ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w99 1/1 ገጽ 3-5
  • ንስድራቤት ዝኸውን ናይ ሓቂ ሓገዝ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንስድራቤት ዝኸውን ናይ ሓቂ ሓገዝ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ፍትሕ ከየጋጥም ምዕጋት
  • እተፈላለየ ሃይማኖት ዘለዋ ስድራቤት
  • ኣቦ ሓላፍነቱ ሸለል ክብል ከሎ
  • ሰላማዊ መንፈስ
  • ሕማቕ ዕርክነት
  • ሕጕስቲ ስድራቤት ንምህናጽ መፍትሕ ኣለዎዶ ኢዩ፧
    መፍትሕ ሓጐስ ስድራ ቤት
  • ንናብራ ስድራቤት ዕዉት ምግባር
    ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ
  • ንኣምላኽ ባህ ዘብል ናብራ ስድራቤት
    ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧
  • ኣብ ቤትኩም ሰላም ከም ዝህሉ ግበሩ
    መፍትሕ ሓጐስ ስድራ ቤት
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
w99 1/1 ገጽ 3-5

ንስድራቤት ዝኸውን ናይ ሓቂ ሓገዝ

“ኣብ ኣመሪካ ናይ ስድራቤት ቅልውላው ኣሎ እንተ ተባህለ ቅኑዕ ኢዩ። ነቲ ዘሎ ብዝሒ ፍትሕ: ኣሃዛዊ ጸብጻብ ናይቶም ካብ መርዓ ወጻኢ ዝውለዱ ቈልዑ: [ከምኡውን] ነቲ ኣብ ልዕሊ ቈልዑን ናይ መርዓ ብጾትን ዝወርድ ማህሰይቲ ርኢኻ ኣብዚ መደምደምታ እዚ ጥራይ ኢኻ ክትበጽሕ እትኽእል።”

እዚ ቶም ብሮካ እተባህለ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ተለቪዥን ወሃብ ርእይቶ እተዛረቦ ቃላት ኣብ ብዙሓት ሃገራት እውን ዝውዕል ኢዩ። እዚ ቅልውላው እዚ እንታይ ትርጕም ኢዩ ዘለዎ፧

ስድራቤት ብብዙሕ መገዲ ንሓደ ሕብረተሰብ እትሃንጽ ቀንዲ መሰረት ኢያ። ስድራቤት ኣብ ሽግር እንተድኣ ወዲቓ: እቲ ሕብረተሰብ እውን ኣብ ሽግር ኣሎ ማለት ኢዩ። ብተወሳኺ ንቘልዑ ምንጪ ናይ ስምዒታውን ናይ ገንዘብን ደገፍ ኢያ ትዀኖም። ስድራቤት እቲ ቈልዑ ናይ መጀመርታን ኣዝዩ ኣገዳስን ዝዀነ ናይ ህይወት ትምህርትታት ዝማሃሩሉ ቦታ ኢዩ። ስድራቤት ኣብ ጸገም እንተድኣ ወዲቓ: እቶም ቈልዑ እንታይ ኢዮም ዝማሃሩ፧ እቲ ድሕንነቶም ኣበይ ኣሎ፧ ምስ ዓበዩ እንታይ ዓይነት ሰባት ኢዮም ክዀኑ፧

ኣብዚ ናይ ቅልውላው እዋን እዚ ንስድራቤት ክሕግዝ ዝኽእል ዝዀነ ይኹን ነገር ኣሎዶ፧ እወ ኣሎ። ስድራቤት: ኣምላኽ ባዕሉ ዘቘማ ትካል ኢያ። (ዘፍጥረት 1:⁠27, 28) ኣብ ቃሉ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ኣዝዩ ኣድላዪ ዝዀነ ናይ ስድራቤት መምርሒ ሂቡ ኣሎ። (ቈሎሴ 3:⁠18-21) ሓቂ ኢዩ: ንሓደ ሕብረተሰብ ብምሉኡ ክንቅይሮ ኣይንኽእልን ኢና እንተዀነ ግን: ኣብ ስድራቤትና ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ከም ዝውዕል ክንገብር ንኽእል ኢና። ብዛዕባ ገለ ካብቶም ከምዚ ዝገበሩ ሰባትን እቲ ዝረኸብዎ ጽቡቕ ውጽኢትን ክንነግረኩም ባህ ኢዩ ዝብለና።

ፍትሕ ከየጋጥም ምዕጋት

ኣብ ሓያሎ ሃገራት ገለ 50 ካብ ሚእቲ ናይቲ ዝግበር ኵሉ መውስቦታት ብፍትሕ ኢዩ ዝዛዘም። እዚ ኸኣ ንሰብኣዊ ዝምድና ሰፊሕ ዝዀነ ውድቀት ከም ዘጋጠሞ የርኢ! ሓቂ ኢዩ ብዙሓት በዚ ምኽንያት እዚ ንጽል ወለዲ ዝዀኑ ሰባት ደቆም ንምዕባይ ኣበርቲዖም ኢዮም ዝዓዩ። መብዛሕትኦም ግን: ሰብኣይን ሰበይትን ጸገሞም ፈቲሖም ብሓንሳእ ክቕጽሉ እቲ ዝሓሸ ምዃኑ ከም ዝሰማምዑ እተረጋገጸ ኢዩ።

ኣብ ደሴታት ሰሎሞን ዝነብሩ ክልተ ሰብኣይን ሰበይትን ሓዳሮም ናብ ፍትሕ ገጹ የምርሕ ነበረ። እቲ ወዲ ሓደ በዓል ስልጣን ዝነበረ በዓል ቤት: ሕሱምን ብዙሕ ሕማቕ ልምድታት ዝነበሮን ኢዩ ነይሩ። ሰበይቱ ምስኡ ንኽትነብር ኣዝዩ ኣጸጋሚ ስለ ዝዀና ኸኣ ርእሳ ኽትቀትል እውን ከይተረፈ ፈቲና ነይራ ኢያ። ብድሕርዚ እቲ በዓል ቤት ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክገብር ተሰማምዐ። ዝዀነ ይኹን ንኣምላኽ ከሐጕስ ዝደሊ ሰብ: እቲ ጌጋ ዝዀነ ነገር ክፈልጥ ጥራይ ዘይኰነስ ‘እከይ ክጸልእ’ እውን ከም ዝግብኦ ተማህረ። (መዝሙር 97:⁠10) እዚ ኸኣ ንኸም ሓሶት: ስርቂ: ዓመጽ: ከምኡውን ስኽራን ዝኣመሰለ ነገራት ምጽላእ ዘጠቓልል ኢዩ። እቲ በዓል ቤት ነዚ ምኽሪ እዚ ኣብ ልቡ ኣሕደሮ: ድሕሪ ሓጺር እዋን ከኣ ነቲ ሕማቕ ልምድታቱን ነቲ ቝጡዕ ጠባዩን ተቘጻጸሮ። በዓልቲ ቤቱ በቲ ዝገበሮ ለውጢ ተገረመት: ሓዳሮም ከኣ ሳላ ጽልዋ ቃል ኣምላኽ ኣጸቢቑ ተመሓየሸ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ሰበይቲ እታ ተስርሓ ዝነበረት ሰበይትን በዓል ቤታን ክፋትሑ ይሓስቡ ከም ዘለዉ ሰምዐት። እታ ምስክር ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንሓዳር ዘለዎ ኣረኣእያ ንሓለቕኣ ነገረታ: ከምኡውን እታ መፍ ትሕ ሓጐስ ስድራቤት ዘርእስታ መጽሓፍ ኣርኣየታ። እዛ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ እዚኣ: ነቲ ኣብ ሓዳር ዝውዕል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታት ኢያ እተጕልሕ: ብፍላይ እተተኵረሉ ኸኣ ሰብኣይን ሰበይትን ጸገማቶም ንኽፈትሑ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዝሕግዞም ኢዩ። እታ እተስርሓ ሰበይትን በዓል ቤታን ክልቲኦም ነታ መጽሓፍ ኣንበብዋ: ብቕንዕና ኸኣ ነቲ ኣብኡ ቐሪቡ ዘሎ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምኽሪ ኣብ ተግባር ከውዕልዎ ፈተኑ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ንኸይፋትሑ ወሰኑ: እዚ ኸኣ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታት ኣብ ተግባር ብምውዓል ዝደሓነ ካልእ ሓዳር ኢዩ።

እተፈላለየ ሃይማኖት ዘለዋ ስድራቤት

ብዛዕባ እቶም እተፈላለየ ሃይማኖት ዘለዎም ሰብ ሓዳርከ እንታይ ክብሃል ይከኣል፧ መጽሓፍ ቅዱስ “ብእግዚኣብሄር ጥራይ” ተመርዓዉ ብምባል ንክርስትያናት ጠቓሚ ምኽሪ ይህቦም። (1 ቈረንቶስ 7:⁠39) ሓድሓደ ግዜ ግን: ሓደ ናይ መርዓ ብጻይ ሃይማኖት ይልውጥ ኢዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ሓዳር ምብታን የድሊዶ ኢዩ፧ ፈጺሙ ኣየድልን ኢዩ።

ኣብ ቦትስዋና ሓንቲ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ናይ የሆዋ ምስክር ዝዀነት ሰበይቲ: እቲ ሓድሽ እምነታ እንታይ ለውጢ ኸም ዘምጽኣላ ሕቶ ቀረበላ። ንሳ ድማ ኣብ ክንድኣ በዓል ቤታ ክምልስ ደለየት: እቲ ንሱ ዝመለሶ ኸኣ ከምዚ ዝስዕብ ኢዩ:- “በዓልቲ ቤተይ ናይ የሆዋ ምስክር ካብ እትኸውን ኣትሒዙ ብዙሕ ኣወንታዊ ለውጥታት ርእየላ ኢየ። ቅድሚ ሕጂ ዘይነበራ ህዱእን ጥበብ ዝመልኦን ሓይሊ ኣጥሪያ ኣላ። ነቲ ኣነ ክሳዕ ሕጂ ከሰንፎ ዘይከኣልኩ ሽጋራ ናይ ምትካኽ ድኽመት ደው ንኸተብል ዘኽእል ሓይልን ጽኑዕ ምርዳእን ኣለዋ። በዓልቲ ቤተይ ንዓይን ንደቀይን ከምኡውን ንኻልኦት ሰባት ዝያዳ እተፍቅርን እትፈቱን ኰይና ኢያ። ብፍ​ላይ ምስቶም ቈልዑ ዝያዳ ተጻዋርነት ኣጥርያ ኣላ። ካልኦት ሰባት ህይወቶም ከመሓይሹ ምእንቲ ኽትሕግዞም ግዜኣ ኣብ ኣገልግሎት ከተሕልፍ እርእያ። ኣነ እውን ኣወንታዊ ዝዀነ ለውጥታት አርኢ ኣለኹ። እዚ ኸኣ ምሉእ ብምሉእ ብናታ ኣብነት ምዃኑ ኢየ ዝኣምን።” ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታት ኣብዚ ሓዳር እዚ ኣየ ከመይ ዝበለ ሰናይ ውጽኢት ኢዩ ኣምጺኡ! ብዙሓት መሰኻኽር ዘይኰኑ ሰባት ብዛዕባ መሰኻኽር ብጾቶም ተመሳሳሊ ሓሳባት ሂቦም ኢዮም።

ኣቦ ሓላፍነቱ ሸለል ክብል ከሎ

ጽኑዓት ስድራቤታት ናይ ምህናጽ ቀንዲ መፍትሕ እቲ ኣብ መንጎ ኣቦን እቶም ደቁን ዘሎ ርክብ ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ “ኣቱም ኣቦታትውን: ነቶም ውሉድኩም ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን ደኣ ኣዕብይዎም እምበር: ኣይተዀርይዎም” ብምባል መዓደ። (ኤፌሶን 6:⁠4) ሓንቲ ኣብ ዊንስተን ኳርተርሊ እተባህለት መጽሔት (እንግሊዝኛ) ዝወጸት ዓንቀጽ ንመብዛሕትኡ ማሕበራዊ ሽግራት ተሓተትቲ እቶም ግቡኦም ዘይገብሩ ኣቦታት ኢዮም ምባላ እምበኣር ርዱእ ኢዩ። እታ ዓንቀጽ ከምዚ ትብል:- “ኣብ መንጎ 1960ን 1990 ብዝሒ ናይቶም ካብ ዝወለድዎም ኣቦታት ተፈልዮም ዝነብሩ ቈልዑ ልዕሊ ዕጽፊ ኢዩ ወሲኹ። . . . ናይቲ ንሕብረተሰብ ኣመሪካ ወሪድዎ ዘሎ መብዛሕትኡ ዝርብሽ ጸገማት ቀንዲ ምኽንያት ኣቦ ግዲኡ ካብ ምግባር ብምስናፉ ኢዩ።”

እዚ ማለት ግን እቶም ኣቦታቶም ዘይመርሕዎም ቈልዑ ንውድቀት እተመጠዉ ኢዮም ማለት ድዩ፧ ከምኡ ኣይኰነን፣ እቲ ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበረ ጸሓፍ መዝሙር ከምዚ ይብል:- “ኣቦይን እኖይን እኳ እንተ ዚጥንጥኑኒ: እግዚኣብሄርሲ ይእርንበኒ እዩ።” (መዝሙር 27:⁠10) ሓደ ኣብ ታይላንድ ዝቕመጥ ወዲ ትሽዓተ ዓመት እዚ ብርግጽ ከምኡ ምዃኑ ርእይዎ ኢዩ። ኣዲኡ ገና ሕጻን ከሎ ኢያ ሞይታ: ኣቡኡ ኸኣ ምስኡ ክኸውን ስለ ዘይደለዮ ምስ ዓባዩ ሓደጎ። እቲ ወዲ: ሰብ ዘይደልዮን ዘየፍቅሮን ኰይኑ ስለ እተሰምዖ ዓለወኛ ነበረ: እሞ ፍሉጥ ዕዋላ ዀነ። ንዓባዩ ከይተረፈ ኸኣ የፈራርሃ ነበረ። ክልተ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ዝዀና መሰኻኽር መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ኣፍ ደገ ኣደራሽ መንግስቲ ደው ከም ዝብል ኣስተብሃላሉ እሞ: ሓደ መዓልቲ ገዝአን ዓደምኦ።

ኣምላኽ ልክዕ ከም ሓደ ደቁ ዘፍቅር ኣቦ ምዃኑ ነገርኦ። ብዛዕባ እታ ኣምላኽ ንእሙናት ሰባት እተመባጽዓ ምድራዊት ገነት እውን ነገራኦ። (ራእይ 21:⁠3, 4) እዚ ዅሉ ነቲ ቘልዓ ጦብላሕታ ኣሕደረሉ: ዝያዳ ንኽማሃር ከኣ መዓልቲ-መዓልቲ ይኸደን ነበረ። እተን መሰኻኽር ከኣ ብሓቂ ኣምላኽ ኣቡኡ ክኸውን ዝደሊ እንተድኣ ዀይኑ ዕውልና ክገድፎ ከም ዘለዎ ነገርኦ። እዚ ምስቲ “ብኣኻትኩም ዝመጸ: ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ” ዝብል ጳውሎስ ንሰብ ሮሜ እተዛረቦም ቃላት ዝሰማማዕ ኢዩ። (ሮሜ 12:⁠18) ምስ ዓባዩ እውን ብሕያውነት ክመላለስ የድልዮ ነበረ። (1 ጢሞቴዎስ 5:⁠1, 2) ድሕሪ ሓጺር ግዜ ኸኣ ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታት ክትግብሮ ጀመረ: እዚ ኸኣ ነቲ ምስ ዓባዩ ዝነበሮ ናብራ ስድራቤት ኣጸቢቑ ከም ዘመሓየሸሉ ኣየጠራጥርን ኢዩ። (ገላትያ 5:⁠22, 23) እቶም ጐረባብቲ በቲ ኣብኡ ዝረኣይዎ ለውጥታት ኣጸቢቖም ስለ እተመሰጡ: ደቆም እውን ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክገብሩ ደለዩ!

ሰላማዊ መንፈስ

ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ቈሎሴ “ኣብ ልዕሊ እዚ ዅሉውን ፍቕሪ ማእሰር ፍጻሜ እያ እሞ: ልበስዋ። ሰላም ክርስቶስ ከኣ ኣብ ልብኹም ይግዛእ” ኢሉ ጸሓፈሎም። (ቈሎሴ 3:⁠14, 15) ሰላማዊ መንፈስን ልባዊ ፍቕርን ንሓንቲ ስድራቤት ከም ዘሕብራ እተረጋገጸ ኢዩ። ነዊሕ ዝገበረ ናይ ስድራቤት ምፍልላይ እውን ከይተረፈ ከዐሪ ይኽእል ኢዩ። ሓንቲ ኣብ ኣልባንያ እትነብር ሩኪያ እተባህለት ሰበይቲ ብምኽንያት ናይ ስድራቤት ዘይምስምማዕ ምስ ሓዋ ንልዕሊ 17 ዓመታት ኣይተዘራረበትን። ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ድሕሪ ምጽንዓ: ነፍሲ ወከፍ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ምስ ካልኦት ሰላም ክገብር ከም ዘለዎ ተረድአት። “ንሰላም ይድለያ ይስዐባውን።”​—⁠1 ጴጥሮስ 3:⁠11

ሩክያ ምስ ሓዋ ሰላም ክትገብር ከም ዘለዋ ተገንዘበት። ምሉእ ለይቲ ክትጽሊ ሓደረት እሞ: ንጽብሒቱ ልባ ተረግ ተረግ እናበላ ናብ እንዳ ሓዋ ከደት። ጓል ሓዋ ንሩክያ ማዕጾ ከፈተትላ: ተገሪማ ኸኣ “ኣብዚ እንታይ ትገብሪ ኣለኺ፧” ኢላ ሓተተታ። ሩክያ ኸኣ ብህድኣት ምስ ሓዋ ሰላም ክትገብር ከም ዝደለየት ብምግላጽ ሓዋ እንተ ኣልዩ ሓተተት። ስለምንታይ ኢያ ከምኡ ገይራ፧ ምኽንያቱ ፍቓድ ኣምላኽ ከምኡ ምዃኑ ስለ እተገንዘበት ኢዩ። ሓዋ እውን ብጽቡቕ ተቐበላ: እቲ እንደገና ምሕባሮም ከኣ ብምትሕቝቛፍን ብናይ ሓጐስ ንብዓትን ተሰነየ​—⁠ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታት ብምስዓብ ሓንቲ ቤተሰብ ሓበረት።

ሕማቕ ዕርክነት

“ሎሚ ማእከላይ ምርዳእ ዘለዎ ቈልዓ ኣብ መዓልቲ ንሸውዓተ ሰዓታት ተለቪዥን ይርኢ። መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ክውድእ ከሎ ድሮ ልዕሊ ሸሞንተ ሽሕ ቅትለት ከምኡውን ሚእቲ ሽሕ ናይ ዓመጽ ተግባራት ርእዩ ኣሎ።” እታ ዘ 7 ሃቢትስ ኦቭ ሃይሊ ኢፈክቲቭ ፋሚሊስ እትብሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ኢያ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ዝበለት። ንኸምዚ ዝበለ ነገራት እተቓላዕካ ምዃን ንሓደ ቈልዓ እንታይ ሳዕቤን የምጽኣሉ፧ “ክኢላታት” ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ኣብ ንሓድሕዶም ዘይምስምማዕ ኣለዎም: መጽሓፍ ቅዱስ ግን ብዛዕባ ሕማቕ ዕርክነት ኣትሪሩ ኢዩ መጠንቀቕታ ዝህብ። ንኣብነት ‘እቲ ምስ ዓያሱ ዚመሐዞ ሕሱም ይኸውን’ ይብል። (ምሳሌ 13:⁠20) “ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ልማድ የጥፍኦ” እውን ይብል ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 15:⁠33) እቲ ሕማቕ ዕርክነት ብኣካል ይኹን ብናይ ተለቪዥን ፕሮግራም ብዘየገድስ ነዚ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓት እዚ ሓቂ ምዃኑ ብጥንቃቐ ነስተብህለሉ እንተድኣ ዄንና ናይ ስድራቤትና ህይወት ክመሓየሽ ኢዩ።

ኣብ ሉክሰምበርግ ሓንቲ ኣደ ምስ ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ትገብር ነበረት። ሓደ መዓልቲ እታ ኣደ ነታ ምስክር ክልተ ደቃ​—⁠ሓንቲ ጓል ሸውዓተ እታ ሓንቲ ኸኣ ጓል ሸሞንተ ዓመት⁠—​ምሸት ምሸት ኣዝየን ተቛየቝትን ቍጡዓትን ከም ዝዀና ነገረታ። እታ ምስክር እተን ኣዋልድ ምሸት እንታይ ከም ዝገብራ ሓተተታ። እታ ኣደ ድማ ንሳ ክሽነ ከተጻራሪ ኸላ ንሳተን ተለቪዥን ከም ዝርእያ ነገረታ። እቲ ፕሮግራምከ እንታይ ኢዩ፧ እታ ኣደ “ናይ ካርቱን ፊልም ኢዩ” ብምባል መለሰትላ። እታ ጋሻ እዚ ፕሮግራማት እዚ ብዙሕ ግዜ ዓመጽ ዘለዎ ምዃኑ ምስ ጠቐሰትላ ኸኣ ኣደ እተን ኣዋልድ ክትቈጻጸረን መደበት።

ንጽብሒቱ እታ ኣደ በቲ ደቃ ዝርእይኦ ዝነበራ ናይ ካርቱን ፊልም ከም ዝሰምበደት ተዛረበት። እቲ ፊልም ካብ ሃዋሁ ዝመጹ ናይ ሓቂ ዘይኰኑ ገዘፍቲ እንስሳታት ኣብ መገዶም ዝረኸብዎ ዘበለ ኵሉ ነገር ብጭከና ክድምስስዎ ከለዉ ዘርኢ ኢዩ ነይሩ። ንደቃ የሆዋ ዓመጽ ከም ዝጸልእ እሞ: ከምዚ ዝበለ ጭከና ክንርኢ ከለና ኸኣ ከም ዘይሕጐስ ገለጸትለን። (መዝሙር 11:⁠5) እተን ኣዋልድ ንየሆዋ ከሐጕስኦ ይደልያ ስለ ዝነበራ ተለቪዥን ኣብ ክንዲ ምርኣይ ክስእላን ሕብሪ ክለኽያን ተሰማምዓ። ብኡንብኡ ኸኣ እቲ ቝጡዕ ጠባየን ተለወጠ: እቲ ናይታ ስድራቤት ኵነታት ከኣ ተመሓየሸ።

እዚ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታት ኣብ ግብሪ ብምውዓል ናይ ስድራቤት ህይወት ከም ዝመሓየሽ ካብ ዘርኢ ኣብነታት ሒደት ጥራይ ኢዩ። ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምኽሪ ኣብ ኵሉ ዓይነት ኵነታት ዝውዕል ኢዩ። ቅኑዕ ከምኡውን ንሰናይ ነገር ብርቱዕ ጽልዋ ዘለዎ ኢዩ። (እብራውያን 4:⁠12) ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዑን ብቕንዕና ኸኣ ነቲ ዝብሎ ኣብ ተግባር ከውዕሉ ክፍትኑ ከለዉን ስድራቤታት ይድልድላ: ባህርያት ይመሓየሽ: ጌጋ ምግባር ከኣ ይውገድ። ሓደ ኣባል ስድራቤት ጥራይ ምኽሪ ኣምላኽ ክስዕብ ከሎ እውን ከይተረፈ ነገራት ይመሓየሽ ኢዩ። ብሓቂ ኣብ ኵሉ መዳይ ናይ ናብራና ንቓል ኣምላኽ ከም ናይቲ “ቃልካ ንእግረይ መብራህቲ: ንመገደይ ብርሃን እዩ” ብምባል ዝጸሓፈ ጸሓፍ መዝሙር ዝኣመሰለ ኣረኣእያ ክህልወና ኣለዎ።​—⁠መዝሙር 119:⁠105

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታት ኣብ ተግባር ብምውዓል ናይ ስድራቤት ጸገማት ተፈቲሑ ኢዩ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ