ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w99 15/1 ገጽ 3-4
  • ኣብቲ ዝበለጸ መገዲ ህይወት ዝሓበሩ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብቲ ዝበለጸ መገዲ ህይወት ዝሓበሩ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ስድራቤት የሆዋ ክቡር ሓድነት ተስተማቕር
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ሓድነት—መለለዪ ናይ ሓቂ ኣምልኾ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ናይ ሓቂ ክርስትያናዊ ሓድነት ብኸመይ እዩ ዝርከብ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
  • ኣብዚ ግዜና ዘሎ ሓድነት ኣምልኾ እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዎ፧
    ነቲ ሓደ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣምልኽ
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
w99 15/1 ገጽ 3-4

ኣብቲ ዝበለጸ መገዲ ህይወት ዝሓበሩ

ብዝሒ ህዝቢ ዓለም ከምዚ ዝውስኾ ዘሎ እንተድኣ ቐጺሉ: ድሕሪ ሓጺር ግዜ ኣብ ምድሪ ሽዱሽተ ቢልዮን ህዝቢ ክህሉ ኢዩ። ኵሎም ካብ ሓደ ዘርኢ ዝመጹ እኳ እንተዀኑ: መብዛሕትኦም ሰባት ናይ ሓደ ዓለምለኻዊ ስድራቤት ኣባላት ከም ዝዀኑን ኣብ ቅድሚ ሓደ ጥበበኛን ፈቃርን ፈጣሪ ኸኣ ተሓተቲ ምዃኖምን ኣፍልጦ ኣይህብሉን ኢዮም። ነዚ ዘጕሂ ኵነታት እዚ መረጋገጺ ዝኸውን ከኣ እቲ ኣብ መንጎ ሃገራትን ዓሌታትን ባህልታትን ዝርአ ዘጕሂ ምፍልላይን ጽልእን ኢዩ።

ነዚ ሕጂ ዘሎ ናይ ዓለም ኵነታት ኣብ ግምት ኣእቲኻ ክርአ ኸሎ: ዓለምለኻዊ ሓድነት ክብጻሕ ዘይክኣል ሸቶ ይመስል ይኸውን። ዘ ኮሎምብያ ሂስትሪ ኦቭ ዘ ዎርልድ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ከመይ ገይርካ ብሓድነት ክንበር ከም ዝከኣል ንዝቐርብ ኣዝዩ ኣገዳሲ ሕቶታት: እዛ ዓለም እዚኣ ክትህቦ እትኽእል ሓድሽ ሓሳብ ፈጺሙ የብላን።”

ይኹን እምበር: ኣብ ኵሎም ተቐማጦ ምድሪ ሓድነት ከም ዝህሉ ንምግባር ሓድሽ ሓሳብ ምምጻእ ዘድሊ ኣይኰነን። ናብ ሓድነት ዝመርሕ መገዲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተሰሪዑ ኣሎ። ነቲ ንምድርን ንዅሉ እቲ ኣብኣ ዘሎ ነገራትን ዝፈጠረ ኣምላኽ ኣብ ምምላኽ እተመርኰሰ ኢዩ። ብሓሳብን ዕላማን መገዲ ህይወትን ናይ ሓቂ ሓድነት ድሮ ኣብ ማእከል ህዝቢ ኣምላኽ ይርአ ኣሎ። እዞም ቍጽሮም ልዕሊ ሓሙሽተ ሚልዮንን ፈረቓን ዝበጽሕ ኣብ ልዕሊ 233 ሃገራት ዝነብሩ ሰባት: ናይ ኣምላኽ መገዲ ህይወት እቲ ዝበለጸ መገዲ ምዃኑ ኣሚኖም ብምቕባሎም ሓቢሮም ኣለዉ። ልክዕ ከምቲ ጸሓፍ መዝሙር ከኣ “ዎ እግዚኣብሄር: ብሓቅኻ ምእንቲ ኽመላለስ: መገድኻ ምሀረኒ: ስምካ ኽፈርህሲ: ንልበይ ኣዳልዎ” ብምባል ይጽልዩ።​—⁠መዝሙር 86:⁠11

ሓድነት ናይዞም ኣብ ጽሩይ ኣምልኾ ዝሓበሩ ህዝቢ ነዊሕ ዓመታት ይገብር ኣቐዲሙ ብነብዪ ኢሳይያስ ተነጊሩ ነይሩ ኢዩ። ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:- “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ኪኸውን እዩ: ናይ ቤት እግዚኣብሄር ከረን ኣብ ርእሲ ኣኽራን ኪቐውም: ኣብ ልዕሊ ዅድዅዶታት ድማ ልዕል ኪብል: ኵሎም ኣህዛብውን ናብኡ ኺውሕዙ እዮም። . . . ብዙሓት ህዝብታት ኪኸዱ፤ ንዑናይ ናብ ከረን እግዚኣብሄር: ናብ ቤት ኣምላኽ ያእቆብ ንደይብ: ንሱ ጐደናታቱ ኺምህረና: ብመገድታቱውን ክንመላለስ ኢና: ድማ ኪብሉ እዮም።”​—ኢሳይያስ 2:​2, 3

ሓድነት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ፍሉይ ኢዩ። ኣብተን ኣብ መላእ ዓለም ዘለዋ ልዕሊ 87,000 ዝዀና ጉባኤታት ሰሙን ሰሙን ኣብ ዝገብርዎ ኣኼባታት ሓደ ዓይነት መንፈሳዊ መግቢ ይካፈሉ። (ማቴዎስ 24:⁠45-47) ምስናይዚውን: እዞም መሰኻኽር እዚኣቶም ካብ መፋርቕ 1998 ክሳዕ መጀመርታ ናይ 1999 ንሓድነቶም ብኻልእ መገዲ ገሊጾምዎ ኢዮም። እዚ ኸኣ ኣብቲ ኣብ መላእ ዓለም እተኻየደ ሰለስተ መዓልቲ ዝወሰደ “ናይ ኣምላኽ መገዲ ህይወት” ዘርእስቱ ዓበይቲ ኣኼባታት ብምእካብ ኢዮም ኣርእዮምዎ። ኣብ 13 ሃገራት: እዚ ኣኼባታት እዚ: ካብ እተፈላለየ ዓድታት ዝመጹ ብዙሓት ልኡኻት ዝሓቘፈ ኢዩ ነይሩ: ኣህጉራዊ ኣኼባታት ተባሂሉ ድማ ይጽዋዕ። እቲ ኻልእ ድማ ኣውራጃዊ ኣኼባታት ተባሂሉ ይጽዋዕ። እንተዀነ ግን ኵሉ እዚ ኣኼባታት እዚ: ሓደ ዓይነት ፕሮግራም ዘለዎ መንፈሳዊ ሰናይ ነገራት ኢዩ ኣቕሪቡ።

ሕጉሳትን ጽቡቕ ክዳን እተኸድኑን ተኣከብቲ ብየሆዋ ክመሃሩ ናብ ኣደራሻትን ስታድዩማትን ክውሕዙ ከለዉ ክትርእስ ኣየ ክንደይ ዘሐጕስ ኰን ኢዩ ነይሩ! ሓደ ኣብነት ንምጥቃስ ከኣ ኣብቲ ኣብ ሚሺጋን: ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እተገብረ ኣህጉራዊ ኣኼባ እተኻፈለት ሓንቲ ልእኽቲ ዝሃበቶ ሓሳብ ኢዩ። ከምዚ ኸኣ በለት:- “ካብ ምሉእ ዓለም ማለት ካብ ሪፓብሊክ ቼክ: ባርባዶስ: ናይጀርያ: ሃንጋሪ: ዓዲ እንግሊዝ: ሆላንድ: ኢትዮጵያ: ኬንያን ካልኦት ብዙሓት ሃገራትን ዝመጹ ኣሕዋትና ነንሓድሕዶም ክሰዓዓሙ ክትርኢ ኣዝዩ ዘሐጕስ ኢዩ ነይሩ! ካብቲ ኣብ ንሓድሕዶምን ነቲ ዓቢ ኣምላኾም የሆዋን ዘለዎም ፍቕሪ እተላዕለ ናይ ሓጐስ ንብዓት እናነብዑ ኣሕዋት ሓቢሮም ክትርእስ ባህ ዘብል ኢዩ ነይሩ።” ነቲ ኣብ ብዘላ ምድሪ ዘለዉ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት እተሓጐስሉ ናይቲ ዓቢ ኣኼባ ፕሮግራም ኣብዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ ሓደ ብሓደ ክንርእዮ ኢና።

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Mountain High Maps® Copyright © 1997 Digital Wisdom, Inc.

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ