ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g20 ቍ. 1 ገጽ 3
  • ጸቕጢ ኣሎካዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ጸቕጢ ኣሎካዶ፧
  • ንቕሑ!—2020
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጸቕጢ እንታይ እዩ፧
    ንቕሑ!—2020
  • ትሕዝቶ
    ንቕሑ!—2020
  • ንጸቕጢ ብኸመይ ትጻወሮ፧
    ንቕሑ!—2020
  • ጠንቅታት ጸቕጢ እንታይ እዩ፧
    ንቕሑ!—2020
ንቕሑ!—2020
g20 ቍ. 1 ገጽ 3
ሓንቲ ርእሳ ዘድነነትን ኣዝያ ዝጐሃየትን ኣብ ስራሕ ዘላ ጸቕጢ ዝበርትዓ ሰበይቲ።

ካብ ጸቕጢ እፎይታ ርኸብ

ጸቕጢ ኣሎካዶ፧

“ኵሉ ሰብ ብእተወሰነ ደረጃ ጸቕጢ ኣለዎ፣ ኣነ ግና ጸቕጢ በዚሑኒ ኣሎ። እቲ ጸቕጢ ኸኣ ካብ ሓደ ዓብዪ ጸገም ዘይኰነስ፡ ካብ ብዙሕ ኵነታት፡ ካብ ቃልስታት፡ ከምኡ እውን ካብቲ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ሕማም ንዘለዎ ሰብኣየይ ዝገብረሉ መወዳእታ ዘይብሉ ዚመስል ክንክን እዩ ዚመጽእ።”—ጂል።a

“ሰበይተይ ሓዲጋትኒ ኸይዳ፣ ንኽልተ ደቀይ ከኣ በይነይ ከዕብዮም ነይሩኒ። ንጽል ወላዲ ምዃን ቀሊል ኣይኰነን። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ፡ ስራሐይ ስኢነ፣ ፍቓድ ማኪናይ ንምሕዳስ መመርመሪ ዚኸውን እውን ኣይነበረንን። እንታይ ከም ዝገብር ሓርቢቱኒ። ጸቕጢ በርቲዑኒ ነይሩ። ገዛእ ርእሰይ ምቕታል ጌጋ ምዃኑ ብውሽጠይ ስለ ዝፈልጥ፡ ኣምላኽ ንመከራይ መወዳእታ ኺገብረሉ ለሚነዮ።”—ባሪ።

ንስኻኸ ኸም ጂልን ባሪን ጸቕጢ በርቲዑካዶ ይፈልጥ፧ ከምኡ እንተ ተሰሚዑካ፡ እዘን ዚስዕባ ዓንቀጻት ኬጸናንዓኻን ኪሕግዛኻን እየን። ኣብዘን ዓንቀጻት እዚአን፡ ልሙድ ጠንቅታት ጸቕጢ እንታይ ምዃኑ፡ ጸቕጢ ብኸመይ ከም ዚጸልወና፡ ከምኡ እውን ካብ ጸቕጢ ኸመይ ጌርና እተወሰነ እፎይታ ኸም እንረክብ ክንምርምር ኢና።

a ስማት ተቐዪሩ እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ