ኣምልኾበዓልንኣልባብ እስራኤላውያንዘጋጠሞ ብድሆ
ዳርጋ ንሓደ ሽሕ ዓመታት ዝኸውን:ንኣልባብ እስራኤላውያን ሓደ ቀጻሊ ዝዀነ ብድሆ የጋጥሞ ነበረ። ማሪታዊ ፍርህን ናይ ጾታዊ ርክብ ጽምብላትን ኣንጻር እምነትን ተኣማንነትን ተቓለሰ። እዚ ናይ ህይወትን ሞትን ቃልሲ ኣብ መንጎ ኣምልኾ በዓልን ኣምልኾ የሆዋን ኢዩ ነይሩ።
ህዝቢ እስራኤል ኣብቲ ካብ ግብጺ ዘውጽኦም ሓቀኛ ኣምላኽ ብተኣማንነት ይጠብቁዶ ይዀኑ፧ (ዘጸኣት 20:2, 3) ወይስ ናብቲ ንምድሪ ፍርያም ከም እትኸውን ክገብራ እተማባጽዐ ቀንዲ ኣምላኽ ናይ ከነኣን ኢዮም ከሻርዉ፧
እዚ ቅድሚ ኣሽሓት ዓመታት እተገብረ መንፈሳዊ ቃልሲ እዚ ንዓና የገድሰና ኢዩ። ስለምንታይ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ “እዚ ዅሉ . . . ንኣና እቲ መወዳእታ ዘመናት ንዘርከበናውን ንተግሳጽ ኪዀነና እዩ እተጻሕፈ” ብምባል ጽሒፉ ኣሎ። (1 ቈረንቶስ 10:11) እቲ በዓል ዝበሃል ኣምላኽ እንታዋይ ከም ዝነበረን ንዕኡ ምምላኽ እንታይ ከም ዘጠቓልልን እንተ ተረዲእና: እዚ ታሪኻዊ ግርጭት እዚ ሒዝዎ ዘሎ መሰረታዊ መጠንቀቕታ ንዓና ዝያዳ ትርጕም ዘለዎ ክኸውን ኢዩ።
እቲ በዓል ዝበሃል ኣምላኽ እንታዋይ ኢዩ ነይሩ፧
እስራኤላውያን ብ1473 ቅ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ ይኸውን ከነኣን ምስ በጽሑ ኢዮም ንበዓል ፈሊጦምዎ። እስራኤላውያን ኣብዚ ቦታ እዚ ምስ በጽሑ ከነኣናውያን ከምቶም ናይ ግብጺ ዝዓይነቶም ብዙሓት ኣማልኽቲ ከም ዘምልኹ ተረድኡ። ኣስማቶምን ሓድሓደ ባህርያቶምን ግን ካብቶም ግብጻውያን ዘምልኽዎም ፍልይ ዝበሉ ነበሩ። መጽሓፍ ቅዱስ ግን እቲ በዓል ዝበሃል ኣምላኽ ቀንዲ ኣምላኽ ከነኣናውያን ምንባሩ ይጠቕሶ: ብዅዕታ መሬት እተረኽበ ነገራት እውን እቲ ዝበለጸ ከም ዝነበረ የረጋግጽ ኢዩ። (መሳፍንቲ 2:11) በዓል ካብ ኵሎም ናይ ከነኣናውያን ኣማልኽቲ ዝልዕል እኳ እንተ ዘይነበረ: ካብ ዝዀነ ይኹን ካልእ ኣምላኽ ንላዕሊ ንኸነኣናውያን ዘገድሶም ኢዩ ነይሩ። ንዝናምን ንፋስን ደበናን ክቈጻጸር ሓይሊ ከም ዘለዎ: ንዕኦም ይኹን ንእንስስኦም ከይመኽኑን ኣእካሎም ከይሃጕጕን ክከላኸለሎም ዝኽእል ከኣ ንሱ በይኑ ጥራይ ምዃኑ ይኣምኑ ነበሩ። በዓል ዕቝብኦም እንተ ዘይከውን ነይሩ: እቲ ሞት ዝበሃል ሕነ ዝፈዲ ከነኣናዊ ኣምላኽ ብዘይ ጥርጥር ኣብ ልዕሊኦም ጥፍኣት መምጽኣሎም ነይሩ።
ኣምልኾ በዓል ናይ ጾታዊ ርክብ ጽምብላት ክግበር ዝደፋፍእ ኢዩ ነይሩ። እቲ ከም ሓወልትታትን ዓንድታትን ዝኣመሰለ ንሃይማኖታዊ ነገራት ዘገልግል ኣቝሑ እውን ከይተረፈ ምስ ጾታዊ ርክብ እተተሓሓዘ ኢዩ ነይሩ። እቲ ካብ ኣኻውሕ ወይ ውቑር እምኒ እተዳለወ ብቕርጺ ብልዕቲ ወዲ ተባዕታይ እተሰርሐ ሓወልትታት ንበዓል ዝውክል ኢዩ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ እቲ ካብ ዕንጨይቲ ወይ ኦም እተሰርሐ ዓንድታት ነታ ኣሸራህ እትበሃል ሰበይቱ ንበዓል: ብእኡ ኣቢሉ ኸኣ ነቲ ናይ ጓል ኣንስተይቲ ብልዕቲ ዘመልክት ኢዩ።—1 ነገስት 18:19
ካልእ ኣብ ኣምልኾ በዓል ጐሊሑ ዝርአ ኸኣ ኣብ ቤት መቕደስ ዝግበር ዝነበረ ምንዝርን ቈልዑ ምስዋእን ኢዩ ነይሩ። (1 ነገስት 14:23, 24፣ 2 ዜና መዋእል 28:2, 3) እታ ዘ ባይብል ኤንድ ኣርኪዮሎጂ እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ከምዚ ትብል:- “ኣብቲ ናይ ከነኣናውያን ቤት መቕደስ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣመናዝር ነበሩ (‘ቅዱሳት’ ሰብኡትን ኣንስትን): ኵሉ ዓይነት ብዕሉግ ጾታዊ ርክብ ከኣ ይግበር ነበረ። [ከነኣናውያን] እዚ ጽንብላት እዚ ብገለ መገዲ ነእካልን መጓሰን ከም ዘሰስን ገይሮም ይኣምኑ ነበሩ።” እዚ ንሃይማኖታዊ ምኽንያት እኳ እንተ ነበረ ብዘይ ጥርጥር ግን እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘይስነ-ምግባራውነት ንስጋዊ ባህጊ ናይቶም ኣምለኽቲ ዝማርኽ ኢዩ ነይሩ። እሞ ድኣ ኣምልኾ በዓል ንኣልባብ እስራኤላውያን ዘስድዖ ከመይ ገይሩ ኢዩ፧
ኣዝዩ ማራኺ ዝነበረ ስለምንታይ ኢዩ፧
ምናልባት ብዙሓት እስራኤላውያን ካብኦም ብዙሕ ዘይሓትት ሃይማኖት ሒዞም ክመላለሱ ደልዮም ይዀኑ። ንበዓል ብምምላኽ ካብቲ ከም ሰንበትን ስነ-ምግባራዊ ቀይድታትን ምኽባር ዝኣመሰለ ሕግታት ናጻ ይዀኑ ነበሩ። (ዘሌዋውያን 18:2-30፣ ዘዳግም 5:1-3) ንገሊኦም ከኣ ምናልባት ነቲ ስጋዊ ብልጽግና ናይ ከነኣናውያን ብምርኣይ ንበዓል መህድኢ ቝጥዓኡ ዝኸውን ገለ ነገር ክግበረሉ ከም ዘለዎ ገይሮም ከም ዝኣምኑ ገይርዎም ክኸውን ይኽእል ነይሩ።
እቲ ኣብ መንጎ ኣእዋም ዝመልኦ ኣኽራን ዝርከብ ዝነበረ በረኽቲ ቦታታት ተባሂሉ ዝፍለጥ ናይ ከነኣናውያን መሰውኢ: ነቲ ኣብኡ ዝበዓል ዝነበረ ናይ ፍርያት ጽንብል ዝምስጥ ትርኢት ይገብሮ ነይሩ ክኸውን ኣለዎ። ነዊሕ ከይጸንሑ እስራኤላውያን ናብቲ ናይ ከነኣናውያን ቅዱስ ቦታታት ምኻድ ስለ ዘየዕገቦም ናይ ገዛእ ርእሶም በረኽቲ ቦታታት ሃነጹ። “ንሳቶም ድማ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ነዋሕቲ ዅርባታትን ኣብ ትሕቲ ዅሉ ልምሉም ኦምን በረኽትን ሓወልትታትን ኣስታርቴታትን ሰርሑ።”—1 ነገስት 14:23፣ ሆሴእ 4:13
እቲ ቐዳማይን ቀንድን ምኽንያት ግን ኣምልኾ በዓል ንስጋ ዝማርኽ ስለ ዝነበረ ኢዩ። (ገላትያ 5:19-21) እቲ ንስምዒት ዘለዓዕል ተግባራቶም ነቲ ማእለያ ዘይብሉ ኣእካልን መጓሰን ክረኽቡ ዝነበሮም ባህጊ ዝሓልፎ ኢዩ ነይሩ። ጾታዊ ርክብ ይውደስ ኢዩ ነይሩ። እዚ ኸኣ ካብቲ ብዅዕታ መሬት እተረኽበ ጾታዊ ርክብ ንምልዕዓል እተገብረ ምዃኑ ዘርኢ እተጋነነ ናይ ጾታዊ ርክብ ቅርጽታት ዝሓዘ ብዙሕ ሓወልትታት ክረጋገጽ ይከኣል ኢዩ። እቲ ዝግበር ፌስታን ሳዕስዒትን ሙዚቃን ቀይዲ በተኽ ንምዃን መገዲ ዝኸፍተሎም ኢዩ ነይሩ።
ነቲ ኣብ መጀመርታ ጽድያ ኣብቲ በዓል ዝምለኸሉ ከባቢ ዝግበር ልሙድ ትርኢት ብኣእምሮና ክንስእሎ ንኽእል ኢና። እቶም ኣምለኽቲ ኣብቲ ዘደንቕ ናይ ተፈጥሮ ሃዋሁ በቲ ጽንብል ደስ ኢልዎምን ብመስተ ተደፊኦምን ይስዕስዑ። እቲ ናይ ምፍራይ ሳዕስዒቶም ንበዓል ካብቲ ናይ ሓጋይ ዕረፍቱ ተሲኡ ንመሬት ብማይ ከም እትጸገብ ንኽገብራ ንምብርባር ኢዩ ነይሩ። ኣብ ዙርያ እቲ ቕርጺ ብልዕቲ ወዲ ተባዕታይ ዝመስል ሓወልትታትን ኣዕኑድን እናዞሩ ኸኣ ይስዕስዑ። እቲ ዝገብርዎ ምንቅስቓስ: ብፍላይ ከኣ እቶም ናይ ቤት መቕደስ ኣመናዝር ዝገብርዎ ምንቅስቓስ: ስምዒት ጾታዊ ርክብ ዘለዓዕል ኢዩ። እቲ ሙዚቃን እቶም ተኣከብትን ከኣ ነቲ ኵነታት ዝያዳ ከም ዝረስን ይገብርዎ። እቲ ሳዕስዒት ኣጸቢቑ ምስ ረሰነ ኸኣ እቶም ሳዕሳዕቲ ጾታዊ ርክብ ንምፍጻም ጽምዲ ጽምዲ ዀይኖም ናብቲ ኣብ ቤት በዓል ዘሎ ክፍልታት ይኸዱ።—ዘሁልቍ 25:1, 2፣ ምስ ዘጸኣት 32:6, 17-19፣ ኣሞጽ 2:8 ኣረኣእዮ።
ብእምነት ዘይኰነስ ብምርኣይ ኢዮም ዝመላለሱ ነይሮም
እቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ስምዒት ዘለዓዕል ኣምልኾ ንብዙሓት እስራኤላውያን እኳ እንተ ሰሓቦም: ገሊኦም ግን ካብ ፍርሂ እተለዓለ ኢዮም ናብ ኣምልኾ በዓል እተጸምበሩ። እስራኤላውያን ኣብ የሆዋ ዝነበሮም እምነት ምስ ኣጥፍኡ: ብዛዕባ ምውታትን መጻኢ ግዜን ምፍርሆም: ከምኡውን ብስራይ ምምሳጦም ናብ ሓተታ መናፍስቲ መርሖም: እዚ ኸኣ ብግዲኡ እቲ ዝኸፍአ ብዕልግና ዝነበሮ ጽምብል ዝሓቘፈ ኢዩ ነይሩ። ዘ ኢንተርናሽናል ስታንዳርድ ባይብል ኢንሳይክሎፔድያ ከነኣናውያን ንመንፈስ ናይ ዝሞቱ ሰባት ከም ክፍሊ ኣምልኾ ኣቦታት ገይሮም ከም ዘምልኽዎ ክገልጽ ከሎ ከምዚ ይብል:- “ኣብቲ ናይ ስድራቤት መቓብር ወይ ኣብቲ ናይ ህዝቢ መቓብር ብምኻድ እቲ ዝሞተ ሰብ እውን ይካፈሎ ኢዩ ዝበሃል ስኽራንን ጾታዊ ርክብን (ምናልባት ኣብ መንጎ ቀረባ ኣዝማድ ዝግበር ጾታዊ ርክብ እውን ዘጠቓለለ ይኸውን) ዘለዎ . . . ፌስታ ይግበር።” እስራኤላውያን ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕሱር ናይ ሓተታ መናፍስቲ ተግባራት ብምክፋሎም ካብ የሆዋ ኣምላኾም ዝያዳ እናረሓቑ ከዱ።—ዘዳግም 18:9-12
ነቶም ብእምነት ዘይኰነስ ብምርኣይ ክመላለሱ ዝመረጹ እስራኤላውያን: ጣኦታትን ምስኡ ዝኸይድ ጽምብላትን እውን ማሪኽዎም ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 5:7) ዋላ እኳ እታ ዘይትርአ ኢድ የሆዋ ዝፈጸመቶ መስተንክር ተኣምራት እንተ ረኣዩ: ብዙሓት ካብ ግብጺ ዝወጹ እስራኤላውያን ንኣምላኽ ዘዘኻኽሮም ሓደ ዝርአ ነገር ክግበር ኣድላዪ ኰይኑ ተሰሚዕዎም ኢዩ። (ዘጸኣት 32:1-4) ገለ ካብ ዘርኦም ከኣ ከም ናይቲ በዓል ዝበሃል ኣምላኽ ጣኦት ዝኣመሰለ ዝርአ ነገራት ከምልኹ ደለዩ።—1 ነገስት 12:25-30
መን ኢዩ እተዓወተ፧
እቲ ንኣልባብ እስራኤላውያን ኣጋጢምዎ ዝነበረ ብድሆ ካብቲ ናብ ምድሪ ተስፋ ቅድሚ ምእታዎም ኣብ ጐላጕል ሞኣብ ዝበጽሕሉ ግዜ ኣትሒዙ ክሳዕ ናብ ባቢሎን ዝግዕዙ ጸኒሑ ኢዩ። ሓንሳእ ኣብዚ ሓንሳእ ኣብቲ ብምኻድ ዝጥቀሙ ዝነበሩ ኢዮም ዝመስሉ። ኣብ ገለ እዋን መብዛሕትኦም እስራኤላውያን ንየሆዋ እሙናት ኰይኖም ይጸንዑ እኳ እንተ ነበሩ: ብተደጋጋሚ ግን ናብ ኣምልኾ በዓል ይኸዱ ነበሩ። ቀንዲ ምኽንያት ናይዚ ኸኣ ምስቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነበሩ ኣረማውያን ሰባት ብምሕባሮም ኢዩ።
ከነኣናውያን ወተሃደራዊ ስዕረት ምስ ወረዶም: ረቂቕ ብዝዀነ መገዲ ኢዮም ክቃለሱ ጀሚሮም። ምስቶም እስራኤላውያን ተቐመጡ እሞ ንኣማልኽቲ እታ ሃገር ክቕበልዎም ከኣ ኣተባብዕዎም። ከም ጊዴዎንን ሳሙኤልን ዝኣመሰሉ ተባዓት መሳፍንቲ ነዚ መገዲ እዚ ተቓወምዎ። ሳሙኤል ነቲ ህዝቢ ‘ጓኖት ኣማልኽቲ ካብ ማእከልኩም ኣርሕቑ: ልብኹም ከኣ ናብ እግዚኣብሄር ኣቕንዑ: ንእኡ ጥራይ እውን ኣምልኹ’ ኢሉ መዓዶም። እስራኤላውያን ነቲ ናይ ሳሙኤል ማዕዳ ንግዜኡ ተቐበልዎ: “ንበዓሊምን ንኣስታሮትን ኣርሒቖም ንእግዚኣብሄር ጥራይ ኣምለኹ።”—1 ሳሙኤል 7:3, 4፣ መሳፍንቲ 6:25-27
ድሕሪ ናይ ሳኦልን ዳዊትን ንግስና: ሰሎሞን ኣብ መወዳእታ ዓመታት ህይወቱ ንጓኖት ኣማልኽቲ መስዋእቲ ከቕርብ ጀመረ። (1 ነገስት 11:4-8) ካልኦት ነገስታት እስራኤልን ይሁዳን እውን ተመሳሳሊ ነገር ገበሩ: ኣብ ቅድሚ በዓል ድማ ተምበርከኹ። እንተዀነ ግን: ከም ኤልያስን ኤልሳእን ዮስያስን ዝኣመሰሉ እሙናት ነብያትን ነገስታትን ኣንጻር ኣምልኾ በዓል ኣብ እተገብረ ቃልሲ ግንባር ቀደም ኢዮም ነይሮም። (2 ዜና መዋእል 34:1-5) ብተወሳኺ: ኣብ ብምሉእ እዚ ናይ እስራኤላውያን ታሪኽ: ነቲ ኣብ የሆዋ ዘለዎም ተኣማንነት ዝሓለዉ ውልቀ-ሰባት ነይሮም ኢዮም። ኣብቲ ኣምልኾ በዓል ኣብ ዝለዓለ ጫፍ በጺሕሉ ዝነበረ ግዝኣት ኣከኣብን ኢዛቤልን እውን ከይተረፈ ‘ንበዓል ምንብርካኽ’ ዝኣበዩ ሸውዓተ ሽሕ ሰባት ነይሮም ኢዮም።—1 ነገስት 19:18
ኣብ መወዳእታ: ኣይሁዳውያን ካብ ምርኮ ባቢሎን ምስ ተመልሱ: ብዛዕባ ኣምልኾ በዓል ኣይተጠቕሰን። ከምቶም ኣብ እዝራ 6:21 ተጠቒሶም ዘለዉ ኵሎም “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኪደልዩ ኻብ ርኽሰት ህዝቢ እታ ሃገር እተፈልዩ” ዀኑ።
ካብ ኣምልኾ በዓል ዝርከብ መጠንቀቕታታት
ሽሕኳ ኣምልኾ በዓል ነዊሕ እዋን ይገብር እንተ ጠፍአ: እቲ ናይ ከነኣናውያን ሃይማኖትን ሎሚ ዘሎ ሕብረተሰብን ግን ሓደ ዘመሳስሎም ነገር ኣሎ—ንሱ ኸኣ ንጾታዊ ርክብ ምውዳስ ኢዩ። ዘይስነ-ምግባራዊ ነገራት ንምግባር ዝቐርብ መስድዒታት ንኸባቢና ዝመልኦ ኢዩ ዝመስል። (ኤፌሶን 2:2) ጳውሎስ “ቕልስና ምስቲ ነዛ ጸልማት ዓለም ዝቈጻጸራ ዘሎ ዘይርአ ሓይሊ: ምስቶም ካብቲ ቀንዲ መደበር እከይ እተላእኩ መናፍስቲ ኢዩ” ብምባል የጠንቅቕ።—ኤፌሶን 6:12 ፊሊፕስ
እዚ ናይ ሰይጣን “ዘይርአ ሓይሊ” ንሰባት ናብ መንፈሳዊ ባርነት ምእንቲ ኸእትዎም ናይ ጾታዊ ርክብ ዘይስነ-ምግባራውነት ከም ዘስፋሕፍሕ ኢዩ ዝገብር። (ዮሃንስ 8:34) ኣብዚ ሎሚ ዘሎ ፍኑው ማሕበረሰብ: ብጾታዊ ርክብ ቀይዲ በተኽ ምዃን ከም ናይ ምፍራይ ጽምብል ዘይኰነስ ናይ ገዛእ ርእስኻ ድሌት ንኸተማልእ ወይ ድላይካ ንኽትገብር ኢልካ ኢዩ ዝግበር ዘሎ። እቲ ዝፍኖ ዘሎ ፕሮፓጋንዳ እውን ዘእምን ኢዩ። መዘናግዒታትን ሙዚቃታትን ረክላማትን ንቐልቢ ሰባት ብጾታዊ መልእኽትታት ከም ዝመልእ ገይርዎ ኢዩ። ኣገልገልቲ ኣምላኽ እውን ካብዚ መጥቃዕትታት እዚ ናጻ ኣይኰኑን። ኣረ ብሓቂ ክርአ ኸሎስ መብዛሕትኦም እቶም ካብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝውገዱ ውልቀ-ሰባት: እቶም ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባራት ዝወደቑ ኢዮም። ሓደ ክርስትያን ጽፉፍ ኰይኑ ክርከብ ዝኽእል ነቲ ዝቐርበሉ ዘይስነ-ምግባራዊ ሓሳባት ብቐጻሊ ምስ ዝነጽጎ ጥራይ ኢዩ።—ሮሜ 12:9
መንእሰያት መሰኻኽር ብፍላይ ነዚ ሓደጋ እዚ እተቓልዑ ኢዮም: ከመይሲ እቲ ዝማርኽ ኰይኑ ዝረኽብዎ ነገራት መብዛሕትኡ ምስ ጾታዊ ርክብ እተተሓሓዘ ኢዩ። ጽልዋ ናይቶም ዝደፋፍእዎም ካልኦት መንእሰያት ስለ ዘሎ ኸኣ ኣብታ ዘላታ ተወሰኸታ ኢዩ ዝኸውን። (ምስ ምሳሌ 1:10-15) ንኣብነት: ኣብ ገፊሕ ማሕበራዊ ምትእኽኻባት ብዙሓት ኣብ ሽግር ወዲቖም ኢዮም። ልክዕ ከምቲ ኣብ ናይ ጥንቲ ኣምልኾ በዓል ዝነበረ: ሙዚቃን ሳዕስዒትን ናይ ጾታዊ ርክብ መወናወኒታትን ምስ ተሓዋወሰ መርዛም ኢዩ ዝኸውን።—2 ጢሞቴዎስ 2:22
እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ጐበዝ ንመገዱ ብምንታይ የንጽሃ፧” ኢሉ ሓተተ። ባዕሉ ኸኣ “ከም ቃልካ [ቃል የሆዋ] ንነፍሱ ብምጥንቃቕ እዩ” ብምባል ይምልስ። (መዝሙር 119:9) ልክዕ ከምቲ እስራኤላውያን ምስ ከነኣናውያን ጥብቂ ርክብ ካብ ምግባር ክርሕቁ ሕጊ ኣምላኽ ዝኣዘዞም: መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ብዛዕባ ዘይግቡእ ዕርክነት ምግባር የጠንቅቐና ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 15:32, 33) ሓደ መንእሰይ ክርስትያን ብስምዒት ዝማርኾ ብስነ-ምግባር ግን ጐዳኢ ንዝዀነ ነገር ምግባር ምስ ዝኣቢ ብሱል ምዃኑ የርኢ። ልክዕ ከምቲ እሙን ዝነበረ ኤልያስ: እቲ ተለዋዋጢ ብብዙሓት ተቐባልነት ዝረኸበ ሓሳባት ክውስነልና ከነፍቅደሉ ኣይንኽእልን ኢና።—1 ነገስት 18:21፣ ምስ ማቴዎስ 7:13, 14 ኣረኣእዮ።
እቲ ኻልእ ክንጥንቀቐሉ ዘሎና ኸኣ ‘እቲ ዝጠብቀና ሓጢኣት’ ተባሂሉ ዘሎ ምጥፋእ እምነት ኢዩ። (እብራውያን 12:1) ብዙሓት እስራኤላውያን ኣብ የሆዋ እምነት ዝነበሮም እኳ እንተ መሰሉ: ንበዓል ግን ከም ንኣእካሎም ዝከላኸለሎምን መዓልታዊ ድሌታቶም ዘማልኣሎምን ኣምላኽ ገይሮም ይርእይዎ ነበሩ። ምናልባት ናብታ ኣብ የሩሳሌም እትርከብ ቤት መቕደስ ምኻድ ኣዝዩ ርሑቕ ከም ዝዀነ: ንሕግታቱ ክትሕልዎ ኸኣ ዘይከኣል ኰይኑ ተሰሚዕዎም ይኸውን። ኣምልኾ በዓል ብዙሕ እዚ ግበር እቲ ኣይትግበር ዘይብሉን ምቹእን ኢዩ ነይሩ። ኣብ ዝባን ናሕሶም ኰይኖም እውን ከይተረፈ ንበዓል ክዓጥንሉ ይኽእሉ ነይሮም ኢዮም። (ኤርምያስ 32:29) ምናልባት ኣብ ገለ ካብቲ ጽምብላት ብምክፋል ወይ ብስም የሆዋ ንበዓል ብምስዋእ ኢዮም ናብ ኣምልኾ በዓል ኣትዮም ዝዀኑ።
ንሕናኸ እምነት ከነጥፍእን ቀስ ብቐስ ካብቲ ህያው ኣምላኽ ክንርሕቕን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (እብራውያን 3:12) እቲ ቕድም ንኣኼባታትን ኣሰምብሊታትን ዝነበረና ሞሳ በብቑሩብ ክጠፍእ ይኽእል ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣረኣእያ ኣብቲ የሆዋ “በብጊዜኡ” ዘዳልዎ መንፈሳዊ ‘መግቢ’ ዘሎና እምንቶ ከም ዝጐደለ ኢዩ ዘርኢ። (ማቴዎስ 24:45-47) ስለ እተዳኸምና ኸኣ ነቲ ‘ዝሓዝናዮ ቃል ህይወት’ ክንሓድጎ ወይ እተኸፋፈለ ልቢ ከነማዕብል ምናልባት እውን ደድሕሪ ፍቕረ-ንዋይ ክንጐዪ ወይ ዘይስነ-ምግባራዊ ነገራት ክንፍጽም ንኽእል ኢና።—ፊልጲ 2:16፣ ምስ መዝሙር 119:113 ኣረኣእዮ።
ንንጽህናና ኣጽኒዕና ምሕላው
ኣብዚ ሕጂ እዋን ብዘይ ጥርጥር ንልብና ብድሆ የጋጥሞ ኢዩ ዘሎ። ንየሆዋ እሙናት ኴንና ኽንቅጽልዶ ኢና ወይስ በዚ ናይዛ ዓለም ፍኑው ናብራ ክንተሓናዀል ኢና፧ እቲ ዘሕዝን ግን: ልክዕ ከምቲ እስራኤላውያን ናብቲ ናይ ከነኣናውያን ዘፈንፍን ተግባራት እተሳሕቡ: ሕጂውን ገለ ክርስትያናት ሰብኡትን ኣንስትን ዘሕፍር ተግባራት ንምግባር ተሳሒቦም ኢዮም።—ምስ ምሳሌ 7:7, 21-23 ኣረኣእዮ።
ልክዕ ከም ሙሴ ‘ነቲ ዘይርአ ከም ዝረኣናዮ ዄንና ብትዕግስቲ እንተ ጸኒዕና’ እዚ መንፈሳዊ ስዕረት እዚ ኣየጋጥመናን ኢዩ። (እብራውያን 11:27) ብርግጽ ‘ንእምነትና ክንጋደል’ ኣሎና። (ይሁዳ 3) እንተዀነ ግን: ንኣምላኽን ስርዓታቱን እሙናት ብምዃን: ነቲ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ንዘለኣለም ዝጠፍኣሉ ግዜ ብተስፋ ክንጸበ ንኽእል ኢና። ልክዕ ከምቲ ኣምልኾ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ኣምልኾ በዓል ጸብለልትነት ዘርኣየ: ንሕና እውን “ከምቲ ማያት ንመዓሙቝ ባሕሪ ዜጐልብቦ: ምድሪ ብፍልጠት እግዚኣብሄር ክትመልእ” ምዃና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—ኢሳይያስ 11:9
[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]
ዑናታት ናይቲ ኣብ ጌዘር ዝርከብ ንኣምልኾ በዓል ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ ሓወልትታት
[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
Musée du Louvre, Paris