ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w99 1/1 ገጽ 11-20
  • ‘ልብኹም ኣጽንዑ’

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ‘ልብኹም ኣጽንዑ’
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብርሃም ዝገደፎ ናይ እምነት ኣብነት
  • ንኣምላኽ ምስማዕ
  • ምስ ኣምላኽ ምዝራብ
  • ሎሚ ዘሎ ናይ እምነት ጸብጻብ
  • ሎሚ እምነት ኣማዕብሉ
  • እቲ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ዝፍጸም ተስፋ
  • የሆዋ “ፈታውየይ” ኢሉ ጸዊዕዎ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
  • ከም ናይ ኣብርሃም ዝዓይነታ እምነት ኣላትካዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ኣብርሃም መን እዩ ነይሩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ‘ብምርኣይ ዘይኰነስ ብእምነት ምምልላስ’
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
w99 1/1 ገጽ 11-20

‘ልብኹም ኣጽንዑ’

“ፍቓድ ኣምላኽ እናገበርኩም: ነታ ተስፋ ምእንቲ ኽትረኽብዋስ: ትዕግስቲ የድልየኩም እዩ።”​—⁠እብራውያን 10:⁠36

1, 2. (ሀ) ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ንብዙሓት ክርስትያናት እንታይ ኣጋጠሞም፧ (ለ) እምነት ክትደክም ቀሊል ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

ካብ ኵሎም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ሃዋርያ ጳውሎስ ገይሩ ንእምነት ዝጠቐሰ የለን። ደጋጊሙ ኸኣ ብዛዕባ እቶም እምነቶም ዝደኸመት ወይ ዝሞተት ሰባት ተዛሪቡ ኢዩ። ንኣብነት: ሄሜኔዎስን እስክንድሮስን “ናይ እምነት መርከብ ተሰቢራቶም እያ።” (1 ጢሞቴዎስ 1:⁠19, 20) ዴማስ ‘ነዛ ዓለም እዚኣ ስለ ዝፈተዋ’ ንጳውሎስ ጠንጠኖ። (2 ጢሞቴዎስ 4:⁠10) ገሊኦም በቲ ክርስትያናዊ ዘይኰነን ሓላፍነት ዝጐደሎን ተግባራቶም ‘እምነት ክሒዶም’ ኢዮም። ካልኦት ከኣ ብናይ ሓሶት ጥበብ ተታሊሎም ‘ካብ እምነት ዘምበሉ።’​—⁠1 ጢሞቴዎስ 5:⁠8፣ 6:⁠20, 21

2 እዞም ቅቡኣት ክርስትያን እዚኣቶም በዚ መገዲ እዚ እምነቶም ዘጥፍኡ ስለምንታይ ኢዮም፧ “እምነት ግና ነቲ ተስፋ ዚግበሮ ነገር ርግጽ ምግባር: ናይቲ ዘይርኤ ነገር ምርዳእ እያ።” (እብራውያን 11:⁠1) እምነት እነዘውትር ኣብቲ ክንርእዮ ዘይንኽእል ነገር ኢዩ። ኣብቲ ዝርአ ነገራት ኣይተድልየናን ኢያ። ካብ ንዘይርአ መንፈሳዊ ሃብቲ ኢልካ ክትጽዕር ነቲ ዝርአ ሃብቲ ክትዓዪ ኢዩ ዝቐልል። (ማቴዎስ 19:⁠21, 22) ከም “ፍትወት ስጋን ፍትወት ኣዒንትን” ዝኣመሰለ ነገራት ነቲ ዘይፍጹም ስጋና ኣጸቢቑ ይስሕቦ እሞ እምነትና የዳኽመልና።​—⁠1 ዮሃንስ 2:⁠16

3. ሓደ ክርስትያን እንታይ ዓይነት እምነት ኢዩ ከማዕብል ዘለዎ፧

3 ይኹን እምበር: ጳውሎስ “እቲ ናብ ኣምላኽ ኪመጽእ ዚደሊ: ንሱ ኸም ዘሎን ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦምን: ኪአምን ይግብኦ እዩ” በለ። ሙሴ ከምዚኣ ዝበለት እምነት ኢያ ነይራቶ። ንሱ “ናብቲ ዓስቢ ጠመተ” እሞ “ነቲ ዘይርኤስ ከም ዚርእዮ ዀይኑ ተዐጊሱ ጸንዔ።” (እብራውያን 11:⁠6, 24, 26, 27) ሓደ ክርስትያን ከምዚኣ ዝበለት እምነት ኢያ እተድልዮ። ኣብታ ዝሓለፈት ዓንቀጽ ከም ዝረኣናዮ: ኣብርሃም በዚ መዳይ እዚ ሰናይ ኣብነት ዝኸውን ኢዩ ነይሩ።

ኣብርሃም ዝገደፎ ናይ እምነት ኣብነት

4. ህይወት ኣብርሃም ብእምነቱ እተተንከፈ ብኸመይ ኢዩ፧

4 ኣብርሃም ኣቦ ናይ ሓደ ንህዝብታት ኵላ ምድሪ ዝባርኽ ዘርኢ ክኸውን ምዃኑ ኣምላኽ ክመባጽዓሉ ከሎ ኣብ ኡር ኢዩ ነይሩ። (ዘፍጥረት 12:⁠1-3፣ ግብሪ ሃዋርያት 7:⁠2, 3) ብመሰረት እዚ መብጽዓ እዚ ኣብርሃም መጀመርታ ናብ ካራን ደሓር ከኣ ናብ ከነኣን ብምግዓዝ ንየሆዋ ተኣዘዞ። ኣብኡ የሆዋ እታ ምድሪ ንዘርኢ ኣብርሃም ክህቦም ምዃኑ ተማባጽዐ። (ዘፍጥረት 12:⁠7፣ ነህምያ 9:⁠7, 8) ይኹን እምበር: መብዛሕትኡ ካብቲ የሆዋ እተማባጽዖ ነገራት ብድሕሪ ሞት ኣብርሃም ኢዩ ክፍጸም ነይርዎ። ንኣብነት: ኣብርሃም ብዘይካ እታ ኣብ ማክጴላ ዝነበረት ንመቓብር ክትኰኖ ኢሉ ዝዓደጋ በዓቲ ኣብ ከነኣን ናቱ ዝዀነ ጥሪት ዋላ ሓንቲ ኣይነበሮን። (ዘፍጥረት 23:⁠1-20) ገና ግን ኣብ ቃል የሆዋ እምነት ነይርዎ ኢዩ። ልዕሊ ዅሉ ድማ ኣብታ “ኣምላኽ ዝሃናጺኣን ዝሰራሒኣን: መሰረት ዘለዋ ኸተማ” እምነት ነበሮ። (እብራውያን 11:⁠10) እዛ እምነት እዚኣ ኣብ ምሉእ ህይወቱ ኣናቢራቶ ኢያ።

5, 6. ምስ ናይ የሆዋ መብጽዓ እተተሓሓዘ እምነት ኣብርሃም እተፈተነት በየናይ መገዲ ኢዩ፧

5 እዚ ምስቲ ዘርኢ ኣብርሃም ዓቢ ህዝቢ ክዀኑ ኢዮም ዝብል መብጽዓ ብምትሕሓዝ ኢዩ ብፍላይ ተራእዩ። እዚ ንኽፍጸም ኣብርሃም ወዲ የድልዮ ነበረ: ሓደ ውሉድ ንኽረክብ ከኣ ነዊሕ ግዜ ተጸበየ። ንመጀመርታ ግዜ እቲ ናይ ኣምላኽ መብጽዓ ክሰምዕ ከሎ ዕድሚኡ ክንደይ ከም ዝነበረ ኣይንፈልጥን ኢና: እንተዀነ ግን ናብ ካራን ንምኻድ ነዊሕ ምስ ተጓዕዘ እውን የሆዋ ገና ውሉድ ኣይሃቦን ኢዩ ነይሩ። (ዘፍጥረት 11:⁠30) ኣብ ካራን ‘ጥሪትን ነፍሳትን ንኸጥሪ’ ዘኽእሎ ነዊሕ እዋን ኢዩ ተቐሚጡ: ናብ ከነኣን ክግዕዝ ከሎ ድማ ንሱ 75 ዓመት ሳራ ድማ 65 ዓመት ገይሮም ነበሩ። ገና ግን ውሉድ ኣይነበሮምን። (ዘፍጥረት 12:⁠4, 5) ሳራ ዕድሚኣ ኣብ መፋርቕ ናይ 70ታት ምስ በጽሐ ንኣብርሃም ወዲ ክትወልደሉ ዝኣረገት ኰይኑ ተሰምዓ። ስለዚ: ኣብቲ ግዜ እቲ ንዝነበረ ልምዲ ብምስዓብ ንኣጋር ባርያኣ ንኣብርሃም ሃበቶ እሞ ብእኣ ኣቢሉ ኸኣ ወዲ ወለደ። እንተዀነ ግን: እዚ እቲ መብጽዓ እተገብረሉ ውሉድ ኣይነበረን። ኣጋርን ወዳ እስማኤልን ኣብ መወዳእትኡ ተሰጉ። ምስናይ እዚ ግን ኣብርሃም ምእንትኦም ምስ ጸለየ: የሆዋ ንእስማኤል ከም ዝባርኾ ተማባጽዐ።​—⁠ዘፍጥረት 16:⁠1-4, 10፣ 17:⁠15, 16, 18-20፣ 21:⁠8-21

6 ኣብቲ ኣምላኽ ዝመደቦ ግዜ​—⁠ብዛዕባ እቲ መብጽዓ ንመጀመርታ ግዜ ምስ ሰምዑ ድሕሪ ኣዝዩ ነዊሕ ግዜ⁠—​እቲ 100 ዓመት ገይሩ ዝነበረ ኣብርሃምን እታ 90 ዓመት ዝገበረት ሳራን ንይስሃቅ ወለዱ። ኣየ ክንደይ ዘደንቕ ኰን ኢዩ ነይሩ! እቲ ‘ሞይቱ’ ዝነበረ ስግኦም ሓድሽ ህይወት ከም ዝመጽእ ምስ ገበረ: ነዞም ኣሪጎም ዝነበሩ ሰብኣይን ሰበይትን ዳርጋ ትንሳኤ ኢዩ ነይሩ። (ሮሜ 4:⁠19-21) እቲ ምጽባይ ነዊሕ ኢዩ ነይሩ: ኣብ መወዳእትኡ እቲ መብጽዓ መፈጸምታ ምስ ረኸበ ግን እቲ ምጽባይ ጥቕሚ ዘለዎ ኰነ።

7. እምነት ምስ ምጽማም እትተሓሓዝ ብኸመይ ኢያ፧

7 ናይ ኣብርሃም ኣብነት: እምነት ንሓጺር እዋን ጥራይ ክኸውን ከም ዘይብሉ ኢዩ ዘዘኻኽረና። ጳውሎስ “ፍቓድ ኣምላኽ እናገበርኩም: ነታ ተስፋ ምእንቲ ኽትረኽብዋስ: ትዕግስቲ የድልየኩም እዩ። . . . ንሕና ግና ምስቶም ምድሓን ነፍሶም ኪረኽቡ ዚአምኑ እምበር: ምስቶም ናብ ጥፍኣት ንድሕሪት ዚምለሱ ኣይኰንናን” ኢሉ ክጽሕፍ ከሎ እምነት ምስ ምጽማም ኣተሓሒዝዋ ኣሎ። (እብራውያን 10:⁠36-39) ብዙሓት ሰባት እቲ መብጽዓ ክፍጸም ንኽርእዩ ነዊሕ ኢዮም ተጸብዮም። ገሊኦም ምሉእ ህይወቶም ኢዮም ተጸብዮም። እታ ጽንዕቲ እምነቶም ደጊፋቶም ኢያ። ከም ኣብርሃም ከኣ እቲ ዓስቢ ኣብቲ የሆዋ ዝመደቦ ግዜ ክረኽብዎ ኢዮም።​—⁠ኣንባቆም 2:⁠3

ንኣምላኽ ምስማዕ

8. ሎሚ ንኣምላኽ እንሰምዖ ብኸመይ ኢና: እዚ ንእምነትና ዘደልድሎኸ ስለምንታይ ኢዩ፧

8 እምነት ኣብርሃም ንኽትጸንዕ ዝሓገዘ ነገራት ብውሑዱ ኣርባዕተ ኢዩ: እዚ ነገራት እዚ ኸኣ ንዓና እውን ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ። መጀመርታ ኣብቲ የሆዋ እተዛረቦ ብምቕላቡ ‘ኣምላኽ ከም ዘሎ ምእማኑ’ ኣርኣየ። በዚ መገዲ እዚ ኸኣ ካብቶም ኣምላኽ ከም ዘሎ ዝኣምኑ ዝነበሩ ንቓላቱ ግን እምነት ዘይነበሮም ኣብ ግዜ ኤርምያስ ዝነበሩ ኣይሁድ እተፈልየ ኢዩ ነይሩ። (ኤርምያስ 44:⁠15-19) ሎሚ የሆዋ በቲ ጴጥሮስ ‘ኣብ ልብኹም ኣብ ስፍራ ጸልማት ከም ዜብርህ መብራህቲ’ ኢዩ ብምባል ዘመሳሰሎ: መንፈስ ዝነፈሶ ቃሉ መጽሓፍ ቅዱስ ገይሩ ኢዩ ዝዛረብ። (2 ጴጥሮስ 1:⁠19) ተጠንቂቕና መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብብ ከሎና ‘ብቓል እምነት ክንምገብ’ ኢና። (1 ጢሞቴዎስ 4:⁠6፣ ሮሜ 10:⁠17) ብተወሳኺ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ‘እቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ’ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታት ንምትግባር: ከምኡውን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትንቢታት ንምርዳእ ዝሕግዝ መንፈሳዊ ‘መግቢ በብጊዜኡ’ የዳሉ ኣሎ። (ማቴዎስ 24:⁠45-47) በዚ ነገራት እዚ ገይርካ ንየሆዋ ምስምዑ ጽኑዕ እምነት ንኸተጥሪ ኣዝዩ ኣድላዪ ኢዩ።

9. ኣብቲ ናይ ክርስትያን ተስፋ ብሓቂ ንኣምን እንተድኣ ዄንና እንታይ ውጽኢት ኣለዎ፧

9 እምነት ኣብርሃም ምስ ተስፍኡ ኣጸቢቑ እተኣሳሰረ ኢዩ ነይሩ። “ኣቦ ብዙሓት ኣህዛብ ኪኸውን ብተስፋ አመነ።” (ሮሜ 4:⁠18) እዚ ክሕግዘና ዝኽእል ካልኣይ ነገር ኢዩ። የሆዋ ‘ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦም’ ፈጺምና ክንርስዖ ኣይግባእን። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብቲ “ህያው ኣምላኽ ተስፋ ስለ ዝገበርና ኢና እንዐይን እንጽዕርን ዘሎና” በለ። (1 ጢሞቴዎስ 4:⁠10) ብሓቂ ነቲ ናይ ክርስትያን ተስፋ ንኣምኖ እንተድኣ ዄንና ከምቲ ናይ ኣብርሃም ምሉእ ህይወትና መርኣያ እምነትና ክኸውን ኢዩ።

ምስ ኣምላኽ ምዝራብ

10. እንታይ ዓይነት ጸሎት ኢዩ ንእምነትና ዘደልድል፧

10 ኣብርሃም ምስ ኣምላኽ ይዛረብ ነይሩ ኢዩ: እዚ ኸኣ እቲ ንእምነቱ ዘጽንዓሉ ሳልሳይ ነጥቢ ኢዩ። ንሕናውን ሎሚ ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢልና ብምቕራብ ብውህበት ጸሎት ምስ የሆዋ ክንዛረብ ንኽእል ኢና። (ዮሃንስ 14:⁠6፣ ኤፌሶን 6:⁠18) ብቐጻሊ ምጽላይ ከም ዘድሊ ዘጕልሕ ምሳሌ ድሕሪ ምንጋሩ ኢዩ የሱስ “ወዲ ሰብ ምስ ዚመጽእ ግና: እንድዒ እምነት ደዀን ኣብ ምድሪ ኺረክብ እዩ፧” ኢሉ ዝሓተተ። (ሉቃስ 18:⁠8) እምነት ዝሃንጽ ጸሎት ብዘይ ሓሳብ ወይ ብዘይ ስምዒት ዝግበር ኣይኰነን። ዓሚቝ ትርጕም ዘለዎ ኢዩ። ንኣብነት: ኣድላዪ ዝዀነ ውሳነታት ክንገብር እንተድኣ ዄንና ወይ ብርቱዕ ጸቕጢ ምስ ዝህልወና ዓሚቝ ጸሎት ምግባር ኣድላዪ ኢዩ።​—⁠ሉቃስ 6:⁠12, 13፣ 22:⁠41-44

11. (ሀ) ኣብርሃም ልቡ ንኣምላኽ ምስ ኣፍሰሰ እተበራትዐ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ካብ ናይ ኣብርሃም ተመክሮ እንታይ ኢና ክንማሃር እንኽእል፧

11 ኣብርሃም እናኣረገ ክኸይድ ከሎ የሆዋ ኸኣ ገና እቲ መብጽዓ እተገብሮ ዘርኢ ከይሃቦ ኸሎ: ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ዝነበሮ ምሽቓል ምስ ኣምላኽ ተዛረበ። የሆዋ ነቲ ጕዳይ መሊሱ ኣረጋገጸሉ። እቲ ውጽኢቱኸ እንታይ ኰነ፧ ኣብርሃም ‘ብእግዚኣብሄር ኣመነ: ንሱ ድማ ንጽድቂ ቘጸረሉ።’ ብድሕርዚ የሆዋ ነቲ ዘጸናንዕ ቃላቱ መረጋገጺ ዝኸውን ምልክት ሃቦ። (ዘፍጥረት 15:⁠1-18) ልብና ብጸሎት ንየሆዋ እንተድኣ ኸፊትናሉ: እቲ ኣብ ቃሉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ መጸናንዒ እንተ ተቐቢልና: ከምኡውን ኣብኡ ምሉእ እምነት ብምግባር እንተ ተኣዚዝናዮ የሆዋ ድማ እምነትና ከጽንዓልና ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 21:⁠22፣ ይሁዳ 20, 21

12, 13. (ሀ) ኣብርሃም ናይ የሆዋ መምርሒ ምስ ሰዓበ እተባረኸ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ንእምነትና ዘደልድል እንታይ ዓይነት ተመክሮታት ኢዩ፧

12 ንእምነት ኣብርሃም ዘጽንዐ ራብዓይ ነገር ከኣ እቲ ናይ ኣምላኽ መምርሒ ክስዕብ ከሎ የሆዋ ዝሃቦ ደገፍ ኢዩ። ኣብርሃም ንሎጥ ካብቶም ዝማረኽዎ ነገስታት ከድሕኖ ምስ ከደ: የሆዋ ኣዐወቶ። (ዘፍጥረት 14:⁠16, 20) ኣብርሃም ኣብታ ዘርኡ ዝወርስዋ ምድሪ ከም ግዝያዊ ተቐማጢ ኰይኑ ክነብር ከሎ የሆዋ ብንዋታዊ ነገራት ባረኾ። (ምስ ዘፍጥረት 14:⁠21-23 ኣረኣእዮ።) ነቲ ኣገልጋሊ ኣብርሃም ንይስሃቅ እትኸውን ሰበይቲ ኣብ ምድላይ ዝገበሮ ጻዕሪ: የሆዋ መርሖ። (ዘፍጥረት 24:⁠10-27) እወ: የሆዋ “ንኣብርሃም ብዅሉ ባሪኽዎ ነበረ።” (ዘፍጥረት 24:⁠1) ከም ውጽኢት ናይዚ እምነቱ ጽንዕቲ ነበረት: እቲ ምስ የሆዋ ኣምላኽ ዝነበሮ ዝምድና ኣዝዩ እተቐራረበ ብምንባሩ ኸኣ የሆዋ “ፈታዊየይ” ኢሉ ጸውዖ።​—⁠ኢሳይያስ 41:⁠8፣ ያእቆብ 2:⁠23

13 ንሕናኸ ሎሚ ከምዚኣ ዝበለት ጽንዕቲ እምነት ክትህልወና ትኽእልዶ፧ እወ: ክትህልወና ትኽእል ኢያ። ከም ኣብርሃም ትእዛዛት የሆዋ ብምእዛዝ ንየሆዋ እንተ ፈቲንናዮ ንዓና እውን ክባርኸና ኢዩ እዚ ኸኣ እምነትና ከጽንዓልና ኢዩ። ንኣብነት ንጸብጻብ ናይ 1998 ዓመት ኣገልግሎት ምስ እንምልከት ብዙሓት ነቲ ብስራት ናይ ምስባኽ ትእዛዙ ምስ ሓለዉ ብዘገርም መገዲ ከም እተባረኹ የርእየና።​—⁠ማርቆስ 13:⁠10

ሎሚ ዘሎ ናይ እምነት ጸብጻብ

14. የሆዋ ነቲ ብዜና መንግስቲ ቍ. 35 እተገብረ ወፈራ ዝባረኾ ብኸመይ ኢዩ፧

14 ናብ ጥቅምቲ 1997 ምልስ ኢልና ምስ እንርኢ እቲ ኣብ ብዘላ ዓለም ብዜና መንግስቲ ቍ. 35 እተገብረ ወፈራ ሳላ እቶም ብሚልዮናት ዝቝጸሩ መሰኻኽር በብውልቂ ዘርኣይዎ ቅንእን ምዉቕ ስምዒትን ርኡይ ዓወት ኢዩ ተረኺቡ። ከም ኣብነት ዝውሰድ እቲ ኣብ ጋና ዘጋጠመ ኢዩ። ዳርጋ 2.5 ሚልዮን ቅዳሓት ብኣርባዕተ ቋንቋታት ተዓደለ: ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ 2,000 ዝዀኑ ሰባት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክጅመረሎም ሓተቱ። ኣብ ቆጵሮስ ክልተ መሰኻኽር ዜና መንግስቲ ክዕድሉ ከለዉ ሓደ ቐሺ ይስዕቦም ከም ዝነበረ ኣስተብሃሉ። ቁሩብ ጸኒሖም ከኣ ሓንቲ ቕዳሕ ዜና መንግስቲ ሃብዎ። ቅድሚኡ ተቐቢሉ ነይሩ ኢዩ: ከምዚ ኸኣ በሎም:- “እቲ መልእኽቲ ኣዝዩ ስለ ዝመሰጠኒ ነቶም ዘዳለዉዎ ሰባት ከመስግኖም ኢየ ደልየ።” ኣብ ዴንማርክ 1.5 ሚልዮን ቅዳሓት ዜና መንግስቲ ተዓዲሉ ጽቡቕ ውጽኢት ከኣ ተረኽበ። ኣብታ ሃገር ሓንቲ ኣብ ክፍሊ ህዝባዊ ርክባት እትሰርሕ ሰበይቲ ከምዚ በለት:- “እቲ ትራክት ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝኸውን መልእኽቲ ኣለዎ። ክትርድኦ ቀሊል: ከምኡውን ኣብ ውሽጥኻ ምልዕዓል ዝፈጥር: ዝያዳ ንኽትፈልጥ ባህጊ ዘሕድር ኢዩ። ብሓቂ ነቲ ዝድለ ነጥቢ ዝወቅዕ ኢዩ!”

15. ንሰባት ኣብ ኵሉ ቦታ ንምርካብ ዝግበር ጻዕሪ የሆዋ ከም ዝባረኾ ዘርኢ እንታይ ተመክሮታት ኢዩ፧

15 ብ1998 ንሰባት ኣብ ቤቶም ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ረኺብካ ክስበኸሎም ጻዕሪ ተገይሩ ነይሩ ኢዩ። ኣብ ኮት ዲቭዋር: ሚስዮናውያን ሰብኣይን ሰበይትን ነተን ተዓሺገን ዝነበራ 322 መራኽብ በጽሕወን። ኣብኡ ኸኣ 247 መጻሕፍቲ: 2,284 መጽሔታት: 500 ብሮሹራት: ብኣማእታት ዝቝጸር ትራክት: ከምኡውን እቶም መርከበኛታት ኣብ ባሕሪ ክዀኑ ከለዉ ዝርእይዎ ቪድዮ ካሴታት ዓደሉ። ኣብ ካናዳ ሓደ ምስክር ናብ እንዳ ባትላሜራ ከደ። እቲ ሓው ነቶም ዓማዊል ብጠቕላልኡ ሓደ ሰዓት ጥራይ እኳ እንተ መስከረሎም እቲ ወናኒ ተገዳስነት ስለ ዘርኣየ ንኣርባዕተ ሰዓትን ፈረቓን ኣብኡ ጸንሐ። ኣብ መወዳእትኡ ንሰዓት 10:00 ናይ ምሸት ጽንዓት ክገብሩ መደቡ። ሓድሓደ ግዜ ግን ክሳዕ ፍርቂ ለይቲ እውን እንተዀነ እቲ ጽንዓት ኣይጅመርን ነበረ: ክሳዕ ሰዓት ክልተ ናይ ወጋሕታ ኸኣ ይቕጽል ነበረ። እቲ ሰዓታት ኣሸጋሪ ኢዩ ነይሩ: እንተዀነ ግን ጽቡቕ ውጽኢት ተረኽበ። እቲ ሰብኣይ ኣኼባ ምእንቲ ኽካፈል ነቲ ስርሑ ሰንበት ሰንበት ክዓጽዎ ወሰነ። ሕጂ ንሱን ስድራቤቱን ጽቡቕ ምዕባለ የርእዩ ኣለዉ።

16. እታ ብቕዓት እትብሃል ብሮሹርን መጽሓፍ ፍልጠትን ኣብቲ ናይ ምስባኽን ምምሃርን ዕዮ ሓይሊ ዘለወን መሳርሒታት ምዃነን ዘርኢ እንታይ ተመክሮታት ኢዩ፧

16 እታ ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧ እትብል ብሮሹር ከምኡውን እታ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት እትብሃል መጽሓፍ ኣብቲ ናይ ምስባኽን ምምሃርን ዕዮ ሓያላት መሳርሒ ኢየን። ኣብ ኢጣልያ ሓንቲ ኣውቶቡስ ትጽበ ዝነበረት ድንግል: ቅዳሕ ዜና መንግስቲ ተቐበለት። ንጽብሒቱ እንደገና ምስ ኣዘራረብዋ ነታ ብቕዓት እትብሃል ብሮሹር ተቐበለት። ብድሕሪኡ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ኣብቲ መጸበዪ ኣውቶቡስ ኰይና ካብ 10 ክሳዕ 15 ደቒቕ ጽንዓት ክትገብር ጀመረት። ድሕሪ ሓደ ወርሕን ፈረቓን ካብቲ ገዳም ክትወጽእ እሞ ንዓዳ ናብ ጓተማላ ብምኻድ ድማ ጽንዓታ ክትቅጽል ወሰነት። ኣብ ማላዊ ሓንቲ ሎቢና እተባህለት ኵሉ ግዜ ቤተ-ክርስትያን እትኸይድ ሰበይቲ ደቃ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክገብራ ምስ ጀመራ ኣዝያ ጐሃየት። ምስናይ እዚ ግን እተን ደቃ ብዝከኣለን መጠን ምስ ኣዲአን ብዛዕባ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ይዛረባ ነበራ። ብሰነ 1997 ሎቢና ንመጽሓፍ ፍልጠት ረኣየታ እሞ እቲ “ዝመርሕ ፍልጠት” ዝብል መግለጺ ተገዳስነታ ከም ዝለዓዓል ገበረ። ኣብ ሓምለ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር ተሰማምዐት። ኣብ ነሓሰ ኣውራጃዊ ኣኼባ ተኻፈለት ንብምሉኡ እቲ መደብ ከኣ ብጥንቃቐ ሰምዓቶ። ኣብ መወዳእታ እታ ወርሒ ነታ ዝነበረታ ቤተ-ክርስትያን ሓዲጋ ዘይተጠመቐት ኣስፋሒት ንምዃን በቕዐት። ብሕዳር 1997 ከኣ ተጠምቀት።

17, 18. ናይ ማሕበር ቪድዮ ካሴታት ሰባት ነቲ መንፈሳዊ ነገራት ከም “ዝርእዩ” ንምግባር ጠቐምቲ ምዃነን ብኸመይ ኣረጋጊጸን፧

17 ናይ ማሕበር ቪድዮ ካሴታት ብዙሓት ሰባት ንመንፈሳዊ ነገራት ከም “ዝርእዩ” ገይርዎም ኢዩ። ኣብ ማውሪሸስ ሓደ ሰብኣይ ብምኽንያት እቲ ኣብ ማእከላ ዝነበረ ዘይምስምማዕ ንቤተ-ክርስትያኑ ሓደጋ። ሓደ ሚስዮናዊ ኸኣ ነታ ዩናይትድ ባይ ዲቫይን ቲቺንግ እትብሃል ቪድዮ ካሴት ብምጥቃም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘለዎም ሕብረት ኣርኣዮ። እቲ ሰብኣይ ብምምሳጥ “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ድሮ ኣብ ገነት ኢኹም ዘሎኹም!” በለ። ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክግበረሉ ተሰማምዐ። ሓንቲ ኣብ ጃፓን እትነብር ሓፍቲ ነቲ ዘይኣምን ሰብኣያ እታ ጂሆቫስ ዊትነስስ​—⁠ዘ ኦርጋናይዘሽን ቢሃይንድ ዘ ኔም እትብሃል ቪድዮ ካሴት ኣርኣየቶ: ስርዓታዊ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንኽገብር ከኣ ተለዓዓለ። ነታ ዩናይትድ ባይ ዲቫይን ቲቺን እትብሃል ምስ ረኣየ ኸኣ ናይ የሆዋ ምስክር ክኽውን ደለየ። እታ ሰለስተ ተኸታታሊ ክፍሊ ዘለዋ ዘ ባይብል​—⁠አ ቡክ ኦፍ ፋክት አንድ ፕሮፈሲ እትብሃል ከኣ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታት ኣብ ህይወቱ ንኽትግብር ሓገዘቶ። ኣብ መወዳእታ እታ ጀሆቫስ ዊትነስስ ስታንድ ፈርም አገይንስት ናዚ ኣሶልት እትብሃል ከኣ የሆዋ ነቲ ናይ ሰይጣን መጥቃዕቲ ምእንቲ ክቃወምዎ ንህዝቡ ከም ዘሐይሎም ኣርኣየቶ። እቲ ሰብኣይ ብጥቅምቲ 1997 ተጠምቀ።

18 እዚ ሒደት ካብቲ ኣብዚ ዝሓለፈ ናይ ኣገልግሎት ዓመት እተረኽበ ብዙሕ ተመክሮታት ኢዩ። እዚ ተመክሮታት እዚ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንጥፍቲ እምነት ከም ዘላቶምን የሆዋ ኸኣ ነቲ ንጥፈቶም ብምብራኽ ነዛ እምነት እዚኣ ከም ዘሐይላን የርኢ።​—⁠ያእቆብ 2:⁠17

ሎሚ እምነት ኣማዕብሉ

19. (ሀ) ኵነታትና ካብቲ ናይ ኣብርሃም ዝሓሸ ዝኸውን ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ነቲ ናይ የሱስ መስዋእታዊ ሞት ንምዝካር ዓሚ ክንደይ ተኣኪቦም፧ (ሐ) ዓሚ ሓለፍ ዝበለ ቍጽሪ ተኣከብቲ ዝኽሪ ዝነበረን ሃገራት ኣየኖት ኢየን፧ (ነቲ ካብ ገጽ 12 ክሳዕ 15 ዘሎ ሰሌዳ ርአ።)

19 እዚ ሎሚ ንሕና ዘሎናዮ ኵነታት ብብዙሕ መገዲ ካብቲ ኣብርሃም ዝነበሮ ኵነታት ይበልጽ። ንሕና የሆዋ ኵሉ እቲ ንኣብርሃም እተመባጽዓሉ ነገራት ከም ዝፈጸመሉ ንፈልጥ ኢና። ዘርኢ ኣብርሃም ከነኣን ወሪሶም: ዓቢ ህዝቢ ኸኣ ኰይኖም ኢዮም። (1 ነገስት 4:⁠20፣ እብራውያን 11:⁠12) ኣብ ርእሲ እዚ: ኣብርሃም ካብ ካራን ድሕሪ ምውጽኡ ገለ 1971 ዓመታት ጸኒሑ እቲ ካብ ዘርኡ ዝዀነ የሱስ: መሲሕ ንምዃን በቲ ምሉእ ብመንፈሳዊ ምርዳእ ኸኣ ዘርኢ ኣብርሃም ንምዃን ብዮሃንስ መጥምቕ ብማይ ተጠምቀ: ብድሕርዚ ኸኣ የሆዋ ባዕሉ ብመንፈስ ቅዱስ ቀብኦ። (ማቴዎስ 3:⁠16, 17፣ ገላትያ 3:⁠16) ብ14 ኒሳን 33 ከ.ኣ.ዘ. የሱስ ምእንቲ እቶም ብእኡ ዝኣምኑ ሰባት ህይወቱ በጃ ሃበ። (ማቴዎስ 20:⁠28፣ ዮሃንስ 3:⁠16) ሎሚ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ብእኡ ክባረኹ ኢዮም። ዓሚ ነዚ ድንቂ ዝዀነ ናይ ፍቕሪ ተግባር ንምዝካር ብ14 ኒሳን 13,896,312 ዝዀኑ ሰባት ተኣከቡ። እዝስ ነቲ መብጽዕኡ ዝሕሉ የሆዋ ከመይ ዝበለ መረጋገጺ ኰን ኢዩ!

20, 21. (ሀ) ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ካብ ኵሎም ኣህዛብ ዝዀኑ ብዙሓት ሰባት ብዘርኢ ኣብርሃም እተባረኹ ብኸመይ ኢዮም: ሎሚኸ ዝባረኹ ዘለዉ ብኸመይ ኢዮም፧

20 ኣብቲ ቐዳማይ ክፍለ-ዘበን ካብቶም ስጋውያን እስራኤል ጀሚርካ ብዙሓት ካብ ኵሎም ኣህዛብ በቲ ዘርኢ ኣብርሃም ኣመኑ እሞ ቅቡኣት ደቂ ኣምላኽ: ናይ ሓንቲ ሓዳስ መንፈሳዊት “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” ኣባላት ኰኑ። (ገላትያ 3:⁠26-29፣ 6:⁠16፣ ግብሪ ሃዋርያት 3:⁠25, 26) ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ መጋዝእቲ ክርስቶስ ብምዃን ኣብ ሰማይ ዘይመውት መንፈሳዊ ህይወት ንኽቕበሉ ርግጽ ዝዀነ ትጽቢት ነይርዎም ኢዩ። በዚ መገዲ እዚ ዝባረኹ 144,000 ጥራይ ኢዮም: ገለ ሒደት ካብኦም ተረፍ ኣለዉ። (ራእይ 5:⁠9, 10፣ 7:⁠4) ዓሚ 8,756 ዝዀኑ ሰባት ኣብ በዓል ዝኽሪ ካብቲ ምሳልያዊ ቅጫን ወይንን ብምውሳድ ክፍሊ ናይዚኣቶም ምዃኖም ከም ዝኣምኑ ኣረጋገጹ።

21 ሎሚ ዳርጋ ኵሎም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብቶም ኣብ ራእይ 7:⁠9-17 ብትንቢት ተነጊሩሎም ዘሎ “ዓቢ ጭፍራ” (NW ) ኢዮም። ብየሱስ ኣቢሎም እተባረኹ ስለ ዝዀኑ: ኣብ ገነታዊት ምድሪ ናይ ዘለኣለም ህይወት ናይ ምርካብ ተስፋ ኣለዎም። (ራእይ 21:⁠3-5) እቶም ብ1998 ኣብ ዕዮ ስብከት እተኻፈሉ 5,888,650 ሰባት እዚ ጭፍራ እዚ ብሓቂ “ዓቢ” ከም ዝዀነ መረጋገጺ ኢዮም። ብፍላይ ከኣ ሩስያን ዩክረይንን ንመጀመርታ ግዜ ናይ ልዕሊ 100,000 ኣስፋሕቲ ጸብጻብ ክህባ ምርኣይ ብሓቂ ባህ ዘብል ኢዩ። ሓለፍ ዝበለ ኸኣ እቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብነሓሰ ዝቐረበ ናይ 1,040,283 ኣስፋሕቲ ጸብጻብ ኢዩ! እዚኣተን ካብተን ዓሚ ናይ ልዕሊ 100,000 ኣስፋሕቲ ጸብጻብ ዘቕረባ 19 ሃገራት ሰለስተ ጥራይ ኢየን።

እቲ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ዝፍጸም ተስፋ

22, 23. (ሀ) ሎሚ ልብና ከነጽንዕ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ከምቶም ጳውሎስ ዝጠቐሶም እምነት ዘይነበሮም ሰባት ዘይኰንናስ ከም ኣብርሃም ምዃንና ከነረጋግጽ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

22 እቶም ኣብ በዓል ዝኽሪ እተኣከቡ ሰባት ናብቲ መብጽዓታት የሆዋ ዝፍጸመሉ ግዜ ገጽና ክሳዕ ክንደይ ንስጕም ከም ዘሎና ተዘኻኺሮም ኢዮም። ብ1914 የሱስ ከም ንጉስ ናይ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ተሸይሙ: ብሓይሊ መንግስቱ ዝህልወሉ ግዜ ኸኣ ጀሚሩ ኢዩ። (ማቴዎስ 24:⁠3፣ ራእይ 11:⁠15) እወ: ሕጂ እቲ ዘርኢ ኣብርሃም ኣብ ሰማይ ይገዝእ ኣሎ! ያእቆብ ነቶም ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ ክርስትያናት ከምዚ በሎም:- “ምጽኣት ጐይታ ቐረባ እዩ እሞ: ተዐገሱ: ልብኹምውን ኣጽንዑ።” (ያእቆብ 5:⁠8) ሕጂ እቲ ህላወ እቲ ድሮ ጀሚሩ ኢዩ! ልብና ጽኑዕ ንኽንገብሮ ኣየ ከመይ ዝበለ ተወሳኺ ምኽንያት ኰን ኢዩ!

23 እቲ ኣብ መብጽዓታት ኣምላኽ ዘሎና እምንቶ ብስርዓታዊ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስን ትርጕም ብዘለዎ ጸሎትን ገይርና ብቐጻሊ ነሐድሶ። ቃሉ ብምእዛዝ እንረኽቦ በረኸት የሆዋ ፈጺምና ኣይነቋርጾ። ሽዑ ከምቶም ጳውሎስ ዝጠቐሶም እምነቶም ዝደኸመትን ዝሞተትን ሰባት ዘይኰነስ ከም ኣብርሃም ክንከውን ኢና። ካብታ ኣዝያ ቅድስቲ ዝዀነት እምነትና ዝፈልየና ፈጺሙ ዋላ ሓንቲ ነገር የለን። (ይሁዳ 20) እዚ ኣብ ናይ 1999 ዓመት ኣገልግሎትን ንዘለኣለምን ኣብ ኵሎም ኣገልገልቲ የሆዋ ዝውዕል ክኸውን ጸሎትና ኢዩ።

ትፈልጦዶ፧

◻ ሎሚ ንኣምላኽ ክንሰምዖ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

◻ ካብቲ ናብ ኣምላኽ እነቕርቦ ትርጕም ዘለዎ ጸሎት እንታይ ጥቕሚ ንረክብ፧

◻ ብተኣዛዝነት ነቲ ናይ የሆዋ መምርሒ እንተድኣ ስዒብና: እምነትና ብኸመይ ኢያ እትድልድል፧

◻ ኣብቲ ዓመታዊ ጸብጻብ (ካብ ገጽ 12 ክሳዕ 15) ብፍላይ ኣገዳሲ ኰይኑ ዝረኸብካዮ ኣየናይ መዳይ ኢዩ፧

[ኣብ ገጽ 12-15 ዘሎ ሰሌዳ]

ናይ 1998 ኣገልግሎት ዓመት ዓለምለኻዊ ጸብጻብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር

(See bound volume)

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

ንቓል የሆዋ እንተ ሰሚዕና እቲ ኣብ መብጽዓታቱ ዘሎና እምንቶ ክሕደስ ኢዩ

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ኣገልግሎት ክንጽመድ ከሎና እምነትና ይድልድል ኢዩ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ