ካልኦት ንምኽርኻ ይቕበልዎዶ ኢዮም፧
ብግቡእ እተዋህበ ሰናይ ምኽሪ ኵሉ ግዜ ጽቡቕ ፍረ ኣለዎ። እዚ ኣበሃህላ እዚ ቅኑዕ ድዩ፧ ቅኑዕ ኣይኰነን! ብኽኢላታት መኸርቲ እተዋህበ ብሉጽ ምኽሪ እውን ከይተረፈ ሸለል ይበሃል ወይ ድማ ይንጸግ ኢዩ።—ምሳሌ 29:19
የሆዋ ነቲ ንሓዉ ኣቤል ዝጸልእ ዝነበረ ቃየል ኣብ ዝመኸረሉ እዋን ከምዚ ዝኣመሰለ ነገር ኣጋጢሙ ኢዩ። (ዘፍጥረት 4:3-5) ኣምላኽ ነቲ ኣብ ቅድሚ ቃየል ዝነበረ ሓደጋ ብምርዳእ “ስለምንታይ ኰሬኻ፧ ስለምንታይከ ገጽካ ጸለመ፧ ጽቡቕ እንተ ትገብርሲ: ገጽካዶ ትኽ ኣይምበለን፧ ጽቡቕ እንተ ዘይገበርካ ድማ: ሓጢኣት ኣብ ኣፍደገ ትቃጸወካ አላ: ሃረርታኣውን ናባኻ እዩ: ግናኸ ንስኻ ክትገዝኣ ይግብኣካ” በሎ።—ዘፍጥረት 4:6, 7
ስለዚ ኸኣ ኢዩ የሆዋ: ቃየል ኣብ ሓዉ ቂም ምሓዝ እንተድኣ ቀጺሉ ሓጢኣት ንኽትጎብጦ ትቃጸዎ ከም ዘላ ገይሩ እተዛረበ። (ምስ ያእቆብ 1:14, 15 ኣረኣእዮ።) ቃየል ሓደገኛ መገዲ ኣብ ክንዲ ዝስዕብ: ኣረኣእይኡ ቀይሩ ‘ጽቡቕ ንኽገብር’ ገና ግዜ ነይርዎ ኢዩ። እቲ ዘሕዝን ግን: ቃየል ነቲ ምኽሪ ኣየቕለበሉን። ንምኽሪ የሆዋ ነጸጎ: ሓደገኛ ሳዕቤን ከኣ ኣምጽኣሉ።
ገለ ሰባት ቂም ብምሓዝ ንዝዀነ ይኹን ዓይነት ምኽሪ ይነጽግዎ ኢዮም። (ምሳሌ 1:22-30) እቲ ምኽሪ እተነጽገሉ ምኽንያት ጕድለት ናይቲ መኻሪ ዶዀን ይኸውን፧ (እዮብ 38:2) ኣታ ምኽሪ እትህብከ ካልኦት ነቲ ምኽሪ ክቕበልዎ ከም ዝኸብዶም ትገብሮዶ ኢኻ፧ ሰብኣዊ ዘይፍጽምና ነቲ ኵነታት ብሓቂ ኣጸጋሚ ከም ዝኸውን ይገብሮ ኢዩ። ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተጠንቂቕካ ብምስዓብ ግን ነቲ ከጋጥም ዝኽእል ሓደጋ ክትንክዮ ትኽእል ኢኻ። ገለ ካብዚ እስከ ንርኣዮ።
‘ብህዱእ መንፈስ ገይርካ ምቕናዕ’
“ኣሕዋተየ: ሰብ ብሓደ በደል እንተ ተታሕዘ: ነዚ ኸምዚ ዝበለ: ንስኻትኩም መንፈሳውያን [“መንፈሳዊ ብቕዓት ዘለኩም: ” “NW ” ]: ብህዱእ መንፈስ ጌርኩም ኣቕንዕዎ። ንስኻውን ከይትፍተን: ንርእስኻ ተጠንቀቕ።” (ገላትያ 6:1) ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም “መንፈሳዊ ብቕዓት” ዘለዎም ሓደ ክርስትያን “ብሓደ በደል እንተ ተታሕዘ” ከቕንዕዎ ክጽዕሩ ከም ዘለዎም ሓበረ። ሓድሓደ ግዜ እቶም ብቕዓት ዘይብሎም ሰባት ምኽሪ ንምሃብ ዝያዳ ድሌት ዘለዎም ይመስል። ስለዚ ንኻልኦት ንምምካር ኣይትተሃወኽ። (ምሳሌ 10:19፣ ያእቆብ 1:19፣ 3:1) ምኽሪ ምሃብ ብቐዳምነት ሓላፍነት ናይቶም መንፈሳዊ ብቕዓት ዘለዎም ናይ ጉባኤ ሽማግለታት ኢዩ። ልክዕ ኢዩ: ዝዀነ ብሱል ክርስትያን ሓደ ሓው ናብ ሓደገኛ ኵነታት ገጹ ከምርሕ ምስ ዝርእዮ ከጠንቅቖ ኣለዎ።
ምኽሪ ወይ ማዕዳ ክትህብ እንተድኣ ዄንካ: እቲ እትዛረቦ ኣብ ሰብኣዊ ክልሰ-ሓሳብ ወይ ፍልስፍናታት ዘይኰነስ ኣብ ኣምላኻዊ ጥበብ እተመርኰሰ ምዃኑ ኣረጋግጽ። (ቈሎሴ 2:8) ከምቲ ሓደ ጥንቁቕ ከሻኒ ዝጥቀመሉ ቀመማት ጥዑይ: ካብ ዝዀነ ይኹን ጐዳኢ ክኸውን ዝኽእል ነገር ከኣ ናጻ ምዃኑ ዘረጋግጽ: ንስኻውን ተጠንቀቕ። እትህቦ ምኽሪ ኣብ ናይ ብሕትኻ ኣረኣእያ ዘይኰነስ ኣጸቢቑ ኣብ ቃል ኣምላኽ እተመስረተ ምዃኑ ኣረጋግጽ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17) ከምዚ ምስ እትገብር: እቲ እትህቦ ምኽሪ ንዋላ ሓደ ሰብ ከም ዘይጐድእ ከተረጋግጽ ትኽእል ኢኻ።
ዕላማ ናይቲ ምኽሪ ነቲ እተጋገየ ሰብ ‘ንምቕናዕ’ ድኣ እምበር: ብሓይሊ ንኽልወጥ ጸቕጢ ንምግባር ኣይኰነን። እታ ‘ምቕናዕ’ ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል ምስቲ ተወሳኺ ጕድኣት ከየስዕብ ኢልካ ንዝሞለቐ ዓጽሚ ናብ ቦትኡ ምምላስ እተመልክት ቃል እትዛመድ ኢያ። እቲ ኣዳላዊ መዝገበ-ቃላት ዳብሊው. ኢ. ቫይን ከም ዝበሎ ኸኣ እታ ቃል “ኣብቲ መስርሕ ትዕግስትን ተስፋ ዘይምቝራጽን ኣድላዪ ምዃኑ” እውን ትሕብር ኢያ። ዘየድሊ ቃንዛ ከየጋጥም ንዝግበር ጥንቃቐን ብልሓትን እሞ ሕስብ ኣብሎ። ብተመሳሳሊ ኸኣ እቲ ምኽሪ ዝህብ ነቲ ዝምከር ዘሎ ንኸይጐድኦ ኣዝዩ ክጥንቀቕ የድልዮ ኢዩ። እዚ ሓደ ሰብ ምኽሪ ክትህቦ ምስ ዝሓተካ እውን ከይተረፈ ከቢድ ኢዩ። ከይተሓተትካ ምኽሪ ክትህብ ምስ እትደሊ ድማ ካብኡ ንላዕሊ ዝያዳ ክእለትን ሜላን ይሓትት።
ንዝዀነ ይኹን ዝምከር ዘሎ ሰብ ምስ እትጐስዮ ‘ከተቕንዖ’ ኣይትኽእልን ኢኻ። ከምዚ ካብ ምግባር ምእንቲ ክትድሕን ‘ምሕረት ልቢ: ለውሃት: ትሕትና: ዓቕሊ: ትዕግስቲ’ ምንጽብራቕ ኣድላዪ ምዃኑ ኣይትረስዕ። (ቈሎሴ 3:12) ሓደ ሓኪም ዘይዕጉስን ዘይህዱእን እንተ ዀይኑ: እቲ ሕሙም ነቲ ምኽሩ ሸለል ይብሎ ከምኡውን ሕክምና ደልዩ ኣይምለሶን ይኸውን።
እዚ ግን እቲ ምኽሪ ትርር ዝበለ ክኸውን የብሉን ማለት ኣይኰነን። የሱስ ነተን ኣብ ኣውራጃ እስያ ዝነበራ ሸውዓተ ጉባኤታት ተሪር ምኽሪ ኢዩ ሂብወን። (ራእይ 1:4፣ 3:1-22) ክሰምዕዎን ኣብ ግብሪ ከውዕልዎን ዘድልዮም ዝነበረ ቀጥታዊ ምኽሪ ሂብዎም ኢዩ። እቲ የሱስ ምኽሪ ኣብ ምሃብ ዘርእዮ ዝነበረ ትርር ምባል ግን ነቲ ናይ ሰማያዊ ኣቡኡ ናይ ፍቕሪ መንፈስ ብምንጽብራቕ ኵሉ ግዜ ብኸም ድንጋጸን ሕያውነትን ዝኣመሰለ ባህርያት እተሰነየ ኢዩ ነይሩ።—መዝሙር 23:1- 6፣ ዮሃንስ 10:7-15
ብሕያውነት ምምካር
“ንነፍሲ ወከፍ ከም ዚግባእ ከመይ ጌርኩም ክትመልሱ ምእንቲ ኽትፈልጡ: ዘረባኹም ብጨው እተቓመመ ዅሉ ሳዕ ብጸጋ [“ብሕያውነት: ” “NW ”] ይኹን።” (ቈሎሴ 4:6) ጨው ነቲ ጣዕሚ ናይ መግቢ ብምውሳኽ: ከም ዝምቅር ይገብሮ ኢዩ። ምኽርኻ ኸኣ ተቐባልነት ዘለዎ ምእንቲ ክኸውን: ‘ብጨው እተቓመመን ብሕያውነትን’ ኰይኑ ክወሃብ ኣለዎ። ይኹን እምበር: መግቢ እቲ ዝበለጸ ቀመማት ኣትይዎ ክነሱ: ብጽቡቕ ከይዳሎ ይኽእል ወይ ከኣ ኣቀራርባኡ ደስ ዘየብል ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እዚ ኸኣ ናይ ዋላ ሓደ ሰብ ሸውሃት ኣይከፍትን ኢዩ። አረ ደስ ዘየብል ምስ ዝኸውንሲ ሓንቲ ኵላሶ እውን ከይተረፈት ንምውሓጥ ኣሸጋሪት ክትከውን ትኽእል ኢያ።
ምኽሪ ኣብ እትህበሉ እዋን: እቲ ቕኑዕ ቃል ምምራጽ ኣድላዪ ኢዩ። እቲ ጥበበኛ ዝነበረ ሰብኣይ ሰሎሞን “ብግቡእ ጊዜ እተዘርበ ቓል ከም ሮማን ወርቂ ኣብ ጻሕሊ ብሩር እዩ” በለ። (ምሳሌ 25:11) ከምዚ ክብል ከሎ ኣብ ሓሳቡ ደስ ዘብል ሮማን ወርቂ ዝሓዘ ብጽቡቕ እተቐርጸ መትሓዚ ብሩር ነይሩ ይኸውን። እዚ ንኽትርእዮ ኣዝዩ ጽቡቕ ኰይኑ: ከም ህያብ ክትቅበሎ ኸኣ ባህ ዘብል ኢዩ! ብተመሳሳሊ ብጥንቃቐን ሕያውነትን እተመርጸ ቃላት ነቲ ክትሕግዞ እትጽዕር ዘሎኻ ሰብ ባህ ከብሎ ይኽእል ኢዩ።—መክብብ 12:9, 10
“ተሪር ቃል ግን ኵራ የልዕል።” (ምሳሌ 15:1) ብዘይግቡእ እትጥቀመሎም ቃላት ኣብ ክንዲ ምስጋና: ብቐሊሉ ጓህን ቍጥዓን ከስዕብ ይኽእል ኢዩ። ኣረ ብሕማቕ እተዘውትሮ ቃላት ጥራይ ዘይኰነስ: እቲ እንጥቀመሉ ቃና እውን ከይተረፈ ነቲ ሰብ ንሰናይ ምኽሪ ከም ዝነጽጎ ክገብሮ ይኽእል ኢዩ። ሜላ ብዘይብሉን ስምዒት ናይቲ ሰብ ኣብ ግምት ከየእተኻን ዝወሃብ ምኽሪ ዘስዕቦ ጕድአት ልክዕ ከምቲ ንሓደ ሰብ ብኲናት ምውጋእ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ምሳሌ 12:18 “ከም ዚቘርጽ ሰይፊ ገይሩ ዚዛረብ ሰብ አሎ” ይብል። ንሓደ ሰብ ብዘይ ሓልዮት ብምዝራብ ስለምንታይ ምኽሪ ንምቕባል ከም ዝኸብዶ እንገብር፧—ምሳሌ 12:15
ከምቲ ሰሎሞን ዝበሎ: ምኽሪ ኣብ ‘ግቡእ ጊዜ እተዘርበ’ ክኸውን ኣለዎ። ምኽሪ ዕዉት ክኸውን እንተ ዀይኑ እቲ ምኽሪ ዝወሃበሉ ግዜ ምምራጽ ኣዝዩ ኣድላዪ ኢዩ! ሸውሃቱ እተዓጽወ ሰብ ንመግቢ ከም ዘየማስወሉ ርዱእ ኢዩ። ኣቐድም ኣቢሉ ብዙሕ በሊዑ ወይ ድማ ሓሚሙ ይኸውን። ንሓደ ዘይደለየ ሰብ ብሓይሊ ከም ዝበልዕ ምግባር ጥበባዊ ኣይኰነን: ተቐባልነት ከኣ የብሉን።
ብትሕትና ምምካር
“ሓጐሰይ መልኡ። ሓንቲ እኳ ንርእሰይ ይጥዐመኒ ብምባል ወይስ ንውዳሴ ኸንቱ ኣይትግበሩ: ብትሕትና ግን እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ኻብ ርእሱ ኣብሊጹ ይርአዮ። ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ድማ እምበር: ነፍሲ ወከፍ ንርእሱ ዚሔሾ ኣይጠምት።” (ፊልጲ 2:2-4) ንፉዕ መኻሪ እንተ ዄንካ: ንናይ ካልኦት ድሕንነት ኢልካ ‘ዝሓይሽ ንምጥማት’ ክትድረኽ ኢኻ። ካልኦት ካባኻ ከም ዝበልጹ ብምስትውዓል: ምስ መንፈሳውያን ኣሕዋትን ኣሓትን ክትራኸብ ከሎኻ ‘ትሕትና’ ከተርኢ ኢኻ። እዚኸ እንታይ ማለት ኢዩ፧
ትሕትና ኣብ ኣረኣእያኻ ይኹን ቃና ድምጽኻ ጃህራ ንኸይትጥቀም ከተዕቍበካ ኢያ። ዋላ ሓደ ካባና ካብ ኣመንቲ ብጾቱ ዝበልጽ ኰይኑ ከም ዝስምዖ ዝገብሮ ነገር የብሉን። ነፍሲ ወከፍና ብተደጋጋሚ ንጋገ ኢና። ልቢ ሰብ ከተንብብ ስለ ዘይትኽእል: ናይቲ እትመኽሮ ሰብ ድራኸታት ዘይምፍራድ ብፍላይ ኣገዳሲ ኢዩ። ዝዀነ ይኹን ሕማቕ ድራኸ ዘይብሉ: ነቲ ጌጋ ኣረኣእያኡ ወይ ተግባሩ ኸኣ ዘየስተብሃለሉ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ነቲ ኣምላኽ ዝደልዮ ብቕዓታት ከም ዝጠሓሰ እንተ ኣስተባህለ እውን: ብዛዕባ መንፈሳዊ ድሕንነቱ ብሓቂ ከም እትግደስ ብምርኣይ ብትሕትና ዝወሃብ ምኽሪ ንኽቕበሎ ዝያዳ ከም ዝቐሎ ጥርጥር የብሉን።
ኣብ ሓደ ቦታ ምሳሕ ተዓዲምካ ምስ ከድካ እቲ ዝዓደመካ ሰብ ጽቡቕ ገይሩ ምስ ዘይቅበለካን ምስ ዝዀርዓልካን ከመይ ከም ዝስምዓካ እሞ ሕስብ ኣብሎ! ባህ ኢሉካ ከም ዘይትበልዕ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ብርግጽ “ካብ ስቡሕ ብዕራይ ምስ ጽልኢ: ጻሕሊ ሓምሊ ምስ ፍቕሪ ይሐይሽ።” (ምሳሌ 15:17) ብተመሳሳሊ: እቲ ምኽሪ ዝህብ ሰብ ነቲ ዝመኽሮ ዘሎ ከም ዝጸልኦ እንተድኣ ኣርእይዎ ወይ እንተ ኣናኢስዎን ኣሕፊርዎን እቲ ዝበለጸ ምኽሪ እውን ከይተረፈ ንምቕባሉ ከቢድ ኢዩ ዝኸውን። ፍቐሪ: ንሓድሕድካ ምክብባር: ከምኡውን ምትእምማን ምኽሪ ንኽትህብ ኰነ ንኽትቅበል ዝቐለለ ዝገብሮ ኢዩ።—ቈሎሴ 3:14
ተቐባልነት ዝረኸበ ምኽሪ
ነብዪ ናታን ንንጉስ ዳዊት ክመኽሮ ከሎ ትሕትና ኣርእዩ ኢዩ። እቲ ናታን ዝበሎን ዝገበሮን ነገራት ንዳዊት የፍቅሮን የኽብሮን ከም ዝነበረ ዘርኢ ኢዩ። ናታን ነቲ ዳዊት ምኽሪ ንምስማዕ ከም ዝኸብዶ ዝገብር ነገራት ኣብ ግምት ብዘእቱ ምሳሌ ጀመረ። (2 ሳሙኤል 12:1-4) ሽሕ እኳ ዳዊት ኣብቲ ምስ ባትሴባ ዝፈጸሞ ተግባር ፍትሕን ጽድቅን እንተ ዘየርኣየ: እቲ ነብዪ: ነቲ ዳዊት ነዚ ባህርያት እዚ ዘለዎ ፍቕሪ ምኽሪ ንምሃብ ተጠቕመሉ። (2 ሳሙኤል 11:2-27) ትርጕም ናይቲ ምሳሌ ምስ ተረድአ ዳዊት ካብ ልቡ “ንእግዚኣብሄር በደልኩ” ብምባል መለሰ። (2 ሳሙኤል 12:7-13) ዳዊት ከምቲ ንየሆዋ ዘይሰምዖ ቃየል ዘይኰነስ: ብትሕትና ምኽሪ ተቐቢሉ ኢዩ።
የሆዋ ነቲ ናይ ዳዊት ዘይፍጽምናን ከርእዮ ዝኽእል ዝነበረ መልሰ-ግብርን ኣብ ግምት ንኸእቱ ንናታን መሪሕዎ ኢዩ። ናታን ብሜላ ኢዩ ምኽሪ ሂቡ። ዳዊት ብየሆዋ እተቐብአ ንጉስ ከም ምዃኑ መጠን ካብኡ ከም ዝበልጽ ገይሩ ከም ዝወሰዶ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ምኽሪ ንምሃብ ገለ ሓላፍነት ዘሎካ እንተ ዄንካ: እቲ እትህቦ ምኽሪ ግቡእ ክኸውን ይኽእል ኢዩ: ትሕትና እንተ ዘየርኢኻ ግን እቲ ሰብ ንኽቕበሎ ከቢድ ኢዩ ዝዀኖ።
ናታን ንዳዊት ብህዱእ መንፈስ ኣቕኒዕዎ ኢዩ። ዳዊት ንገዛእ ርእሱ ብዝጠቅም መገዲ ምእንቲ ክቕበሎ: ናይቲ ነብዪ ቃላት ሕያውነት ዘለዎን ብጥንቃቐ እተመርጸን ኢዩ ነይሩ። ናታን ጥቕሚ ገዛእ ርእሱ ንምርካብ ኣይተለዓዓለን: ስነ-ምግባራዊ ይኹን መንፈሳዊ ጸብለልታ ዘለዎ ኰይኑ ክቐርብ እውን ኣይፈተነን። ኣየ እዝስ እቲ ቅኑዕ ቃላት ብዝግባእ መገዲ ከነውስእ ከም ዘሎና ዘርኢ ከመይ ዝበለ ሰናይ ኣብነት ኰን ኢዩ! ንስኻ እውን ተመሳሳሊ መንፈስ ምስ እተርኢ: ካልኦት ነቲ እትህቦ ምኽሪ ከም ዝቕበልዎ ፍሉጥ ኢዩ።
[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ስእሊ]
ልክዕ ከምቲ መኣዛ ዘለዎ መግቢ: እትህቦ ምኽሪ ሃናጺ ክኸውን ኣለዎ
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]
እቲ እትህቦ ምኽሪ: ልክዕ ከም ሮማን ወርቂ ኣብ ጻሕሊ ብሩር ደስ ዘብል ትገብሮ ዲኻ፧
[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]
ነብዪ ናታን ነቲ ዳዊት ንፍትሕን ጽድቅን ዝነበሮ ፍቕሪ: ምኽሪ ንምሃብ ብትሕትና ተጠቕመሉ