ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w99 1/2 ገጽ 30-31
  • “የሆዋ” ወይስ “ያህወህ”፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “የሆዋ” ወይስ “ያህወህ”፧
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መበገሲ ናይቲ ኽትዕ ምፍላጥ
  • ስም እንታይ ኢዩ ሒዙ ዘሎ፧
  • ኣደማምጻ ስም ኣምላኽ ብትኽክል ዘይፍለጥ እንተ ዀይኑ፡ ስለምንታይ ምጥቃም ኣድለየ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ስም ኣምላኽ —ትርጕሙን ኣደማምጽኡን
    መለኮታዊ ስም
  • የሆዋ መን እዩ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሀ4 ኣሰዃዅዓ መለኮታዊ ስም ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ
    መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
w99 1/2 ገጽ 30-31

“የሆዋ” ወይስ “ያህወህ”፧

“ሕውስዋስ:” “እተሓናፈጸ ቓል:” “ዘይእመን።” ነቶም ምሁራት ናይቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተጻሕፈሉ እብራይስጢ ከምዚ ዝኣመሰለ ተሪር ስያመታት ክጥቀሙ ዘለዓዓሎም እንታይ ኢዩ፧ ዘካትዕ ዝነበረ እቲ “ጂሆቫ” ዝብል ናይ እንግሊዝኛ ኣደማምጻ ስም ኣምላኽ: ቅኑዕ ድዩ ኣይኰነን ዝብል ነጥቢ ኢዩ። ንልዕሊ ሚእቲ ዓመት: እዚ ክትዕ እዚ ኣዝዩ ኣስፋሕፊሑ ጸኒሑ ኢዩ። ሎሚ መብዛሕትኦም ምሁራት ነቲ “ያህወህ” ዝብል ክልተ መዳምጽቲ ዘለዎ ስም ዝመርጹ ኢዮም ዝመስሉ። እቲ “የሆዋ” ዝብል ኣደማምጻ ግን ብሓቂ “ዘይእመን” ድዩ፧

መበገሲ ናይቲ ኽትዕ ምፍላጥ

ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ: ኣምላኽ ባዕሉ ስሙ ንደቅሰብ ገለጸሎም። (ዘጸኣት 3:⁠15 NW ) እቶም ናይ ጥንቲ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ነዚ ስም እዚ ከይተሰከፉ ከም እተጠቕምሉ ቅዱስ ጽሑፋዊ መርትዖ ይሕብር ኢዩ። (ዘፍጥረት 12:⁠8 NW፣ ሩት 2:⁠4 NW ) ካልኦት ህዝብታት እውን ንስም ኣምላኽ ይፈልጥዎ ነበሩ። (እያሱ 2:⁠9 NW ) ብፍላይ እቶም ካብ ምርኮ ባቢሎን እተመልሱ ኣይሁድ ምስቶም ካብ ሓያሎ ህዝብታት ዝመጹ ሰባት ምስ ተራኸቡ እዚ ሓቂ ኢዩ ነይሩ። (መዝሙር 96:⁠2-10፣ ኢሳይያስ 12:⁠4፣ ሚልክያስ 1:⁠11) ዘ ኢንተርፕረተርስ ዲክሽነሪ ኦቭ ዘ ባይብል ዝበሃል መዝገበ-ቃላት “ኣብቲ ኣይሁድ ካብ ምርኮ እተመልስሉ እዋን ብዙሓት ወጻእተኛታት በቲ ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት ተማሪኾም ከም ዝነበሩ ዝገልጽ ጕሉሕ መርትዖ ኣሎ” ይብል። ይኹን እምበር: ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ንስም ኣምላኽ ዝምልከት ናይ ሓሶት እምነት ማዕበለ። ኣብ መወዳእትኡ ድማ ኣይሁድ ስም ኣምላኽ ብግልጺ ምጥቃም ኣቋሪጾም ጥራይ ዘይኰነስ ገሊኦም እቲ ስም እቲ ፈጺምካ ከይድመጽ ከልከሉ። በዚ ኸምዚ እቲ ቕኑዕ ኣደማምጽኡ ጠፍአ: ግንከ ምሉእ ብምሉእ ድዩ ጠፊኡ፧

ስም እንታይ ኢዩ ሒዙ ዘሎ፧

ኣብ ቋንቋ እብራይስጢ: ስም ኣምላኽ ብፊደላት יהוה ኢዩ ተጻሒፉ። እዘን ካብ የማን ናብ ጸጋም ዝንበባ ኣርባዕተ ፊደላት እዚኣተን ብሰፊሑ ቴትራግራማተን ተባሂለን ኢየን ዝጽውዓ። ሓያሎ ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሰ ናይ ሰባትን ቦታታትን ኣስማት ሓጺር ኣጸሓሕፋ ናይቲ መለኮታዊ ስም ሒዙ ይርከብ። እዚ ቅኑዕ ኣደማምጻ ዘለዎ ኣስማት እዚ ስም ኣምላኽ ብኸመይ ይድመጽ ከም ዝነበረ ገለ ኣፋፍኖት ክህብ ይኽእልዶ ኢዩ፧

ብመሰረት እቲ ካብ ናይ ዌስለይ ቲኦሎጂካል ሰሚናሪ: ዋሺንግተን ዲ.ሲ. ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጥሮታ ዝወጸ ፕሮፌሰር ጆርጅ ቡቻናን እቲ መልሲ እወ ዝብል ኢዩ። ከምዚ ኢሉ ድማ ይገልጽ:- “ኣብ ግዜ ጥንቲ: መብዛሕትኡ ግዜ ወለዲ ንደቆም ካብቲ ናይ ኣምላኾም ኣስማት ወሲዶም ይጽውዕዎም ነበሩ። እዚ ድማ ነቲ ናይ ደቆም ኣስማት በቲ ናይ ኣምላኾም ስም ዝድመጸሉ መገዲ ገይሮም የድምጽዎ ነይሮም ማለት ኢዩ። እተን ቴትራግራማተን እውን ኣብ ናይ ሰባት ኣስማት ኣትየን ኢየን: ኵሉ ግዜ ድማ ኣብ ማእከል እቲ ኣድማጺ ኢየን ዝኣትዋ ነይረን።”

ካብቲ ሓጺር ኣጸሓሕፋ ስም ኣምላኽ ዝሓዘ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ቅኑዕ ኣደማምጻ ዘለዎ ኣስማት ሒደት ኣብነት ርአ። ፕሮፌሰር ቡቻናን እቲ ኣብ ናይ እብራይስጢ መጽሓፍ ቅዱስ ዮህ .ና.ታን ʹ ወይ የሆህ .ና.ታን ʹ ተባሂሉ ዘሎ ዮናታን ዝብል ስም “ያሆ ወይ ያሆዋ ሃበ” ማለት ኢዩ ይብል። እቲ ናይ ነብዪ ኤልያስ ስም ኣብ እብራይስጢ ʼኤ.ሊ.ያህ ʹ ወይ ʼኤ.ሊ.ያ ʹሁ ዝብል ኢዩ። ብመሰረት ፕሮፌሰር ቡቻናን እዚ ስም እዚ “ኣምላኸይ ያሁ ወይ ያሁ -ዋህ ኢዩ” ማለት ኢዩ። ብተመሳሳሊ: እቲ ዮሳፋጥ ዝብል ናይ እብራይስጢ ስም የሆህ -ሻ.ፋት ʹ ዝብል ኰይኑ “ያሆ ፈራዲ ኢዩ” ዝብል ትርጕም ድማ ኣለዎ።

እቲ ኦ ዝብል ኣብ ስም ኣምላኽ ዝርከብ ኣድማጺ ኣብቲ ከም “ያህወህ” ዝኣመሰለ ክልተ መዳምጽቲ ዘለዎ ናይ ቴትራግራማተን ኣደማምጻ ኣይርከብን ኢዩ። እንተዀነ ግን እዚ ኣብ ማእከል ዝርከብ ኣድማጺ ኣብቲ ካብ መለኮታዊ ስም እተወስደ ሓያሎ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣስማት ማለት ኣብ ከም የሆ ናታንን ዮ ናታንን (Jehonathan and Jonathan) ዝኣመሰለ ቀንድን ሓጺር ኣጸሓሕፋን ናይቲ ስም ይርከብ ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ፕሮፌሰር ቡቻናን ብዛዕባ እቲ መለኮታዊ ስም ከምዚ ይብል:- “እቲ ኡ ወይ ኦ ዝብል ኣድማጺ ፊደል ዝእለየሉ መገዲ የለን። ሓድሓደ ግዜ እቲ ቓል ‘ያ’ ተባሂሉ ብሓጺር ይጽሓፍ ነይሩ ኢዩ። ‘ያ-ወህ’ ብዝብል ግን ተጻሒፉ ኣይፈልጥን። . . . እቲ ቴትራግራማተን ብሓደ መዳምጽቲ ምስ ዝድመጽ: ‘ያህ’ ወይ ‘ዮ’ ኢዩ ዝኸውን ነይሩ። ብሰለስተ መዳምጽቲ ምስ ዝድመጽ ድማ: ‘ያሆዋህ’ ወይ ‘ያሁዋህ’ ዝብል ምዀነ ነይሩ። ብኽልተ መዳምጽቲ ብሓጺር ተገሊጹ ነይሩ እንተ ዝኸውን: ‘ያሆ’ ምዀነ ነይሩ።”​—⁠ቢብሊካል ኣርኪኦሎጂ ሪቪው (እንግሊዝኛ)

እዚ ርእይቶ እዚ ነቲ ኣብ መበል 19 ክፍለ-ዘበን ዝነበረ ጋዛኒዮስ ዝበሃል ኣይሁዳዊ ምሁር ነቲ ኣብታ ሂብሪው አንድ ቻልዲ ሌክሲከን ቱ ዘ ኦልድ ተስታመንት ስክሪፕቸርስ እትበሃል መጽሓፉ (እንግሊዝኛ) ዝበሎ ሓሳባት ንኽንርድኦ ይሕግዘና ኢዩ:- “እቶም እቲ יְהוָֹה [የ-ሆ-ዋህ] ዝብል ስም ናይ ሓቂ ኣደማምጻ [ስም ኣምላኽ] ኢዩ ኢሎም ዝሓስቡ ሰባት ንርእይትኦም ዝጣበቕሉ መሰረት ፈጺሞም ዘይብሎም ኣይኰኑን። ንስም ኣምላኽ ከምዚ ገይርካ ምድማጹ ነቲ ሓያሎ ቅኑዕ ኣደማምጻ ዘለዎ ኣስማት ዝጅምረሉ יְהוֹ [የ-ሆ] ከምኡውን יוֹ [ዮ] ዝብል ብሓጺር እተጻሕፈ መዳምጽቲ ዝያዳ ብዘዕግብ መገዲ ክግለጽ ይከኣል ኢዩ።”

እንተዀነ ግን: ኤቨረት ፎክስ ኣብ መእተዊ ናይቲ ዘ ፋይቭ ቡክስ ኦቭ ሞሰስ ዝበሃል ኣብዚ ቐረባ ግዜ ዘውጽኦ ትርጕም (እንግሊዝኛ) ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ነቲ ‘ቅኑዕ’ ኣደማምጻ ናይ እብራይስጢ ስም [ኣምላኽ] ንምርካብ እተገብረ ናይ ቅድም ይኹን ሓድሽ ፈተነ ኣይተዓወተን፣ እቲ ሓድሓደ ግዜ ዝስማዕ ‘የሆዋ’ ይኹን እቲ ምሁራት ዝብልዎ ‘ያህወህ’ ዝብል ስም ከም ናይ መወዳእታ መረጋገጺ ገይርካ ክውሰድ ኣይከኣልን ኢዩ።”

እቲ ናይ ምሁራት ክትዕ ክቕጽል ምዃኑ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ማሶራውያን ኣድማጺ ፊደል ቅድሚ ምምዕባሎም ኢዮም ኣይሁድ ንስም ናይቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ምድማጽ ዘቋረጹ። ስለዚ ኸኣ: ነቲ የሀወሀ (יהוה) ዝብል ተደማጺ እዚ ኣድማጺ እዚ ኢዩ ዘሰንዮ ነይሩ ኢልካ እተረጋግጸሉ ዋላ ሓንቲ መገዲ የለን። እንተዀነ ግን: እቲ ቕኑዕ ኣደማምጽኡ ፈጺሙ ከም ዘይጠፍአ ፍሉጥ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣስማት ብዛዕባ እቲ ጥንታዊ ኣደማምጻ ስም ኣምላኽ ጭቡጥ ኣፋፍኖት ይህብ ኢዩ። ነዚ ሓቂ እዚ ኣብ ግምት ብምእታው: ገለ ምሁራት እቲ “የሆዋ” ዝብል ኣደማምጻ እንተ ወሓደ “ዘይእመን” ከም ዘይኰነ ይሰማምዑ ኢዮም።

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእልታት]

“የሆዋ  ” እቲ ኣዝዩ ፍሉጥ ኣደማምጻ ስም ኣምላኽ ኰይኑ ጸኒሑ ኢዩ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ