ዘርኣዩ ተመሊስካ ብምኻድ ምሕጋዞም: እንተ ተኻኢሉ ኸኣ ምስኦም ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ምግባር የድሊ። ብዙሓት ንቤት ኣምላኽ ሸለል ክብሉ ዘይደልዩ ሰባት ነቲ ናይ ስብከት ዕዮን ነቲ ናይ ሓቀኛ ኣምልኾ ቦታታት ወጻኢ ንምሽፋንን ዘድሊ ናይ ገንዘብ ውጽኢታት ይገብሩ። ንሕና እውን ነቲ ብህጹጽ ዘድሊ ዘሎ ናይ መአከቢ ቦታታት ህንጻ ደገፍና ክንህብን ጽሩይን ጽፉፍን ገይርና ኸኣ ክንሕዞን ንኽእል ኢና። ንመንፈሳዊ ቤት ኣምላኽ ፍቕርና እንገልጸሉ ቀንዲ መገዲ ኣብ መንጎ ኣመንቲ ብጾትና ሰላም ንኽህሉ ምዕያይን ነቶም ብስጋውን መንፈሳውን ደገፍ ዘድልዮም ሰባትን ከኣ ምሕጋዝን ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 24:⁠14፣ 28:⁠19, 20፣ እብራውያን 13:⁠15, 16

ባህ ዘብል ጽምብል

13. መናድቕ የሩሳሌም ቅድሚ ምጽምባሉ እንታይ ህጹጽ ጕዳይ ኢዩ ቈላሕታ ዘድለዮ: ብዙሓት ዘርኣይዎ ሰናይ ኣብነትከ እንታይ ኢዩ፧

13 እቲ ኣብ ግዜ ነህምያ እተሓትመ “ኪዳን” ነቶም ኣብ ጥንቲ ዝነበሩ ህዝቢ ኣምላኽ ናብቲ መናድቕ የሩሳሌም ዝጽምበለሉ መዓልቲ ኣዳለዎም። ቈላሕታ ክግበረሉ ዝግባእ ካልእ ህጹጽ ጕዳይ ግን ነይሩ ኢዩ። ሕጂ የሩሳሌም ብ12 መዓጹ ዘለዎ ዓቢ መንደቕ ኢያ ተኸቢባ: ዝያዳ ተቐማጢ ኸኣ የድልያ ነበረ። ገለ እስራኤላውያን ኣብኡ ይነብሩ እኳ እንተ ነበሩ: ‘እታ ኸተማ ገፋሕን ዓባይን ነበረት። እቶም ኣብ ማእከላ ዝነብሩ ህዝቢ ኸኣ ሒደት ነበሩ።’ (ነህምያ 7:⁠4) ነዚ ጸገም እዚ ንምፍታሕ እቶም ህዝቢ ‘ከካብ ዓሰርተስ ሐሓደ ወሲዶም ናብታ ቅድስቲ ኸተማ: ናብ የሩሳሌም ከቐምጥዎም ዕጭ ተዋደቑ።’ እቲ ብፍታው ዝሃብዎ ምላሽ ከኣ እቶም ህዝቢ “ነቶም ብፍቓዶም ኣብ የሩሳሌም ኪቕመጡ ዝፈተዉ ዅሎም ሰባት” ክምርቕዎም ደፋፍኦም። (ነህምያ 11:⁠1, 2) እዝስ ነቶም ኣብቲ ዝያዳ ናይ ብሱላት ክርስትያን ሓገዝ ዘድልየሉ ቦታታት ንኽኸዱ ኵነታቶም ዘፍቅደሎም ሓቀኛታት ኣምለኽቲ ኣየ ከመይ ዝበለ ሰናይ ኣብነት ኰን ኢዩ!

14. በታ መናድቕ የሩሳሌም እተጸምበለላ መዓልቲ እንታይ ተፈጸመ፧

14 ነታ ዓባይ መዓልቲ ጽንብል መናድቕ የሩሳሌም ዝኸውን ኣገዳሲ ምድላዋት ብኡንብኡ ተጀመረ። እቶም ኣብ ከባቢ ከተማታት ይሁዳ ዝነበሩ ሙዚቀኛታትን ዘመርትን ተኣከቡ። ካብ እዚኣቶም ከኣ ውዳሴ ዘቕርቡ ክልተ ጕጅለ መዘምራን ቈሙ: ነፍሲ ወከፍ ጕጅለ ድማ ደድሕሪኡ ዝስዕቡ ዓጀብቲ ነበርዎ። (ነህምያ 12:⁠27-31, 36, 38) እቶም ጕጅለ ዘመርትን ዓጀብቶምን በቲ ካብ ቤት መቕደስ ዝረሓቐ ክፍሊ ናይቲ መናድቕ ጀሚሮም: ምናልባት ካብ ስንጭሮ ደገ ኢዩ ዝኸውን: ኣብ ቤት ኣምላኽ ክሳዕ ዝራኸቡ ኸኣ ናብ ክልተ ኣንጻር ወገን ከዱ። “በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ዓብዪ መስዋእቲ ሰውኡ። ኣምላኽ ዓብዪ ሓጐስ ኣሐጒስዎም እዩ እሞ: ደስ በሎም። እተን ኣንስትን እቶም ደቅን ከኣ ተሐጐሱ: ሓጐስ የሩሳሌምውን ክሳዕ ርሑቕ ተሰምዔ።”​—⁠ነህምያ 12:⁠43

15. ምውፋይ መናድቕ የሩሳሌም ነባሪ ሓጐስ ዘምጽእ ኣይነበረን ክበሃል ዝከኣል ስለምንታይ ኢዩ፧

15 መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ዘሐጕስ በዓል እዚ እተኻየደሉ ዕለት መዓስ ምዃኑ ኣይነግርን ኢዩ። የሩሳሌም ምሉእ ብምሉእ እተሓደሰትሉ ዕለት እኳ እንተ ዘይነበረ: ብዛዕባ ምሕዳስ የጕልሕ ከም ዝነበረ ግን ኣየጠራጥርን ኢዩ። ርግጽ ኢዩ ኣብ ውሽጢ እታ ኸተማ ብዙሕ ናይ ምህናጽ ዕዮ ክግበር የድሊ ነይሩ ኢዩ። ድሕሪ ገለ ግዜ እቶም ናይ የሩሳሌም ዜጋታት እቲ ዝነበሮም ጽቡቕ መንፈሳዊ ኣቕዋም ኣጥፍኡ። ንኣብነት ነህምያ ናብታ ከተማ ንኻልኣይ ግዜ ምስ ከደ: ቤት ኣምላኽ እንደገና ሸለል ኢሎም: እቶም እስራኤላውያን ከኣ እንደገና ኣረማውያን ኣንስቲ ተመርዕዮም ረኸቦም። (ነህምያ 13:⁠6-11, 15, 23) እዚ ሕማቕ ተግባራት እዚ ኣብቲ ነብዪ ሚልክያስ ዝጸሓፎ ተረጋጊጹ ኣሎ። (ሚልክያስ 1:⁠6-8፣ 2:⁠11፣ 3:⁠8) ስለዚ ምውፋይ መናድቕ የሩሳሌም ነባሪ ሓጐስ ዘምጽእ ኣይነበረን።

ምኽንያት ናይ ዘለኣለም ሓጐስ

16. ህዝቢ ኣምላኽ ዝጽበይዎ ዓይነት ፍጻሜታት እንታይ ኢዩ፧

16 ሎሚ ህዝቢ የሆዋ ነቲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ኵሎም ጸላእቱ ዝዕወተሉ ግዜ ኢዮም ብሃረርታ ዝጽበዩ ዘለዉ። እዚ ኸኣ ብጥፍኣት “ዓባይ ባቢሎን”​—⁠እታ ንዅሉ ዓይነት ናይ ሓሶት ሃይማኖት እትሓቍፍ ምሳልያዊት ከተማ​—⁠ክጅምር ኢዩ። (ራእይ 18:⁠2, 8) ምጥፋእ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ናይ መጀመርታ ደረጃ ናይቲ ዝመጽእ ዘሎ ዓቢ ጸበባ ኢዩ። (ማቴዎስ 24:⁠21, 22) ኣብ ቅድሜና ኸኣ ብሓቂ ኣገዳሲ ዝዀነ ፍጻሜ ኢዩ ዘሎ። ኣብ ሰማይ መርዓ ናይ ጐይታ የሱስ ክርስቶስ ምስታ ብ144,000 ዜጋታት ናይታ “ሓዳስ የሩሳሌም” ዝቘመት መርዓቱ ዝግበረሉ ግዜ ኢዩ። (ራእይ 19:⁠7፣ 21:⁠2) እዚ መርዓ እዚ ብልክዕ መዓስ ከም ዝፍጸም ክንፈልጦ ኣይንኽእልን ኢና፣ ዘሐጕስ ፍጻሜ ከም ዝዀነ ግን ርግጽ ኢዩ።​—⁠ናይ 15 ነሓሰ 1990 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 30-31 ርአ።

17. ብዛዕባ እቲ ኵሎም ኣባላት ሓዳስ የሩሳሌም ዝተኣኻኸቡሉ ግዜ እንፈልጦ እንታይ ኢዩ፧

17 ኵሎም ኣባላት ሓዳስ የሩሳሌም ዝተኣኻኸቡሉ ግዜ ኣዝዩ ቀረባ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። (ማቴዎስ 24:⁠3, 7-14፣ ራእይ 12:⁠12) ከምታ ምድራዊት ከተማ የሩሳሌም ስለ ዘይኰነት ፈጺማ ምኽንያት ጓሂ ኣይክትከውንን ኢያ። ከምዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ከኣ ኵሎም እቶም ዜጋታታ ብመንፈስ እተቐብኡ: እተፈተኑ: ከምኡውን እተዀልዑ ሰዓብቲ የሱስ ክርስቶስ ብምዃኖም ኢዩ። ነፍሲ ወከፎም ክሳዕ ሞት እሙናት ብምዃኖም ነቲ ኣድማሳዊ ልዑል የሆዋ ኣምላኽ ንዘለኣለም እሙናት ከም ዝዀኑ ኣረጋጊጾም ኢዮም። እዚ ነቶም ዝተረፉ ደቅሰብ​—⁠ንህያዋንን ምዉታትን​—⁠ዓቢ ትርጕም ኣለዎ!

18. ‘ክንሕጐስን ንዘለኣለም ከኣ ባህ ክብለናን’ ዘለዎ ስለምንታይ ኢዩ፧

18 ነቲ ሓዳስ የሩሳሌም ቈላሕትኣ ናብቶም ኣብ በጅነታዊ መስዋእቲ የሱስ እምነት ዘርእዩ ሰባት ክትገብር ከላ ዝኸውን ነገር እሞ ሕሰበሉ። ሃዋርያ ዮሃንስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “እንሆ ድንኳን ኣምላኽ ምስ ሰብ: ንሱውን ምሳታቶም ኪነብር እዩ: ንሳቶም ከኣ ህዝቡ ኪዀኑ እዮም: ኣምላኽውን ባዕሉ ምሳታቶምን ኣምላኾምን ኪኸውን እዩ። ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ: ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ።” (ራእይ 21:⁠2-4) ብተወሳኺ ኸኣ ኣምላኽ ነዚ ከተማ መሰል ምድላው እዚ ንደቅሰብ ናብ ሰብኣዊ ፍጽምና ንምብጻሕ ክጥቀመሉ ኢዩ። (ራእይ 22:⁠1, 2) እዝስ ‘በቲ ኣምላኽ ዝፈጥሮ ንምሕጓስን ንዘለኣለም ደስ ንምባልን’ ኣየ ከመይ ዝበለ ዘደንቕ ምኽንያት ኰን ኢዩ!​—⁠ኢሳይያስ 65:⁠18

19. እቲ ክርስትያናት ዝእከብሉ ዘለዉ መንፈሳዊ ገነት እንታይ ኢዩ፧

19 እተናስሑ ሰባት ግን ካብ ኣምላኽ ሓገዝ ንኽረኽቡ ክሳዕ ሽዑ ክጽበዩ ኣየድልን ኢዩ። ብ1919 የሆዋ ነቶም ናይ መወዳእታ ኣባላት 144,000 ናብ መንፈሳዊ ገነት ክእክቦም ጀመረ: ኣብኡ ኸኣ ከም ፍቕሪ: ሓጐስ: ከምኡውን ሰላም ዝኣመሰለ ፍረ መንፈስ ኣምላኽ ብብዝሒ ኢዩ ዝርከብ። (ገላትያ 5:⁠22, 23) ሓለፍ ዝበለ ክፍሊ ናይዚ መንፈሳዊ ገነት እዚ እምነት ናይቶም ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምልእቲ ምድሪ ከም ዝበጽሕ ንምግባር ፍረ ብዘለዎ መገዲ መሪሕነት ዝወስዱ ቅቡኣት ተቐማጦ ኢዩ። (ማቴዎስ 21:⁠43፣ 24:⁠14) ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ዳርጋ ሽዱሽተ ሚልዮን ዝዀኑ ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ‘ካልኦት ኣባጊዕ’ ናብታ መንፈሳዊ ገነት ክኣትዉን ኣብኡ ኸኣ ፍረ ዘለዎ ዕዮ ክፍጽሙን ተፈቒዱሎም ኢዩ። (ዮሃንስ 10:⁠16) ነዚ ከም ዝበቕዑ ዝዀኑ ኸኣ ብመሰረት እቲ ኣብ በጅነታዊ መስዋእቲ ወዱ የሱስ ክርስቶስ ዘለዎም እምነት ህይወቶም ንየሆዋ ኣምላኽ ብምውፋዮም ኢዩ። እቲ ምስቶም ንዝመጽእ ግዜ ኣባላት ሓዳስ የሩሳሌም ዝዀኑ ሰባት ምሕባሮም ከኣ ብሓቂ በረኸት ኢዩ ኰይንዎም። በዚ ኸምዚ ኸኣ የሆዋ ምስቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ብዝገበሮ ምምልላስ: ነቲ ምድራዊ ቦታ ናይቲ ሰማያዊ መንግስቲ ዝወርሱ ንኣምላኽ ብዝፈርሁ ሰባት ዝቘመት ‘ሓዳስ ምድሪ’ ዝኸውን ጽኑዕ መሰረት ገበረ።​—⁠ኢሳይያስ 65:⁠17፣ 2 ጴጥሮስ 3:⁠13

20. ሓዳስ የሩሳሌም ምስ ትርጕም ስማ ተሰማሚዓ ክትነብር እትኽእል ብኸመይ ኢያ፧

20 እቲ ሎሚ ህዝቢ የሆዋ ኣብቲ መንፈሳዊ ገነት ዘሕልፍዎ ዘለዉ ሰላም ዝመልኦ ኵነታት: ድሕሪ ሓጺር ግዜ ኣብታ እትመጽእ ምድራዊት ገነት ክረኽብዎ ኢዮም። እዚ ኸኣ እታ ሓዳስ የሩሳሌም ካብ ሰማይ ንደቅሰብ ክትባርኽ ኢላ ምስ ወረደት ኢዩ ዝፍጸም። ህዝቢ ኣምላኽ ነቲ ኣብ ኢሳይያስ 65:​21-25 መብጽዓ ተገይሩሉ ዘሎ ኵነታት ብድርብ መገዲ ከስተማቕርዎ ኢዮም። እቶም ገና ኣብታ ሰማያዊት ሓዳስ የሩሳሌም ቦትኦም ክሕዙ ዘለዎም ቅቡኣትን እቶም ‘ካልኦት ኣባጊዕን’ ንየሆዋ ኣብ መንፈሳዊ ገነት ኰይኖም ብሕብረት ከም ዘምልኹ ሰባት መጠን ሕጂ ኣምላኽ ዝሃቦም ሰላም የስተማቕሩ ኣለዉ። ‘ፍቓድ ኣምላኽ ከምቲ ኣብ ሰማይ ዝዀኖ ኣብ ምድሪ እውን ክኸውን’ ከሎ: ከምዚ ዝበለ ሰላም ናብቲ ምድራዊ ገነት ክሰጋገር ኢዩ። (ማቴዎስ 6:⁠10) እወ: እታ ግርማዊት ሰማያዊት ከተማ ምስ ትርጕም ናይታ የሩሳሌም እትብል ስም ብምስምማዕ ‘ናይ ድርብ ሰላም መሰረት ዘለዋ’ ምዃና ከተረጋግጽ ኢያ። ንዘለኣለም ከኣ ነቲ ዓቢ ፈጣሪኣ የሆዋ ኣምላኽን ነቲ መርዓዊኣ ንጉስ የሱስ ክርስቶስን እትውድስ ኰይና ክትቀውም ኢያ።

ትዝክሮዶ፧

◻ ነህምያ ነቶም ህዝቢ ኣብ የሩሳሌም ምስ ኣከቦም እንታይ ተፈጸመ፧

◻ ጥንታውያን ኣይሁድ ንቤት ኣምላኽ ሸለል ምእንቲ ከይብሉ እንታይ ክገብሩ ነበሮም: ንሕናኸ እንታይ ክንገብር ኢና ተጸዊዕና፧

◻ “የሩሳሌም” ነባሪ ሓጐስን ሰላምን ኣብ ምምጻእ ከመይ ዝበለ ግደ ኢዩ ዘለዋ፧

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ካርታ]

ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ

ደጌታት የሩሳሌም

እቲ ቝጽርታት ነቲ ሎሚ ዘሎ ብራኸ ብሜትሮ ኢዩ ዘመልክት

ደገ ዓሳ

ኣረጊት ደገ

ደገ ኤፍሬም

ደገ መኣዝን

ገፊሕ መካበብያ

ገፋሕ ቦታ

ደገ ሽንጭሮ

ኻልኣይ ክፍሊ

ቀደም ብሰሜን ዝነበረ መንደቕ

ከተማ ዳዊት

ደገ ጐዱፍ

ለሰ ሂኖም

ግምቢ

ደገ ኣባጊዕ

ደገ ቤት ማእሰርቲ

ከባቢ ቤት መቕደስ

ደገ ሃሚፍቃድ

ደገ ኣፍራስ

ዖፌል

ገፋሕ ቦታ

ደገ ማይ

ዓይኒ ማይ ጊሆን

ደገ ዔላ

ኣታኽልቲ ንጉስ

ዔን -ሮጌል

ስንጭሮ (ማእከላይ) ታይሮፓይን

ስንጭሮ ርባ ቄድሮን

740

730

730

750

770

770

750

730

710

690

670

620

640

660

680

700

720

740

730

710

690

670

ኣብቲ እታ ከተማ ዝጠፍኣትሉ ግዜን ነህምያ ኸኣ ነቲ መናድቕ ንምህናጽ መሪሕነት ክወስድ ከሎን ዝነበረ ስፍሓት መናድቕ የሩሳሌም ክንድዚ ዝኣክል ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ