ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w14 1/1 ገጽ 4-5
  • ደቂ ሰብ ንኸይሞቱ ዚገብርዎ ቓልሲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ደቂ ሰብ ንኸይሞቱ ዚገብርዎ ቓልሲ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሞት ኪሰዓር ይኽእል ድዩ፧
  • ሰባት ክንደይ ዓመታት እዮም ኪነብሩ ዚኽእሉ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
  • እቲ ጸላኢ ዝዀነ ሞት ኪሰዓር እዩ—ብኸመይ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2019
  • ንዘለኣለም ምንባር ይከኣል እዩ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ወድሰብ ነዊሕ ዕድመ ንምንባር ዝገብሮ ጻዕሪ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
w14 1/1 ገጽ 4-5
ግብጻዊ ፈርኦን

ገበር | ሞት መወዳእታ ዅሉ ድዩ፧

ደቂ ሰብ ንኸይሞቱ ዚገብርዎ ቓልሲ

Chinese Emperor Qin Shi Huang and Spanish explorer Juan Ponce de León

ሃጸይ ቺን ሺ ህዋን

ዳህሳሲ ፖንሴ ዴ ሌዮን

ሞት ኣዝዩ ዜፍርህ ጸላኢ እዩ። ብእተኻእለና መጠን ከኣ ንቃለሶ ኢና። ንእነፍቅሮ ሰብ ኪምንዝዓና ኸሎ፡ ምቕባሉ የጸግመና ይኸውን። ወይ ከኣ፡ ብግዜ ንእስነትና፡ እዚ ጸላኢ እዚ ናባና ገጹ ኸም ዘይመጽእ ጌርና ብምሕሳብ ንነብስና ኸነደዓዕሳ ንፍትን ንኸውን።

ከም ጥንታውያን ፈርኦናት ገይሩ ብዛዕባ ሞት እተጨነቐ የለን ኪብሃል ይከኣል እዩ። ካብ ሞት ንኼምልጡ ኢሎም፡ ግዜኦምን ናይ ኣሽሓት ሰራሕተኛታቶም ግዜን ሰዊኦም እዮም። እቲ ዝሃነጽዎ ፒራሚዳት፡ ንጻዕሮምን ፍሽለቶምን ዜረጋግጽ እዩ።

ሃጸያት ቻይና እውን ንኸይሞቱ ተመሳሳሊ ጻዕርታት ገይሮም እዮም። እቲ ኣልከመኛታት ወይ ፈላስፋታት ስነ ቐመም ዚደልይዎ ዝነበሩ ንዕድመ ብዘይ ገደብ ዜንውሕ ቀመም፡ ከም ኣብነት ዚጥቀስ እዩ። ሃጸይ ቺን ሺ ህዋን ንኣልከመኛታቱ፡ ካብ ሞት ዚከላኸል ስሒራዊ መድሃኒት ኪረኽቡሉ ሓቲትዎም ነበረ። ግናኸ፡ መብዛሕትኡ ቐመማቶም፡ ብመርዛም ሜርኩሪ እተዋሃሃደ ስለ ዝነበረ፡ ሓደ ኻብ ቀመማቶም ከም ዝቐተሎ እዩ ዚግመት።

ኣብ መበል 16 ዘመን ድ.ክ. ዝነበረ ኽዋን ፖንሴ ዴ ሌዮን ዚብሃል ስጳኛዊ ዳህሳሲ፡ ፈልፋሊ ንእስነት ንምርካብ ብመርከብ ናብ ካሪበያ ኸም እተጓዕዘ እዩ ዚንገረሉ። ኪድህስስ ከሎ ኸኣ ነታ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እትርከብ ፍሎሪዳ ረኸባ፣ ድሕሪኡ ሒደት ዓመታት ጸኒሑ ግና፡ ምስ ደቀባት ኣመሪካውን ብእተፈጥረ ውግእ ሞተ። ፈልፋሊ ንእስነት ዚብሃል ከኣ ክሳዕ ሎሚ ኣይተረኽበን።

ፈርኦናትን ሃጸያትን ዳህሰስትን ንሞት ኪስዕርዎ ጽዒሮም እዮም። ነቲ እተጠቕሙሉ መገድታት እኳ እንተ ዘይፈተናዮ፡ ንጻዕርታቶም ግና ኣይነቈናጽቦን ኢና። ከመይሲ፡ ኵላትና ብህይወት ክንነብር ኢና እንደሊ።

ሞት ኪሰዓር ይኽእል ድዩ፧

ክንመውት ዘይንደሊ ስለምንታይ ኢና፧ መጽሓፍ ቅዱስ ምኽንያቱ ይነግረና እዩ። ብዛዕባ እቲ ፈጣሪና ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ፡a “ንዅሉ በብግዚኡ ጽቡቕ ገበሮ። . . . ንዘለኣለምነት ኣብ ልቢ ሰብ ኣንበሮ” ይብለና። (መክብብ 3:11) ኣብዛ ውቅብቲ ምድርና ንኣስታት 80 ዓመት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንዘለኣለም ክንነብር ኢና እንደሊ። (መዝሙር 90:10) እዚ፡ ባህጊ ልብና እዩ።

ኣምላኽ ኣብ ልብና “ዘለኣለምነት” ዘንበረ ስለምንታይ እዩ፧ ኬባሳጭወና ኢሉ ድዩ፧ ከምኡ ኺገብር ዘይሕሰብ እዩ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ፡ ኣምላኽ፡ ሞት ዚሰዓረሉ ግዜ ኸም ዚመጽእ ተመባጺዑ ኣሎ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሞት ከም ዚውገድን ብዛዕባ እታ ኣምላኽ እተመባጽዓ ናይ ዘለኣለም ህይወትን ብተደጋጋሚ ይገልጽ እዩ።—“ዓወት ኣብ ልዕሊ ሞት” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

የሱስ ክርስቶስ እውን፡ “በይንኻ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንዝዀንካ ንዓኻን ነቲ ዝለኣኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ” ብምባል ኣነጺሩ ገሊጹ ኣሎ። (ዮሃንስ 17:3) ስለዚ፡ እቲ ኣንጻር ሞት ዚግበር ቃልሲ፡ ተስፋ ዘይብሉ ኣይኰነን። ይኹን እምበር፡ ኣብቲ ቓልሲ ኺዕወት ዚኽእል ኣምላኽ ጥራይ ከም ዝዀነ፡ የሱስ ኣረጋጊጹልና ኣሎ።

a የሆዋ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስም ኣምላኽ እዩ።

ዓወት ኣብ ልዕሊ ሞት

  • “ንሞት ንሓዋሩ ኺውሕጦ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንንብዓት ካብ ገጽ ኵሎም ኪደርዞ እዩ።”—ኢሳይያስ 25:8።

  • “ንወዲ ርእዩ ብእኡ ዚኣምን ዘበለ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪህልዎ . . . እዚ ፍቓድ ኣቦይ እዩ።” —ዮሃንስ 6:40።

  • “እቲ ዚሰዓር ናይ መወዳእታ ጸላኢ እውን ሞት እዩ።”—1 ቈረንቶስ 15:26።

  • “ኣብቲ ኺሕሱ ዘይክእል ኣምላኽ፡ ጥንቲ ዘተስፈወና ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት [ኣሎና።]”—ቲቶስ 1:2።

  • “ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ፣ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን . . . እዩ።”—ራእይ 21:4።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ