ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ዝሓበራ ብዙሓት ውሉዳት ዘለዉወን ስድራቤታት
እቲ ጸሓፍ መዝሙር ከምዚ በለ:- “ውሉድ ውህበት እግዚኣብሄር እዮም: ፍረ ኸርሲ ኸኣ ዓስቢ እዩ። ከምቲ ኣብ ኢድ ጅግና ዘሎ ፍላጻ: ውሉድ ንእስነት ከምኡ እዮም። ጕልድባኡ ብእኦም ዝመልኤ ሰብኣይ ብጹእ እዩ።”—መዝሙር 127:3-5
እወ: ቈልዑ በረኸት የሆዋ ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። ልክዕ ከምቲ መንታጊ ፍላጻ ነቲ ኣብ ጕልድባኡ ዘሎ ፍላጻታት ዒላምኡ ከም ዝወቅዕ ብምግባሩ ዕግበት ዝረክብ: ወለዲ እውን ንደቆም ናብቲ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ መገዲ ምስ ዘቕንዕዎም ይሕጐሱ ኢዮም።—ማቴዎስ 7:14
ቅድሚ ነዊሕ ግዜ: ‘ጕልድባአን’ ብብዙሓት ቈልዑ ‘ዝመልኣ’ ስድራቤታት ኣብ ማእከል ህዝቢ ኣምላኽ ክህልዋ ልሙድ ኢዩ ነይሩ። ንኣብነት: ብዛዕባ እተን ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ምርኮ ግብጺ ዝነበሩለን ዓመታት እሞ ሕሰብ:- “ደቂ እስራኤል ተፋረዩ: ሰሰኑ: በዝሑ ድማ። ኣዝዮም ከኣ በርትዑ: እታ ሃገርውን ብእኦም መልኤት።” (ዘጸኣት 1:7) ነቲ እስራኤልውያን ናብ ግብጺ ክኣትዉ ኸለዉ ምስቲ ካብ ግብጺ ክወጹ ኸለዉ ዝነበሮም ብዝሒ ምስ እነነጻጽሮ ዓሰርተ ቘልዑ ዘለዉወን ስድራቤታት ልሙድ ከም ዝነበረ ይሕብር ኢዩ!
ጸኒሑውን የሱስ ኣብ ሓንቲ ንሓያሎ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝነብሩ ሰባት ብዙሓት ውሉዳት ዘለዉዋ ኰይና ክትስምዖም እትኽእል ስድራቤት ኢዩ ዓብዩ። የሱስ በዅሪ ኢዩ ነይሩ: ዮሴፍን ማርያምን ግን ካልኦት ኣርባዕተ ኣወዳትን ገለ ኣዋልድን ነይሮሞም ኢዮም። (ማቴዎስ 13:54-56) የሱስ ምስኦም ከም ዘየለ ከይተገንዘቡ ካብ የሩሳሌም ንምምላስ ጕዕዞ ምጅማሮም ድማ ብዙሓት ቈልዑ ከም ዝነበሮም ክገልጸልና ይኽእል ኢዩ።—ሉቃስ 2:42-46
ሎሚ ብዙሓት ውሉዳት ዘለዉወን ስድራቤታት
ሎሚ ብዙሓት ክርስትያናት ብመንፈሳዊ: ቍጠባዊ: ማሕበራውን ካልእ ምኽንያታትን ብዙሓት ቈልዑ ከይወልዱ ይውስኑ ኢዮም። እንተዀነ ግን: ኣብ ሓያሎ ሕብረተሰብ ብዙሓት ውሉዳት ዘለዉወን ስድራቤታት ክህልዋ ልሙድ ኢዩ። ብመሰረት ዘ ስተይት ኦቭ ዘ ዎርልድስ ችልድረን 1997 (እንግሊዝኛ) ዝለዓለ ናይ ምውላድ መጠን ዘለወን ከባቢታት እተን ደቡብ ካብ ሰሃራ ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ ኢየን። ኣብዚ ከባቢ እዚ: ሓንቲ ተራ ሰበይቲ ሽዱሽተ ቘልዑ ትወልድ።
ነቶም ብዙሓት ውሉዳት ዘለዎም ክርስትያን ወለዲ: ደቆም ንየሆዋ ከም ዘፍቅሩ ገይሮም ከዕብይዎም ቀሊል ኣይኰነን: ብዙሓት ግን ከምዚ ኣብ ምግባር ይዕወቱ ኣለዉ። ዓወት ድማ ኣብቲ እታ ስድራቤት ኣብ ጽሩይ ኣምልኾ ንምሕባር እትገብሮ ጻዕሪ እተመርኰሰ ኢዩ። እቲ ንጉባኤ ቈረንቶስ እተባህለላ ቃላት ሃዋርያ ጳውሎስ ልክዕ በቲ ሽዑ ዝነበሮ ሓይሊ ኣብዘን ሎሚ ዘለዋ ክርስትያን ስድራቤታት ይውዕል ኢዩ። “ኣሕዋተየ: ኵላትኩም ሓደ ዘረባ ኽትዛረቡ: ብሓደ ልብን ብሓደ ሓሳብን ፍጹም ክትጋጠሙ እምበር: ምፍልላይ ከይህልወኩም: እምዕደኩም አሎኹ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ቈረንቶስ 1:10) ከምዚ ዝኣመሰለ ሕብረት ክርከብ ዝከኣል ብኸመይ ኢዩ፧
ወለዲ መንፈሳውያን ክዀኑ ኣለዎም
እቲ ቐንዲ ረቛሒ ወለዲ ምሉእ ብምሉእ ንኣምላኽ እተወፈዩ ክዀኑ ኣለዎም ዝብል ኢዩ። ሙሴ ንእስራኤላውያን እንታይ ከም ዝበሎም ርአ:- “ዎ እስራኤል: ስማዕ: እግዚኣብሄር ኣምላኽና ሓደ እግዚኣብሄር እዩ። ንስኻ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓይልኻን ፍተዎ። እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ቓላት ኣብ ልብኻ ይኹን። ንደቅኻ ምሀሮም: ኣብ ቤትካ ኾፍ ምስ በልካን ኣብ መገዲ ኽትከይድ ከሎኻን ኣብ በጥ ምባልካን ኣብ ምትንሳእካን ብእኡ ተዛረብ።”—ዘዳግም 6:4-7
ትእዛዛት ኣምላኽ ‘ኣብ ኣልባብ’ ወለዲ ክኣቱ ኣድላዪ ምንባሩ ሙሴ ከም ዝገለጸ ኣስተብህል። ወለዲ ስርዓታዊ ዝዀነ መንፈሳዊ ትምህርቲ ንደቆም ከካፍሉ ዝድረኹ ከምዚ ምስ ዝገብሩ ጥራይ ኢዩ ነይሩ። ሓቂ ኢዩ: ወለዲ ብመንፈስ ጽኑዓት ምስ ዝዀኑ: መንፈሳዊ ነገራት ንደቆም ክምህርዎም ይህንጠዩ ኢዮም።
መንፈሳዊ ሰብ ንኽትከውንን ብምሉእ ልብኻ ንየሆዋ ከተፍቅርን: ስርዓታዊ ዄንካ ቃል ኣምላኽ ምንባብን ምስትንታንን ኣብ ግብሪ ምውዓልን ኣድላዪ ኢዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር: እቲ ብሕጊ የሆዋ ባህ ዝብሎን “ለይትን መዓልትን” ከኣ ዘንብቦን ሰብ “ኸምታ ፍሬኣ በብጊዜኣ እትህብ: ቈጽላ ኸኣ ዘይረግፍ: ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ እተተኽለት ኦም ይኸውን። ዚገብሮ ዅሉውን ይሰልጦ” ኢሉ ጸሓፈ።—መዝሙር 1:2, 3
ከምቲ ሓንቲ ኦም ብቐጻሊ ማይ እንተድኣ ሰትያ ጽቡቕ ፍረ እተፍሪ: ብመንፈስ ዝምገባ ስድራቤታት እውን ከምኡ ኣምላኻዊ ፍረ የፍርያ ኢየን። እዚ ድማ ንየሆዋ ውዳሰ የምጽኣሉ። ስድራቤት ናይቲ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝነብር ኡዋመግዉ ናይዚ ኣብነት ኢያ። ኡዋመግዉን በዓልቲ ቤቱን ሸሞንተ ቘልዑ እኳ እንተ ኣለዉዎም: ክልቲኦም ስርዓታውያን ፓይነራት ወይ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይኖም ኢዮም ዘገልግሉ። ከምዚ ድማ ይብል:- “ስድራቤትና ነቲ ስርዓታዊ ዝዀነ ናይ ስድራቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣቋሪጻ ኣይትፈልጥን። ነቶም ቈልዑ ካብ ግዜ ህጻንነቶም ኣትሒዝና ኣብ እዋን ናይ ስድራቤት ጽንዓት ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ኣገልግሎትን ካልእ ግዜያትን ቃል ኣምላኽ ምሂርናዮም ኢና። ኵሎም ደቅና ኣወጅቲ ብስራት መንግስቲ ኢዮም: እታ ሽዱሽተ ዓመት ዝዕድሚኣ ምንኣስ ኵሎም ጥራይ ድማ ኢያ ገና ዘይተጠመቐት ዘላ።”
ከም ጋንታ ዄንካ ምዕያይ
መጽሓፍ ቅዱስ “ቤት ሳላ ጥበብ ይህነጽ” ይብል። (ምሳሌ 24:3) ከምዚኣ ዝኣመሰለት ጥበብ ኣብ ውሽጢ ስድራቤት ከም ጋንታ ዄንካ ምዕያይ ተፍሪ ኢያ። “ሓለቓ ጋንታ” ናይ ሓንቲ ስድራቤት ኣቦ ኢዩ፣ ብኣምላኽ እተሾመ ርእሲ ስድራቤት ድማ ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 11:3) እቲ ብመንፈስ እተደረኸ ሃዋርያ ጳውሎስ “ሓደ እኳ ነቶም ናቱ: ምናዳ ግና ንስድራ ቤቱ: [ብስጋን ብመንፈስን] ዘይሐሊ እንተሎ: እምነት ዝኸሐደ ኻብቲ ዘይአምንውን ዝገደደ እዩ” ኢሉ ብምጽሓፉ ናይ ርእስነት ሓላፍነት ከቢድ ምዃኑ ኣጕለሐ።—1 ጢሞቴዎስ 5:8
ክርስትያን ሰብኡት ምስዚ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎ ምኽሪ ብምስምማዕ ንመንፈሳውነት ኣንስቶም ክሓልዩ የድልዮም ኢዩ። ዕዮ ገዛ ጾር ዘኽብደለን እንተድኣ ዀይኑ: ኣንስቲ መንፈሳውነተን ይጕዳእ ኢዩ። ኣብ ሓንቲ ናይ ኣፍሪቃ ሃገር: ሓደ ሓድሽ እተጠመቐ ክርስትያን በዓልቲ ቤቱ ንመንፈሳዊ ጕዳያት ሸለል ከም ዝበለት ነቶም ኣብታ ጉባኤ ዝርከቡ ሽማግለታት ሓበሮም። እቶም ሽማግለታት በዓልቲ ቤቱ ተግባራዊ ሓገዝ ከም ዘድልያ ሓሳብ ኣቕረብሉ። ስለዚ ኸኣ እቲ በዓል ቤታ ኣብ ዕዮ ገዛ ክሕግዛ ጀመረ። ናይ ምንባብ ክእለታን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ፍልጠታን ንኸተመሓይሽ እውን ግዜ ወሲዱ ሓገዛ። ንሳ ኸኣ ጽቡቕ ምምሕያሽ ኣርኣየት: ሕጂ ድማ ምልእቲ ስድራቤት ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ሓቢራ ኣላ።
ኣቦታት ንመንፈሳውነት ናይ ደቆም ኣብ ምክትታል እውን ንገዛእ ርእሶም ትሑዛት ክገብርዋ የድልዮም ኢዩ። ጳውሎስ ‘ኣቱም ኣቦታት: ነቶም ውሉድኩም ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን ደኣ ኣዕብይዎም እምበር: ኣይተዀርይዎም’ ኢሉ ጸሓፈ። (ኤፌሶን 6:4) ወለዲ ነቲ ንደቆም ከየዀርይዎም እተዋህቦም ማዕዳን ከለማምድዎም እተዋህቦም መምርሕን ምስ ዝስዕብዎ: እቶም ቈልዑ ክፍሊ ናይታ ስድራቤት ከም ዝዀኑ ይስምዖም ኢዩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ውሉዳት መንፈሳዊ ሸቶታት ንምስዓብ ንሓድሕዶም ክተሓጋገዙን ክተባብዑን ይኽእሉ ኢዮም።
ከም ጋንታ ዄንካ ምዕያይ ቈልዑ ሓላፍነት ንኽስከሙ ድሉዋት ምስ ኰኑ መንፈሳዊ ሓላፍነታት ምሃቦም ዘጠቓልል ኢዩ። ሓደ 11 ቘልዑ ዘለዉዎ ክርስትያን ሽማግለን ኣቦን ኣንጊሁ ካብ ድቃሱ ብምትሳእ ስራሕ ቅድሚ ምኻዱ ንሓያሎ ካብቶም ደቁ ጽንዓታት ይመርሓሎም። እቶም ዓበይቲ ደቁ ምስ ተጠመቑ ድማ ነቶም ንኣሽቱ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምምሃር ብግዲኦም ይሕግዙ። እቲ ኣቦ ይዕዘቦም: ንጻዕርታቶም ድማ ይንእዶ። ካብቶም ቈልዑ እቶም ሽዱሽተ ተጠሚቖም ኢዮም: እቶም ካልኦት ድማ ኣብዚ ሸቶ እዚ ንምብጻሕ ይጽዕሩ ኣለዉ።
ጽቡቕ ርክብን ናይ ሓባር ሸቶታትን
ሕብርቲ ስድራቤት ንምምስራት ፍቕሪ ዝመልኦ ርክብ ምህላውን ናይ ሓባር መንፈሳዊ ሸቶታት ምውጻእን ኣድላዪ ኢዩ። እቲ ኣብ ናይጀርያ ዝነብር ጎርደን ዝስሙ ክርስትያን ሽማግለ ካብ 11 ክሳዕ 27 ዕድመ ዘለዎም ሸውዓተ ቘልዑ ዘለዉዎ ኣቦ ኢዩ። ሽዱሽተ ካብኣቶም ልክዕ ከም ኣቡኦምን ኣዲኦምን ፓይነራት ኢዮም። እቲ ኣብዚ ቐረባ ግዜ እተጠምቀ ንእሽቶ ወዱ ድማ ምስቶም ካልኦት ኣባላት ስድራቤቱ ስርዓታዊ ዀይኑ ኣብቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ይካፈል። እቶም ክልተ ኣባጽሕ ደቁ እውን ኣገልገልቲ ጉባኤ ኢዮም።
ጎርደን ንዅሎም ደቁ ባዕሉ ኢዩ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ገይሩሎም። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ: እታ ስድራቤት ሰፊሕ ፕሮግራም ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣለዋ። ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕሲ ንምንባብ ከኣ ንግሆ ንግሆ ሓቢሮም ይእከቡ: ድሕሪኡ ድማ ንናይ ጉባኤ ኣኼባታት ይዳለዉ።
ሓደ ካብቲ ኵሎም ኣባላት እታ ስድራቤት ክበጽሑዎ ዘለዎም ሸቶ ንዅሉ እቲ ኣብ መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ዝወጽእ ዓንቀጻት ምንባብ ኢዩ። ኣብዚ ቐረባ ግዜ: ኣብቲ መደቦም መዓልታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ወሲኾም ኣለዉ። እቶም ኣባላት ስድራቤት ኣብቲ ልምዲ እቲ ምእንቲ ኽጸንዑ ድማ ብዛዕባ እቲ ዘንበብዎ ነገር ብምዝርራብ ንሓድሕዶም ይተባብዑ።
እቲ ሰሙናዊ ናይ ስድራቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ኣዝዩ ጽኑዕ ስለ ዝዀነ ዋላ ሓደ ካብኣቶም ምዝኽኻር ኣየድልዮን ኢዩ: ኵሎም ነታ መዓልቲ ብሃንቀውታ ኢዮም ዝጽበይዋ። ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት: ትሕዝቶ: ኣቀራርባ: ከምኡውን ንውሓት ናይቲ ዝገብርዎ ናይ ስድራቤት ጽንዓት ከከም ዕድመን ድሌትን እቶም ቈልዑ ክቀያየር ጸኒሑ ኢዩ። እታ ስድራቤት ምስ ካልኦት እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ጥብቂ ሕብረት መስሪታ ኢያ። እዚ ድማ ኣብቶም ቈልዑ ጠቓሚ ጽልዋ ኣሕዲሩ ኢዩ።
ከም ስድራቤት መጠን ሓቢሮም እተፈላለየ ነገራት ይዓዩ: ንምዝንጋዕ ዝኸውን ግዜ ድማ ይምድቡ። ኣብ ሰሙን ሓንሳእ ሕንቅልሕንቅሊተይ: ጐዳኢ ዘይኰነ ጭርቃን: ፒያኖ ምውቃዕ: ዛንታ: ከምኡውን ጸወታ ዘጠቓልል “ናይ ስድራቤት ምሸት” የሕልፉ። ሳሕቲ ድማ ናብ ገምገም ባሕሪ ወይ ናብ ደስ ዝበሎም ካልእ ቦታታት ይኸዱ።
ኣብ የሆዋ ምውካል
ካብዞም ኣብ ላዕሊ እተጠቕሱ ሓደ እውን ይኹን ነቲ ብዙሓት ቈልዑ ናይ ምዕባይ ከቢድ ዕዮ ኣቕሊሉ ኣይርእዮን ኢዩ። ሓደ ክርስትያን ከምዚ በለ:- “ሸሞንተ ቘልዑ ሒዝካ ንፉዕ ኣቦ ምዃን ከቢድ ብድሆ ኢዩ። ንኸተናብሮም ብዙሕ ስጋውን መንፈሳውን መግቢ ይሓትት ኢዩ፣ ንመናበሪኦም ዝኸውን ገንዘብ ንምርካብ ኣበርቲዐ ክሰርሕ ኣሎኒ። እቶም ዓበይቲ ደቀይ ኣብ ዕድመ ኰተቴ ኢዮም ዘለዉ: ሸሞንቲኦም ድማ ተማሃሮ ኢዮም። መንፈሳዊ ልምምድ ኣድላዪ ምዃኑ እፈልጥ እኳ እንተ ዀንኩ: ገሊኦም ደቀይ ግን ነቓጻትን ዘይእዙዛትን ብምዃኖም የሕዝኑኒ ኢዮም። እንተዀነ ግን ኣነውን ሓድሓደ ግዜ ንልቢ የሆዋ ዘጕሂ ነገራት ከም ዝገብር እፈልጥ ኢየ: የሆዋ ድማ ይቕረ ይብለለይ ኢዩ። ስለዚ ደቀይ ናብ ልቦም ክሳዕ ዝምለሱ ንምእራም ብትዕግስቲ ክጽዕር ኣሎኒ።
“የሆዋ ኵላትና ክንናሳሕ ስለ ዝደሊ ብትዕግስቲ ኢዩ ዝሕዘና: ኣነ ድማ ነቲ ናቱ ኣብነት ክስዕብ ኢየ ዝጽዕር። ንስድራቤተይ ጽንዓት እገብረሎም ኢየ። ገሊኦም ደቀይ ድማ ናብቲ ናይ ጥምቀት ሸቶ ንምብጻሕ ይመጣጠሩ ኣለዉ። ከምዚ ዝኣመሰለ ውጽኢት ንምርካብ ኣብ ሓይለይ ኣይምርኰስን ኢየ፣ ሓይለይ ዋላ ሓንቲ ክፍጽም ኣይክእልን ኢዩ። ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ብጸሎት ናብ የሆዋ ክቐርብ: ነቲ ‘ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተአመን: ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ: ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ: ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ’ ዝብል ምኽሪ ድማ ኣብ ግብሪ ከውዕሎ ኢየ ዝጽዕር። ነቲ ደቀይ ንምልምማድ ዘሎኒ ዕማም ንኽፍጽም የሆዋ ይሕግዘኒ ኢዩ።”—ምሳሌ 3:5, 6
ኣይትተሓለል!
ሓድሓደ ግዜ ቈልዑ ምልምማድ ምስጋና ዘይብሉ ዕማም መሲሉ ክርአ ይኽእል ኢዩ: ፈጺምካ ግን ኣይትተሓለል! ተስፋ እውን ኣይትቝረጽ! ደቅኻ ሕጂ ነቲ ጻዕርኻ ኣወንታዊ ምላሽ ዘየርእዩ ወይ ዘየማስዉሉ እኳ እንተ መሰሉ: ድሕሪ ገለ ግዜ ግን ከማስውሉን ኣወንታዊ ምላሽ ከርእዩን ይኽእሉ ኢዮም። ንሓደ ቘልዓ ፍረ መንፈስ ዘፍሪ ክርስትያን ከም ዝኸውን ገይርካ ከተዕብዮ ግዜ ይሓትት ኢዩ።—ገላትያ 5:22, 23
እታ ኣብ ኬንያ እትነብር ሞኒካ ትሽዓተ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣለዉዋ። ከምዚ ድማ ትብል:- “ወለደይ ካብ ግዜ ህጻንነትና ኣትሒዞም መጽሓፍ ቅዱስ ምሂሮሙና ኢዮም። ኣቦይ ብክርስትያናዊ ጽሑፋት ገይሩ ኣብ ሰሙን ሰሙን ጽንዓት ይገብረልና ነበረ። ብምኽንያት ስርሑ ድማ እቲ ጽንዓት እንገብረሉ መዓልቲ ዅሉ ግዜ ይቀያየር ነበረ። ሓድሓደ ግዜ: ካብ ስራሕ ክኣቱ ኸሎ ኣብ ደገ ክንጻወት ይርእየና እሞ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምግባር ኵላትና ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ደቒቕ ገዛ ክንኣቱ ይነግረና ነበረ። ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ገይርና ምስ ወዳእና: ሕቶታት ንኽንሓትት ወይ ዝዀነ ግድል ንኽንመያየጠሉ ንተባባዕ ነበርና።
“ምስ ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ቈልዑ ንሓብር ምህላውና ድማ ይከታተለና ነበረ። ብዛዕባ ጠባይና ነቶም መምህራን ንምሕታት ከኣ ስርዓታዊ ዀይኑ ንቤት ትምህርትና ይመጽእ ነበረ። ሓደ ግዜ ክሓትት ምስ መጸ: እቶም ሰለስተ ዓበይቲ ኣሕዋተይ ምስ ካልኦት ኣወዳት ከም እተባእሱን ሓድሓደ ግዜ ድማ መዕገርገርቲ ከም ዝዀኑን ሰምዐ። ጠባዮም ስለ ዘኽፍኡ ድማ ቀጽዖም: ይኹን እምበር: ግዜ ወሲዱ ብኣምላኻዊ መገዲ ክመላለሱ ዘድልዮም ስለምንታይ ምዃኑ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ገለጸሎም።
“ወለድና ነቲ ኣብ ኣኼባ ዝውሰድ ክፍልታት ኣቐዲምና ንኽንዳሎ ብምሕጋዝ ኣብ ኣኼባታት ምክፋል ዘምጽኦ ረብሓ ኣርእዮምና ኢዮም። ኣብ ቤት ኴንና ንኽፍልታትና ብምድላው ኣገልገልቲ ንምዃን ተለማሚድና ኢና። ካብ ግዜ ህጻንነትና ኣትሒዝና ንወለድና ኣብ ግራት ኣገልግሎት ኣሰኒናዮም ኢና።
“ሎሚ እቶም ክልተ ዓበይቲ ኣሕዋተይ ፍሉያት ፓይነራት ኢዮም: ሓንቲ ሓብተይ ድማ ስርዓታዊት ፓይነር ኢያ: እታ በዓልቲ ሓዳርን ስድራቤት ዘለዋን ካልእ ሓብተይ ከኣ ቀናእ ምስክር ኢያ። እተን 18ን 16ን ዝዕድሚአን ክልተ ንኣሽቱ ኣሕዋተይ ድማ እተጠምቃ ኣስፋሕቲ ኢየን። እቶም ክልተ ንኣሽቱ ኣወዳት ድማ ልምምድ ይረኽቡ ኣለዉ። ኣነ ድማ ኣብቲ ኣብ ኬንያ ዝርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምግልጋል ካብ ዝጅምር ሰለስተ ዓመት ገይረ ኣሎኹ። ወለደይ መንፈሳውያን ሰባት ስለ ዝዀኑ አፍቅሮምን አመስግኖምን ኢየ፣ ሰናይ ኣብነት ኢዮም ገዲፎምልና።”
ክንደይ ቈልዑ ይሃሉዉኻ ብዘየገድስ: ናብቲ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ መገዲ ንኸተቕንዖም ከይተሓለልካ ሓግዞም። የሆዋ ንጻዕርኻ ምስ ባረኾ ድማ ነቲ ሃዋርያ ዮሃንስ ብዛዕባ እቶም መንፈሳውያን ደቁ “እቶም ደቀይ ብሓቂ ኸም ዚመላለሱ ኻብ ምስማዕ ዚዐቢ ሓጐስ የብለይን” ዝበለን ቃላት ከተቃልሐን ኢኻ።—3 ዮሃንስ 4