ዕጡቓት ዘረፍቲ መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ኸለዉ
እቲ ሃብታማት ጥራይ ዝነብርሉ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ኣብ ከባቢ ከተማ ዝርከብ ኢኮዪ ዝበሃል ቦታ ዘሎ መንበሪ ኣባይቲ ናብ ዕርድታት ተለዊጡ ኣሎ። መብዛሕትኡ እቲ ገዛውቲ ልዕሊ 3 ሜትሮ ዝኸውን መናድቕ ዘለዎ ኰይኑ: ኣብ ጫፍ ጫፉ በሊሕ ሓጻዊን: ስብርባር ጠራሙዝ: ወይ ትሪኮላታ ኣለዎ። ሓለውቲ ነቲ ብመሸጐር: ብሰንሰለት: ብሊኬቶ እተዓጽወ ዓበይቲ ማዓጹ ደው ኢሎም ይሕልዉ። እቲ መሳዅቲ ብሓጺን እተሸጐረ ኢዩ። ነቲ መደቀሲ ክፍሊ ካብቲ ካልእ ክፍልታት ዝፈልዮ ማዓጹ ካብ ሓጺን እተሰርሐ ኢዩ። ለይቲ ከም ኣልሳሽያንን ሮትወይለርን ዝበሃሉ ገዘፍቲ ዓይነት ኣኻልብ ካብ መውዓሊኦም ይፍትሑ። ድሙቕ መብራህቲ ነቲ ጸልማት ይቕንጥጦ። እቲ ብኮምፒዩተር ዝግበር ሓለዋ: ዓዲ ደሓን ምስ ዝህሉ ቀስ ኢሉ ጢጥ ዝብል ድምጺ የስምዕ።
መንበሪ ኣባይትኻ ጽኑዕ ምግባሩ ኣድላዪ ምዃኑ ዝጠራጠር ሰብ የለን። ጋዜጣ “ዕጡቓት ዘረፍቲ ንማሕበረሰብ ጥርሑ ኣትሪፎምዎ”፣ “ቈልዑ ዝዘርፉ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ኰይኖም”፣ ከምኡውን “ጕጅለ ዓዋሉ [ንሓደ ከባቢ] ምስ ወረርዎ: ስንባድ ኰነ” ዝብል ኣርእስትታት ዜና ብምውጻእ እቲ ዅነታት ዘሕዝን ምዃኑ ይገልጽ። እዚ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዘሎ ኵነታት ከመይ ምዃኑ ዘርኢ ኢዩ። ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቐዲሙ ዝበሎ: ብሓቂ ኣብ ሓደ ጽንኩር እዋን ኢና እንነብር ዘሎና።—2 ጢሞቴዎስ 3:1
ዕጡቓት ሰባት ዝገብርዎ ዘረፋ ሓዊስካ መጠን ገበን ብዓለምለኸ ደረጃ ይውስኽ ኣሎ። ካብ ግዜ ናብ ግዜ: መንግስታት ንዜጋታተን ክከላኸላ ዘይክእላ ወይ ንኽከላኸላ ዘይፍቓደኛታት እናዀና ይኸዳ ኣለዋ። ኣብ ገሊአን ሃገራት ዘለዉ ፖሊስ ብዝሕ ዝበለ ቍጽርን እኹል ዕጥቂ ዘለዎምን እኳ እንተዀኑ: ኣብቲ ዝድለ ቦታ ከይዶም ሓገዝ ንኽህቡ ግን ድሉዋት ኣይኰኑን። ብዙሓት ሓለፍቲ መገዲ ድማ ርእዮም ከም ዘይረኣዩ ኰይኖም ኢዮም ዝሓልፉ።
እቶም ካብ ፖሊስ ይኹን ህዝቢ ሓገዝ ክረኽቡ ዘይከኣሉ ግዳያት: ንገዛእ ርእሶም ባዕሎም ክከላኸሉ ተገዲዶም ኢዮም። ሓደ ኣብ ምምዕባል ኣብ ዘላ ሃገር ዝነብር ክርስትያን ሽማግለ ከምዚ በለ:- “ሓገዝ ደሊኻ ምስ እትጽውዕ: እቶም ዘረፍቲ ኣካልካ የቝሱሉኻ ወይ ይቐትሉኻ። ካብ ካልእ ሰብ ሓገዝ ክረክብ ኢየ ኢልካ ምጽባይ ዘይከውን ነገር ኢዩ። ሓገዝ እንተድኣ ረኺብካ ጽቡቕ: እንተዘየለ ግን ሓገዝ ክረክብ ኢየ ኢልካ ኣይትጸበ ወይ ሓገዝ ደሊኻ ኣይትጸውዕ: ምኽንያቱ ሓገዝ ደሊኻ ምጽዋዕ ዝያዳ ከም እትህሰ ዝገብረካ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።”
ዕቝባን ቃል ኣምላኽን
ዋላ እኳ ክርስትያናት ክፍሊ ናይዛ ዓለም እዚኣ እንተ ዘይኰኑ: ኣብ ዓለም ኢዮም ዝነብሩ። (ዮሃንስ 17:11, 16) ስለዚ ከም ዝዀነ ይኹን ካልእ ሰብ: ንድሕንነቶም ኢሎም ምኽንያታዊ ዝዀነ ምድላዋት ይገብሩ ኢዮም። እንተዀነ ግን: ህዝቢ ኣምላኽ ከምቶም ንየሆዋ ዘየገልግልዎ ብዙሓት ሰባት ዝገብርዎ ዘይኰነስ: ብክርስትያናዊ ስርዓታት ገይሮም ዕቝባ ክረኽቡ ይደልዩ ኢዮም።
ኣንጻር ናይዚ ኣብ ገሊአን ሃገራት ኣፍሪቃ ዘለዉ ሰባት ንገዛእ ርእሶም ካብ ዘረፍቲ ንምዕቋብ ጥንቆላ ይጥቀሙ። እቲ ኣስማተኛ ኣብ ግምቦ ኢድ: ኣፍ ልቢ: ወይ ዝባን እቲ ዓሚል ጥባሕ ይገብር። ድሕርዚ: ሽሕር ብዘለዎ ፈውሲ ገይሩ ነቲ ጥባሕ ይደርዞ: ስራይ ይገብር: እቲ ሰብ ከኣ ካብ ናይ ዘረፍቲ ሓደጋ ናጻ ከም ዝዀነ ገይርካ ይሕሰብ። ካልኦት ከኣ ዘረፍቲ ንኸየሸግርዎም “ውሕስነት” ከም ዝዀኖም ስለ ዝኣምኑ ኣብ ኣባይቶም ድጋም ወይ ሽሕር ዘለዎ ፈውሲ የቐምጡ።
ሓቀኛታት ክርስትያናት ምስ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ጥንቈላ ርክብ የብሎምን። መጽሓፍ ቅዱስ ንዅሉ ዓይነት ሓተታ መናፍስቲ ይዅንኖ ኢዩ። ከምኡ ምግባሩ እውን ግቡእ ኢዩ: ከመይሲ እዚ ተግባራት እዚ ንሰባት ምስቶም ኣብ ምድሪ ዓመጽ ከም ዘስፋሕፍሕ ዝገብሩ ዘለዉ ኣጋንንቲ ከም ዝራኸቡ ክገብር ይኽእል ኢዩ። (ዘፍጥረት 6:2, 4, 11) መጽሓፍ ቅዱስ ብግልጺ ‘ኣይተማርቱ’ ብምባል ይገልጽ።—ዘሌዋውያን 19:26
ገሊኦም ሰባት ብዓቕሊ ጽበት ሽጉጥ ብምሓዝ ድሕንነት ክረኽቡ ይደልዩ። ክርስትያናት ግን ነቲ “ሰይፊ ዜልዕሉ . . . ብሰይፊ ይጠፍኡ እዮም” ዝብል ቃላት የሱስ ኣርዚኖም ኢዮም ዝርእይዎ። (ማቴዎስ 26:52) ህዝቢ ኣምላኽ ‘ኣስያፎም ማሕረሻታት ስለ ዝሰርሕዎ’ ንገዛእ ርእሶም ካብ ዘረፋ ወይ መጥቃዕቲ ምእንቲ ክከላኸሉ ኢሎም ብረት ኣይዕድጉን ኢዮም።—ሚክያስ 4:3
ዕጡቓት ሓለውቲ ምግባርከ ከመይ ኢዩ፧ እዚ ሓደ ሰብ ብብሕቱ ዝውስኖ ጕዳይ እኳ እንተዀነ: ከምዚ ዝኣመሰለ ምድላው ክግበር ከሎ ግን ነቲ ብረት ንስኻ ዘይኰንካስ ካልእ ሰብ ከም ዝሕዞ ትገብር ምህላውካ ኣይትረስዕ። ሓደ ዘራፊ ምስ ዝመጽእ: እቲ ዝሕሎ ሰብ እቶም ሓለውቲ እንታይ ክገብሩ ኢዩ ዝጽበዮም፧ እቶም ሓለውቲ ንሰብን ጥሪትን ምእንቲ ክከላኸሉ: ኣድላዪ እንተድኣ ዀይኑ ነቲ ዘራፊ ክትኵስሉ ይጽበዮም ድዩ፧
እቲ ክርስትያናት ንጥንቈላን ሽጉጥን ከም ዕቝባ ዝረኽብሉ መሳርሒ ገይሮም ንኸይጥቀምሉ ዝወስድዎ ኣቕዋም ኣብ ኣዒንቲ እቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጥዎ ሰባት ዕሽነት መሲሉ ክርአ ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር: መጽሓፍ ቅዱስ “ብእግዚኣብሄር ዚእመን ግና ኣብ ደሓን ይነብር” ብምባል የረጋግጸልና። (ምሳሌ 29:25) የሆዋ ንህዝቡ ብሓፈሻ ዘዕቍቦም እኳ እንተዀነ: ንኣገልገልቱ ካብ ዘረፋ ንምክልኻል ኢሉ ግን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጕዳይ ኢዱ ኣየእቱን ኢዩ። እዮብ ኣዝዩ እሙን እኳ እንተ ነበረ: ኣምላኽ ግን ዘረፍቲ ነቶም ግዙኣቱ ብምቕታል ንማሉ ክዘርፍወን ፈቒዱ ኢዩ። (እዮብ 1:14, 15, 17) ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ናይ ‘ከተርቲ ፍርሃት’ ከሕልፍ ኣምላኽ ፈቒዱ ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 11:26) እንተዀነ ግን: ኣምላኽ ንኣገልገልቱ ምስቲ ሓደጋ ዘረፋ ከጕድል ዝኽእል መሰረታዊ ስርዓታት ተሰማሚዖም ክነብሩ ይምህሮም ኢዩ። ነቲ ዘጋጥሞም ናይ ዘረፋ ፈተነታት: ብዙሕ ጕድኣት ከም ዘየስዕብ ገይሮም ክዋጽእሉ ዝሕግዞም ፍልጠት ብምሃብ እውን የዕጥቖም ኢዩ።
ዘረፍቲ ንዘውርድዎ ሓደጋ ምጕዳል
ቅድሚ ነዊሕ ግዜ እቲ ጥበበኛ ሰብኣይ “ንሃብታም ግና ጽጋቡ ኣየደቅሶን” ብምባል ተዛረበ። (መክብብ 5:12) ብኻልእ ኣበሃህላ: እቶም ብዙሕ ነገራት ዝውንኑ ሰባት ንብረቶም ከይጠፍእ ኣዝዮም ስለ ዝጭነቑ: ብዛዕብኡ ክሓስቡ ድቃስ ክስእኑ ይኽእሉ ኢዮም።
ስለዚ ጭንቀት ንምልጋስ ጥራይ ዘይኰነስ ዘረፍቲ ንዘውርድዎ ሓደጋ ንምጕዳል ዝሕግዝ ሓደ መገዲ ዋግኡ ክቡር ዝዀነ ብዙሕ ንብረት ዘይምእካብ ኢዩ። እቲ ብመንፈስ እተደረኸ ሃዋርያ “ኵሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ: ፍትወት ስጋን ፍትወት ኣዒንትን ንብረት ትዕቢትን: እዚ ኻብ ዓለም እዩ እምበር: ካብ ኣቦስ ኣይኰነን” ብምባል ጸሓፈ። (1 ዮሃንስ 2:16) ከምቲ ሰባት ክቡር ነገራት ክገዝኡ ዝድርኽ ባህጊ ዘለዎም: ካልኦትውን ክሰርቁ ዝድርኽ ባህጊ ኣለዎም። ‘ንብረት ትዕቢት’ ድማ ነቶም ክዘርፉ ዝድረኹ ሰባት ክዕድሞም ይኽእል ኢዩ።
ኣብ ርእሲ እቲ ኣቓልቦ ክትስሕብ ዘይምፍታን: ካልእ ንኸይትዝረፍ ዕቝባ ዝዀነካ ነገር ሓቀኛ ክርስትያን ምዃንካ ምርኣይ ኢዩ። ንኻልኦት ተፍቅር: ኣብቲ ምስ ሰባት እትገብሮ ርክብ ሓቀኛ: ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ከኣ ንጡፍ እንተድኣ ዄንካ: ኣብቲ እትነብረሉ ማሕበረሰብ ቅኑዕን ክብሪ ዝግብኦን ሰብ ኢዩ ዝብል ስም ከተትርፍ ትኽእል ኢኻ። (ገላትያ 5:19-23) ከምዚ ዝኣመሰለ ክርስትያናዊ ስም ምጥራይ ካብ ኣጽዋር ንላዕሊ ብዝያዳ ዕቝባ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
ዕጡቓት ዘረፍቲ ምስ ዝመጹ
ይኹን እምበር: ዘረፍቲ ናብ ገዛኻ ምስ ዝኣትዉ: ምሳኻ ድማ ገጽ ንገጽ ምስ ዝጋጠሙ እንታይ ኢኻ ክትገብር ዘሎካ፧ ህይወትካ ካብ ንብረት ንላዕሊ ኣዝያ ክብርቲ ምዃና ኣይትረስዕ። የሱስ ክርስቶስ ከምዚ በለ:- ‘ንኽፉእ ኣይትቃወምዎ። የማነይቲ መ[ትል]ሕካ ንዚወቕዓካ ግና: እታ ኻልአይቲውን ምለሰሉ። ነቲ ቀምሽካ ኪወስድ ዚደሊ: እታ ኽዳንካውን ሕደገሉ።’—ማቴዎስ 5:39, 40
እዚ ጥበብ ዝሓዘለ ምኽሪ ኢዩ። ክርስትያናት ብዛዕባ እቲ ክቡር ጥሪቶም ንዓመጽቲ ሓበሬታ ክህቡ ዘይግደዱ እኳ እንተዀኑ: እቶም ዘረፍቲ ግን ሰባት ዝቃወምዎም: ዘይተሓባበርዎም: ወይ ዘታልልዎም መሲሉ እንተድኣ ተራእይዎም ዝያዳ ዓመጸኛታት ኢዮም ዝዀኑ። መብዛሕትኦም ናይ ድንጋጽ ስምዒት ዘይብሎም “ድንዙዛት” ስለ ዝዀኑ: ሕሱማትን ጨካናትን ንኽዀኑ ብቐሊሉ ኢዮም ዝለዓዓሉ።—ኤፌሶን 4:19
ሳሙዌል ኣብ ሓደ ህንጻ ኢዩ ዝነብር። ዘረፍቲ ናይቲ ህንጻ መተሓላለፊ ብምዕጻው: ካብ ሓደ ኣፓርትማ ናብቲ ኻልእ እናኸዱ ንብረት ይዘርፉ ነበሩ። ሳሙዌል ናይ ተዅሲ ድምጽን ማዓጹ ብሓይሊ ክኽፈትን: ከምኡውን ሰባት ከእውዩን ክበኽዩን ክውጭጩን ከለዉ ሰምዐ። ከተምልጥ ዘይሕሰብ ኢዩ ነይሩ። ሳሙዌል ንበዓልቲ ቤቱን ሰለስተ ደቁን ኣብ ምድሪ ተምበርኪኾም ኣእዳዎም ንላዕሊ ሓፍ ኣቢሎም ዓይኖም ብምዕማት ክጽበዩ ነገሮም። ሰረቕቲ ነቲ ማዕጾ ብሓይሊ ደፊኦም ምስ ኣተዉ: ሳሙዌል ገጾም እንተድኣ ጠሚትዎም ደሓር ከለልየና ኢዩ ኢሎም ክሓስቡ ከም ዝኽእሉ ብምፍላጥ: ድንን ኢሉ ተዛረቦም። ከምዚ ድማ በሎም:- “እተዉ: ዝደለኹሞ ውሰዱ። ዝዀነ ይኹን ነገር ንኽትወስዱ ናጻ ኢኹም። ንሕና ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢና: ኣይንኽልክለኩምን ድማ ኢና።” እቶም ሰረቕቲ በቲ ኣዘራርብኡ ደንጸዎም። ድሕሪ ሓደ ሰዓት ኣቢሉ ድማ: ኵሉ ዅሎም 12 ዝዀኑ ዕጡቓት ሰብኡት ብጕጅለ ዀይኖም መጹ። ስልማትን ገንዘብን ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቝሑን እኳ እንተ ሰረቑ: እቶም ኣብቲ ህንጻ ዝነበሩ ካልኦት ስድራቤታት ክቕጥቀጡ ወይ ከኣ ብጐዘሞ ክቝረጹ ከለዉ እታ ስድራቤት ግን ኣይተተንከፈትን። ስድራቤት ሳሙዌል: የሆዋ ህይወቶም ስለ ዘድሓነ ኣመስገንዎ።
እዚ ኣብነት እዚ ብገንዘብን ስጋዊ ነገራትን ዝመጸ እቶም ተቓውሞ ዘየርእዩ ግዳይ ዘረፍቲ ዝዀኑ ሰባት ነቲ ክስዕብ ዝኽእል ጕድኣት ክቕንስዎ ከም ዝኽእሉ ዝሕብር ኢዩ።a
ሓድሓደ ግዜ እቲ ክርስትያን ዝህቦ ምስክርነት ጕድኣት ንኸይወርዶ መከላኸሊ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ዘረፍቲ ኣብ ገዛ እንዳ ኣዳ መጥቃዕቲ ምስ ፈጸሙ: ኣዳ ከምዚ በሎም:- “ንህይወትኩም ዘድሊ ነገራት ንምርካብ ንዓኹም ከቢድ ምዃኑ እፈልጥ ኢየ: ስለዚ ኸኣ ኢኹም ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገር ተጸሚድኩም ዘሎኹም። ንሕና ከም ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጠን: ሓደ መዓልቲ ኵሉ ሰብ ንዕኡን ንስድራቤቱን ዝኸውን እኹል መግቢ ክረክብ ምዃኑ ንኣምን ኢና። ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኵሉ ሰብ ብሰላምን ሓጐስን ክነብር ኢዩ።” እዚ ዘረባ እዚ ነቶም ዘረፍቲ ኣህደኦም። ሓደ ካብኣቶም ከምዚ በለ:- “ኣብ ገዛኻ ብምምጻእና ቅር ይብለና እኳ እንተዀነ: ጠሚና ከም ዘሎና ግን ክትርድኣልና ኣሎካ።” ዋላ እኳ ነቲ ናይ ኣዳ ንብረት እንተ ገፈፍዎ: ንዕኡ ይኹን ንስድራቤቱ ግን ኣይተንከፍዎምን።
ህድእ ምባል
ሓደገኛ ኣብ ዝዀነ ኵነታት: ብፍላይ ቀንዲ ዕላማ እቶም ዘረፍቲ ንግዳያቶም ኣፈራሪሆም ዝበልዎም ንኽገብሩ ምስ ዝኸውን ህድእ ክትብል ቀሊል ኣይኰነን። ጸሎት ግን ይሕግዘና ኢዩ። እቲ ሓገዝ ደሊና እንገብሮ ጸሎት ድምጺ ዘይብሉን ሓጺርን እኳ እንተዀነ: የሆዋ ግን ክሰምዖ ይኽእል ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ናብ ጻድቃን: ኣእዛኑ ኸኣ ናብ ኣውያቶም እየን” ብምባል የረጋግጸልና። (መዝሙር 34:15) የሆዋ ይሰምዓና ኢዩ። ንዝዀነ ይኹን ኵነታት ህድእ ኢልና ክንዋጽኣሉ ድማ ጥበብ ክህበና ይኽእል ኢዩ።—ያእቆብ 1:5
ኣብ ርእሲ እቲ እትገብሮ ጸሎት: ዘረፍቲ ምስ ዝዘርፉኻ እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካን እንታይ ክትገብር ከም ዘይብልካን ኣቐዲምካ ምውሳን እውን ህድእ ንኽትብል ይሕግዘካ ኢዩ። ኣብ ከመይ ዝበለ ኵነታት ከም እትዝረፍ ኣቐዲምካ ምፍላጥ ከም ዘይከኣል እተረጋገጸ ኢዩ። ገና ግን: ልክዕ ከምቲ ኣብ ሓደ ህንጻ ከሎኻ ሓዊ ምስ ዝባራዕ ህይወትካ ንኸተድሕን እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካ ኣቐዲምካ ምድላው ጥበብ ዝዀነ: ዘረፍቲ ምስ ዝመጹኻ እንታይ ከም እትገብር ኣቐዲምካ ምድላው እውን ጠቓሚ ኢዩ። ኣቐዲምካ ምሕሳብ ንኽትሃድእን ንኸይትፈርህን ካብ ጕድኣት ንኸተምልጥን ይሕግዘካ ኢዩ።
ኣምላኽ ብዛዕባ ዘረፋ ዘለዎ ኣመላኽኽታ ኣብቲ “ኣነ እግዚኣብሄር ንቕንዕና ኤፍቅሮ: ንኸትርን ዓመጻን እጸልኦ እየ” ዝብል ሓሳባት ብንጹር ተገሊጹ ኣሎ። (ኢሳይያስ 61:8) የሆዋ: ዘረፋ ከቢድ ሓጢኣት ከም ዝዀነ ገይሩ ንኽገልጾ ንነብዪ ህዝቅኤል ብመንፈሱ ደሪኽዎ ኢዩ። (ህዝቅኤል 18:18) ይኹን እምበር: እዛ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽሓፍ እዚኣ: ኣምላኽ ነቲ ዝናሳሕን ነቲ ዝዘረፎ ነገር ድማ ዝኽሕስን ሰብ ብምሕረት ይቕረ ከም ዝብለሉ እውን ትገልጽ ኢያ።—ህዝቅኤል 33:14-16
ክርስትያናት ኣብዛ ብዓመጽ ዝመልአት ዓለም ዝነብሩ እኳ እንተዀኑ: ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ዘረፋ ድሕሪ ደጊም ዘይህልወሉ እዋን ክመጽእ ምዃኑ ተስፋ ስለ ዝገብሩ ይሕጐሱ ኢዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ግዜ እቲ ኣመልኪቱ ከምዚ ብምባል ይማባጻዕ:- “ኣፍ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ተዛሪብዎ እዩ እሞ: ነፍሲ ወከፍ ኣብ ትሕቲ ተኽሊ ወይኑን ኣብ ትሕቲ ኦም በለሱን ኪቕመጥ እዩ: ዜፍርሆም ከኣ የልቦን።”—ሚክያስ 4:4
[እግረ-ጽሑፍ]
a እቲ ዝግበር ምትሕብባር ደረት ከም ዘለዎ እተረጋገጸ ኢዩ። ኣገልገልቲ የሆዋ ሕጊ ኣምላኽ ምስ ዘጥሕስ ዝዀነ ይኹን ነገር ኣይተሓባበሩን ኢዮም። ንኣብነት: ሓደ ክርስትያን ብጾታዊ ርክብ ክዕመጽ ስቕ ኢሉ ኣየፍቅድን ኢዩ።