ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g20 ቍ. 1 ገጽ 4
  • ጠንቅታት ጸቕጢ እንታይ እዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ጠንቅታት ጸቕጢ እንታይ እዩ፧
  • ንቕሑ!—2020
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጸቕጢ እንታይ እዩ፧
    ንቕሑ!—2020
  • ጸቕጢ ኣሎካዶ፧
    ንቕሑ!—2020
  • ትሕዝቶ
    ንቕሑ!—2020
  • ንጸቕጢ ብኸመይ ትጻወሮ፧
    ንቕሑ!—2020
ንቕሑ!—2020
g20 ቍ. 1 ገጽ 4

ካብ ጸቕጢ እፎይታ ርኸብ

ጠንቅታት ጸቕጢ እንታይ እዩ፧

ማዮ ክሊኒክ ተባሂሉ ዚፍለጥ ውሩይ ትካል ክንክን ጥዕና፡ “መብዛሕትኦም ዓበይቲ ሰባት ጸቕጢ እናበዝሖም ይኸይድ ከም ዘሎ ይገልጹ ኣለዉ። ዘመናዊ ህይወት፡ ለውጥን ስግኣትን ዝመልኦ እዩ” ይብል። ገለ ኻብቲ ንጸቕጢ ጠንቅታት ዚኸውን ለውጥታትን ስግኣታትን እስከ ንርአ፦

  • ፍትሕ

  • ሞት ሰብካ

  • ብርቱዕ ሕማም

  • ከቢድ ሓደጋ

  • ገበን

  • ሃታሃታ ዝመልኦ ህይወት

  • ባህርያዊ ወይ ሰብ ዝሰርሖ ዕንወት

  • ኣብ ትምህርቲ ወይ ኣብ ስራሕ ዚፍጠር ጸቕጢ

  • ብዛዕባ ሽቕለት ወይ ብዛዕባ መነባብሮ ምሕሳብ ዜምጽኦ ጭንቀት

“ሓደ ሰብ ስራሑ እንተ ስኢኑ፡”

“ኣመና እዩ ዚድቈስ፣ ስራሕ ዘይብሎም ሰባት ንኣካላዊ ሕማም፡ ኣብ ሓዳር ንዚፍጠር ውጥረት፡ ንሻቕሎት፡ ንሕዱር ጭንቀት፡ ካብኡ ሓሊፎም እውን ንርእሰ ቕትለት ይቃልዑ እዮም። ሓደ ሰብ ስራሑ እንተ ስኢኑ፡ ኵሉ ኽፋል ህይወቱ እዩ ዚጽሎ።”—ማሕበር ሳይኮሎጂ ኣመሪካ።

ጸቕጢ ኣብ ቍልዕነት

ቈልዑ ጸቕጢ ኺስምዖም ዘይተለምደ ነገር ኣይኰነን። ገሊኦም ኣብ ቤት ትምህርቶም ይድንደኑ ወይ ኣብ ቤቶም ዕሽሽ ይብሃሉ እዮም። ገሊኦም ድማ ኣደዳ ኣካላዊ፡ ስምዒታዊ፡ ወይ ጾታዊ ማህሰይቲ ይዀኑ እዩ። ብዙሓት ብመርመራ ወይ ብናይ ቤት ትምህርቶም ነጥቢ ይጭነቑ እዮም። ገሊኦም ከኣ ስድራ ቤቶም ብፍትሕ ኪበታተኑ ኸለዉ ይርእዩ እዮም። ጸቕጢ ዘለዎም ቈልዑ ለይቲ ኺብህርሩ፡ ኣብ ትምህርቲ ኺሽገሩ፡ ጭንቀት ኬሕድሩ ወይ ምስ ሰብ ምሕዋስ ኪኣብዩ ይኽእሉ እዮም። ገሊኦም ንስምዒታቶም ምቍጽጻር ይኸብዶም እዩ። ጸቕጢ ዝኸበዶ ቈልዓ፡ ህጹጽ ሓገዝ የድልዮ እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ