“ክሳዕ ወሰን ምድሪ” ብርሃን ኣብ ምዝርጋሕ ሓጊዙ ኢዩ
ሃዋርያ ጳውሎስ መንፈሳዊ ብርሃን “ክሳዕ ወሰን ምድሪ” ንምዝርጋሕ መሳርሒ ኰይኑ ኣገልጊሉ ኢዩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ብዙሓት ‘ንህይወት ዘለኣለም እተመደቡ ሰባት ኣመኑ።’—ግብሪ ሃዋርያት 13:47, 48፣ ኢሳይያስ 49:6
መንፈሳዊ ብርሃን ናይ ምብራህ ልባዊ ባህጊ ኣብቲ ውፉይ ናብራ ህይወትን ዘይሕለል ክርስትያናዊ ጻዕርን ዝነበሮ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀነ ዊልያም ሎይድ ባሪ እውን ተራእዩ ኢዩ። ሓው ባሪ ኣብቲ ኣብ ሃዋይ እተኻየደ ኣውራጃዊ ኣኼባ እናኣገልገለ ኸሎ ብ2 ሓምለ 1999 ካብዛ ዓለም እዚኣ ብሞት ተፈልዩ።
ሎይድ ባሪ ኣብ ኒው ዚላንድ ብ20 ታሕሳስ 1916 ኢዩ ተወሊዱ። ኣቦኡን ኣዲኡን ኣቐድም ኣቢሎም ኣብቲ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን እተዘርግሐ ሲ. ቲ. ራስል ዘዳለዎ ጽሑፋት ዝርከብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቅታት ዓሚቝ ተገዳስነት ኣሕዲሮም ነበሩ። ስለዚ ሓው ባሪ ኣብ ሓንቲ ውፍይቲ ክርስትያናዊት ስድራቤት ኢዩ ዓብዩ።
ሓው ባሪ ኣብ ስፖርትን ትምህርትን ከምኡውን ብስነ-ፍልጠት ዲግሪ ክረክብ ተገዳስነት እኳ እንተ ነበሮ: ነቲ ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ዝነበሮ ኣትኵሮ ኣየጥፍአን። ስለዚ ብ1 ጥሪ 1939 ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ተጸምደ እሞ ኣውስትራልያ ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ኣባል ስድራ ቤትኤል ኰነ። እቲ መንግስቲ ንዕዮ ማሕበር ብ1941 ምስ ኣገዶ: ሓው ባሪ ኣብ ዕዮ ቤት ጽሕፈት ንጡፍ ኰይኑ የገልግል ነበረ። ሓድሓደ ግዜ እውን ንኣመንቲ ብጾቱ ዘተባብዕ ሓሳባት ክጽሕፍ ይምደብ ነበረ። ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎት እውን እንተዀነ ኣብነታዊ መሪሕነት ይወስድ ነበረ።
ኣብ ለካቲት 1942 ሓው ባሪ ንሓንቲ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊት ተመርዓወ። ኣብ ኵሉ እዚ ዓመታት እዚ እታ ፈቃር ሰበይቱ ሜልባ ኣብ ብዙሕ ክፍልታት ምድሪ ምስኡ ዀይና ብተኣማንነት ኣገልጊላ ኢያ። ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዝርከብ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ኣብ መበል 11 ክፍሊ ተማሂሮም ኣብ ወጻኢ ሃገር ከይዶም ንምግልጋል ዓቢ ስጕምቲ ወሰዱ። እቲ እተመደብሉ ሃገር ኣብቲ ዝበዝሑ ሰባት “ወሰን ምድሪ” ኢሎም ዝሓስብዎ ጃፓን ኢዩ ነይሩ። ኣብታ ሃገር እቲኣ ሕዳር 1949 ምስ በጽሑ ኣብታ ወደባዊት ከተማ ኮቤ ሚስዮናውያን ኰይኖም ከገልግሉ ጀመሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ጃፓን ነቲ ብስራት ዝሰብኩ ዝነበሩ 12 ሰባት ጥራይ ኢዮም። ሓው ባሪ ናይዛ ሓዳስ ሃገሩ ቋንቋን ልምድን ተማህረ እሞ ንህዝቢ ጃፓን ኣጸቢቑ እናፈተዎም ከደ። ኣብኡ ኸኣ ን25 ዓመታት ኣገልገለ። ነቶም “ንህይወት ዘለኣለም እተመደቡ” ሰባት ዝነበሮ ፍቕሪ ኣብቲ እናሰሰነ ዝኸይድ ዝነበረ ክርስትያናዊ ሕውነት ተጋሂዱ ኢዩ: እዚ ባህሪ እዚ ኸኣ ኣብታ ሃገር እቲኣ ንዘሎ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ንዓሰርተታት ዓመታት ዝኣክል ብስሉጥ መገዲ ከካይዶ ሓጊዝዎ ኢዩ።
ኣብ መፋርቕ 1975 ኣብ ጃፓን ገለ 30,000 ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዝነበርሉ ዓመት: ሓውና ባሪ ምስ ሰበይቱ ኣብ ብሩክሊን ኒው ዮርክ ኰይኑ ከገልግል ተቐየረ። ሓው ባሪ ብመንፈስ እተቐብአ ክርስትያን ብምዃኑ ከም ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይኑ ከገልግል ተዓደመ። (ሮሜ 8:16, 17) እቲ ናይ ምጽሓፍ ተመክሮኡ ኣብቲ ከም ኣባል ክፍሊ ጽሕፈት ኰይኑ ከገልግል እተመዘዘሉ ሓድሽ መደብ ኣጸቢቑ ጠቒምዎ ኢዩ። እቲ ኣብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ይኹን ኣብ ኣህጕራዊ ዕዮ ዘሕለፎ ተመክሮ ድማ ከም ኣባል ናይ ኣመሓዳሪ ኣካል ኮሚተ ሕትመት መጠን ጠቓሚ ኣበርክቶ ክገብር ኣዕጢቕዎ ኢዩ።
ሓው ባሪ ኣብ ኵሉ እዚ ዝሓለፈ ዓመታት ነቲ ንምብራቓዊ ሃገራትን ኣብኡ ንዘለዉ ሰባትን ዘለዎ ፍቕሪ ገሊጹ ኢዩ። ናይ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ተማሃሮን ኣባላት ስድራ ቤትኤልን ንሓው ባሪ ኣብ ዝርርባቱ ይኹን ኣብቲ ዘቕርቦ ሓሳባት ብዛዕባ እቶም ኣብ ዕዮ ሚስዮናውነት ዘገልግሉ ዝነበሩ ብዙሓት ኣሕዋት ልብኻ ዝትንክፍ ታሪኽ ከጕልሕ ኢዮም ዝሰምዕዎ ነይሮም። ሓው ባሪ ብውዕዉዕ መንፈስ ናይ ገዛእ ርእሱ ተመክሮ ክገልጽ ከሎ ናይ መንግስቲ ስብከት ንጥፈት “ክሳዕ ወሰን ምድሪ” ክሳዕ ክንደይ ይዝርጋሕ ምህላዉ ኣብ ኣእምሮኻ ጽቡቕ ገይሩ ኢዩ ዝሰኣል። ገለ ካብዚ ተመክሮታት እዚ ኸኣ ኣብታ ናይ 15 መስከረም 1960 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ባዕሉ ዘቕረቦ ብሕታዊ ተመክሮኡ ተጠቒሱ ኣሎ።
ሓው ባሪ ‘መዋርስቲ ክርስቶስ’ ብምዃኑ ኣብቶም “ንህይወት ዘለኣለም እተመደቡ” ዘርእዮ ተገዳስነት ከም ዝቕጽል ክንተኣማመን ንኽእል ኢና። ኵሎም እቶም ንየሆዋ ምሉእ ብምሉእ እተወፈየን ንህዝቢ ኣምላኽ ከኣ ምዉቕ ፍቕሪ ዘለዎን መንፈሳዊ ሰብ ገይሮም ዝፈልጥዎን ዘፍቅርዎን ዝነበሩ ሰባት ብዙሕ ከም ዝናፍቕዎ እተረጋገጸ ኢዩ። ይኹን እምበር: ሓው ባሪ ክሳዕ መወዳእታ ምድራዊ ህይወቱ ብተኣማንነት ብምጽማሙ ንሕጐስ ኢና።—ራእይ 2:10
[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]
“ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ ” (እንግሊዝኛ ) ብ1988 ክትወጽእ ከላ ሎይድ ባሪ ምስ ጆን ባር
[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]
ናይ መበል 11 ክፍሊ ጊልዓድ ተመረቕቲ ድሕሪ 40 ዓመት ኣብ ጃፓን ተኣኪቦም ከለዉ