ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ሓደ ክግበር እተሓስበ ዘረፋ ፈሸለ
ብዩኒስ ኤቡ እተዘንተወ
“ዕጡቓት ዘረፍቲ ኣብቲ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ገዛና ናይ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ እንገብረሉ መዓልቲ መጥቃዕቲ ክፍጽሙ መደቡ። ኣሕዋትን ኣሓትን ከምኡውን ተገደስቲ ሰባት ንኽኣትዉ ማዕጾና ጋህ ኣቢልና ኢና እንገድፎ። እቶም ዘረፍቲ ልምድናን ኣኼባ እነካይደሉ ሰዓትን ዘጽንዕዎ ኢዮም ዝመስሉ። ካብ ገሊኡ ቦታ ማኪና ሰሪቖም ብምምጻእ ኣብቲ ትምህርቲ መጽሓፍ እነካይደሉ መዓልትን ሰዓትን ኣብቲ ጥቓ ማዕጾና ኰይኖም ይጽበዩ ከም ዝነበሩ ርግጸኛታት ኢና።
“ናይ ኣጋጣሚ ዀይኑ: እታ ዝመጹላ ሰሙን ምብጻሕ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ዝነበረላ ሰሙን ነበረት። ኣብ ገዛና ኣብ ክንዲ እንእከብ: ኣኼባና ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ኣካየድና። እቲ ኣኼባ ምስ ተወድአ: ናይ ሽማግለታት ኣኼባ ነበረ። መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ደቀይ ኰይነ ንገዛ ኢየ ዝኸይድ ነይረ። እቲ ናይታ ጉባኤ ሽማግለ ዝዀነ በዓል ቤተይ ግን ነዊሕ ከም ዘይጸንሕ ብምንጋር ተጸበዩኒ ስለ ዝበለና ተጸበናዮ።
“ድሕሪኡ ድማ እታ ማኪና ምትሳእ ኣበየትና። እቲ ናይ ወረዳ ተዓዛብን በዓል ቤተይን ከዐርይዋ ፈተኑ: ግን ኣይከኣሉን። እቲ ዝጸዋዕናዮ መካኒክ እውን ከዐርያ ኣይከኣለን።
“እቶም ቈልዑ ብእግሮም ንገዛ ኸዱ። ኣነውን ቍሩብ ጸኒሐ ንገዛ ኸድኩ። ዳርጋ ሰዓት ዓሰርተ ድማ ገዛ በጻሕኩ። ኣነ ይኹን እቶም ቈልዑ ብማኪና ስለ ዘይመጻእና ነቲ ዓቢ ማዕጾ ምኽፋት ኣየድለየናን።
“ናብ መደቀሲ ክፍለይ ምስ ኣተኹ: ብርቱዕ ድምጺ ዝነበሮ ናይ ጠበንጃ ተዅሲ ሰማዕኩ። እንታይ ተረኽበ ኢለ ድማ ሓሰብኩ። ናብ ፖሊስ ተሌፎን ክድውል እኳ እንተ ፈተንኩ: እቲ መስመር ግን ኣይሰርሕን ነበረ። ናብቲ ታሕተዋይ ቤት እናጐየኹ ኸድኩ እሞ ነቲ ካብ ሓጺን እተሰርሐ መእተዊ ማዕጾ ሸጐርክዎ: ድሕሪኡ ድማ ነቲ ማእከላይ ማዕጾ ክሽጕሮ ጐየኹ። ንዅሉ መብራህቲ ኣጥፋእክዎ። ደቀይ ፈሪሖም ስለ ዝነበሩ: ክሃድኡ ነገርክዎም። የሆዋ ንኸዕቍበና ድማ ብሓንሳእ ኴንና ጸለና። ኣብዚ ግዜ እዚ: በዓል ቤተይ ነታ ማኪና ንኸዐርያ ገና ኣብቲ ኣደራሽ መንግስቲ ዀይኑ ይቃለስ ነበረ።
“ብመስኮት ተቐልቂለ ምስ ጠመትኩ: ሓደ ሰብኣይ ኣብ ወጻኢ እቲ ካንሸሎ ኣብ መገዲ ተዘርጊሑ ርኣኹ። እቶም ሰረቕቲ ካብቲ ቦታ ከም ዝኸዱ ምስ ረኣኹ: ነቲ ዝቘሰለ ሰብኣይ ኣብ ማኪናይ አእትየ ሆስፒታል ንኸብጽሖ ጐየኹ። ከምኡ ምግባር ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እኳ እንተ ነበረ: ገለ ነገር ክገብር ግን ነበረኒ። እቲ ዘሕዝን ግን እቲ ሰብኣይ ንጽብሒቱ ሞተ።
“እዚ ዘሕዝን ፍጻመ እዚ እኳ እንተ ኣጋጠመ: እቲ ኵነታት ግን ኣዝዩ ዝኸፍአ ምዀነ ነይሩ። ምብጻሕ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ስለ ዝነበረና ኣብ ገዛና ትምህርቲ መጽሓፍ ኣይገበርናን። እታ ማኪና ስለ እተሰብረት ከም ስድራቤት መጠን ኵልና ብሓባር ብማኪና ንገዛ ኣይከድናን። እቲ ብዘይ ጥርጥር እቶም ዘረፍቲ ክሕዝዎ ዝኽእሉ ዝነበሩ በዓል ቤተይ ድማ ቀልጢፉ ናብ ገዛ ኣይመጸን። እዚ ኣጋጣሚታት እዝን ካልእ ነገራትን ንረብሓና ነበረ።
“የሆዋ ከውልናን ጸግዕናን ኢዩ። እዚ ድማ ከምቲ ቅዱሳት ጽሑፋት ‘እግዚኣብሄር ንኸተማ እንተ ዘይሐለዋ: ሓላዊ ንኸንቱ ይነቅሕ’ ዝብሎ ኢዩ።”—መዝሙር 127:1