ብምኽንያት እምነቶም እተጸልኡ
“ስለ ስመይ . . . ኵሉ ሰብ ኪጸልኣኩም እዩ። ”—ማቴዎስ 10:22
1, 2. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሃይማኖታዊ እምነቶም ኣብ ተግባር ብምውዓሎም ዘሕለፍዎ ኣብ ህይወት ዘጋጠመ ተመክሮታት ከተዘንቱ ትኽእልዶ፧
ሓደ ኣብ ደሴት ቅሬጥስ ዝነብር ቅኑዕ በዓል ድኳን ብዙሕ ግዜ ተኣስረ: ብተደጋጋሚ ኸኣ ኣብ ናይ ግሪኽ ኣብያተ-ፍርዲ ቀረበ። ካብ በዓልቲ ቤቱን ሓሙሽተ ደቁን ተፈልዩ ኵሉዅሉ ንልዕሊ ሽዱሽተ ዓመት ተኣስረ። ኣብ ጃፓን ሓደ ወዲ 17 ዓመት ተማሃራይ ዋላ እኳ ጠባዩ ጽቡቕ ብመንፋዓቱ ድማ ካብቶም ኣብ ክፍሉ ዝነበሩ 42 ተማሃሮ ቀዳማይ እንተዀነ ካብ ቤት ትምህርቲ ተሰጐ። ኣብ ፈረንሳ ብዙሓት ሰባት ህርኩታት ምዃኖምን ብሕልና ከም ዝሰርሑን ፍሉጣት እኳ እንተዀኑ ካብ ስርሖም ብዘይ ወዓል ሕደር ይባረሩ። እዚ ኣብ ህይወት ዘጋጠመ ናይ ሓቂ ተመክሮታት እዚ እንታይ ናይ ሓባር ረቛሒ ኢዩ ዘለዎ፧
2 እዞም ውልቀ-ሰባት እዚኣቶም ኵሎም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢዮም። እቲ ዝፈጸምዎ “ገበን” እንታይ ኢዩ፧ ብመሰረቱ እቲ ዘለዎም ሃይማኖታዊ እምነት ኣብ ግብሪ ብምውዓሎም ኢዩ። እቲ በዓል ድኳን ነቲ ናይ የሱስ ክርስቶስ ትምህርትታት ብምእዛዝ: እምነቱ ንኻልኦት የካፍሎም ነበረ። (ማቴዎስ 28:19, 20) ብመሰረት እቲ ሃይማኖት ምልዋጥ ከም በደል ገይሩ ዝርእዮ ናይ ቅድም ሕጊ ግሪኽ ከም ገበነኛ ተፈርደ። እቲ ተማሃራይ ከኣ እቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ እተለማመደ ሕልንኡ ኣብቲ ዘይተረፍ ዝበሃል ናይ ኬንዶ ትምህርቲ (ናይ ጃፓን ናይ ሴፍ ጸወታ) ክሳተፍ ስለ ዘይፈቐደሉ ካብ ቤት ትምህርቲ ተሰጐ። (ኢሳይያስ 2:4) እቶም ኣብ ፈረንሳ ካብ ስርሖም እተሰጕ ኸኣ እቲ እንኮ ምኽንያት መስጐጒኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምዃኖም ከም ዝዀነ ተነግሮም።
3. ንመብዛሕትኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብኻልኦት ሰባት ዝወርዶም ስቓይ ብተዛማዲ ሒደት ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
3 እዚ ኣብነት ናይቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብዚ ቀረባ እዋናት ኣብ ገለ ዓድታት ዘሕልፍዎ ዘለዉ ሕማቕ ተመክሮታት ኢዩ። ይኹን እምበር: ንመብዛሕትኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብኻልኦት ሰባት ብዙሕ ስቅያት ከሕልፉ ብተዛማዲ ሓሓሊፉ ዝርአ ኣጋጣሚ ኢዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ብዘላ ዓለም በቲ ሰናይ ጠባዮም ፍሉጣት ኢዮም—እዚ ኸኣ ዝዀነ ይኹን ሰብ ንኽጐድኦም ብቑዕ ምኽንያት ኣይህብን ኢዩ። (1 ጴጥሮስ 2:11, 12) ተንኰል ኣይፍሕሱን ወይውን ጐዳኢ ጠባይ የብሎምን። (1 ጴጥሮስ 4:15) ብኣንጻሩ በቲ ቅድም ንኣምላኽ ብድሕሪኡ ኸኣ ነቶም ዓለማውያን መንግስታት ክግዝኡ ዝነግሮም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምኽሪ ክነብሩ ኢዮም ዝፍትኑ። እቲ ሕጊ ዝሓቶም ግብሪ ይኸፍሉ: ‘ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ክነብሩ’ ኸኣ ይጽዕሩ። (ሮሜ 12:18፣ 13:6, 7፣ 1 ጴጥሮስ 2:13-17) ኣብቲ ዝህብዎ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ሕጊ ክኽበር: ናይ ስድራቤትን ስነ-ምግባርን ስርዓታት ክሕሎ ከም ዘለዎ የተባብዑ። ሕጊ ዘኽብሩ ዜጋታት ብምዃኖም ብዙሓት መንግስታት ንኢዶሞም ኢዮም። (ሮሜ 13:3) እንተዀነ ግን: እታ ናይ መጀመርታ ቍጽሪ ከም እትሕብሮ: ሓድሓደ ግዜ ኣብ ገለ ሃገራት ኣደዳ ምጽራር ኰይኖም: ናይ መንግስቲ እገዳታት እውን ከይተረፈ ኣጋጢምዎም ኢዩ። እዝስ ከገርመና ይግባእዶ፧
ወደ መዝሙር ምዃን ዝሓቶ “ዋጋ”
4. ብመሰረት እቲ የሱስ ዝበሎ ሓደ ሰብ ወደ መዝሙሩ ክኸውን ከሎ እንታይ ከጋጥሞ ኢዩ ክጽበ ዘለዎ፧
4 የሱስ ክርስቶስ ወደ መዝሙሩ ምዃን እንታይ ዘጠቓለለ ምዃኑ ኣጠራጣሪ ነገር ገይሩ ከም ዘይሓደጎ ፍሉጥ ኢዩ። ንሰዓብቱ “ባርያ ኻብ ጐይታኡ ኣይዐብን እዩ። . . . ንኣይ ሰጒጎምኒ እንተ ዀይኖም: ንኣኻትኩምውን ኪሰጉኹም እዮም” ኢሉ ነገሮም። የሱስ “ብዘይ ምኽንያት” ኢዩ ተጸሊኡ። (ዮሃንስ 15:18-20, 25፣ መዝሙር 69:4፣ ሉቃስ 23:22) እቶም ደቀ መዛሙርቱ እውን ብዘይ ገለ ቅቡል ምኽንያት ተመሳሳሊ ምጽራር ክመጾም ክጽበዩ ኣለዎም። “ኵሉ ሰብ ኪጸልኣኩም እዩ” ብምባል ካብ ሓደ ግዜ ንላዕሊ ኣጠንቀቖም።—ማቴዎስ 10:22፣ 24:9
5, 6. (ሀ) የሱስ ነቶም ንብሕጂ ሰዓብቱ ዝዀኑ ሰባት ወደ መዝሙር ምዃን ዝሓቶ ‘ዋጋ ክጽብጽቡ’ እተላበዎም ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ምጽራር ከጋጥመና ኸሎ ሓድሽ ነገር ክዀነና ዘይብሉ ስለምንታይ ኢዩ፧
5 በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ የሱስ ነቶም ንመጻኢ ሰዓብቱ ዝዀኑ ሰባት ወደ መዝሙር ምዃን ዝሓቶ ‘ዋጋ ክጽብጽቡ’ ተማሕጸኖም። (ሉቃስ 14:28 ሪቫይዝድ ስታንዳርድ ቨርሽን [እንግሊዝኛ]) ስለምንታይ ኢዩ ከምኡ ዝበሎም፧ ሰዓብቱ ክዀኑ ድዮም ኣይኰኑን ንምውሳን ኣይኰነን: ኣብ ክንድኡስ ምስ ሰዓቢኡ ምዃን ተተሓሒዙ ዝመጽእ ነገራት ንምግባር ቆራጻት ምእንቲ ክዀኑ ኢዩ። ምስቲ መሰል ተተሓሒዙ ንዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ፈተና ወይ ሽግር ንምጽማም ቅሩባት ክንከውን ይግባእ። (ሉቃስ 14:27) ከም ሰዓብቲ ክርስቶስ ኴንና ንየሆዋ ንኸነገልግሎ ዝግድደና ዋላ ሓደ የለን። ብድላይካ ዝግበር ውሳነ ኢዩ፣ ኣብ ምርዳእ እተመርኰሰ ውሳነ እውን ኢዩ። እቲ ህይወትና ብምውፋይ ምስ ኣምላኽ እንገብሮ ርክብ በረኸታት ዘምጽእ እኳ እንተዀነ ‘ኵሉ ሰብ ክጸልኣና’ ምዃኑ እውን ኣቐዲምና ንፈልጥ ኢና። ስለዚ ምጽራር ከጋጥመና ኸሎ ሓድሽ ኣይኰነናን ኢዩ። እቲ ዘድሊ ‘ዋጋ ጸብጺብና’ ኢና: ንኽንከፍሎ ኸኣ ምሉእ ብምሉእ ቅሩባት ኢና።—1 ጴጥሮስ 4:12-14
6 ገሊኦም ሰባት: ገለ ናይ መንግስቲ ሰብ መዝታት እውን ሓዊስካ ንሓቀኛታት ክርስትያናት ክቃወምዎም ዝደልዩ ስለምንታይ ኢዮም፧ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ዝነበሩ ክልተ ሃይማኖታውያን ጕጅለ ምምርማር መልሱ ንምርካብ ክሕግዘና ኢዩ። ክልቲኣቶም ጕጅለ ጽሉኣት ኢዮም ነይሮም: ጽሉኣት ዝዀንሉ ምኽንያት ግን ነንበይኑ ኢዩ ነይሩ።
ጽልኢ ዝመልኦምን እተጸልኡን
7, 8. ኣየናይ ትምህርትታት ኢዩ ንኣህዛብ ብምፍንፋን ከም ዝረኣዩ ዝገብር ዝነበረ: ብሰንኪ እዚኸ ኣብቶም ኣይሁድ እንታይ ኣረኣእያ ኢዩ ዝማዕበለ፧
7 ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ. እስራኤል ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ሮሜ ነበረት: ኣይሁድነት ማለት ናይ ኣይሁድ ሃይማኖታዊ ስርዓት ብምሉኡ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር እቶም ከም ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ዝኣመሰሉ ጨቈንቲ መራሕቲ ነበረ። (ማቴዎስ 23:2-4) እዞም ደረቐኛታት መራሕቲ እዚኣቶም ነቲ ካብ ኣህዛብ ፍሉያት ምዃን ዝብል ስርዓት ካብ ሕጊ ሙሴ ብምውሳድ ኣይሁድ ንዘይኰኑ ምንዓቕ ኢሎም ጠወይዎ። ድሕሪ ገለ ግዜ ኸኣ ንኣህዛብ ዝጸልእ ሃይማኖት ኣቘሙ: እዚ ኸኣ ብግዲኡ ኣህዛብ ንኣይሁድ ከም ዝጸልእዎም ገበሮም።
8 ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ኣይሁድ ንኣህዛብ ጽዩፋት ፍጥረት ገይሮም ይርእይዎም ስለ ዝነበሩ እቶም መራሕቲ ኣይሁድ ንኣህዛብ ዘዋርድ ስብከት ክህቡ ኣየሸግሮምን ኢዩ ነይሩ። እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ኣህዛብ “ብብዕልግና ስለ ዝጥርጠሩ” ሓንቲ ኣይሁዳዊት ሰበይቲ በይና ምስኦም ክትከውን የብላን ብምባል ይምህሩ ነበሩ። ሓደ ኣይሁዳዊ ሰብኣይ ከኣ “ምስኦም ንበይኑ ክኸውን የብሉን ምኽንያቱ ደም ብምፍሳስ ይጥርጠሩ ኢዮም” ይብሉ ነበሩ። ሓደ ካብ ኣህዛብ ዝሓለቦ ጸባ ኣይሁዳውያን ኣይሰትይዎን ኢዮም: ወይ ከኣ ክሕለብ ከሎ ሓደ ኣይሁዳዊ ክርኢ ኣለዎ። ብጽልዋ ናይ መራሕቶም እቶም ኣይሁድ ምርሕሓቕን ተሪር ዝዀነ ምግላልን ኣማዕበሉ።—ምስ ዮሃንስ 4:9 ኣረኣእዮ።
9. እቲ መራሕቲ ኣይሁድ ብዛዕባ እቶም ኣይሁድ ዘይኰኑ ሰባት ዝማሃርዎ ትምህርቲ እንታይ ሳዕቤን ኣምጽአ፧
9 ብዛዕባ እቶም ኣይሁዳውያን ዘይኰኑ ሰባት ዝወሃብ ዝነበረ ከምዚ ዝኣመሰለ ትምህርቲ ኣብ መንጎ ኣይሁድን ኣህዛብን ጽቡቕ ርክብ ክፈጥር ኣይከኣለን። ኣህዛብ ንኣይሁድ ከም ጸላእቲ ናይ ኵሉ ወድሰብ ገይሮም ረኣይዎም። እቲ ሮማዊ ጸሓፍ ታሪኽ ታሲቱስ (ብ56 ከ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ እተወልደ) ብዛዕባ ኣይሁድ ከምዚ በለ:- “ንኻልእ ሰብ ከም ተጻባኢ ገይሮም ብምርኣይ ይጸልእዎ።” ታሲቱስ ወሲኹ እቶም ናይ ኣይሁድ ጵሮሴሊት ዝዀኑ ኣህዛብ እውን ንሃገሮም ክኽሕዱ ከምኡውን ንስድራቤቶምን ኣዕሩኾምን ዋጋ ዘይብሎም ገይሮም ክርእዩ ይማሃሩ ነበሩ ይብል። እቶም ሮማውያን ብሓፈሽኡ ነቶም ብዙሓት ብምንባሮም ክደፍርዎም ዘይከኣሉ ኣይሁድ ይጸሩዎም ነበሩ። እንተዀነ ግን: ኣይሁድ ብ66 ከ.ኣ.ዘ. ብምዕላዎም ሮማውያን ብቕልጡፍ ሕነ ፈደዩ: እዚ ኸኣ እቲ ብ70 ከ.ኣ.ዘ. ዝዀነ ናይ የሩሳሌም ጥፍኣት ኣስዓበ።
10, 11. (ሀ) ሕጊ ሙሴ ነቶም ወጻእተኛታት ብኸመይ ክተሓዙ ከም ዘለዎም ይገልጽ፧ (ለ) ካብቲ ንኣይሁድነት ዘጋጠሞ እንታይ ክንማሃር ንኽእል፧
10 እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ብዛዕባ ወጻእተኛታት ዝነበረ ኣረኣእያ: ምስቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ እተገልጸ ዓይነት ኣምልኾ ብኸመይ ይመሳሰል፧ እቲ ሕጊ ካብ ኣህዛብ ምፍላይ የተባብዕ ኢዩ: እዚ ግን ንእስራኤላውያን ብፍላይ ከኣ ነቲ ጽሩይ ኣምልኾኦም ንምክልኻል ኢዩ ነይሩ። (እያሱ 23:6-8) ከምዚ ይኹን ደኣ እምበር: እቲ ሕጊ እቶም ወጻእተኛታት ንሕግታት እስራኤል ክሳዕ እተኣዘዙ ብፍትሒ ከምኡውን ብግቡእ ክተሓዙ: ጽቡቕ ኣቀባብላውን ክግበረሎም ዝሓትት ነበረ። (ዘሌዋውያን 24:22) እቶም ኣብ ግዜ የሱስ ዝነበሩ ናይ ኣይሁድ መራሕቲ ሃይማኖት ካብቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ንወጻእተኛታት ዘኽብር ምኽንያታዊ ዝዀነ መንፈስ ብምርሓቕ ጽልኢ ዝፈጥርን ብኻልኦት ዝጽላእን ኣምልኾ መስረቱ። ኣብ መወዳእትኡ ኸኣ እቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ህዝቢ ኣይሁድ ስምረት የሆዋ ኣጥፍኡ።—ማቴዎስ 23:38
11 ኣብዚ ንዓና ዝኸውን ትምህርቲ ንረክብዶ፧ እወ ንረክብ ኢና። ኣረኣእያ ናይ ርእስኻ ምጽዳቕን ጸብለልትነትን ብምሓዝ ነቶም ከም ናትና ዝበለ ሃይማኖታዊ እምነት ዘይብሎም ሰባት ኣትሒትካ ምርኣይ ነቲ ጽሩይ ኣምልኾ ናይ የሆዋ ብልክዕ ኣይውክልን ኢዩ: አረ ኣየሐጕሶን እውን ኢዩ። ነቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ እሙናት ክርስትያን ንመልከት። ነቶም ክርስትያን ዘይኰኑ ኣይጸልእዎምን ወይውን ኣንጻር ሮሜ ኣይዓለዉን። እንተዀነ ግን ‘ጽሉኣት’ ኢዮም ነይሮም። ስለምንታይ፧ ብመን ኢዮምከ እተጸልኡ፧
እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት —ብመን ኢዮም ተጸሊኦም፧
12. የሱስ ሰዓብቱ ብዛዕባ እቶም ክርስትያናት ዘይኰኑ ሰባት ሚዛናዊ ኣረኣእያ ክህልዎም ከም ዝደሊ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብሩህ ዝዀነ ብኸመይ ኢዩ፧
12 ካብ ናይ የሱስ ትምህርትታት ከም ዝርአ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ እቶም ክርስትያን ዘይኰኑ ሰባት ሚዛናዊ ኣረኣእያ ክህልዎም ኢዩ ዝደሊ ነይሩ። በቲ ሓደ ወገን እቶም ሰዓብቱ ካብ ዓለም ፍሉያት ክዀኑ ማለት ነቲ ንጻድቕ መገድታት የሆዋ ዝጻረር ኣረኣእያን ጠባይን ከርሕቑ ነገሮም። ንውግእን ፖለቲካን ዝምልከት ነገራት ገለልተኛታት ኢዮም። (ዮሃንስ 17:14, 16) በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ: የሱስ ንሰዓብቱ ክርስትያን ንዘይኰኑ ሰባት ክፍንፍኑ ዘይኰነስ: ‘ንጸላእቶም ከፍቅሩ’ ነገሮም። (ማቴዎስ 5:44) ሃዋርያ ጳውሎስ “ጸላኢኻ እንተ ጠመየ ግና ኣብልዓዮ: እንተ ጸምኤውን ኣስትዮ” ብምባል ንክርስትያናት ተማሕጸኖም። (ሮሜ 12:20) ክርስትያን ‘ንዅሉ ሰብ ሰናይ ክገብሩ’ እውን ነገሮም።—ገላትያ 6:10
13. እቶም ናይ ኣይሁድ መራሕቲ ሃይማኖት ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ክሳዕ ክንድዚ እተቓወምዎም ስለምንታይ ኢዮም፧
13 እንተዀነ ግን: ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ብሰለስተ ወገን ‘ተጸልኡ።’ ቀዳሞት እቶም ኣይሁዳውያን መራሕቲ ሃይማኖት ኢዮም ነይሮም። ቀልጢፎም ንክርስትያናት ከስተብህሉሎም ምኽኣሎም ብዙሕ ኣይገርምን ኢዩ! ክርስትያናት ልዑል ዝዀነ ናይ ስነ-ምግባርን ንጽህና ናይ ምሕላውን ስርዓት ነበሮም: ከምኡውን ነቲ ተስፋ ዝህብ መልእኽቲ ብውዕዉዕ ቅንኢ የብጽሕዎ ነበሩ። ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ንኣይሁድነት ገዲፎም ክርስትና ተቐበሉ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:41፣ 4:4፣ 6:7) እቶም ኣይሁድ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ በቶም ናይ ኣይሁድ መራሕቲ ሃይማኖት ከም ከሓድቲ ኢዮም ዝርኣዩ ነይሮም! (ምስ ግብሪ ሃዋርያት 13:45 ኣረኣእዮ።) እዞም እተቘጥዑ መራሕቲ እዚኣቶም ክርስትና ነቲ ባህሎም ከንቱ ዝገበሮ ኰይኑ ተሰምዖም። እቲ ንኣህዛብ ዝነበሮም ኣረኣእያ እውን ከይተረፈ ተነጽገ! ካብ 36 ከ.ኣ.ዘ. ጀሚሩ ኣህዛብ ምስቶም ክርስትያን ዝዀኑ ኣይሁድ ሓደ ዓይነት እምነትን ማዕረ መሰላትን ብምርካብ ክርስትያን ክዀኑ ከኣሉ።—ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35
14, 15. (ሀ) ክርስትያን ናይቶም ኣረማውያን ኣምለኽቲ ጽልኢ ዝወረዶም ስለምንታይ ኢዩ፧ ኣብነት ሃብ። (ለ) ነቶም ቀዳሞት ክርስትያን ‘ዝጸልእዎም’ ዝነበሩ ሳልሳይ ጕጅለ መን ኢዮም፧
14 ካልኣይ ከኣ ክርስትያን በቶም ኣረማውያን ኣምለኽቲ ይጽልኡ ነበሩ። ንኣብነት ኣብ ጥንታዊት ኤፌሶን ብብሩር ገይርካ ናይታ ኣርጤምስ እትብሃል ኣንስተይቲ ኣምላኽ ቅዱስ ቦታታት ምስራሕ መኽሰብ ዝነበሮ ስራሕ ኢዩ ነይሩ። ጳውሎስ ኣብኡ ምስ ሰበኸ ግን ብዙሕ ዝቝጽሮም ሰብ ኤፌሶን ነቲ ናይ ኣርጤሜስ ኣምልኾ ብምጥንጣን መልሲ ሃቡ። እቶም ኣንጠረኛታት ስርሖም ኣብ ሓደጋ ስለ ዝወደቐ ናዕቢ ኣለዓዓሉ። (ግብሪ ሃዋርያት 19:24-41) ክርስትና ናብ ቢቲንያ (ሕጂ ብሰሜናዊ ምዕራብ ቱርኪ ይርከብ) ምስ ኣስፋሕፍሐ ኸኣ ተመሳሳሊ ነገር ኣጋጠመ። እቲ ናይ ክርስትያን ግሪኽ ቅዱሳት ጽሑፋት ምስ ተወድአ ነዊሕ ከይጸንሐ ፕሊኒ እቲ ንእሽቶ እተባህለ ናይ ቢቲንያ ኣመሓዳሪ: ናይ ኣረማውያን ኣብያተ-መቕደስ ጥራዩ ከም ዝተረፈ: መሸጣ ናይቶም ንመስዋእቲ ዝዀኑ እንስሳታት ዝበልዕዎ ሓሰር ድማ ኣጸቢቑ ከም ዝጐደለ ጸብጻብ ኣቕረበ። ክርስትያናት ኣምልኾኦም ናይ እንስሳታት መስዋእትን ጣኦታትን ዘየፍቅድ ስለ ዝነበረ ተወቕሱን ተሰጉን። (እብራውያን 10:1-9፣ 1 ዮሃንስ 5:21) ናይ ክርስትና ምስፍሕፋሕ ነቶም ካብቲ ኣረማዊ ኣምልኾ ጥቕሚ ዝረኽቡ ዝነበሩ ሰባት ከም ዝተንከፎም: እቶም ስራሕን ገንዘብን ዝሰኣኑ ኸኣ ቅር ከም ዝበሎም ግሁድ ኢዩ።
15 ሳልሳይ ክርስትያን ‘እተጸልኡ’ በቶም ሃገራዊ ስምዒት ዝነበሮም ሮማውያን ኢዩ። መጀመርታ ክርስትያናት በቶም ሮማውያን ከም ንእሽቶ ምናልባት እውን ደረቕ ሃይማኖታዊ ጕጅለ ገይርካ ይርኣዩ ነይሮም ይዀኑ ኢዮም። ድሕሪ ገለ ግዜ ግን: ክርስትያን ኢየ ምባል ጥራይ ንርእሱ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ዘስዕብ በደል ኰነ። ቅኑዓት: ክርስትያናዊ ህይወት ዝነብሩ ዜጋታት ከም መስጐጕትን ሞትን ዝግብኦም ግዳያት ገይርካ ዝረኣዩስ ስለምንታይ ኢዮም፧
ቀዳሞት ክርስትያን —ኣብታ ናይ ሮሜ ዓለም ጽሉኣት ዝነበሩ ስለምንታይ ኢዮም፧
16. ክርስትያናት ካብ ዓለም ፍሉያት ዝዀኑ በየናይ መገዲ ኢዩ: እዚኸ ኣብቲ ናይ ሮሜ ዓለም ተቐባልነት ዘይብሎም ዝገበሮም ስለምንታይ ኢዩ፧
16 ክርስትያናት ኣብታ ናይ ሮሜ ዓለም እተጸልኡሉ ቀንዲ ምኽንያት ሃይማኖታዊ እምነቶም ብተግባር የርእዩ ብምንባሮም ኢዩ። ንኣብነት ካብ ዓለም ፍሉያት ኢዮም ነይሮም። (ዮሃንስ 15:19) ስለዚ ፖለቲካዊ ስልጣን ኣይነበሮምን: ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ከኣ ይኣብዩ ነበሩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ “ኣብ ዓለም ዋላ ሓንቲ ተገዳስነት ዘይብሎምን ኣብ ኵሉ ጕዳያት ናይ ህይወት ከኣ ዘይጠቕሙን ከም ዝዀኑ ይሕሰቡ” ምንባሮም ጸሓፍ ታሪኽ ኣጉስተስ ኒያንደር ተዛረበ። ካብ ዓለም ዘይምዃን ማለት ምስቲ ብልሹው ናይ ሮሜ ዓለም ዘይምሕባር ኢዩ ነይሩ። እቲ ዊል ዱራንት እተባህለ ጸሓፍ ታሪኽ “እቶም ሒደት ናይ ክርስትያን ማሕበረሰብ በቲ ዝነበሮም መንፈሳውነትን እሩም ጠባይን ንሕልና ናይቲ ተድላ ዝፈቱ ዝነበረ ኣረማዊ ዓለም የሸግርዎ ነበሩ” ብምባል ይገልጽ። (1 ጴጥሮስ 4:3, 4) እቶም ሮማውያን ንክርስትያናት ብምስጓጕን ብምቕታልን ነቲ ዘሸግሮም ዝነበረ ሕልንኦም ከህድኡ ይደልዩ ነይሮም ይዀኑ ኢዮም።
17. እቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ክርስትያናት ዝገብርዎ ዝነበሩ ስብከት ኣሳልጦ ከም ዝነበሮ እንታይ የርኢ፧
17 እቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ክርስትያን ዘይለማመጥ ቅንኢ ብምሓዝ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ሰበኹ። (ማቴዎስ 24:14) ዳርጋ ብ60 ከ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ ጳውሎስ እቲ ብስራት ‘ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ፍጡር ተሰብከ’ ክብል ክኢሉ ኢዩ። (ቈሎሴ 1:23) ኣብ መወዳእታ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ሰዓብቲ የሱስ ኣብ ብምሉኡ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ—ኤስያ: ኣውሮጳ: ከምኡውን ኣፍሪቃ—ደቀ መዛሙርቲ ገበሩ! ገለ “ካብ ቤት ቄሳር” እውን ከይተረፉ ክርስትያን ኰኑ።a (ፊልጲ 4:22) እዚ ቅንኢ ዝነበሮ ስብከት ሕርቃን ኣለዓዓለ። ኒያንደር ከምዚ ይብል:- “ክርስትና ኣብ ኵሉ ደረጃ ናብራ ኣብ ዝነበሩ ሰባት ቀጻሊ ዕቤት ኣርኣየ: ንሃይማኖት ናይታ ሃገር ኣስግአ።”
18. ክርስትያናት ንየሆዋ ምሉእ ተወፋይነት ምሃቦም ምስ መንግስቲ ሮሜ ከም ዝበኣሱ ዝገበሮም ብኸመይ ኢዩ፧
18 ሰዓብቲ የሱስ ንየሆዋ ምሉእ ተወፋይነት ይህቡ ነበሩ። (ማቴዎስ 4:8-10) ካብ ዝዀነ ይኹን ነገር ንላዕሊ ምስቲ ናይ ሮሜ መንግስቲ ከም ዘይሰማምዑ ዝገበሮም መዳይ ኣምልኾኦም ከኣ እዚ ኢዩ ዝኸውን። ሰዓብቲ ናይ ካልኦት ሃይማኖታት ኣብቲ ናይ ሃጸይ ኣምልኾ ክሳዕ ዝሓበሩ ሮማውያን ንኻልኦት ሃይማኖታት ኣይጻረሩን ኢዮም ነይሮም። እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ግን ኣብ ከምዚ ዝበለ ኣምልኾ ፈጺሞም ክካፈሉ ኣይክእሉን ኢዮም ነይሮም። ንገዛእ ርእሶም በቲ ካብ ናይ መንግስቲ ሮሜ ዝበልጽ ስልጣን ዘለዎ የሆዋ ኣምላኽ ተሓተቲ ገይሮም ኢዮም ዝርእይዋ። (ግብሪ ሃዋርያት 5:29) ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ሓደ ክርስትያን ብዅሉ ካልእ መዳያት ኣብነታዊ ዜጋ ይኹን ብዘየገድስ ከም ጸላኢ ናይ መንግስቲ ኢዩ ዝርአ ነይሩ።
19, 20. (ሀ) ብዛዕባ እቶም እሙናት ክርስትያናት ኣስፋሕፊሑ ንዝነበረ ብርቱዕ ጸለመ ብዓቢኡ ሓላፍነት ዝነበሮም መን ኢዮም፧ (ለ) ኣንጻር ክርስትያናት እተገብረ ናይ ሓሶት ክሲ እንታይ ኢዩ ነይሩ፧
19 እሙናት ክርስትያናት ኣብቲ ናይ ሮሜ ዓለም ‘ጽሉኣት’ ዝዀኑሉ ካልእ ምኽንያት እውን ነበረ:- እቲ ብዛዕብኦም ዝንገር ዝነበረ ብርቱዕ ምክፋእ ብቐሊሉ ተኣምነ: እዚ ብዓቢኡ እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ብሓላፍነት ዝሕተቱሉ ጕዳይ ኢዩ ነይሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 17:5-8) ብ60 ወይ 61 ከ.ኣ.ዘ. ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ብሃጸይ ኔሮ ክፍረድ እናተጸበየ ከሎ እቶም ኣብ መሪሕነት ዝነበሩ ኣይሁድ ብዛዕባ ክርስትያናት ከምዚ በሉ:- “ብዛዕባ እዛ ሻራ እዚኣ ግና ኣብ ኵሉ ቦታ ኸም ዝጻረሩ: ንፈልጥ ኢና።” (ግብሪ ሃዋርያት 28:22) ብዘይ ጥርጥር ኔሮ ብዛዕባ እቶም ክርስትያናት ክፉእ ወረታት ሰሚዑ ይኸውን ኢዩ። ብ64 ከ.ኣ.ዘ. ኔሮ ብዛዕባ እቲ ንሮሜ ዘጥፍአ ሓዊ ምስ ተኸሰ: ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ ነቲ ነገር ናብቶም ድሮ ሕማቕ ወረ ዝነበሮም ክርስትያን ኣላገቦ። እዚ ኸኣ ንክርስትያናት ንምጥፋእ መሪር መስጐጕቲ ከም ዝለዓል ዝገበረ ይመስል።
20 እቲ ኣንጻር ክርስትያናት እተገብረ ናይ ሓሶት ክሲ መብዛሕትኡ ግዜ ርኡይ ጸለመን ነቲ እምነቶም ብምጥዋይን ዝቐርብ ኢዩ ነይሩ። ኣምልኾኦም ኣብ ሓደ ኣምላኽ ምእማን እተመርኰሰ: ነቲ ንጉስ ከኣ ዘየምልኹ ስለ ዝነበሩ ከም ኢዘሀራውያን ይረኣዩ ነበሩ። ገለ ካብቶም ክርስትያን ዘይኰኑ ኣባላት ስድራቤት ነቶም ክርስትያናት ኣዝማዶም ይቃወምዎም ስለ ዝነበሩ: ክርስትያናት ንስድራቤታት ዝበታትኑ ገይሮም እውን ይኸስዎም ነበሩ። (ማቴዎስ 10:21) በላዕቲ ሰብ ዝብል መጸውዒ እውን ተዋሂብዎም ነበረ: ገለ ምንጭታት ከም ዝብልዎ ከምዚ ዝበለ ክሲ ዝቐረበሎም ምኽንያት ነቲ የሱስ ኣብ ድራር ጐይታ ዝበሎ ቃላት ብምጥዋይ ኢዩ።—ማቴዎስ 26:26-28
21. ክርስትያናት ‘ጽሉኣት’ ዝዀኑሉ ክልተ ምኽንያት እንታይ ኢዩ፧
21 ስለዚ እሙናት ክርስትያናት ብሮማውያን ‘ጽሉኣት’ ዝነበሩ ብኽልተ መሰረታዊ ምኽንያታት ኢዩ ነይሩ:- (1) በቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ እምነቶምን ተግባራቶምን ከምኡውን (2) ብሰንኪ እቲ ኣንጻሮም ዝቐረበ ናይ ሓሶት ክስታት። እቲ ምኽንያቱ ብዘየገድስ እቶም ተቓወምቲ ዕላምኦም ሓደ ኢዩ ነይሩ: እዚ ኸኣ ንክርስትና ምድቋስ ነበረ። ርግጽ ኢዩ: ኣብ ልዕሊ ክርስትያናት ስደት ከም ዝለዓል ዝገብሩ ዝነበሩ እቶም ካብ ናይ ሰብ ሓይሊ ንላዕሊ ዝዀኑ ተቓወምቲ: ዘይርኣዩ እኩያት መንፈሳውያን ሓይልታት ኢዮም።—ኤፌሶን 6:12
22. (ሀ) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ‘ንዅሉ ሰብ ሰናይ ክገብሩ’ ከም ዝደልዩ ዘርኢ ኣየናይ ኣብነት ኢዩ፧ (ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ሳጹን ርአ።) (ለ) ኣብዛ ቀጺላ ዘላ ዓንቀጽ ብዛዕባ እንታይ ኢና ክንመያየጥ፧
22 ከምቶም ቀዳሞት ክርስትያናት እቶም ኣብዚ ዘመናዊ ግዜ እዚ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ኣብ እተፈላለያ ሃገራት ‘ጽሉኣት’ ኰይኖም ኢዮም። ይኹን እምበር: ነቶም መሰኻኽር ዘይኰኑ ሰባት ኣይጸልእዎምን ኢዮም፣ ወይ ከኣ ኣንጻር መንግስታት ፈጺሞም ናይ ዕልወት ምንጪ ኰይኖም ኣይፈልጡን ኢዮም። ብኣንጻሩ እኳ ድኣስ: ማሕበራዊ: ዓሌታዊ: ከምኡውን ቀቢላዊ ሓጹራት ዘይክልክላ ናይ ሓቂ ፍቕሪ ብምንጽብራቕ ኣብ ብዘላ ዓለም ፍሉጣት ኢዮም። ስለምንታይ ደኣ ኢዮም እሞ ዝስጐጉ፧ ንዘጋጥሞም ምጽራርከ ብኸመይ ይምልሱሉ፧ እዚ ሕቶታት እዚ ኣብታ እትቕጽል ዓንቀጽ ክንመያየጠሉ ኢና።
[እግረ-ጽሑፍ]
a “ቤት ቄሳር” ክበሃል ከሎ ግድን ነቶም ቀረባ ኣባላት ስድራቤት ናይቲ ሽዑ ዝገዝእ ዝነበረ ኔሮ ኣየመልክትን ኢዩ። ኣብ ክንድኡስ ነቲ ሃጸያዊ ስድራቤትን ነቶም ሰራሕተኛታትን ዝኸውን መግቢ ምኽሻን: ምጽራይ ዝኣመሰለ ናይ ቤት ዕዮ ዝገብሩ ዝነበሩ ኣገልገልትን ገለ ትሕት ዝበለ ስልጣን ዝነበሮም ሰባትን ከመልክት ይኽእል ኢዩ።
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
◻ የሱስ ነቶም ኣብ መጻኢ ሰዓብቱ ዝዀኑ ሰባት ወደ መዝሙር ናይ ምዃን ዋጋ ክጽብጽቡ እተማሕጸኖም ስለምንታይ ኢዩ፧
◻ ብዛዕባ እቶም ኣይሁድ ዘይኰኑ ሰባት ዝነበረ ኣረኣእያ ኣብ ኣይሁድነት እንታይ ሳዕቤን ነበሮ: ካብዚኸ እንታይ ኢና እንማሃር፧
◻ እቶም እሙናት ዝነበሩ ቀዳሞት ክርስትያናት ካብ እንታይ ሰለስተ ምንጭታት ኢዩ ምጽራር ዝወርዶም ዝነበረ፧
◻ እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ብሮማውያን ‘ጽሉኣት’ ዝነበርሉ ቀንዲ ምኽንያት እንታይ ኢዩ፧
[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ሳጹን]
‘ንዅሉ ሰብ ሰናይ ምግባር’
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ‘ንዅሉ ሰብ ሰናይ ንግበር’ ዝብል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምኽሪ ንምቕላብ ይጽዕሩ ኢዮም። (ገላትያ 6:10) ኣብቲ ዘድልየሉ ግዜ ከምቲ ናቶም ሃይማኖታዊ ኣረኣእያ ንዘይብሎም ሰባት ንምሕጋዝ እቲ ንብጻዮም ዘለዎም ፍቕሪ የለዓዕሎም ኢዩ። ንኣብነት: ብ1994 ኣብቲ ኣብ ሩዋንዳ መዓት ዝወረደሉ ግዜ ኣብ ኣውሮጳ ዝነበሩ መሰኻኽር ኣብቲ ረድኤት ንምሃብ እተገብረ ጻዕርታት ምእንቲ ክሕግዙ ናብ ኣፍሪቃ ክኸዱ ፍቓደኛታት ኰኑ። ሓገዝ ንምሃብ ብጽቡቕ እተመሓደረ መዓስከራትን ግዝያዊ ሆስፒታላትን ብቕልጡፍ ተተኽለ። ኣዝዩ ብዙሕ መግቢ: ክዳውንቲ: ከምኡውን ኮበርታ ብነፋሪት ተላእከ። እቶም በዚ ረድኤት እዚ እተጠቕሙ ስደተኛታት ካብ ቍጽሪ ናይቶም ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዳርጋ ብሰለስተ ዕጽፊ ዝዛይድ ኢዩ ነይሩ።
[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]
እቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ክርስትያናት ነቲ ብስራት ምልምማጥ ብዘይብሉ ቅንኢ ይሰብክዎ ነበሩ