ወድሰብ ነዊሕ ዕድመ ንምንባር ዝገብሮ ጻዕሪ
“ሰብ: ውሉድ ሰበይቲ: ሓጺር ዕድመ: ጽጉብ ሓሳር እዩ: ከም ዕንባባ ይዕንብብ: ይጽምሉ ኸኣ: ከም ጽላሎት ይሀድም: አይነብርን ድማ። ”—እዮብ 14:1, 2
ምንም እኳ እዘን ዕምሪ ህይወት ሓጺር ምዃኑ ዝገልጻ ናይ ምስትምሳል ቃላት 3,500 ዓመታት ይገብር እንተ ተጻሕፋ: ብዙሓት ሎሚ ዘለዉ ሰባት እውን ይሰማምዑለን ኢዮም። ደቅሰብ ነቲ ሰዊት ዕድሚኦም ከይጸገቡ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ዝኣርጉን መወዳእትኡ ኸኣ ዝሞቱን ብምዃኖም ዕግበት ረኺቦም ኣይፈልጡን ኢዮም። በዚ ምኽንያት እዚ ኢዩ ኣብ ታሪኽ ወድሰብ ዕድመ ንምንዋሕ ተባሂሉ ኣዝዩ ብዙሕ ሜላታት እተፈተነ።
ኣብ ግዜ እዮብ ግብጻውያን ናብ ንእስነቶም ንምምላስ ፍረ ነብሲ እንስሳታት ይበልዑ እኳ እንተነበሩ ምንም ፋይዳ ክረኽብሉ ኣይከኣሉን። እቲ ኣብ ማእከላይ መዋእል ገኒኑ ዝነበረ ኣልከሚ ዝበሃል ስነ-ቐመም: ቀዳማይ ዕላምኡ ነቲ ነዊሕ ዕድመ ከም ዝህብ ዝእመነሉ በይዝ ሜታልስ ተባሂሎም ንዝጽውዑ ዓይነት ብረት ናብ ወርቂ ዝቕይር ኤሊክሲር ዝበሃል ቀመም ምፍራይ ኢዩ ነይሩ። ብዙሓት ኣልከመኛታት እዚ ሰብ ሰርሖ ወርቂ እዚ ዘይትመውት ህይወት ከም እትህልወካ ዝገብር ምዃኑ ከምኡውን ብወርቂ ኣብ እተሰርሐ ብያቲ ምብላዕ ዕድመ የንውሕ ኢዩ ኢሎም ይኣምኑ ነበሩ። ጥንታዎት ቻይናውያን ሰዓብቲ ታኦይዝም ንኸም ምስትንታን: ናይ ምስትንፋስ ልምምዳት ምግባር: ኣብ ኣመጋግባ ምጥንቃቕ ዝኣመሰሉ ሜላታት ተጠቒሞም ነቲ ኣብ ኣካላት ዝርከብ ውህደት ቀመማት ከመዓራርይዎ ከም ዝኽእሉ እሞ ዘይትመውት ህይወት ሒዞም ክቕጽሉ ዝኽእሉ ኰይኑ ይስምዖም ነበረ።
ጁኣን ፖንሰ ዴ ሊዮን እተባህለ ስጳኛዊ ዳህሳሲ: በቲ ምንጪ ንእስነት ንምርካብ ዝገበሮ ግን ዘይተዓወተ ጕዕዝኡ ፍሉጥ ኢዩ። ሓደ ኣብ መበል 18 ክፍለ-ዘበን ዝነበረ ዶክተር: ኣብ እዋን ጽድያ መንእሰያት ደናግል ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ኽፍሊ ብምዕጻው ሃፋ ትንፋሰን ኣብ ጠራሙዝ ክውህለል እሞ ከም ዕድመ ዘንውሕ መድሃኒት ክዝውተር ኣብታ ሄርሚፑስ ሬዲቪቩስ እትበሃል መጽሓፉ ምኽሪ ሂቡ ኣሎ። ካብዚ ሜላታት እዚ ግን ዋላ ሓንቲ እውን ትኹን ውጽኢታዊት ከም ዘይነበረት ፍሉጥ ኢዩ።
ሎሚ ሙሴ ንቓላት እዮብ ካብ ዝጸሓፈሉ ድሕሪ 3,500 ዓመታት: ወድሰብ ኣብ ወርሒ ክበጽሕ: ማካይንን ኮምፕዩተርን ክምህዝ ከምኡውን ብዛዕባ ኣቶምን ዋህዮን ክመራመር ክኢሉ ኢዩ። እዚ ዅሉ ስነ-ኪነታዊ ምዕባለታት እዚ እኳ እንተሃለወ ሰብ ገና “ሓጺር ዕድመ: ጽጉብ ሓሳር” ኢዩ ዀይኑ ዘሎ። ሓቂ ኢዩ: ኣብ ዝሓለፈ ክፍለ-ዘበን ዕምሪ ወድሰብ ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት ብዘደንቕ መገዲ ወሲኹ ኢዩ። እዚ ግን ብቐንዱ ውጽኢት እተመሓየሸ ክንክን ጥዕናን ልዑል ደረጅኡ ዝሓለወ ጽሬትን ብሉጽ ኣመጋግባን ኢዩ። ንኣብነት: ኣብ ሽወደን ዕምሪ ወድሰብ ካብ መፋርቕ ናይ መበል 19 ክፍለ-ዘበን ኣትሒዙ ክሳዕ ምጅማር 1990ታት ኣብ ዘሎ ግዜ ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ካብ 40 ናብ 75 ዓመት ክድይብ ከሎ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ካብ 44 ናብ 80 ዓመት ደይቡ ኢዩ። እዚ ኽበሃል ከሎ ግን እቲ ወድሰብ ነዊሕ ዕድመ ንኽነብር ዘለዎ ህርፋን ዓጊቡ ኢዩ ማለት ድዩ፧
ኣይዓገበን: ምኽንያቱ ምንም እኳ ኣብ ገለ ሃገራት ዝነብሩ ሰባት ክሳዕ ግዜ እርግንኦም ዝጸንሑ እንተዀኑ እተን ነዊሕ ዘበናት ይገብር ሙሴ ዝጸሓፈን ከምዚ ዝስዕብ ዝብላ ቓላት ገና ህያው ኢየን:- “መዓልትታት ዓመታትና ሰብዓ ዓመት: እንተ በዝሔ ኸኣ ሰማንያ ዓመት እዩ: ቀልጢፉ ይሐልፍ: ነፊርናውን ንኸይድ።” (መዝሙር 90:10) ድሕሪ ሓጺር እዋን እዚ ተለዊጡ ንርኢዶ ንኸውን፧ ወድሰብ ካብዚ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ብእተፈልየ መልክዑ ነዊሕ ዕድመ ምንባር ክኽእል ድዩ፧ እዛ እትስዕብ ዓንቀጽ ነዚ ሕቶታት እዚ ክትምልሶ ኢያ።