ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • my ዛንታ 34
  • ሓድሽ ዓይነት መግቢ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሓድሽ ዓይነት መግቢ
  • መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ካብቲ ‘እኽሊ ሰማይ’ ምጥቃም
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2023
  • እቲ ብኣስራዚ እተሰርሐ ተመን
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
ዝያዳ ርአ
መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
my ዛንታ 34

ዛንታ 34

ሓድሽ ዓይነት መግቢ

እዞም ሰባት ካብ ምድሪ ዝኣርይዎ ዘለዉ እንታይ ምዃኑ ትፈልጦዶ፧ ኣስሓይታ ኢዩ ዝመስል። ከቢብ: ደቂቕ: ጻዕዳ ኢዩ። ኣስሓይታ ግን ኣይኰነን፣ ዝብላዕ ነገር ኢዩ።

እስራኤላውያን ንግብጺ ካብ ዝሓድግዋ ዳርጋ ሓደ ወርሒ ኢዩ ዀይኑ። ኣብ በረኻ ኢዮም ዘለዉ። ኣብዚ ብዙሕ እኽሊ ኣይበቍልን ኢዩ: ስለዚ ኸኣ እቶም ህዝቢ ከምዚ ብምባል ኣጕረምረሙ:⁠- ‘የሆዋ ኣብ ግብጺ እንተ ዝቐትለና መን ምሃበና። ኣብኡ ክንበልዖ እንኽእል ዝደለናዮ መግቢ ነይሩና።’

ስለዚ ኸኣ የሆዋ ‘እንጌራ ካብ ሰማይ ከዝንመልኩም ኢየ’ በሎም። የሆዋ ኸኣ ከምኡ ገበረ። ንጽብሒቱ እስራኤላውያን ኣብ ምድሪ እዚ ጻዕዳ ነገር ምስ ረኣዩ: ንሓድሕዶም ‘እዚ እንታይ ኢዩ፧’ ኢሎም ተሓታተቱ።

ሙሴ ‘እዚ እቲ የሆዋ ክትበልዕዎ ዝሃበኩም እንጌራ ኢዩ’ በሎም። እቶም ሰባት ከኣ ማና ኢሎም ጸውዕዎ። ከም ሕምባሻ ምስ መዓር ከኣ ይጥዕም ነበረ።

ሙሴ ነቲ ህዝቢ ‘ነፍሲ ወከፍ ክበልዖ ዝኽእል ይኣክብ’ ኢሉ ነገሮ። ስለዚ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ከምኡ ይገብሩ ነበሩ። ብድሕርዚ ጸሓይ ምስ ሞቐት እቲ ኣብ ምድሪ ዝተርፍ ማና ይመክኽ ነበረ።

ሙሴ ኸኣ ‘ሓደ እኳ ካብኡ ኽሳዕ ንጽብሒቱ ኣየትርፍ’ በሎም። ገለ ካብቶም ህዝቢ ግን ኣይሰምዑን። እንታይ ከም ዘጋጠሞም ትፈልጦዶ፧ ንጽብሒቱ እቲ ኣኪቦሞ ዝሓደሩ ማና ሓሰኸ: በድበደ ድማ!

ይኹን እምበር: የሆዋ ዕጽፊ ማና ክእክቡ ዘፍቀደሎም ኣብ ሰሙን ሓንቲ መዓልቲ ነይራቶም። እዚኣ ኸኣ እታ ሻዱሸይቲ መዓልቲ ኢያ። የሆዋ ኣብታ ሻብዐይቲ መዓልቲ ማና ስለ ዘየውርድ: ገለ ካብኡ ነታ ቐጺላ ዘላ መዓልቲ ክዓቝርዎ ነገሮም። እቲ ማና ነታ ሻብዐይቲ መዓልቲ ምስ ዓቘርዎ: ኣይሓሰኸን ኣይበድበደን! እዚ እውን ካልእ ተኣምራት ኢዩ!

እቲ እስራኤላውያን ኣብ በረኻ ዝነበሩሉ ኵሉ ዓመታት: የሆዋ ማና መገቦም።

ዘጸኣት 16:⁠1⁠-​36፣ ዘሁልቍ 11:⁠7⁠-​9፣ እያሱ 5:⁠10⁠-​12

ሕቶታት መጽናዕቲ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ