ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w95 15/11 ገጽ 24-25
  • ብርሃኖም ኣይጠፍአን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብርሃኖም ኣይጠፍአን
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ከም ኤርምያስ ተባዕ ኩን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
  • ‘ንዝጸምኤት ነፍሲ ኸርውያ እየ’
    ብኤርምያስ ኣቢሉ እተዋህበና ቓል ኣምላኽ
  • “ቃላተይ ኣብ ኣፍካ ኤንብር አሎኹ”
    ብኤርምያስ ኣቢሉ እተዋህበና ቓል ኣምላኽ
  • “የሆዋ ኣበይ ኣሎ፧” ኢልካ መዓልታዊ ትሓትት ዲኻ፧
    ብኤርምያስ ኣቢሉ እተዋህበና ቓል ኣምላኽ
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
w95 15/11 ገጽ 24-25

ብርሃኖም ኣይጠፍአን

ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ: ዕንቅፋታትን ሽግራትን ዘሕለፉ እሙናት መሰኻኽር የሆዋ ነይሮም ኢዮም። ምጽራርን ርኡይ ጕድለታትን ተጋጢሞም ኢዮም። ጌና ግን: ካብ ተስፋ ምቝራጽ እተላዕለ ኢዶም ኣይሃቡን። በዚ ኸምዚ ድማ: ብርሃኖም ኣይጠፍአን።

ንኣብነት: ነብዪ ኤርምያስ: ነቲ ከሓዲ ህዝቢ ይሁዳ ናይ ኣምላኽ ነብዪ ክኸውን ትእዛዝ ተዋሂብዎ ነበረ። ብዛዕባ እቲ ዝመጽእ ዝነበረ ጥፍኣት የሩሳሌም መጠንቐቕታ ኣዊጁ ኢዩ። (ኤርምያስ 1:​11⁠-19) ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: ኤርምያስ ምስቶም ከም ጸዋዕ መዓት ዝርእይዎ ዝነበሩ ደቂ ዓዱ: ብዙሕ ምፍጣጣት ነበሮ።

ኣብቲ ቤት ኣምላኽ ሓለቓ ዝነበረ: ካህን ጳሽሑር: ብምኽንያት እቲ እተነበዮ ንኤርምያስ ወቕዖ ኣብ ጕንዲ ድማ ኣሰሮ። ኤርምያስ በዚ ዕንቅፋት ዝመስል ነገር እተላዕለ “ብተዛረብኩሉ መጠን እጭርሕ፣ አሎኹ ዓመጽን ዘመተን ኢለ እጭርሕ አሎኹ። ቃል እግዚኣብሄር መዓልቲ ብመልኣ ንጸርፍን መላገጽን ኰይኑኒ እዩ . . . ኣብ ጸጽባሕ መላገጺ ዀንኩ: ኵሎምውን የባጭውለይ አለዉ:” በለ። እቲ ነብዪ “ኣይክዝክሮን [ንየሆዋ]: ደጊምሲ ብስሙ ኣይክዛረብን እየ” ክሳዕ ዝብል ተስፋ ቘሪጹ ነበረ።​—⁠ኤርምያስ 20:​1, 2, 7⁠-9

ይኹን እምበር: ኤርምያስ ንተስፋ ምቝራጽ ኣይተምበርከኸን። ብዛዕባ “ቃል እግዚኣብሄር” ክዛረብ ከሎ “ኣብ ዓጻጽምተይ ተዐጽዩ: ኣብ ልበይ ከም ዚነድድ ሓዊ ዀነኒ። ክጽመሞ ተጋደልኩ: ግናኸ ኣይኰነለይን” በለ። (ኤርምያስ 20:⁠8, 9) ነቲ ናይ ኣምላኽ መግለጺታት ክዛረብ ብሓይሊ ብምልዕዓሉ: ኤርምያስ ብመንፈስ ቅዱስ ተደጊፉን ነቲ እተኣዘዞ ፈጺሙን ኢዩ።

ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ኢዱ እንተ ዝህብ ነይሩ ተስፋ ንኽቘርጽ ብዙሕ ምኽንያታት ነይርዎ ኢዩ። ባህርያዊ ሓደጋታት: ምስባር መርከብ: ስደት: ከምኡውን ማህረምቲ ተጸሚሙ ኢዩ። ብተወሳኺ ድማ: ‘እቲ ኣብ ጸጽባሕ ዚጸቦ: ማለት ብዛዕባ እቲ ንዅላተን ማሕበራት ዝሓልዮ ዝነበረ ሓልዮት’ ነይሩ ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 11:​23⁠-28) እወ: ጳውሎስ ብዛዕባ እተን ንኽቘማ ዝሓገዘን ጉባኤታት ብምሽቓል: መዓልቲ መዓልቲ ምስ ግድላት ክጋጠም ነበሮ። ኣብ ርእሲ እዚ: ዘይፍጹም ብምንባሩ: ምስቲ ምናልባት ድኻም ዓይኒ ክኸውን ዝኽእል ናይ ‘ስጋ ግራጭ’ ክቃለስ ነበሮ። (2 ቈረንቶስ 12:7፣ ሮሜ 7:15፣ ገላትያ 4:15) ገሊኦም እውን ብድሕሪ ጳውሎስ ኣንጻሩ ተዛሪቦም ኢዮም: እዚ ኸኣ ናብኡ በጺሑ ኢዩ።​—⁠2 ቈረንቶስ 10:⁠10

እንተዀነ ግን: ጳውሎስ ተስፋ ምቝራጽ ክዕብልሎ ኣየፍቀደን። ፍሉይ ሰብ ግን ኣይነበረን። (2 ቈረንቶስ 11:​29, 30) ነቲ ናቱ ‘ውሽጣዊ ሓዊ’ ምንዳድ ከም ዝቕጽል ዝገበሮ እንታዩ ኢዩ⁠፧ ሓደ ካብኡ: ገሊኦም ክሳዕ ኣብቲ ንሱ ናይ ገዛ እሱር ዝነበረሉ: ሮማ እውን ከይተረፈ ዘሰነይዎ ደገፍቲ ብጾት ነይሮምዎ ኢዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 28:​14⁠-16) ካልኣይ: እቲ ሃዋርያ ንዅነታቱ ሚዛናዊ ብዝዀነ መገዲ ኢዩ ዝርእዮ ነይሩ። ተጋግዩ ዝነበረ ጳውሎስ ዘይኰነስ እቶም ኣሳደድቱን ተጻረርቱን ኢዮም። ኣብ ኣጋ መወዳእታ ምድራዊ ህይወቱ: ንኣገልግሎቱ ኣዎንታዊ ብዝዀነ መገዲ ብምግምጋም ከምዚ በለ:⁠- “ደጊምሲ ጐይታይ: ንሱ እቲ ጻድቕ ፈራዲ: በታ መዓልቲ እቲኣ ዚህበኒ ኣኽሊል ጽድቂ ተነቢሩለይ አሎ።”​—⁠2 ጢሞቴዎስ 4:⁠8

ልዕሊ ዅሉ: ጳውሎስ ስርዓታዊ ዀይኑ ናብ የሆዋ ኣምላኽ ብጸሎት ይቐርብ ነይሩ ኢዩ: “ጐይታ” ድማ ‘ቘይምሉን ኣበርቲዕዎን’ ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 4:17) ጳውሎስ “በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ” በለ። (ፊልጲ 4:13) ምስ ኣምላኽን ክርስትያን ብጾትን ርክብ ምህላው ምስቲ ናይ ኣገልግሎቱ ኣዎንታዊ ገምጋም ተሓዊሱ: ንጳውሎስ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ንኽቕጽል ሓጊዝዎ ኢዩ።

ኣምላኽ ንጳውሎስ “እንተ ዘይተጸልኣናስ: ብጊዜኡ ኽንዐጽድ ኢና እሞ: ንሰናይ ግብሪ ኣይንሰልኪ” ኢሉ ክጽሕፍ ብመንፈስ ደሪኽዎ ኢዩ። (ገላትያ 6:​7⁠-9) እቲ ዝዕጸድ እንታይ ኢዩ⁠፧ ናይ ዘለኣለም ህይወት። ስለዚ እምበኣር: ከም ኤርምያስ: ጳውሎስ: ከምኡውን ከምቶም ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተጠቒሶም ዘለዉ ካልኦት ብዙሓት እሙናት መሰኻኽር የሆዋ ኵን። እወ: ከምኦም ኵን: ንተስፋ ምቝራጽ ድማ ኣይትምበርከኽ። ብርሃንካ ክጠፍእ ኣይተፍቅድ።​—⁠ምስ ማቴዎስ 5:​14⁠-16 ኣረኣእዮ።

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ጳውሎስን ኤርምያስን ብርሃኖም ክጠፍእ ኣየፍቀዱን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ