‘ብምርኣይ ዘይኰነስ ብእምነት ምምልላስ’
“ብእምነት እምበር: ብምርኣይ ኣይኰንናን እንመላለስ ዘሎና።”—2 ቈረንቶስ 5:7
1. ‘ብእምነት ምምልላስ’ ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧
ምስቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ተገሊጹ ዘሎ መምርሒታት ብምስምማዕ ኣብ እንጽልየሉ እዋን እንተወሓደ ንእሽቶ እምነት ከም ዘላትና ኢና እነርኢ። ንኻልኦት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ክንምስክረሎም ከሎና እውን እምነት ኢና ነርኢ። ህይወትና ንየሆዋ ክንውፊ ከለና ኸኣ ‘ብእምነት ክንመላለስ ’ ማለት ብእምነት ዝምራሕ ህይወት ንኽንስዕብ ባህጊ ከም ዘሎና ኢና መረጋገጺ እንህብ ዘሎና።—2 ቈረንቶስ 5:7፣ ቈሎሴ 1:9, 10
2. ኣብቲ ናይ ጉባኤ ንጥፈታት ምስታፉ ንሓደ ሰብ ግድን እምነት ከም ዘላቶ ዘየረጋግጽ ስለምንታይ ኢዩ፧
2 ብኸምዚ ዝበለ ኣገባብ ክንነብር እንተድኣ ዄንና: ጽቡቕ መሰረት ዘሎዋ እምነት ተድልየና ኢያ። (እብራውያን 11:1, 6) ብዙሓት ሰባት በቲ ኣብ መንጎ መሰኻኽር ዝርእይዎ ልዑል ስነ-ምግባራዊ መለክዒታትን ፍቕርን ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ይስሓቡ ኢዮም። እዚ ጽቡቕ ምጅማር ኢዩ: እንተዀነ ግን ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት እምነት ኣላቶም ማለት ኣይኰነን። ካልኦት ከኣ ጽንዕቲ እምነት ዘላቶ ናይ መርዓ ብጻይ ወይ ወላዲ ይህልዎም ይኸውን: ኣብቲ እቲ ዘፍቅርዎ ሰብ ዝሳተፎ ገለ ገለ ንጥፈታት ከኣ ይሓብሩ ይዀኑ። ሓደ ሰብ ኣብ ቤቱ ከምዚ ዝበለ ጽልዋ ክግበረሉ ብሓቂ በረኸት ኢዩ: እዚ ግን ንኣምላኽ ብሕታዊ ፍቕሪ ንምርኣይን ናይ ብሕቲ እምነት ንምህላውን ዝትክኦ ኣይኰነን።—ሉቃስ 10:27, 28
3. (ሀ) ጽቡቕ መሰረት ዘለዋ እምነት ምእንቲ ከነጥሪ: ብብሕትና ንመጽሓፍ ቅዱስ ዝምልከት እንታይ ምርዳእ ኢዩ ክህልወና ዝግባእ፧ (ለ) ገሊኦም ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ መንፈስ ዝነፈሶ ምዃኑ ካብ ካልኦት ንላዕሊ ቀልጢፎም ዝርድእዎ ስለምንታይ ኢዮም፧
3 እቶም ብሓቂ ብእምነት ዝመላለሱ ሰባት: መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ኣምላኽ ምዃኑ ጽኑዕ ምርዳእ ኣለዎም። ቅዱሳት ጽሑፋት ብርግጽ “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ” ምዃኑ ድማ ኣኽል-ታርፍ መርትዖ ኣሎ።a (2 ጢሞቴዎስ 3:16) ሓደ ሰብ እቲ ቓል መንፈስ ዝነፈሶ ምዃኑ ቅድሚ ምርድኡ ክንደይ ዝኣክል መርትዖ ኢዩ ክምርምር ዘድልዮ፧ እዚ ኣብ ኣተዓባብያኡ እተመርኰሰ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ንሓደ ሰብ ምሉእ ብምሉእ ዘዕግቦ: ንኻልእ ሰብ ዘየእምኖ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣብ ገለ ኵነታት ሓደ ሰብ ክንጸግ ዘይከኣል መርትዖታት ተዋሂብዎ ክነሱ: ኣብቲ ክዉን መደምደምታ ንኽበጽሕ ግን ይተርር ይኸውን። ስለምንታይ፧ ብምኽንያት እቲ ኣብ ውሽጢ ልቡ ተሓቢኡ ዘሎ ድራኸታት ኢዩ። (ኤርምያስ 17:9) በዚ ኸምዚ: ሓደ ሰብ ኣብ ዕላማ ኣምላኽ ተገዳስነት እኳ እንተ ኣርኣየ: ብልቡ ግን ብዓለማውያን ሰባት ተቐባልነት ክረክብ ይደሊ ይኸውን። ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ መዐቀኒታት ዝጋጮ ኣነባብራ ድማ ክገድፍ ዘይደሊ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር: ሓደ ሰብ ብሓቂ ጽምኢ ሓቂ እንተድኣ ኣለዎ: ቅኑዕ: ከምኡውን ትሑት እንተድኣ ዀይኑ: ድሕሪ ገለ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ቃል ኣምላኽ ምዃኑ ክግንዘብ ኢዩ።
4. ሓደ ሰብ እምነት ምእንቲ ኸጥሪ ብወገኑ ክገብሮ ዝሕተት እንታይ ኢዩ፧
4 መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዑ እተሓገዙ ቅኑዕ ልቢ ዘለዎም ሰባት: መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣዋርሕ ጥራይ መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ኣምላኽ ምዃኑ ዘረጋግጽ እኹል መርትዖታት ድሮ ብምምሃሮም የማስዉ ኢዮም። እዚ ብየሆዋ እተማህሩ ንምዃን ኣልባቦም ንኽኸፍቱ እንተድኣ ኣለዓዒልዎም: ውሽጣዊ ሓሳባቶም: ባህግታቶም: ከምኡውን ድራኸታቶም በብቑሩብ በቲ ዝማሃርዎ ነገራት ክቕረጽ ኢዩ። (መዝሙር 143:10) ሮሜ 10:10 ሓደ ሰብ እምነት ዘርኢ “ብልቡ” ከም ዝዀነ ትዛረብ። ከምዚኣ ዝበለት እምነት ኣብ ውሽጡ ብሓቂ እንታይ ከም ዝስምዖ ትገልጽ: ኣብ ኣነባብርኡ ድማ ክትንጸባረቕ ኢያ።
ኖህ ጽቡቕ መሰረት ዘለዋ እምነት ብምሓዝ ኢዩ ተመላሊሱ
5, 6. ናይ ኖህ እምነት ኣብ እንታይ ኢያ ተመስሪታ ነይራ፧
5 ኖህ ጽቡቕ መሰረት ዘለዋ እምነት ዝነበረቶ ሰብ ኢዩ። (እብራውያን 11:7) ከምዚ ዝበለት እምነት ንኸጥሪ እንታይ መሰረት ነበሮ፧ ኖህ ብጽሑፍ መልክዕ ዝቐረበ ዘይኰነስ ብኣፍ እተነግረ ቃል ኣምላኽ ኢዩ ነይርዎ። ዘፍጥረት 6:13 ከምዚ ትብል:- “ኣምላኽ ከኣ ንኖህ በሎ፤ ብሰሮም ምድሪ ዓመጻ መሊኣ እያ እሞ: መወዳእታ ዅሉ ስጋ ኣብ ቅድመይ በጽሔ።” (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) የሆዋ ንኖህ መርከብ ክሰርሕ ኣዘዞ ንኣሰራርሓኣ ዝምልከት ዝርዝራት ድማ ሃቦ። ድሕርዚ ኣምላኽ ወሲኹ ከምዚ በሎ:- “ምእንቲ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ህያው ትንፋስ ዘለዎ ዅሉ ስጋ ኺጠፍእሲ: እንሆ ድማ: ኣነ ማይ ኣይሂ ናብ ምድሪ ኸምጽእ እየ እሞ: ኣብ ምድሪ ዘሎ ዅሉ ኺመውት እዩ።”—ዘፍጥረት 6:14-17
6 ቅድሚ ሽዑ ዘኒሙ ይፈልጥዶ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይነግርን ኢዩ። ዘፍጥረት 2:5 “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ገና ኣየዝነመን ነበረ” ትብል። እዚ ግን እቲ ዘበናት ጸኒሑ ዝነብር ዝነበረ ሙሴ ንግዜ ኖህ ዘይኰነስ ነቲ ነዊሕ እዋን ይገብር ቅድሚኡ ዝነበረ ግዜ ኣመልኪቱ ክዛረብ ከሎ እተጠቕመሉ ኣገባብ ኣገላልጻ ኢዩ። ኣብ ዘፍጥረት 7:4 ተገሊጹ ከም ዘሎ: የሆዋ ምስ ኖህ ክዛረብ ከሎ ዝናም ጠቐሰ: እንታይ ማለቱ ምንባሩ ኖህ ከም እተረድኦ ኸኣ ፍሉጥ ኢዩ። እንተዀነ ግን እምነት ኖህ ኣብቲ ክርእዮ ዝኽእል ዝነበረ ነገር ኣይተመስረተትን። ሃዋርያ ጳውሎስ ኖህ ‘ብዛዕባ እቲ ገና ዘይተራእየ ነገር ራእይ ዝረኣየ’ ምዃኑ ኢዩ ጽሒፉ። ኣምላኽ ኣብ ምድሪ “ማይ ኣይሂ” ወይ ከኣ ኣብ ትርጕም ሓዳስ ዓለም [እንግሊዝኛ] ናይ ዘፍጥረት 6:17 እግረ-ጽሑፍ ከም ዝገልጾ “ናይ ሰማይ ውቅያኖስ” ከም ዘምጽእ ንኖህ ነገሮ። ክሳዕ እቲ ግዜ እቲ ከምዚ ዝበለ ነገር ተፈጺሙ ኣይፈልጥን ኢዩ። ኵሉ እቲ ዝርአ ፍጥረት ግን ኣምላኽ ከምዚ ዝበለ መጥፍኢ ማይ ኣይሂ ከምጽእ ይኽእል ከም ዝነበረ ንኖህ ግሉጽ መርኣያ ኰኖ። ኖህ ብእምነት ተለዓዒሉ ነታ መርከብ ሰርሓ።
7. (ሀ) ኖህ ነቲ ኣምላኽ ዝኣዘዞ ምእንቲ ኽፍጽም እንታይ ኢዩ ዘየድለዮ፧ (ለ) ንእምነት ኖህ ብምምርማር እንጥቀም ብኸመይ ኢና: እምነትና ንኻልኦት በረኸት ክትከውን እትኽእልከ ብኸመይ ኢያ፧
7 ኣምላኽ ንኖህ ማይ ኣይሂ ዝጅምረሉ ዕለት ኣይነገሮን። ኖህ ግን መርከብ ምስራሕን ምስባኽን ኣብ ህይወቱ ካልኣይ ቦታ ብምሃብ ክጸንሕ እሞ ክርእዮ ዝብል ኣመለኻኽታ ንኸሕድር ነዚ ከም መመኽነይታ ኣይተጠቕመሉን። እኹል ግዜ ኸሎ ኣምላኽ ንኖህ ኣብታ መርከብ መዓስ ከም ዝኣቱ ነገሮ። ክሳዕ እቲ ግዜ እቲ ግን: “ኖህ . . . ከምኡ ገበረ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዞ ንዅሉ ነገር ከምኡ ገበረ።” (ዘፍጥረት 6:22) ኖህ ብምርኣይ ዘይኰነስ ብእምነት ኢዩ ተመላሊሱ። ከምኡ ብምግባሩስ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን መማሰውቲ ኢና! ሎሚ ብህይወት ዘሎና ብምኽንያት እምነቱ ኢና። ኣብ ኵነታትና እውን: እታ ንሕና እነርእያ እምነት ናትና መጻኢ ጥራይ ዘይኰነስ ናይ ደቅናን ናይ ካልኦት ኣብ ከባቢና ዘለዉ ሰባትን መጻኢ ኣጸቢቓ እትትንክፍ ኢያ።
ናይ ኣብርሃም እምነት
8, 9. (ሀ) ናይ ኣብርሃም እምነት ኣብ እንታይ ኢያ ተሰሪታ ዝነበረት፧ (ለ) የሆዋ ንኣብርሃም ‘እተራእዮ’ በየናይ መገዲ ኢዩ፧
8 ካልእ ኣብነት ድማ ናይ ኣብርሃም እምነት ርአ። (እብራውያን 11:8-10) ኣብርሃም እምነቱ ኣብ እንታይ ኢዩ ሰሪትዋ ነይሩ፧ እቲ ዝዓበየሉ ከባቢ ኡር ናይ ከለዳውያን ኣምልኾ ጣኦት ዘዘውትርን ፍቕረ-ንዋይ ዝመልኦን ከባቢ ኢዩ ነይሩ። ናይ ኣብርሃም ኣረኣእያ ግን ብኻልእ ጽልዋ ኢዩ ተቐሪጹ። ኣብርሃም 150 ዓመታት ቅድሚ ሴም ወዲ ኖህ ሙማቱ ኢዩ ተወሊዱ። ኣብርሃም: የሆዋ እቲ “ልዑል ኣምላኽ: ጐይታ ሰማይን ምድርን” ምዃኑ ተረዲኡ ነበረ።—ዘፍጥረት 14:22
9 ኣብ ኣብርሃም ዓሚቝ ጽልዋ ዝገበረ ካልእ ነገር እውን ነይሩ ኢዩ። “ኣብርሃም: ገና ኣብ ካራን ከይተቐመጠ ኣብ መሰጶታምያ ኸሎ: ኣምላኽ . . . ተራእዮ እሞ፤ ካብ ምድርኻን ካብ ኣዝማድካን ውጻእ: ናብቲ ኣነ ዘርእየካ ምድሪ ንዓ: በሎ።” (ግብሪ ሃዋርያት 7:2, 3) የሆዋ ንኣብርሃም ‘እተራእዮ’ በየናይ መገዲ ኢዩ፧ ኣብርሃም ንኣምላኽ ብዓይኑ ኣይረኣዮን። (ዘጸኣት 33:20) ይኹን እምበር: የሆዋ ንኣብርሃም ብሕልሚ: ልዕለ-ባህሪ ብዝዀነ መግለጽ ክብሪ: ብመልኣኽ ወይ ካልእ ንዕኡ ዝውክሎ ነገር ገይሩ ተራእይዎ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (ምስ ዘፍጥረት 18:1-3፣ 28:10-15፣ ዘሌዋውያን 9:4, 6, 23, 24 ኣረኣእዮ።) የሆዋ ንኣብርሃም በየናይ መገዲ ከም እተራእዮ ብዘየገድስ: እዚ እሙን ሰብኣይ እዚ ኣምላኽ ኣብ ቅድሚኡ ክቡር መሰል የቕርበሉ ከም ዝነበረ እምንቶ ነበሮ። ኣብርሃም ብእምነት ኢዩ ተመላሊሱ።
10. የሆዋ ንእምነት ኣብርሃም ዘጽንዓ ብኸመይ ኢዩ፧
10 እምነት ኣብርሃም: ብዛዕባ እታ ኣምላኽ ናብኣ ዝመርሖ ዝነበረ ሃገር ዝርዝር ሓበሬታ ኣብ ምርካብ እተመርኰሰት ኣይነበረትን። እታ ሃገር መዓስ ከም እትውሃቦ ኣብ ምፍላጥ እተጸግዐት እውን ኣይነበረትን። እምነት ዘርኣየ ንየሆዋ ከም ኵሉ ዝኽእል ኣምላኽ ይፈልጦ ስለ ዝነበረ ኢዩ። (ዘጸኣት 6:3) የሆዋ ንኣብርሃም ዘርኢ ክህልዎ ምዃኑ ነጊርዎ ነይሩ ኢዩ: ሓድሓደ ግዜ ግን ኣብርሃም እዚ ከመይ ኢሉ ክኸውን ከም ዝኽእል ደንጽይዎ ነይሩ ኢዩ። እናኣረገ ኢዩ ዝኸይድ ነይሩ። (ዘፍጥረት 15:3, 4) የሆዋ ንኣብርሃም ንከዋኽብቲ ክጥምት እሞ ዝኽእል እንተ ዀይኑ ኸኣ ክቘጽሮም ብምንጋር ንእምነት ኣብርሃም ኣጽኒዕዋ ኢዩ። ኣምላኽ ድማ “ዘርእኻውን ከምኡ ኪኸውን እዩ” በሎ። ኣብርሃም ኣዝዩ ተተንከፈ። ፈጣሪ ናይቲ ዘደንቕ ሰማያዊ ኣካላት ነቲ እተመባጽዖ ክፍጽም ከም ዝኽእል ፍሉጥ ኢዩ ነይሩ። ኣብርሃም ‘ብእግዚኣብሄር ኣመነ።’ (ዘፍጥረት 15:5, 6) ኣብርሃም እቲ ዝሰምዖ ባህ ስለ ዝበሎ ጥራይ ኣይኣመነን፣ ጽቡቕ መሰረት ዘለዋ እምነት ኢያ ነይራቶ።
11. (ሀ) ኣብርሃም 100 ዓመት ክገብር ምስ ቀረበ: ነቲ እታ ኣሪጋ ዝነበረት ሳራ ወዲ ኽትወልድ ምዃና ዝገልጽ መብጽዓ ኣምላኽ ብኸመይ መለሰሉ፧ (ለ) ኣብርሃም ነቲ ናብ ከረን ሞርያ ከይዱ ወዱ ምስዋእ ዝሓቶ ዝነበረ ፈተና እንታይ ዝዓይነታ እምነት ብምሓዝ ኢዩ እተጋጠሞ፧
11 ኣብርሃም ወዲ 100 ዓመት: ሳራ ሰበይቱ ኸኣ ጓል 90 ዓመት ክዀኑ ምስ ቀረቡ: ኣብርሃም ወዲ ከም ዝወልድ ሳራ ድማ ኣደ ከም እትኸውን የሆዋ እንደገና ተመባጽዐ። ኣብርሃም ምኽንያታዊ ብዝዀነ መገዲ ብዛዕባ ኵነታቶም ሓሰበ። “ግናኸ ንኣምላኽ ክብሪ እናሀበ ንምእማን በርትዔ እምበር: ነታ ተስፋ ኣምላኽ ብዘይምእማኑ ኣይ ተዋላወለን። ነታ ዝሀቦ ተስፋ ኺገብራውን ክእለት ከም ዘለዎ: ኣጸቢቑ ተረዲኡ ነበረ።” (ሮሜ 4:19-21) ኣብርሃም ተስፋ ኣምላኽ ክፈሽል ከም ዘይክእል ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። ጸኒሑ: ኣምላኽ ንወዱ ናብ ምድሪ ሞርያ ክወስዶ እሞ ክስውኦ ክነግሮ ኸሎ ኣብርሃም እምነት ስለ ዝነበረቶ ተኣዘዘ። (ዘፍጥረት 22:1-12) ኣብርሃም ነቲ ወዲ ብተኣምራት ከም ዝውለድ ክገብር ዝኸኣለ ኣምላኽ: ምስቲ ወዲ እቲ እተተሓሓዘ ተወሳኺ መብጽዓታት ንምፍጻም ናብ ህይወት ክመልሶ ከም ዝኽእል ምሉእ እምንቶ ነበሮ።—እብራውያን 11:17-19
12. ኣብርሃም ብእምነት ምምልላስ ዝቐጸለ ንኽንደይ እዋን ኢዩ: ንዕኡን ነቶም ጽንዕቲ እምነት ዘርኣዩ ኣባላት ስድራቤቱንከ እንታይ ዓስቢ ኢዩ ዝጽበዮም ዘሎ፧
12 ኣብርሃም ኣብ ገለ ገለ ኵነታት ጥራይ ዘይኰነስ: ኣብ ምሉእ ህይወቱ ብእምነት ይምራሕ ከም ዝነበረ ኣርእዩ ኢዩ። ኣብርሃም ብህይወቱ ኸሎ ገለ ክፋል ናይታ ምድሪ ተስፋ እውን ይኹን ርስቲ ክዀኖ ካብ ኣምላኽ ኣይተቐበለን። (ግብሪ ሃዋርያት 7:5) እንተዀነ ግን: ኣብርሃም ተሓሊሉ ናብ ኡር ናይ ከለዳውያን ኣይተመልሰን። ክሳዕ ግዜ ሞቱ ን100 ዓመት: ኣብቲ ኣምላኽ መሪሑ ዝወሰዶ ሃገር ኣብ ድንኳናት ተቐመጠ። (ዘፍጥረት 25:7) ንዕኡን ንሰበይቱ ሳራን ወዶም ይስሃቅን ወድወዶም ያእቆብን ኣመልኪታ እብራውያን 11:16 ከምዚ ትብል:- “ኣምላኽ: ከተማ ኣዳሊዉሎም አሎ እሞ: ኣምላኾም ኪብሀል ብኣታቶም ኣይሐፍርን እዩ።” እወ: የሆዋ ኣብቲ ምድራዊ ግዝኣት ናይታ መሲሓዊት መንግስቱ ንዕኦም ዝኸውን ቦታ ኣሎዎ።
13. ካብዞም ሎሚ ዘለዉ ኣገልገልቲ የሆዋ መን ኢዮም ልክዕ ከም ናይ ኣብርሃም ዝኣመሰለት እምነት ከም ዘላቶም መረጋገጺ ዝህቡ፧
13 ሎሚ ኣብ መንጎ ኣገልገልቲ የሆዋ ከም ኣብርሃም ዝኣመሰሉ ሰባት ኣለዉ። ንብዙሕ ዓመታት ብእምነት ተመላሊሶም ኢዮም። በቲ ኣምላኽ ዝህቦም ሓይሊ: ክንዲ ኸረን ንዝኸውን ጸገማት ተዋጺኦምሉ ኢዮም። (ማቴዎስ 17:20) ኣምላኽ እቲ እተመባጽዖ ርስቲ መዓስ ከም ዝህቦም ብዘይምፍላጦም ካብ እምነቶም ሰንከልከል ኣይብሉን ኢዮም። ቃል የሆዋ ክፈሽል ከም ዘይክእል ይፈልጡ ኢዮም: ምስ መሰኻኽሩ ክትቍጸር ከኣ ብዋጋ ዘይሽነን መሰል ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎ። ከምዚ ድዩ ዝስምዓካ፧
እታ ንሙሴ ዘለዓዓለቶ እምነት
14. ናይ ሙሴ እምነት መሰረታ እተነብረ ብኸመይ ኢዩ፧
14 ካልእ ናይ እምነት ኣብነት ሙሴ ኢዩ። መሰረት እምነቱ እንታይ ኢዩ ነይሩ፧ ካብ ቍልዕነቱ ኢዩ ጀሚሩ። ጓል ፈርኦን ንሙሴ ኣብ ገማግም ርባ ኒል ኣብ ናይ ሻምብቆ ሳጹን ረኺባ ወዳ ክዀና እኳ እንተ ወሰደቶ: ኣብቲ ናይ መጀመርታ ዓመታት ዘጥበዎቶን እተኸናኸነቶንሲ ዮካቤድ እታ እብራዊት ኣዲኡ ኢያ ነይራ። ዮካቤድ ፍቕሪ የሆዋን ሞሳ ናይቲ የሆዋ ንኣብርሃም ዝሃቦ መብጽዓታትን ከም ዝሰርጾ ብምግባር ጽቡቕ ገይራ ከም ዝማሃረቶ ርዱእ ኢዩ። ጸኒሑ: ሙሴ ከም ኣባል ቤት ፈርኦን መጠን “ኵሉ ጥበብ ግብጻውያን ተማህረ።” (ግብሪ ሃዋርያት 7:20-22፣ ዘጸኣት 2:1-10፣ 6:20፣ እብራውያን 11:23) ሙሴ ክቡር ቦታ እኳ እንተ ነበሮ: ልቡ ግን ምስቶም ኣብ ባርነት ዝነበሩ ህዝቢ ኣምላኽ ኢዩ ነይሩ።
15. ምስ ህዝቢ የሆዋ ምሕባር ክበሃል ከሎ ንሙሴ እንታይ ማለት ኢዩ ነይሩ፧
15 ኣብ መበል 40 ዓመቱ ሙሴ ንሓደ ዝዕመጽ ዝነበረ እስራኤላዊ ንምድሓን ንሓደ ግብጻዊ ቀተሎ። እዚ ፍጻመ እዚ ሙሴ ንህዝቢ ኣምላኽ ብኸመይ ይርእዮም ምንባሩ ዝሕብር ኢዩ። አረ: ‘ምስ ዓበየስ ወዲ ጓል ፈርኦን ከይበሃል ብእምነት ኣብዩ ኢዩ።’ ከም ኣባል ናይ ግብጺ ቤተ-መንግስቲ መጠን ናብቲ “ንጊዜኡ ብሓጢኣት ባህ” ዘብሎ ነገራት ኣብ ክንዲ ዝጠብቕ: ምስቶም መከራ ዝጸግቡ ዝነበሩ ህዝቢ ኣምላኽ ክሓብር ብእምነት ተለዓዓለ።—እብራውያን 11:24, 25፣ ግብሪ ሃዋርያት 7:23-25
16. (ሀ) የሆዋ ንሙሴ እንታይ መዝነት ኢዩ ዝሃቦ: ኣምላኽከ ብኸመይ ሓገዞ፧ (ለ) ሙሴ ነቲ እተዋህቦ መዝነት ኣብ ምፍጻም ብኸመይ ኢዩ እምነት ዘርኣየ፧
16 ሙሴ ንህዝቡ ዕረፍቲ ምእንቲ ኸምጽእ ስጕምቲ ክወስድ ህንጡይ ኢዩ ነይሩ: እንተዀነ ግን እቲ ኣምላኽ ንህዝቡ ዘድሕነሉ ግዜ ገና ኣይኣኸለን ነበረ። ሙሴ ካብ ግብጺ ክሃድም ነበሮ። የሆዋ ብሓደ መልኣኽ ገይሩ ሙሴ ናብ ግብጺ ክምለስ እሞ ንእስራኤላውያን መሪሑ ከውጽኦም ዝጸወዖ ዳርጋ 40 ዓመታት ጸኒሑ ኢዩ። (ዘጸኣት 3:2-10) ሙሴ ብኸመይ መለሰ፧ የሆዋ ንእስራኤል ከድሕኖም ክእለት ከም ዘለዎ ምጥርጣር ኣየርኣየን: እንተዀነ ግን ነቲ ኣምላኽ ኣብ ቅድሚኡ ዘንበረሉ ግደ ዝበቅዕ ኰይኑ ኣይተሰምዖን። የሆዋ ብፍቕሪ እቲ ንሙሴ ዘድልዮ ዝነበረ ምትብባዕ ሃቦ። (ዘጸኣት 3:11– 4:17) እምነት ሙሴ ጸንዐት። ናብ ግብጺ ተመልሰ: እስራኤላውያን ንየሆዋ ከምልኹ ብዘይምስዳዱ ኣብ ልዕሊ ግብጺ ብዛዕባ ዝወርድ መዓት ድማ ንንጉስ ፈርኦን ገጽ ንገጽ ደጋጊሙ የጠንቅቖ ነበረ። ሙሴ ነዚ መዓታት እዚ ንምፍጻም ናይ ገዛእ ርእሱ ሓይሊ ኣይነበሮን። ብእምነት እምበር ብምርኣይ ኣይተመላለሰን። እምነቱ ኣብ የሆዋን ኣብ ቃሉን ኢዩ ነይሩ። ፈርኦን ንሙሴ ኣፈራርሖ። ሙሴ ግን ጸኒዑ ቀጸለ። “ነቲ ዘይርኤስ ከም ዚርእዮ ዀይኑ ተዐጊሱ ጸንዔ እሞ: ነቲ ዅራ ንጉስ ከይፈርሄ: ብእምነት ንግብጺ ሐደጋ።” (እብራውያን 11:27) ሙሴ ፍጹም ኣይነበረን። ይጋገ ነይሩ ኢዩ። (ዘሁልቍ 20:7-12) ብኣምላኽ ድሕሪ ምምዛዙ ግን: ኵሉ ኣነባብርኡ ብእምነት ይምራሕ ነበረ።
17. ኖህ: ኣብርሃም: ከምኡውን ሙሴ ነታ ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም ኣይርኣይዋ ድኣ እምበር: ብእምነት ምምልላሶም እንታይ ውጽኢት ከም ዝረኽቡ ኢዩ ገይሩ፧
17 እምነትካ ከም ናይ ኖህ: ኣብርሃም: ከምኡውን ሙሴ እትኸውን ይግበራ። ሓቂ ኢዩ: ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም ኣብ ግዜኦም ኣይረኣይዋን። (እብራውያን 11:39) እቲ ናይ ኣምላኽ ምዱብ ግዜ ገና ኣይኣኸለን ነበረ፣ ገና ክፍጸም ዘድልዮ ዝነበረ ካልእ መዳያት ናይ ዕላምኡ ነይሩ ኢዩ። እንተዀነ ግን እቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝነበሮም እምነት ሰንከልከል ኣይበለን: ስሞም ከኣ ኣብቲ ናይ ኣምላኽ መጽሓፍ ህይወት ኣሎ።
18. ነቶም ናብ ሰማያዊ ህይወት እተጸውዑ: ብእምነት ክመላለሱ ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧
18 ሃዋርያ ጳውሎስ “ኣምላኽ ብዛዕባና ዚሐይሽ ስለ ዝሐለየ” ኢሉ ጸሓፈ። እዚ ኸኣ: ነቶም ከም ሃዋርያ ጳውሎስ ዝኣመሰሉ ምስ ክርስቶስ ንሰማያዊ ህይወት እተጸውዑ ሰባት ዝሓይሽ ነገር ኣቐዲሙ ርእዩ ማለት ኢዩ። (እብራውያን 11:40) ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ “ብእምነት እምበር: ብምርኣይ ኣይኰንናን እንመላለስ” ዝብል: ኣብ 2 ቈረንቶስ 5:7 ተመዝጊቡ ዘሎ ቃላት ክጽሕፍ ከሎ: ብፍላይ ኣብ ሓሳቡ ዝነበሩ ሰባት እዚኣቶም ኢዮም። እዚ ኣብ እተጻሕፈሉ ግዜ ዋላ ሓደ ካብኣቶም ሰማያዊ ዓስቡ ዝረኸበ ኣይነበረን። ብስጋዊ ኣዒንቶም ክርእይዎ ኣይክእሉን ኢዮም ነይሮም: እቲ ኣብኡ ዝነበሮም እምነት ግን ጽቡቕ መሰረት ዝነበሮ ኢዩ ነይሩ። ክርስቶስ ከም በዅሪ ናይቶም ሰማያዊ ህይወት ዝረኽቡ ኰይኑ ካብ ምዉታት ተንሲኡ ነበረ። ናብ ሰማይ ቅድሚ ምዕራጉ ኸኣ ልዕሊ 500 ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ርእዮምዎ ኢዮም። (1 ቈረንቶስ 15:3-8) ምሉእ ህይወቶም በቲ እምነት እቲ ንኽመርሕዎ እኹል ምኽንያት ነይርዎም ኢዩ። ንሕና እውን ብእምነት ንኽንመላለስ ብቑዕ ምኽንያት ኣሎና።
19. ኣብ እብራውያን 1:1, 2 ተገሊጹ ከም ዘሎ: ኣምላኽ ብመን ኣቢሉ ኢዩ እተዛረበና፧
19 ሎሚ የሆዋ ከምቲ ንሙሴ ካብ ማእከል ቈጥቋጥ ብሃልሃልታ ሓዊ ብሓደ መልኣኽ ኣቢሉ እተዛረቦ ንህዝቡ ኣይዛረቦምን ኢዩ። ብወዱ ኣቢሉ ተዛሪቡ ኢዩ። (እብራውያን 1:1, 2) እቲ ብእኡ ኣቢሉ እተዛረቦ ነገራት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ መዝጊብዎ ኣሎ: እዚ ኸኣ ናብ ቋንቋ ናይቶም ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዉ ህዝብታት ተተርጒሙ ኣሎ።
20. ኵነታትና ካብቲ ናይ ኖህ: ኣብርሃም: ከምኡውን ናይ ሙሴ ኣዝዩ ዝበልጽ ብኸመይ ኢዩ፧
20 ካብቲ ኖህ: ኣብርሃም: ወይ ከኣ ሙሴ ዝነበሮም ዝዛይድ ኢዩ ዘሎና። ምሉእ ቃል ኣምላኽ ኣሎና: ዝበዝሕ ካብኡ ኸኣ ድሮ ተፈጺሙ ኢዩ። ንዅሉ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቶም ኵሉ ዓይነት ፈተናታት እናኣጋጠሞም እሙናት መሰኻኽር ናይ የሆዋ ምዃኖም ዘረጋገጹ ሰባት ዝብሎ ኣብ ግምት ብምእታው: እብራውያን 12:1 ከምዚ ብምባል ትምሕጸን:- “ንዅሉ ዚኸብደናን ነቲ [“ብቐሊሉ:” NW ] ዚጠብቀና ሓጢኣትን ነርሕቕ: በቲ ኣብ ቀድሜና ተሐንጺጹልና ዘሎ መቀዳደሚ ኸኣ ብትዕግስቲ ንጕየ።” እምነትና ሸለል እትብሃል ነገር ኣይኰነትን። እቲ ‘ብቐሊሉ ዝጠብቀና ሓጢኣት:’ እምነት ምጕዳል ኢዩ። ‘ብእምነት ምምልላስ’ ክንቅጽል እንተድኣ ዄንና: ብርቱዕ ቃልሲ ክሓተና ኢዩ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ነታ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት መጽሓፍ ቅዱስ —ቃል ኣምላኽ ድዩ ወይስ ቃል ሰብ፧ እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ርአ።
እንታይ ሓሳብ ምሃብካ፧
◻ ‘ብእምነት ምምልላስ’ ክበሃል ከሎ እንታይ ይሓትት፧
◻ ኖህ እምነት ብምርኣዩ ክንጥቀም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
◻ እቲ ኣብርሃም እምነት ዘርኣየሉ መገዲ ዝሕግዘና ብኸመይ ኢዩ፧
◻ መጽሓፍ ቅዱስ ንሙሴ ከም ናይ እምነት ኣብነት ዝጠቕሶ ስለምንታይ ኢዩ፧
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]
ኣብርሃም ብእምነት ተመላለሰ
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]
ሙሴን ኣሮንን ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ምስ ቀረቡ እምነት ኣርእዮም ኢዮም