ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g20 ቍ. 1 ገጽ 8-13
  • ንጸቕጢ ብኸመይ ትጻወሮ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንጸቕጢ ብኸመይ ትጻወሮ፧
  • ንቕሑ!—2020
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብዛዕባ ጽባሕ ኣይትጨነቕ
  • ሚዛናዊ መለክዒታት ይሃሉኻ
  • ጸቕጢ ዚፈጥረልካ ነገር ፍለጥ
  • ብስርዓት ክትመላለስ ጽዓር
  • ሚዛናዊ ናብራ ኺህልወካ ጽዓር
  • ንጥዕናኻ ተኸናኸን
  • ቀዳምነታት ስራዕ
  • ደገፍ ርኸብ
  • ንመንፈሳዊ ህርፋንካ ቘላሕታ ግበረሉ
  • ውጥረት ንምቍጽጻር ዚሕግዝ መገድታት
    ንቕሑ!—2014
  • ንጭንቀት ብዓወት ንኽትዋጽኣሉ እንታይ ክሕግዘካ ይኽእል፧
    ንቕሑ!—1999
  • ጸቕጢ እንታይ እዩ፧
    ንቕሑ!—2020
  • ጸቕጢ ኣሎካዶ፧
    ንቕሑ!—2020
ንቕሑ!—2020
g20 ቍ. 1 ገጽ 8-13
ኣብ ዓባይ ከተማ እትነብር ሕጕስትን ብርእሳ እትተኣማመንን ጓል ኣንስተይቲ።

ካብ ጸቕጢ እፎይታ ርኸብ

ንጸቕጢ ብኸመይ ትጻወሮ፧

ንጸቕጢ ብግቡእ ምእንቲ ኽትጻወሮ፡ ብዛዕባ ኣካላዊ ጥዕናኻ፡ ምስ ሰብ ብዛዕባ ዘሎካ ርክብ፡ ከምኡ ድማ ብዛዕባ እቲ ኣብ ህይወትካ ኣገዳሲ ዝዀነ ሸቶታትን ቀዳምነታትን ክትሓስብ ኣሎካ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ንጸቕጢ ብዝሓሸ ኽትጻወሮ፡ ካብኡ ሓሊፍካ እውን ክትንክዮ ዚሕግዝ ግብራዊ ስርዓታት ሒዛ ኣላ።

ብዛዕባ ጽባሕ ኣይትጨነቕ

ኣብ ዓባይ ከተማ እትነብር ሕጕስትን ብርእሳ እትተኣማመንን ጓል ኣንስተይቲ ብእግራ ትኸይድ።

“ጽባሕ ናይ ርእሳ ጭንቀት ኣለዋ እሞ፡ ብዛዕባ ጽባሕ ኣይትጨነቑ።”—ማቴዎስ 6:34።

ትርጉሙ፦ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና፡ ዜጨንቕ ነገራት የጓንፈና እዩ። ኣብ ልዕሊ ናይ ሎሚ ጭንቀት ግና ናይ ጽባሕ ጭንቀት ኣይትወስኽ። ብዛዕባ ጽባሕ ኣይትጨነቕ።

  • ጸቕጢ፡ ጭንቀት ኬምጽእ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ነዚ ዚስዕብ ፈትኖ፦ ቀዳማይ፡ እተወሰነ ጸቕጢ ዘይተርፍ ኪኸውን ከም ዚኽእል እመን። ብዘይተርፈካ ነገር ምጭናቕ፡ ንጸቕጥኻ ኺውስኾ ይኽእል እዩ። ካልኣይ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ዜስግኣካ ዅነታት ኸምቲ ዝፈራህካዮ ኣይከውንን እዩ።

ሚዛናዊ መለክዒታት ይሃሉኻ

“እታ ናይ ላዕሊ ጥበብ . . . ሚዛናዊት . . . እያ።”—ያእቆብ 3:17፡ እግረ ጽሑፍ።

ትርጉሙ፦ ማይ ቀጠነ በሃሊ ኣይትኹን። ንርእስኻ ዀነ ንኻልኦት ዘይከውን ልዑል መለክዒታት ኣይትስራዕ።

  • ትሑት ኩን፡ ሚዛናዊ መለክዒታት ይሃሉኻ፡ ዓቕምኻን ዓቕሚ ኻልኦትን ድሩት ምዃኑ እውን እመን። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ኣብ ከባቢኻ ጸቕጢ ኽትንክን ዝያዳ ኣሳልጦ ኽትረክብን ኢኻ። ብዘይካዚ፡ ተዋዛያይ ኩን። ዋላ ብዜጋጥም ጌጋ ትስሕቕ እንተ ዄንካ፡ ነቲ ዝሰፈነ ውጥረት ትንክዮን ብሩህ ኣመለኻኽታ ትሕዝን ኢኻ።

ጸቕጢ ዚፈጥረልካ ነገር ፍለጥ

“ኣስተውዓሊ ሰብ . . . ይሃድእ።”—ምሳሌ 17:27።

ትርጉሙ፦ ኣሉታዊ ስምዒታት ንኣተሓሳስባና ኺደፍኖ ስለ ዚኽእል፡ ክትሃድእ ፈትን።

  • ጸቕጢ ዚፈጥረልካ ነገር ኣለሊ፡ ምላሽካ እውን ኣስተብህለሉ። ንኣብነት፡ ጸቕጢ ኺስምዓካ ኸሎ፡ ሓሳባትካን ስምዒታትካን ጠባይካን ኣስተብህለሉ፣ እንተ ኽኢልካ እውን መዝግቦ። ጸቕጢ ኺስምዓካ ኸሎ እተርእዮ ምላሽ ትፈልጦ እንተ ዄንካ፡ ብዝሓሸ ኽትጻወሮ ትኽእል ኢኻ። ብተወሳኺ ድማ፡ ጸቕጢ ዚፈጥር ኵነታት ካብ ህይወትካ እተርሕቐሉ መገድታት ኣናዲ። እዚ ዘይከኣል እንተ ዀይኑ፡ ነቲ ጽልዋኡ እትንክየሉ መገድታት ድለ፣ ንኣብነት፡ ንዕዮኻ ወይ ንግዜኻ ብዝሓሸ መገዲ ኸተመሓድሮ ትኽእል ኢኻ።

  • ነቲ ነገር ብኻልእ ኣንፈት ርኣዮ። ንዓኻ ጸቕጢ ዚፈጥረልካ ነገር፡ ንኻልእ ጸቕጢ ኸይኰኖ ይኽእል እዩ። እቲ ፍልልይ ኣብ ኣረኣእያ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ነዚ ዚስዕብ ሰለስተ ርእይቶ ሕሰበሉ፦

    1. ብኽፍኣት ከም እተገብረ ጌርካ ተቐላጢፍካ ኣይትሕሰብ። መስርዕ ተሰሪዕካ ኸለኻ፡ ሓደ ሰብ ኣብ ቅድሜኻ ይኣቱ። ተግባሩ ኸም ስድነት ጌርካ እንተ ሓሲብካዮ፡ ክትቝጣዕ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ክንዳኡ ግና፡ ክፉእ ሓሲቡ ኸም ዘይገበሮ ጌርካ ስለምንታይ ዘይትሓስብ፧ መን ይፈልጥ፡ ሓቅኻ ትኸውን!

    2. ኣወንታዊ ሸነኽ ርአ። ኣብ እንዳ ሓኪም ወይ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ነዊሕ ግዜ ኽትጽበ ኸለኻ፡ ግዜኻ ንንባብ፡ ንስራሕ፡ ወይ ንኢመይል እንተ ተጠቒምካሉ፡ እቲ ትጽቢት ኣይኪኸብደካን እዩ።

    3. ኣስፊሕካ ርአ። ‘እዚ ጸገም እዚ ጽባሕ ወይ ዚቕጽል ሰሙን ዓብዪ ጕዳይ ኪኸውን ድዩ፧’ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት። ኣብ መንጎ ንእሽቶ ወይ ግዜያዊ ጕዳይን ከቢድ ጕዳይን ዘሎ ፍልልይ ኣለሊ።

ብስርዓት ክትመላለስ ጽዓር

ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ተሌፎና ዓውደ ኣዋርሕ ትርኢ።

“ኵሉ ብኣገባብን ብስርዓትን ይኹን።”—1 ቈረንቶስ 14:40።

ትርጉሙ፦ ኣብ ህይወትካ ስርዓት ከም ዚህሉ ኽትገብር ጽዓር።

  • ኣብ ህይወትና ሚዛናዊ ስርዓት ኪህሉ ንደሊ ኢና። ተግባርካ ትውዝፎ እንተ ዄንካ፡ እዚ ንስርዓት ኣልቦነትን ንጸቕጥን ኣበርክቶ ኺገብር ይኽእል እዩ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ጠልጠል ኢሉ እተሓድገ ዕዮ ይውህለለካ። እሞ ደኣ ስለምንታይ ነዚ ኽልተ ርእይቶ ዘይትፍትኖ፧

    1. ኪኸውን ዚኽእል መደብ ሓንጽጽ፡ ተግብሮ እውን።

    2. ተግባርካ ኸም እትውዝፍ ንዚገብረካ ኣረኣእያ ኣለሊኻ ኣርሞ።

ሚዛናዊ ናብራ ኺህልወካ ጽዓር

“ካብ ክልተ ዕማዅ ጻዕርን ደድሕሪ ንፋስ ምጕያይንሲ፡ ሓደ ዕማዅ ዕረፍቲ ይሓይሽ።”—መክብብ 4:6፡ እግረ ጽሑፍ።

ትርጉሙ፦ ስራሖም ወልፊ ዝዀኖም ሰባት፡ ነቲ ‘ኽልተ ዕማዅ ጻዕሮም’ ዜምጽኦ ጥቕሚ ኸይረኽቡ ይኽእሉ እዮም። ጻማ እቲ ሓዀትኰት ዝበሉሉ ስራሕ ንምስትምቓር፡ ግዜ ዀነ ጕልበት ከይህልዎም ይኽእል እዩ።

  • ብዛዕባ ስራሕን ገንዘብን ሚዛናዊ ኣረኣእያ ይሃሉኻ። ብዙሕ ገንዘብ፡ ብዙሕ ሓጐስ ወይ ሒደት ጸቕጢ የምጽእ ማለት ኣይኰነን። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ ብኣንጻሩ እዩ። መክብብ 5:12፡ “ንሃብታም . . . እቲ ሃብቱ ድቃስ ይኸልኦ” ትብል እያ። ስለዚ፡ ንናብራኻ ማዕቀንካ ግበሮ።

  • ንምዝናይ ዚኸውን ግዜ ይሃሉኻ። እትፈትዎ ነገር እንተ ጌርካ፡ ዚስምዓካ ዝነበረ ጸቕጢ ኺፈዅሰካ ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ ከም ቲቪ ዝኣመሰለ ብንጥፈት ዘየሳትፍ መዘናግዒ፡ ሓጋዚ ኸይከውን ይኽእል እዩ።

  • ንተክኖሎጂ ኣብ ቦታኡ ሓልዎ። ብቐጻሊ ኢመይል፡ ተክስት፡ ወይ ማሕበራዊ መራኸቢ ኣይትርአ። ዜገድድ ጕዳይ እንተ ዘየልዩ፡ ንስራሕ ዚምልከት ኢመይል ካብ ሰዓታት ስራሕ ወጻኢ ኣይትርአ።

ንጥዕናኻ ተኸናኸን

ሓደ መንእሰይ ኣብ ግዳም ፍሽኽ ኢሉ ይጐዪ።

‘ኣካላዊ ስልጠና ይጠቅም እዩ።’—1 ጢሞቴዎስ 4:8።

ትርጉሙ፦ ስሩዕ ምውስዋስ ኣካላት ንጥዕና ጽቡቕ እዩ።

  • ንጥዕና ዚጠቅም ልማዳት ኣማዕብል። ኣካላዊ ንጥፈታት ምግባር፡ ከም ዚብርሃካ ኺገብርን ንጸቕጢ ዘሎካ ተጻዋርነት ክብ ኬብሎን ይኽእል እዩ። መዓዛታት ዘለዎ ምግቢ ብላዕ፣ ቍርስን ምሳሕን ድራርን እውን ስርዓቱ ሓሊኻ ተመገብ። እኹል ዕረፍቲ ግበር።

  • ከም ምትካኽ ሽጋራን ምውሳድ ሓሽሽን ምብዛሕ መስተን ዝኣመሰለ ንጸቕጢ “ፍታሕ” የምጽእ ዚብሃለሉ ነገራት ኣወግድ። እዚ ነገራት እዚ፡ ንጥዕናኻ ብምብልሻውን ብረሃጽካ ንዝረኸብካዮ ገንዘብ ብምብኻንን፡ እናሓደረ ጸቕጢ እዩ ዚውስኽ።

  • ጸቕጢ እንተ በርቲዑካ፡ ናብ ሓኪም ኪድ። ካብ ሰብ ሞያ ሓገዝ ምርካብ፡ ከም ዝሓመቕካ ዜርኢ ኣይኰነን።

    “ንጸቕጥኻ ብሕያውነት ጌርካ ቕተሎ”

    “ሕያዋይ ሰብ ንርእሱ ይጠቅም፣ ጨካን ግና ኣብ ርእሱ ጭንቂ የምጽእ።”—ምሳሌ 11:17።

    ኦቨርካሚንግ ስትረስ (ንጸቕጢ ምስናፉ) ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “ንጸቕጥኻ ብሕያውነት ጌርካ ቕተሎ” ዘርእስታ ምዕራፍ ኣላታ። ብመሰረት እቲ ዶ/ር ቲም ካንቶፈር ዝስሙ ደራሲ እታ መጽሓፍ፡ ሕያውነት ንጥዕናናን ንሓጐስናን ጽቡቕ እዩ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግና፡ ዘይሕያዋይ ወይ ጨካን ሰብ ንርእሱ ኻብ ካልኦት ስለ ዚፈሊ፡ ሓጐስ ይስእን እዩ።

    ገዛእ ርእስና ብሕያውነት ብምሓዝ፡ ካብ ጸቕጢ እፎይታ ኽንረክብ ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ብዛዕባ ርእስና ልዕሊ ዓቕምና ወይ ዘይከውን ትጽቢት ክንገብር የብልናን። ንርእስና ኸነቈናጽብ ወይ ክንሃሲ እውን የብልናን። የሱስ ክርስቶስ፡ “ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ” ኢሉ እዩ።—ማርቆስ 12:31።

ቀዳምነታት ስራዕ

“እቲ ዚሓይሽ [መርምሩ።]”—ፊልጲ 1:10።

ትርጉሙ፦ ብቐዳምነት ንእትሰርዖ ነገር ተጠንቂቕካ መርምሮ።

  • ንተግባራትካ ብመሰረት ኣገዳስነቱ ስርዓዮ። እዚ ኸኣ ኣብቲ ብዝያዳ ኣገዳሲ ዝዀነ ዕዮ ንምትኳር ኪሕግዘካ እዩ፣ ኣየናይ ክትውዝፎ፡ ኣየናይ ንኻልእ ሰብ ክትህቦ፡ ወይ ኣየናይ ክትስርዞ ኸም ዘሎካ ንምውሳን ይሕግዘካ እዩ።

  • ንሓደ ሰሙን፡ ኣጠቓቕማ ግዜኻ መዝግብ። ድሕሪኡ፡ ከመይ ጌርካ ኸም እተመሓይሽ መገድታት ኣናዲ። ንግዜኻ ብዝያዳ ኽትቈጻጸሮ ብዝኸኣልካ መጠን፡ ዚስምዓካ ጸቕጢ እናነከየ ኪኸይድ እዩ።

  • ንምዝንጋዕ ዚኸውን ግዜ መድብ። ሓጺር ዕረፍቲ እኳ ንሓይልኻ ኼሐድሶን ጸቕጢ ኺንክየልካን ይኽእል እዩ።

ኣቦን ኣደን ምስ ወዶምን ጓሎምን ግዜ የሕልፉ።

ደገፍ ርኸብ

“ኣብ ልቢ ሰብ ዝሓደረ ጭንቀት ንዕኡ ይኸብዶ፣ ጽቡቕ ቃል ግና የሐጕሶ።”—ምሳሌ 12:25።

ትርጉሙ፦ ብለውሃትን ብርሕራሐን ዚዝረብ ቃል ኼተባብዓካ ይኽእል እዩ።

  • ንዚርድኣልካ ሰብ ኣዘራርቦ። እቲ ምስጢርካ እተካፍሎ ሰብ ነቲ ነገር ብኻልእ ኣንፈት ኪርእዮ ወይ ድማ ዘይተራእየካ ፍታሕ ኬምጽኣልካ ይኽእል እዩ። ጾርካ ምድርባይካ ጥራይ እውን፡ ጽቡቕ ከም ዚስምዓካ ኺገብር ይኽእል እዩ።

  • ሓገዝ ሕተት። ዕዮኻ ንኻልእ ክትህብ ወይ ካልእ ኪድግፈካ ኽትሓትትዶ ትኽእል፧

  • ኣብ ስራሕ ምስ እትረኽቦ ሰብ እተተሓሓዘ ጸቕጢ እንተ ኣልዩካ፡ ንዅነታትካ ንምምሕያሽ መገድታት ኣናዲ። ንኣብነት፡ ነቲ ሰብ እንታይ ስምዒት ከም ዜሕድረልካ ብለውሃትን ብሜላን ክትነግሮ ትኽእልዶ፧ (ምሳሌ 17:27) እዚ ስጕምቲ እዚ ፍረ እንተ ዘየፍርዩ፡ ምስቲ ሰብ እተሕልፎ ግዜ ኽትንኪ ትኽእልዶ፧

ንመንፈሳዊ ህርፋንካ ቘላሕታ ግበረሉ

ሓደ ሰብኣይ ኣብ ስራሑ ይጽሊ።

“መንፈሳዊ ነገራት ዚሃርፉ፡ . . . ሕጉሳት እዮም።”—ማቴዎስ 5:3።

ትርጉሙ፦ ሰባት ከም ምዃንና መጠን፡ ካብ ምግብን ክዳንን መጽለልን ንላዕሊ እዩ ዜድልየና። መንፈሳዊ ህርፋን ኣሎና። ሕጉሳት ምእንቲ ኽንከውን፡ ንመንፈሳዊ ህርፋንና ኸነተኵረሉን ንምርዋዩ ስጕምቲ ኽንወስድን ኣሎና።

  • ጸሎት ብዙሕ ኪሕግዝ ይኽእል እዩ። “[ኣምላኽ] ይሓልየልኩም እዩ እሞ፡ ንዅሉ ጭንቀትኩም ናብኡ ደርብይዎ” ዚብል ዕድመ ቐሪቡልና ኣሎ። (1 ጴጥሮስ 5:7) ምጽላይን ብግቡእ ምስትንታንን ውሽጣዊ ሰላም ኬምጽኣልና ይኽእል እዩ።—ፊልጲ 4:6, 7።

  • ብመንፈሳዊ ዜተባብዕ ነገራት ኣንብብ። ኣብዛ መጽሔት እዚኣ ተገሊጹ ዘሎ ሓሳባት ካብቲ ንመንፈሳዊ ህርፋንካ ንምርዋይ እተጻሕፈ መጽሓፍ ቅዱስ እተወስደ እዩ። ‘ግብራዊ ጥበብን ምምዝዛንን’ እውን ሒዙ ኣሎ። (ምሳሌ 3:21) እሞ ደኣ መጽሓፍ ቅዱስ ንምንባብ ስለምንታይ ሸቶ ዘይትገብር፧ ካብ መጽሓፍ ምሳሌ ኽትጅምር ትኽእል ኢኻ።

ይቕረታ ዘለዎ ጽልዋ

“ልቦና ንሰብ፡ ብርግጽ ንቝጥዓ ደንጓዪ ይገብሮ፣ በደል ዕሽሽ ምባል ድማ የጸብቐሉ።”—ምሳሌ 19:11።

ሎረን ቱሳንት ኣብ ጆርናል ኦቭ ሄልዝ ሳይኮሎጂ፡ ‘ጸቕጢ ንጥዕና ይጐድእ፡ ይቕረታ ንጥዕና ይሕሉ’ ኢሉ ኣሎ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ “ይቕረታ ኺብሃል ከሎ፡ ነቲ በዳሊ እተርእዮ ኣሉታዊ ስምዒታትን ጠባይን ትሓድጎ፣ ኣወንታዊ መዳዩ ድማ ተዕዝዝ ማለት እዩ” ኢሉ ኣሎ። ስለዚ ድማ፡ ይቕረታ፡ “ምስ ጸቕጢ እተተሓሓዘ ጸገም ንምንካይ ይሕግዝ” ኢሉ ደምዲሙ ኣሎ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ