ካብቲ ‘እኽሊ ሰማይ’ ምጥቃም
እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ድሕሪ ምውጽኦም ብዙሕ ከይጸንሑ ኣብቲ መድሓኒኦም የሆዋ ብዙሕ እምነት ከም ዝጐድሎም ኣርኣዩ። ከም ሳዕቤን ናይዚ ድማ የሆዋ ኣብ በረኻ ሲና ን40 ዓመት ኰለል ኣበሎም። ኣብ ኵለን እዘን ዓመታት እዚአን እስራኤላውያንን እቶም ምስኦም ዝወጹ “ብዙሕ ሕውስዋስ ህዝብን” ክሳዕ ‘ዝጸግቡ’ በሊዖምን ሰትዮምን ኢዮም። (ዘጸኣት 12:37, 38) መዝሙር 78:23-25 እዚ ብኸመይ ከም ዝዀነ ከምዚ ብምባል ትሕብረና:- “ንሱስ [የሆዋ] ኣብ ላዕሊ ንደበና አዘዞ: መዓጹ ሰማይ ከኣ ከፈተ: ምእንቲ ኺበልዑ ድማ ማና ኣዝነመሎም: እኽሊ ሰማይውን ሀቦም። ሰብ ናይ መላእኽቲ እንጌራ በልዔ: ንምሉእ ጽጋብ ዚኸውን ምግቢ ሰደደሎም።”
ሙሴ ማና ስለ ዝበልዐ: ብዛዕባ እዚ ፍሉይ መግቢ እዚ ገሊጹ ኢዩ። ከምዚ ኢሉ ድማ ጸሓፈ:- “ብጊሓት . . . እቲ ዛዕዝዕ ምስ ዘፈፈ . . . ኣብ ገጽ እቲ በረኻ ገለ ደቂቕ ከቢብ: ከም ኣስሓይታ ዝምድቃቑ ኣብ ምድሪ ነበረ። ደቂ እስራኤል ድማ እዚ ምስ ረኣዩ . . .፤ እዚ እንታይ እዩ፧ ኢሎም ንሓድሕዶም ተሓታተቱ።” ብእብራይስጢ ቃል ብቓሉ “ማን ሁ፧ ” ኢሎም ኢዮም ተሓታቲቶም። ምናልባት እውን እዛ ሕቶ እዚኣ ኢያ መበቈል ናይታ “ማና” እትብል እስራኤላውያን ነቲ መግቢ ዘውጽኡሉ ስም ዝዀነት። ሙሴ ከምዚ ብምባል ይገልጾ:- “ፍረ ጻቕዳ ይመስል ነበረ: ጻዕዳ ኸኣ ነበረ: ምጥዓሙውን ከም ሕምባሻ ምስ መዓር ነበረ።”—ዘጸኣት 16:13-15, 31 NW እግረ-ጽሑፍ።
ገለ ሰባት ከም ዝብልዎ ማና ብተፈጥሮ ዝርከብ መግቢ ኣይኰነን። ነቲ መግቢ ንምድላው ልዕለ-ባህርይ ዝዀነ ሓይሊ ኣድልዩ ኢዩ። ንኣብነት: እቲ መግቢ ኣብ እተወሰነ ቦታ ወይ ወቕቲ ጥራይ ኣይኰነን ዝርከብ ዝነበረ። እንተድኣ ሓዲሩ ይሕስኽን ይብድብድን እውን ነበረ: እንተዀነ ግን ሰንበት ማና ስለ ዘይርከብ እቲ ቅድሚ እታ መዓልቲ እቲኣ ዝኣከብዎ ዕጽፊ ማና ዋላ ይሕደር ኣይበላሾን ነበረ። ብርግጽ: ማና ብተኣምራታዊ መገዲ እተዳለወ ኢዩ ነይሩ።—ዘጸኣት 16:19-30
ኣብ መዝሙር 78 “መላእኽቲ” ስለ እተጠቕሱ: የሆዋ ማና ንምድላው መላእኽቲ ተጠቒሙ ክኸውን ከም ዝኽእል ይሕብር። (መዝሙር 78:25) በዚ ይኹን በቲ: እቶም ህዝቢ ንኣምላኽ ስለ እቲ ሕያውነቱ ከመስግንዎ ዘኽእሎም ብቑዕ ምኽንያት ነይርዎም ኢዩ። ይኹን እምበር: መብዛሕትኦም ነቲ ካብ ባርነት ግብጺ ዘድሓኖም እውን ከይተረፈ ኣየመስገንዎን። ንሕና እውን ነቲ የሆዋ ዝገበረልና ምድላው ከም ትሑዝ ገይርና ክንወስዶ ንኽእል ኢና: አረ ነቲ ፍቕራዊ ሕያውነቱ እንተ ዘየስተንቲንናሉስ ዘይመመስገንቲ እውን ክንከውን ንኽእል ኢና። የሆዋ ንእስራኤላውያን ብኸመይ ከም ዘድሓኖምን ስዒቡ ዝነበረ ፍጻመታትን “ንምህሮና” ኢሉ ከም ዝምዝገብ ስለ ዝገበሮ መመስገንቲ ክንከውን ንኽእል ኢና።—ሮሜ 15:4
ንእስራኤላውያን እተዋህበ ትምህርቲ ንክርስትያናት ይጠቕሞም
የሆዋ ማና ክህቦም ከሎ: ነቶም ሰለስተ ሚልዮን ዝዀኑ እስራኤላውያን ብስጋዊ ዘድልዮም ነገራት ካብ ምዕጋብ ንላዕሊ ኢዩ ዝሓስብ ነይሩ። ንኽጸርዩን ዝጠቕሞም ተግሳጽ ንኽረኽቡን ‘ከዋርዶምን ክፍትኖምን’ ኢዩ ደልዩ ነይሩ። (ዘዳግም 8:16፣ ኢሳይያስ 48:17) ነቲ ምጽራይን ነቲ ተግሳጽን ብጽቡቕ እንተ ዝቕበልዎ ነይሮም የሆዋ ኣብታ ምድሪ ተስፋ ሰላም: ብልጽግና: ከምኡውን ሓጐስ ብምሃብ ‘ኣብ መወዳእታ መጸበቐሎም’ ነይሩ።
ሓደ ክማሃርዎ ዝነበሮም ኣገዳሲ ነገር “ሰብ ካብ ኣፍ እግዚኣብሄር ብዚወጽእ ኵሉ ነገር ደኣ እምበር: ብእንጌራ ጥራይ ከም ዘይነብር” ኢዩ። (ዘዳግም 8:3) ኣምላኽ ማና እንተ ዘይህቦም ነይሩ ከምቲ እቲ ህዝቢ ባዕሉ ዝበሎ ብጥሜት ምሞቱ ነይሮም። (ዘጸኣት 16:3, 4) እቶም መማሰውቲ እስራኤላውያን ግን ምሉእ ብምሉእ ኣብ የሆዋ ንኽጽግዑ መዓልታዊ ይዘኻኸሩ: ስለዚ ኸኣ ርእሶም ኣትሕት ኣቢሎም ይርእዩ ነበሩ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣብታ ኣኽል-ታርፍ ስጋዊ ነገራት ዘለዋ ምድሪ ተስፋ ምስ በጽሑ ንየሆዋን ኣብኡ ምጽጋዕ ከም ዘድልዮምን ክርስዑ ፈጺሙ ዘይመስል ኢዩ።
ክርስትያናት ልክዕ ከም እስራኤላውያን ንህይወት ዘድልዮም ኵሉ ማለት ስጋዊ ይኹን መንፈሳዊ ነገራት ንምርካብ ኣብ የሆዋ ምጽጋዕ ከም ዘድልዮም ከስተውዕሉ ኣለዎም። (ማቴዎስ 5:3፣ 6:31-33) የሱስ ክርስቶስ ንሓደ ካብቲ ድያብሎስ ዘቕረበሉ ፈተናታት ክምልስ ከሎ: ኣብ ዘዳግም 8:3 ዝርከብ ቃላት ሙሴ ከምዚ ብምባል ጠቐሰ:- “ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዚወጽእ ኵሉ ቓል እምበር: ብንጌራ ጥራይ ኣይነብርን: ጽሑፍ እዩ።” (ማቴዎስ 4:4) እወ: እቶም ሓቀኛታት ኣምለኽቲ ቃል የሆዋ ብምንባብ ይዕንገሉ ኢዮም። ብተወሳኺውን: ምስ ኣምላኽ ክመላለሱ ከምኡውን መንግስቱ ከቐድሙ ከለዉ እቲ ቓል ኣብ ህይወቶም ዘምጽኦ ጠቓሚ ጽልዋ ንእምነቶም የደልድላ ኢዩ።
ዘይፍጹማት ሰባት ንሓደ ልሙድ ክፍሊ ህይወቶም ዝዀነ ነገር—ዋላ እውን መግለጺ ፍቕራዊ ሓልዮት ናይ የሆዋ ይኹን—ዘለዎም ሞሳ ክጠፍእ ይኽእል ኢዩ። ንኣብነት: ኣብ መጀመርታ እቲ ብልዕለ-ባህርይ ዝዀነ ሓይሊ እተዳለወ ማና ነቶም እስራኤላውያን ኣገሪምዎምን ኣሐጒስዎምን ነይሩ ኢዩ: ድሓር ግን መብዛሕትኦም ኣማሪሮም ኢዮም። ብንዕቀት “ነዚ ፈኵሽ እንጌራ ኸኣ ነፍስና መንያቶ እያ” ኢሎም ኣጕረምረሙ: እዚ ድማ ‘ካብ ህያው ኣምላኽ ክርሕቑ’ ከም ዝጀመሩ ኢዩ ዘርኢ። (ዘሁልቍ 11:6፣ 21:5፣ እብራውያን 3:12) ስለዚ: ኣብነቶም “ንኣና እቲ መወዳእታ ዘመናት ንዘርከበናውን ንተግሳጽ” ይዀነና ኢዩ።—1 ቈረንቶስ 10:11
ነዚ ናይ መጠንቀቕታ ኣብነት እዚ ብኸመይ ኢና እነቕልበሉ፧ ሓደ መገዲ: ነቲ ብእሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ኣቢሉ ዝመጽእ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ምድላዋት ተራ ነገር ወይ ብቐሊሉ ዝርከብ ገይርና ብዘይምርኣይ ኢዩ። (ማቴዎስ 24:45) ውህበታት የሆዋ ከም ትሑዝ ገይርና ክንወስዶ ወይ ክስልክየና እንተ ጀሚሩ: ምስኡ ዘሎና ርክብ ክዝሕትል ጀሚሩ ኣሎ ማለት ኢዩ።
የሆዋ ዘደንቕ ሓደስቲ ነገራት ብሓንሳእ ዘየውሕዘልና እኹል ምኽንያት ስለ ዘለዎ ኢዩ። ኣብ ክንድኡስ ነቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ብርሃን በብቕሩብ ይገልጸልና። (ምሳሌ 4:18) እዚ ኸኣ ህዝቡ ነቲ እተማህርዎ ንኽርድእዎን ኣብ ግብሪ ንኸውዕልዎን የኽእሎም። የሱስ ነቶም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቱ ክምህሮም ከሎ ናይ ኣቦኡ ኣብነት ኢዩ ዝሰዓበ። ቃል ኣምላኽ “ምስማዑ ብዚከአሎም መጠን” ወይ ገለ ትርጕማት ከም ዝብልዎ “ክርድእዎ” ክሳዕ ዝኽእሉ ገለጸሎም።—ማርቆስ 4:33፣ ምስ ዮሃንስ 16:12 ኣረኣእዮ።
ኣብቲ ኣምላኽ ዝገበሮ ምድላዋት ዘሎካ ሞሳ ኣዕብዮ
የሱስ እውን ንሓደ ነጥቢ ደጋጊሙ ይገልጾ ነይሩ ኢዩ። ርግጽ ኢዩ: ኣእምሮ ንእተወሰነ ነጥብታት—ንኣብነት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታት—ብቕጽበት ክርዳእ ይኽእል ኢዩ። እንተዀነ ግን: ብፍላይ ናይ ኣረጊት ዓለም መገድታትን ኣረኣእያን ኣዕሚቝ ሱር እንተድኣ ሰዲዱ: ኣብ ልቢ ንኽቕረጽ ከምኡውን ክፍሊ ናይ “ሓድሽ ሰብ” ንምዃን ግዜ ይወስድ ኢዩ። (ኤፌሶን 4:22-24) ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ትዕቢት ኣጥፊኦም ትሕትና ኣብ ዘማዕበልሉ እዋን ከምዚ ኣብ ላዕሊ እተገልጸ ኵነታት ኢዩ ገጢምዎም። የሱስ ነቲ ብዛዕባ ትሕትና ዝምልከት ትምህርቲ ኣብ ኣእምሮኦም ምእንቲ ክሰርጽ ነዚ መሰረታዊ ነጥቢ እዚ ካብ እተፈላለየ ኵርናዓትን ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታትን ክምህሮም ነበሮ። ኣብ መወዳእታ እቲ ትምህርቲ ኣብ ኣእምሮኦም ሰሪጹ ኢዩ።—ማቴዎስ 18:1-4፣ 23:11, 12፣ ሉቃስ 14:7-11፣ ዮሃንስ 13:5, 12-17
ኣብዚ ዘመናዊ ግዜ እውን ክርስትያናዊ ኣኼባታትን ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ጽሑፋትን ብግቡእ እተዳለወ ምድግጋም ብምጥቃም ናይ የሱስ ኣብነት ኢዮም ዝስዕቡ። ስለዚ: ነዚ ምድላው እዚ ከም መግለጺ ፍቕራዊ ሓልዮት ኣምላኽ ገይርና ንውሰዶ: ከምኡውን ከምቲ እስራኤላውያን ማና ዝሰልከዮም እቲ ዝቐርበልና ነገር ክስልክየና የብሉን። ብቐጻሊ ካብ የሆዋ ዝመጸና መዘኻኸሪታት ኣብ ውሽጥና ከም ዝሰርጽ እንተድኣ ገይርናዮ: ኣብ ህይወትና ሰናይ ፍረ ክንርኢ ኢና። (2 ጴጥሮስ 3:1) ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ምምሳው ዝንባለ: ንቓል ኣምላኽ ‘ነስተውዕሎ’ ከም ዘሎና የርኢ። (ማቴዎስ 13:15, 19, 23) ብዛዕባ እዚ ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር ጽቡቕ ኣብነት ክዀነና ይኽእል ኢዩ። ከምዚ ሎሚ ንሕና እንረኽቦ ዘሎና እተፈላለየ መንፈሳዊ መግቢ ይረክብ እኳ እንተ ዘይነበረ: ንሕጋጋት የሆዋ “ካብ መዓር: ኤረ ኻብ መዓር ወለላ ዚጥዕም እዩ” ብምባል ገለጾ!—መዝሙር 19:10
እቲ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝህብ “ማና”
የሱስ ንኣይሁድ ከምዚ በሎም:- “እንጌራ ህይወት ኣነ እየ። ኣቦታትኩም ኣብ በረኻ ማና በልዑ እሞ ሞቱ። . . . እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ ህይወት ኣነ እየ። ካብዚ እንጌራ እዚ ዝበልዔ ዘበለ ንዘለኣለም ኪነብር እዩ። እዚ ኣነ ምእንቲ ህይወት ዓለም ዝህቦ እንጌራ ኸኣ ስጋይ እዩ።” (ዮሃንስ 6:48-51) ቃል ብቓሉ እንጌራ ወይ ማና ዘለኣለማዊ ህይወት ኣይህብን ኢዩ: ክህብ እውን ኣይክእልን ኢዩ። እቶም ብበጅነታዊ መስዋእቲ የሱስ ዝኣምኑ ግን ኣብ መወዳእታ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከስተማቕሩ ኢዮም።—ማቴዎስ 20:28
መብዛሕትኦም ካብቶም ብበጅነት የሱስ ዝጥቀሙ ሰባት ኣብ ገነታዊት ምድሪ ዘለኣለማዊ ህይወት ከስተማቕሩ ኢዮም። በቶም ካብ ግብጺ ምስ እስራኤላውያን ዝወጹ ‘ብዙሕ ሕውስዋስ ህዝቢ’ ዝምሰሉ “ዓቢ ጭፍራ” (NW ) ካብቲ ዝመጽእ ዘሎ ንዅሉ ኣብ ምድሪ ዝርከብ ክፍኣት ዘጥፍእ “ብርቱዕ ጸበባ” ክድሕኑ ኢዮም። (ራእይ 7:9, 10, 14፣ ዘጸኣት 12:38) እቶም ብእስራኤላውያን ዝምሰሉ ኸኣ ዝዓበየ ዓስቢ ክረኽቡ ኢዮም። ሃዋርያ ጳውሎስ ነዞም 144,000 ዝቝጽሮም ሰባት ናይ ኣምላኽ መንፈሳዊ እስራኤል ከም ዘቝሙ ገይሩ ገሊጽዎም ኣሎ። እቲ ድሕሪ ሞት ዝረኽብዎ ዓስቢ: ትንሳኤ ብምርካብ ኣብ ሰማይ ምንባር ኢዩ። (ገላትያ 6:16፣ እብራውያን 3:1፣ ራእይ 14:1) ኣብኡ ድማ የሱስ ፍሉይ ዓይነት ማና ክህቦም ኢዩ።
ትርጕም ናይቲ “ስዉር ማና”
እቲ ዝተንስአ የሱስ ነቶም መንፈሳውያን እስራኤል “ነቲ ዚስዕር ካብቲ ስዉር ማና ኽህቦ እየ” በሎም። (ራእይ 2:17) እዚ ምሳልያዊ ስዉር ማና ነቲ ኣምላኽ ንሙሴ ኣብ ፍዮ ወርቂ ገይሩ ኣብ ውሽጢ ቅዱስ ታቦት ኪዳን ከቐምጦ ዝኣዘዞ ማና የዘኻኽረና። እቲ ታቦት ኣብ ቅድስተ ቅዱሳን ናይቲ ማሕደር ይርከብ ነበረ። ኣብኡ ኸኣ ዋላ ሓደ ክርእዮ ዘይክእል ብኻልእ ኣዘራርባ ስዉር ነበረ። እቲ እተዓቝረ ማና ከም መዘከርታ ስለ እተቐመጠ ኣብቲ ታቦት ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን ኣይጠፍአን። ስለዚ ነቲ ዘየቋርጽ ቀረብ መግቢ ዝሰማማዕ ምሳሌ ይኸውን። (ዘጸኣት 16:32፣ እብራውያን 9:3, 4, 23, 24) የሱስ ነቶም 144,000 እቲ ስዉር ማና ብምሃቡ: ከም መንፈሳውያን ደቂ ኣምላኽ መጠን ዘይትመውትን ዘይትጠፍእን ህይወት ከም ዝረኽቡ ውሕስነት ኣትዩሎም ኢዩ።—ዮሃንስ 6:51፣ 1 ቈረንቶስ 15:54
እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ናይ ህይወት ፈልፋሊ ኣባኻ [ኣብ የሆዋ] እዩ” በለ። (መዝሙር 36:9) እቲ ናይ ማና ምድላው—ቃል ብቓሉ ይኹን ምሳልያዊ—ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ነዚ መሰረታዊ ሓቂ እዚ ዘረጋግጾ! እቲ ኣምላኽ ነቶም ጥንታዎት እስራኤላውያን ዝሃቦም ማና ነቲ ኣብ ክንዳና እተዋህበ ስጋ የሱስ የመልክት: እቲ ብየሱስ ኣቢሉ ነቶም 144,000 እተዋህበ ምሳልያዊ ስዉር ማና ኸኣ ህይወት ንምርካብ ኵላትና ምሉእ ብምሉእ ኣብ ኣምላኽ እተመርኰስና ምዃንና ዘዘኻኽረና ኢዩ። (መዝሙር 39:5, 7) እምበኣር ኣብ ኣምላኽ ከም እንጽጋዕ ብትሕትናን ብቐጻልን ኣፍልጦ ንሃበሉ። የሆዋ ኸኣ ብግዲኡ ‘ኣብ መወዳእታ ከጸብቐልና ኢዩ።’—ዘዳግም 8:16
[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእልታት]
ኵሎም ሰባት ዘለኣለማዊ ህይወት ንኽረኽቡ ዘለዎም ትጽቢት ኣብቲ “ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ ህይወት ” እተመርኰሰ ኢዩ
[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ ኵሉ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምክፋል ነቲ ናይ የሆዋ መዘኻኸሪታት ሞሳ ከም ዘሎና ይገልጽ