ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g20 ቍ. 1 ገጽ 5-7
  • ጸቕጢ እንታይ እዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ጸቕጢ እንታይ እዩ፧
  • ንቕሑ!—2020
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጽቡቕን ሕማቕን ጸቕጢ
  • ትሕዝቶ
    ንቕሑ!—2020
  • ጸቕጢ ኣሎካዶ፧
    ንቕሑ!—2020
  • ንጸቕጢ ብኸመይ ትጻወሮ፧
    ንቕሑ!—2020
  • ውጥረት ንምቍጽጻር ዚሕግዝ መገድታት
    ንቕሑ!—2014
ንቕሑ!—2020
g20 ቍ. 1 ገጽ 5-7
ኣብ ከተማ፡ ቤት ጽሕፈቱ ናብ ዚርከብ ህንጻ ዚጐዪ ዘሎ ሰራሕተኛ።

ካብ ጸቕጢ እፎይታ ርኸብ

ጸቕጢ እንታይ እዩ፧

ጸቕጢ፡ ኵነታት ኪኸብድ ከሎ ሰብነትካ ዚህቦ ምላሽ እዩ። ሓንጐልካ ናብ ኵሉ ኽፋል ሰብነትካ ሆርሞናት ይሰድድ። እዚ ድማ ንህርመት ልብኻ ይውስኾ፡ ንጸቕጢ ደምካ ይጸልዎ፡ ንዓቕሚ ሰናቡእካ ይውስኾ ወይ ይንክዮ፡ ንጭዋዳታትካ እውን ይኣሳስሮ። እንታይ ይኸውን ከም ዘሎ ምሉእ ብምሉእ ከይተረድኣካ ኸሎ፡ ሰብነትካ ንተግባር ይዳሎ። ብርቱዕ ጸቕጢ ዚፈጥር ኵነታት ምስ ሓለፈ፡ ሰብነትካ ኻብቲ ዝነበሮ ደረጃ ናብ ንቡር ይምለስ።

ጽቡቕን ሕማቕን ጸቕጢ

ጸቕጢ ንኸቢድ ወይ ንሓደገኛ ዅነታት ክትጻወር ዜኽእል ተፈጥሮኣዊ ምላሽ እዩ። ናይ ጸቕጢ ምላሽ ኣብ ሓንጐል እዩ ዚጅምር። ጠቓሚ ጸቕጢ ቕልጡፍ ስጕምቲ ኽትወስድ የኽእለካ እዩ። እተወሰነ መጠን ጸቕጢ ሸቶታትካ ኽትወቅዕ ወይ ክትነፍዕ ይሕግዘካ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ መርመራ፡ ኣብ ናይ ስራሕ ቃለ መጠይቕ፡ ወይ ኣብ ስፖርታዊ ንጥፈት ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ቀጻሊ፡ ብርቱዕ፡ ወይ ሕዱር ጸቕጢ ግና ኪጐድኣካ ይኽእል እዩ። ሰብነትካ ብተደጋጋሚ ወይ ብቐጻሊ ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ እንተ ዀይኑ፡ ኣካላውን ስምዒታውን ኣእምሮኣውን ሽግር የጋጥመካ ይኸውን። ጠባይካ ይልወጥ ይኸውን፣ ንሰብ ዘሎካ ኣተሓሕዛ እውን ይቕየር ይኸውን። ብሰንኪ ሕዱር ጸቕጢ ንሰብነትካ ዚጐድእ ነገራት ምጥቃም ትጅምር ወይ ብኻልእ መገዲ ንጥዕናኻ ኽትጐድእ ትኽእል ትኸውን። ሕሉፍ ሓሊፍካ ጭንቀት ከተሕድር፡ ሓይልኻ ኸም እተጸንቀቐ ኪስምዓካ፡ ርእሰ ቕትለት ክትሓስብ ትኽእል ትኸውን።

ጸቕጢ ንዅሉ ሰብ ብሕደ መገዲ ጽልዋ ዘይገብር እኳ እንተ ዀነ፡ ንብዙሕ ሕማማት ግና ኣበርክቶ ኺገብር ይኽእል እዩ። ዳርጋ ንዅሉ ኽፋል ሰብነት እውን ኪጸሉ ይኽእል እዩ።

ጸቕጢ ንሰብነትካ ብኸመይ ይጸልዎ፧

ስርዓተ መትኒ።

ብሰንኪ ጸቕጢ ግምባሩ ዝሓዘ ሰብኣይ።

ስርዓተ መትንኻ ኸም ኣድረናሊንን ኮርቲሶልን ዝኣመሰለ ሆርሞናት ከም ዚፍኖ ይገብር። እዚ ድማ ንህርመት ልብኻን ንጸቕጢ ደምካን ኣብ ደምካ ንዘሎ መጠን ግሉኮስን ኪውስኾ ይኽእል፣ እዚ ዅሉ ኸኣ ኣብ ሓደጋ ቕልጡፍ ምላሽ ከም እትህብ ዚገብር እዩ። እምብዛ ጸቕጢ፡ ነዚ ኼስዕብ ይኽእል፦

  • ሕርቃን፡ ሻቕሎት፡ ሕዱር ጭንቀት፡ ሕማም ርእሲ፡ ስእነት ድቃስ

ስርዓተ ጭዋዳን ኣስከሬንን።

ጭዋዳታትካ ኻብ ጕድኣት ኪከላኸለልካ ኢሉ ይወጣጠር እዩ። እምብዛ ጸቕጢ፡ ነዚ ኼስዕብ ይኽእል፦

  • ቃንዛ ሰብነት፡ ውጥረት ዘለዎ ሕማም ርእሲ፡ ምዅምታር ጭዋዳ

ስርዓተ ምስትንፋስ።

ኦክስጅን ንምስሓብ፡ ብቕልጡፍ ተስተንፍስ። እምብዛ ጸቕጢ፡ ነዚ ኼስዕብ ይኽእል፦

  • ልህላሀ፡ ሕጽረት ትንፋስ፡ ኣብ ሰንኰፍ ንዘለዉ ድማ ስምባደ

ስርዓተ መትነ ልቢ።

ልብኻ ኣብ ብዘሎ ሰብነትካ ደም ንምብጻሕ፡ ብዝያዳ ፍጥነትን ሓይልን ትወቅዕ። ሰራውር ደምካ ናብቲ ደም ብብዝሒ ዜድልዮ ኣካላት ሰብነትካ፡ ንኣብነት ናብ ጭዋዳታትካ ደም ንምብጻሕ፡ ይሰፍሕ ወይ ይጭበጥ። እምብዛ ጸቕጢ፡ ነዚ ኼስዕብ ይኽእል፦

  • ልዑል ጸቕጢ ደም፡ መጥቃዕቲ ልቢ፡ ወቕዒ

ስርዓተ ውሽጠ ነዝዒ።

ጽክታትካ ንጸቕጢ ምጽዋር ዜኽእል ኣድረናሊንን ኮርቲሶልን ዚብሃል ሆርሞናት ይነዝዕ። ጸላም ከብድኻ ተወሳኺ ሓይሊ ኽትህበካ ኢላ ኣብ ደምካ ዘሎ መጠን ሽኮር ትውስኾ። እምብዛ ጸቕጢ፡ ነዚ ኼስዕብ ይኽእል፦

  • ሕማም ሽኮርያ፡ ትሑት ዓቕሚ ምክልኻል፡ ብዝሒ ሕማም፡ ምቅይያር ጠባይ፡ ምውሳኽ ክብደት

ስርዓተ ኸስዐ መዓንጣ።

ሰብነትካ ንምግቢ ዜሕቅቐሉ መስርሕ ይርበሽ። እምብዛ ጸቕጢ፡ ነዚ ኼስዕብ ይኽእል፦

  • ምዕግርጋር፡ ተምላስ፡ ውጽኣት፡ ክርየት ወይ ድርቀት ቀልቀል

ስርዓተ ተዋልዶ።

ጸቕጢ ንጾታዊ ድሌትን ዓቕምን ኪጸሉ ይኽእል። እምብዛ ጸቕጢ፡ ነዚ ኼስዕብ ይኽእል፦

  • እትምነት ወይ ሙማት ጾታዊ ድሌት፡ ዘይስሩዕ ጽግያት

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ