ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w99 15/11 ገጽ 28-31
  • ተስፋ ምቝራጽ ምስ ዘጋጥም እንታይ ክግበር ይከኣል፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ተስፋ ምቝራጽ ምስ ዘጋጥም እንታይ ክግበር ይከኣል፧
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ ኣገልግሎት ዘጋጥም ተስፋ ምቝራጽ
  • ዝሓሸ ፍረ ምርካብ
  • ሰናይ ኣመለኻኽታ ምዕቃብ
  • ተስፋ ምቝራጽን ሰብኣዊ ርክብን
  • ተስፋ ዘቝርጽ ብሕታዊ ስምዒታት
  • ካብቲ ዝበለጸ መድሃኒታት ክልተ
  • ንተስፋ ምቝራጽ ምስናፉ
  • ተስፋ ምቝራጽ—ብኸመይ ክትቃለሶ ትኽእል፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
  • መንፈስ ቅዱስ፡ ብፈተና ንኸይንወድቕን ተስፋ ንኸይንቘርጽን ሓይሊ ይህበና
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ብስጋ እኳ እንተ ደኸምና: ብመንፈስ ግን ኣይንደክምን ኢና
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
  • ብርሃኖም ኣይጠፍአን
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
w99 15/11 ገጽ 28-31

ተስፋ ምቝራጽ ምስ ዘጋጥም እንታይ ክግበር ይከኣል፧

ሓደ ሰብ ንተስፋ ምቝራጽ ብኸመይ ኢዩ ክቃለሶ ዝኽእል፧ እዚ ሕቶ እዚ ነቶም ስርዓታውያን ኰይኖም ንጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝበጽሑ ሓያሎ ገየሽቲ ተዓዘብቲ ተሓቲቱ ኢዩ። እቲ ዝሃብዎ መልሲ ብዛዕባ ጠንቅን መድሃኒትን ናይቲ ንዝዀነ ይኹን ክርስትያን ክትንክፍ ዝኽእል ተስፋ ምቝራጽ ክንምርምር ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ።

ንተስፋ ምቝራጽ ምእንቲ ኽትዋጽኣሉ ምርምር ካብ ምግባር ንላዕሊ የድሊ። እቲ ምልክታቱ ግን ኣብ ጸሎት ወይ ኣብ ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ተገዳስነት ዘይምርኣይ: ኣብ ኣኼባታት ስርዓታዊ ዘይምዃን: ውዕዉዕ ስምዒት ዘይምህላው: ከምኡውን ኣብ ክርስትያናዊ ምሕዝነት ዝሑል ምዃን ዘጠቓልል ኢዩ። ይኹን እምበር: ሓደ ካብቲ ቀንዲ ምልክት ኣብ ኣገልግሎት ዘሎና ቅንኢ ምስ ዝዝሕል ኢዩ። ነቲ ምልክታት ንመርምሮ እሞ ገለ ካብቲ መድሃኒታቱ ኸኣ ንርአ።

ኣብ ኣገልግሎት ዘጋጥም ተስፋ ምቝራጽ

የሱስ ክርስቶስ: ምስቲ ደቀ መዛሙርቲ ንምግባር ዝሃቦ ትእዛዝ ተተሓሒዙ ዝመጽእ ጸገማት ከም ዘሎ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። (ማቴዎስ 28:⁠19, 20) እቲ ናይ ስብከት ዕዮኦም መስጐጕቲ ከምጽኣሎም ከም ዝኽእል ብምፍላጥ “ከም ኣባጊዕ ናብ ማእከል ተዃሉ” ሰዲድዎም ኢዩ። (ማቴዎስ 10:⁠16-23) ይኹን እምበር: እዚ ተስፋ ንኽቘርጹ ምኽንያት ዝዀኖም ኣይነበረን። እቶም ብጸሎት ኣብ የሆዋ እተወከሉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ግን ዝበዝሕ ግዜ ብመስጐጕቲ ደልዲሎም ኢዮም።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 4:⁠29-31፣ 5:⁠41, 42

ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ኣብቲ ከቢድ መስጐጕቲ ዘየጋጥመሉ እዋናት እውን እንተዀነ: ጽቡቕ ተቐባልነት ዝረኽቡ ኵሉ ግዜ ኣይነበረን። (ማቴዎስ 10:⁠11-15) ብተመሳሳሊ ዕዮ ስብከት ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ኵሉ ግዜ ብዘይጸገም ኢዩ ዝካየድ ማለት ኣይኰነን።a ንብዙሓት ሰባት ኣብ ኣምላኽ ምእማን ክመያየጥሉ ዘይደልዩ ብሕታዊ ጕዳይ ኢዩ። ካልኦት ከኣ ከይመርመሩ ብሕማቕ ስለ ዝፈርዱ ምስ ሃይማኖታውያን ማሕበራት ዝዀነ ይኹን ርክብ ክገብሩ ኣይደልዩን ኢዮም። ስለዚ እምበኣር: ኣብ ኣገልግሎት ዘጋጥም ናይ ሰባት ዘይምግዳስ: ፍረ ምስኣን: ወይ ከኣ ካልእ እተፈላለየ ግድላት ገለ ካብቲ ተስፋ ምቝራጽ ዘምጽእ ነገራት ኢዩ። እዚ ዕንቅፋታት እዚ ብኸመይ ኢዩ ክእለ ዝኽእል፧

ዝሓሸ ፍረ ምርካብ

እቲ ካብ ኣገልግሎትና እንረኽቦ ሓጐስ ብኸፊሉ ምስቲ እተረኽበ ፍረ እተተሓሓዘ ኢዩ። ዝያዳ ፍረ ዘለዎ ኣገልግሎት ክህልወና ዝኽእል ድኣ ብኸመይ ኢዩ፧ ንሕና “ገፈፍቲ ሰብ” ኢና። (ማርቆስ 1:⁠16-18) ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበሩ ገፈፍቲ ዓሳ ኣብቲ ብዙሕ ዓሳ ክረኽብሉ ዝኽእሉ እዋን ለይቲ ኢዮም ዝገፉ ነይሮም። ንሕናውን ኣብቲ መብዛሕትኦም ሰባት ኣብ ገዝኦም ዝህልውሉን ንመልእኽትና ኸኣ ዝያዳ ምላሽ ዝህብሉን እዋን ምእንቲ ‘ክንገፍፍ’ ዞባና ክንምርምር ከድልየና ኢዩ። እዚ ምሸት: ኣብ ቀዳመ⁠-​ሰንበት: ወይ ከኣ ኣብ ካልእ ግዜያት ክኸውን ይኽእል። ሓደ ገያሺ ተዓዛቢ ከም ዝበሎ እዚ ብፍላይ ተግባራዊ ክኸውን ዝኽእል ኣብቲ ሰባት ምሉእ መዓልቲ ዝሰርሕሉ ቦታታት ኢዩ። እቲ ሓው ናይ ምሸት ምስክርነት መብዛሕትኡ ግዜ ብሉጽ ፍረ ከም ዘምጽእ ሓበረ። ናይ ተሌፎን ወይ ናይ እግረ⁠-​መገዲ ምስክርነት እውን ብዙሓት ሰባት ንምርካብ የኽእለና ኢዩ።

ኣብ ኣገልግሎት ከይተሓለልካ ምቕጻል ሰናይ ፍረ ኢዩ ዘፍሪ። ኣብ ምብራቕ ኣውሮጳን ኣብ ገለ እተወሰና ሃገራት ኣፍሪቃን ዕዮ ስብከት እታ መንግስቲ ብጽቡቕ ኢዩ ዝስጕም ዘሎ: እዚ ኸኣ ሰናይ ፍረ ከም ዝርከብ ገይሩ ኢዩ። ብተመሳሳሊ: ኣብቲ ፍረ የብሉን ተባሂሉ ዝግመት ዝነበረ ቦታታት ወይ ኣብቲ ብተደጋጋሚ እተዓየ ዞባታት እውን ከይተረፈ ብዙሓት ጉባኤታት ተመስሪተን ኢየን። ዞባኻ ከምዚ ዝኣመሰለ ፍረ ዘይህብ እንተድኣ ኰይኑኸ እንታይ ይኹን፧

ሰናይ ኣመለኻኽታ ምዕቃብ

ነቲ የሱስ ዝሰርዖ ሸቶታት ኣብ ኣእምሮና ምሓዝ ኣብ ኣገልግሎት ዘይምግዳስ ከጋጥመና ኸሎ ተስፋ ንኸይንቘርጽ ይሕግዘና። ክርስቶስ: ደቀ መዛሙርቱ ነቶም ዝግብኦም ሰባት ክደልይዎም ድኣምበር ናይ ሓፋሽ ምቕያር ክገብሩ ኣይኰነን ዝደሊ ነይሩ። ልክዕ ከምቲ ዝበዝሑ እስራኤላውያን ነቶም ናይ ጥንቲ ነብያት ዘይሰምዕዎም: መብዛሕትኦም ሰባት እውን ነቲ ብስራት ከም ዘይቅበልዎ ኣብ እተፈላለየ እዋናት ሓቢሩ ኢዩ።​—⁠ህዝቅኤል 9:⁠4፣ ማቴዎስ 10:⁠11-15፣ ማርቆስ 4:⁠14-20

እቶም “ብመንፈስ ድኻታት” ዝዀኑ ሰባት ነቲ “ወንጌል መንግስቲ” ተሓጒሶም ኢዮም ዝቕበልዎ። (ማቴዎስ 5:3፣ 24:14) ንኣምላኽ በቲ ንሱ ኣነጺሩ ሓቢርዎ ዘሎ መገድታት ኢዮም ከገልግልዎ ዝደልዩ። ስለዚ እምበኣር ፍረ ዕዮና ነቲ መልእኽቲ ናብ ካልኦት ንኸነመሓላልፎ ምስ ዘሎና ክእለት ዘይኰነስ ምስ ኵነታት ልቢ ናይቶም ሰባት እተተሓሓዘ ኢዩ። ርግጽ ኢዩ ነቲ ብስራት ተቐባልነት ከም ዝረክብ ንምግባሩ ዝከኣለና ክንገብር የድልየና ኢዩ። እቲ ፍረ ግን ኣብ ኣምላኽ እተመርኰሰ ኢዩ: ከመይሲ የሱስ “እቲ ዝለአኸኒ ኣቦይ ዝሰሐቦ እንተ ዘይኰይኑ: ናባይ ኪመጽእ ዚኽእል የልቦን” በለ።​—⁠ዮሃንስ 6:44

ኣገልግሎት ስም የሆዋ ከም ዝፍለጥ ዝገብር ኢዩ። ሰባት ይስምዑ ኣይስምዑ ብዘየገድስ: ዕዮ ስብከትና ኣብ ምቕዳስ ስም የሆዋ ግደ ኣለዎ። ብተወሳኺ እውን ብኣገልግሎትና ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ምዃንና ኢና እነረጋግጽ። ኣብዚ ኣብ ግዜና ዝፍጸም ዘሎ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ዕዮ ናይ ምክፋል መሰል እውን ኣሎና።​—⁠ማቴዎስ 6:⁠9፣ ዮሃንስ 15:⁠8

ተስፋ ምቝራጽን ሰብኣዊ ርክብን

ኣብ ስድራቤት ይኹን ኣብ ጉባኤ ዘሎ ገለ ሰብኣዊ ርክባት ተስፋ ምቝራጽ ከምጽእ ይኽእል ኢዩ። ንኣብነት: ዋላ ሓደ ሰብ ኣይርድኣንን ኢዩ ዝብል ስምዒት የጋጥም ኢዩ። ናይ ኣመንቲ ብጾትና ዘይፍጽምና እውን ኣሎ። ኣብዚ ኣጋጣሚታት እዚ እውን እንተዀነ ቅዱሳት ጽሑፋት ዓቢ ሓገዝ ክዀነና ይኽእል ኢዩ።

ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዉ “ማሕበር ኣሕዋት” (NW ) ዓቢ መንፈሳዊ ስድራቤት የቝሙ። (1 ጴጥሮስ 2:17) ይኹን እምበር: ብምኽንያት ናይ ባህርያት ምግርጫው ጸገማት እንተድኣ ተላዒሉ: ምስቶም ሓድነት ዘለዎም ሰባት ሓቢርና ንምምልላስ ዘሎና ስምዒት ክቕህም ይኽእል ኢዩ። እቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ⁠-​ዘበን ዝነበሩ ክርስትያናት ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸገማት ናጻ ከም ዘይነበሩ ርግጽ ኢዩ: ከመይሲ ሃዋርያ ጳውሎስ ተሰማሚዖም ብሓድነት ክነብሩ ብተደጋጋሚ ኣዘኻኺርዎም ኢዩ። ንኣብነት ኤዎድያን ስንጥኬን ንእተባህላ ክልተ ክርስትያን ኣንስቲ ነቲ ኣብ መንጎአን ዝነበረ ዘይምስምማዕ ክፈትሓኦ ተላብይወን ኢዩ።​—⁠1 ቈረንቶስ 1:⁠10፣ ኤፌሶን 4:⁠1-3፣ ፊልጲ 4:⁠2, 3

እዚ ጸገም እዚ እንተድኣ ኣልዩና ንኣሕዋትናን ኣሓትናን ዘሎና ናይ ሓቂ ፍቕሪ ብኸመይ ኢና ከነሐድሶ እንኽእል፧ ክርስቶስ ኣብ ክንድኦም ከም ዝሞተ እሞ ንሳቶም እውን ከማና ኣብ በጅነታዊ መስዋእቱ እምነት ዘሕደሩ ምዃኖም ንገዛእ ርእስና ብምዝኽኻር ኢና ክንገብሮ እንኽእል። ኣብ ርእሲ እዚ እውን ብዙሓት ካብ ኣሕዋትና ህይወቶም ኣብ ክንዳና ብምሕላፍ ንየሱስ ክርስቶስ ክቐድሕዎ ድሉዋት ምዃኖም ክንዝክር ንኽእል ኢና።

ገለ ዓመታት ይገብር ኣብ ፓሪስ: ፈረንሳ: ሓደ መንእሰይ ምስክር ንሓንቲ ካብ ኣደራሽ መንግስቲ ወጻኢ እተቐመጠት ቦምባ ዝሓዘት ቦርሳ ነግ ፈረግ ከይበለ ኣልዓላ እሞ እናጐየየ ካብ ነዊሕ ደርቢ ወሪዱ ኣብቲ ጥቓኡ ዝነበረ መንጫዕጫዕታ ማይ ምስ ደርበያ ተተኰሰት። ንህይወቱ ኣብ ሓደጋ ከውድቕ ዝኽእል ስጕምቲ ክወስድ ዝደረኾ እንታይ ምዃኑ ምስ ተሓተተ ከምዚ ብምባል መለሰ:- “ህይወት ኵላትና ኣብ ሓደጋ ከም ዝነበረ ተገንዘብኩ። ስለዚ ኸኣ ኵላትና ካብ እንመውት በይነይ ክመውት ይሓይሽ ኢለ ሓሰብኩ።”b ከምዚኣቶም ዝበሉ ኣብነት የሱስ ጠቢቖም ንምስዓብ ድሉዋት ዝዀኑ ብጾት ክህልዉኻስ ኣየ ከመይ ዝበለ በረኸት ኰን ኢዩ!

ብተወሳኺ: ብዛዕባ እቲ ኣብ ማእከል እቶም ኣብ ግዜ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ መዳጐኒ ደምበታት ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተራእየ መንፈስ ምትሕብባር እውን ከነስተንትን ንኽእል ኢና።c ኣብዚ ቐረባ ግዜ: ኣብ ማላዊ ዘለዉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከም ሓቀኛታት ክርስትያን መጠን እሙናት ኰይኖም ንጽህንኦም ሓልዮም ኢዮም። ኣብታ ዘለናያ ጉባኤ ዘለዉ ኣሕዋትና ተመሳሳሊ ጸገማት ከጋጥም ከሎ ከምኡ ዝኣመሰለ ስጕምቲ ከም ዝወስዱ ገይርና ምስ እንሓስብ ነቲ መዓልቲ መዓልቲ ዘጋጥመና ምስሕሓብን ዘይምስምማዕን ሸለል ኢልና ክንሓልፎ ወይ እንተወሓደ ክንንክዮ ዝድርኸናዶ ኣይኰነን፧ ሓሳብ ክርስቶስ ንዅስኵስ እንተድኣ ዄንና: ምስቶም ኣመንቲ ብጾትና ዘሎና መዓልታዊ ርክብ ተስፋ ዘቝርጸና ዘይኰነስ ምንጪ ምሕዳስ ክዀነና ኢዩ።

ተስፋ ዘቝርጽ ብሕታዊ ስምዒታት

“ነዊሕ ትጽቢት ንልቢ የማህምኖ: እተፈጸመ ድሌት ግና ኦም ህይወት እዩ።” (ምሳሌ 13:12) ገለ ካብ ኣገልገልቲ የሆዋ: መወዳእታ ናይዚ ኣገባብ እዚ ቀልጢፉ ዝመጽእ ኰይኑ ኣይስምዖምን ኢዩ። ከምቲ ንሓያሎ ዘይኣመንቲ ሰባት ኰይንዎም ዘሎ ንክርስትያናት እውን እዚ እንነብረሉ ዘሎና እዋን “ንኽትዋጽኣሉ ጽንኩር ዝዀነ ግዜ” (NW ) ኰይንዎም ኣሎ።​—2 ጢሞቴዎስ 3:​1-5

ይኹን እምበር: ክርስትያናት ምስቶም ዘይኣመንቲ ክነጻጸሩ ኸለዉ: ኣብዚ ዘሰልኪ ኵነታት እዚ “ትእምርቲ” ህላወ የሱስ ብምርኣዮም ክሕጐሱ ይግብኦም: ከመይሲ እዚ ምልክት እዚ መንግስቲ ኣምላኽ ድሕሪ ቐረባ ግዜ ነዚ እኩይ ኣገባብ እዚ መወዳእታ ክትገብረሉ ከም ዝዀነት ዝሕብር ኢዩ። (ማቴዎስ 24:⁠3-14) እቲ ዅነታት እናኸፍአ ክኸይድ ከሎ እውን ከይተረፈ​—⁠ከምቲ ኣብቲ “ዓቢ ጸበባ” ክኸውን ዘለዎ​—⁠እዚ ፍጻመታት እዚ ነቲ ዝመጽእ ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም ዝእውጅ ስለ ዝዀነ ምንጪ ሓጐስ ኢዩ ዝዀነና።​—⁠ማቴዎስ 24:⁠21፣ 2 ጴጥሮስ 3:⁠13

ሓደ ክርስትያን እታ መንግስቲ ኣብ ጕዳያት ናይዚ ዘሎናዮ እዋን ኢዳ እተእትወሉ እዋን ብኣተሓሳስብኡ ዘርሕቖ እንተድኣ ዀይኑ ኣብ ስጋዊ ነገራት ዝያዳ ግዜ ከም ዘጥፍእ ክገብሮ ይኽእል ኢዩ። ከም ዓለማዊ ስራሕን ምዝንጋዕን ዝኣመሰለ ነገራት ንዅሉ ግዜኡን ጕልበቱን ክምዝምዞ ዘፍቅደሉ እንተድኣ ዀይኑ ነቲ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓላፍነቱ ብግቡእ ንምፍጻም ክኸብዶ ኢዩ። (ማቴዎስ 6:⁠24, 33, 34) ከምዚ ዝኣመሰለ ኣመለኻኽታ ምሕላልን ተስፋ ምቝራጽን ኢዩ ዘምጽእ። ሓደ ገያሺ ተዓዛቢ “ኣብዚ ኣገባብ እዚ እናነበርካ ከም ናይ ሓዳስ ዓለም ናብራ ክትነብር ምፍታን ኣብ ክውንነት እተመርኰሰ ኣይኰነን” ዝብል ሓሳባት ሃበ።

ካብቲ ዝበለጸ መድሃኒታት ክልተ

ምርመራ ድሕሪ ምግባሩ ሓደ ሰብ ብኸመይ ኢዩ ናይ ሓቂ መድሃኒት ክረክብ ዝኽእል፧ ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ምግባር ሓደ ካብቲ ክርከብ ዝኽእል ዝበለጸ ኣገባብ ኢዩ። ስለምንታይ፧ ሓደ ገያሺ ተዓዛቢ “ነቲ እንገብሮ ነገራት ስለምንታይ ክንገብሮ ከም ዘሎና የዘኻኽረና” በለ። ሓደ ካልእ እውን “ግዴታ ስለ ዝዀነካ ጥራይ ምግልጋል ውዒሉ ሓዲሩ ጾር ኢዩ ዝዀነካ” ብምባል ይገልጽ። ጽቡቕ ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ግን ናብ መወዳእታ እናቐረብና ብዝኸድና መጠን ብዛዕባ እቲ ዘሎና ግደ ንጹር ኣመለኻኽታ ንኽህልወና ይሕግዘና። ቅዱሳት ጽሑፋት እውን እንተዀነ ፍቓድ ኣምላኽ ብምግባር ናይ ሓቂ ሓጐስ ምእንቲ ክንረክብ ግቡእ መንፈሳዊ መግቢ ምምጋብ ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ምዃኑ ብተደጋጋሚ የዘኻኽረና ኢዩ።​—⁠መዝሙር 1:⁠1-3፣ 19:⁠7-10፣ 119:⁠1, 2

ሽማግለታት ንኻልኦት ዘተባብዕ ጕስነታዊ ምብጻሕ ብምግባር ንተስፋ ምቝራጽ ክዋጽእሉ ክሕግዝዎም ይኽእሉ ኢዮም። ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ጕስነት ምብጻሕ ክገብሩ ኸለዉ ነፍሲ ወከፍና እንነኣድ ምዃንና ኣብ ማእከል ህዝቢ የሆዋ ኸኣ ኣገዳሲ ቦታ ከም ዘሎና ከርእዩ ይኽእሉ ኢዮም። (1 ቈረንቶስ 12:⁠20-26) ሓደ ሽማግለ ብዛዕባ ኣመንቲ ክርስትያናት ክዛረብ ከሎ ከምዚ በለ:- “ነቲ ዘለዎም ክብሪ ንኸጕልሓሎም ኢለ: ብዛዕባ እቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ዝፈጸምዎ ነገራት አዘኻኽሮም። ኣብ ኣዒንቲ የሆዋ ክቡራት ምዃኖምን ደም ወዱ ክርስቶስ ከኣ ኣብ ክንድኦም ከም እተዋህበን እጠቕሰሎም። እዚ ኣቀራርባ እዚ ዅሉ ሳዕ ጽቡቕ ተቐባልነት ኢዩ ዝረክብ። እዚ በቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ድልዱል መርትዖታት እተደገፈ ምስ ዝኸውን: እቶም ተስፋ ዝቘረጹ ሰባት ምስ ስድራቤቶም ኰይኖም ከም ጸሎትን መጽናዕትን ንባብ መጽሓፍ ቅዱስን ዝኣመሰለ ሓድሽ ሸቶታት ክገብሩ ይኽእሉ ኢዮም።”​—እብራውያን 6:​10

ሽማግለታት ኣብ እዋን ጕስነታዊ ምብጻሕ: ንኣምላኽ ከተሐጕስ ኣጸጋሚ ከም ዝዀነ ኣምሲሎም ከይዛረቡ ክጥንቀቑ የድልዮም። ኣብ ክንድኡስ ነቶም ተስፋ ዝቘረጹ ኣመንቲ ብጾቶም ሰዓብቲ ክርስቶስ ዘበሉ ጾሮም ፈኲስ ከም ዝዀነ ገይሮም ንኽርእይዎ ክሕግዝዎም ይኽእሉ ኢዮም። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: ክርስትያናዊ ኣገልግሎትና ምንጪ ሓጐስ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 11:⁠28-30

ንተስፋ ምቝራጽ ምስናፉ

ተስፋ ምቝራጽ ጠንቅታቱ እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ ክትቃለሶ ዝግባእ ሕማም ኢዩ። ይኹን እምበር ኣብዚ ቃልሲ እዚ በይንና ከም ዘይኰንና ንዘክር። ተስፋ እንተድኣ ቘሪጽና ናይ ክርስትያን ብጾትና ብፍላይ ድማ ናይ ሽማግለታት ሓገዝ ንድለ። እዚ ብምግባር ነቲ ናይ ተስፋ ምቝራጽ ስምዒታት ከነህድኦ ንኽእል ኢና።

ልዕሊ ዅሉ ድማ ንተስፋ ምቝራጽ ከነሰንፎ ምእንቲ ክሕግዘና ናብ ኣምላኽ ቍሊሕ ክንብል የድሊ። ብጸሎት ኣብ የሆዋ ንውከል እንተድኣ ዄንና: ንተስፋ ምቝራጽ ምሉእ ብምሉእ ንኸነሰንፎ ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ። (መዝሙር 55:⁠22፣ ፊልጲ 4:⁠6, 7) ኣብ ዝዀነ ይኹን ኵነታት ከም ህዝቡ መጠን ከምቲ ናይቲ ጸሓፍ መዝሙር ዝኣመሰለ ስምዒታት ከነሕድር ንኽእል ኢና። ንሱ ኸምዚ ብምባል ዘመረ:- “እቲ እልልታ ዚፈልጥ ህዝቢ ብጹእ እዩ: ዎ እግዚኣብሄር: ብብርሃን ገጽካ ይመላለሱ። ብስምካ ምሉእ መዓልቲ ይሕጐሱ: ብጽድቅኻውን ልዕል ይብሉ። ክብሪ ሓይሎም ንስኻ ኢኻ እሞ: ብሞገስካ ቐርንና ልዕል ኪብል እዩ።”​—⁠መዝሙር 89:15-17

[እግረ-ጽሑፋት]

a ነቲ ኣብ ናይ 15 ግንቦት 1981 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ዝርከብ “ካብ ቤት ናብ ቤት ምኻድ ዘለዎ ብድሆ” ዝብል ኣርእስቲ ዝሐዘ ዓንቀጽ ርአ።

b ኣብታ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት ናይ 22 ለካቲት 1985 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 12 ከምኡውን 13 ርአ።

c ነቲ “ካብቲ ‘ናይ ሞት ጕዕዞ’ ደሓንኩ” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ኣብ ናይ 15 ነሓሰ 1980 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ዝርከብ ዓንቀጽን ኣብ ናይ 22 ሰነ 1985 ሕታም ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ዝርከብ “ኣብ ናዚ ጀርመን እተራእየ ንጽህናኻ ምሕላው” ዝብል ዓንቀጽን ርአ።

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

በቶም ፈቃራት ሽማግለታት ዝግበር ዝሃንጽ ጕስነታዊ ምብጻሕ ክርስትያናት ንተስፋ ምቝራጽ ክዋጽእሉ ክሕግዞም ይኽእል ኢዩ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ