ከረን ኣቶስ—“ቅዱስ ከረን” ድዩ፧
እቶም ልዕሊ 220 ሚልዮን ዝዀኑ ኣባላት ቤተ-ክርስትያን ኦርቶዶክስ ነቲ ኣብ ከባቢ ባሕሪ ናይ ሰሜን ግሪኽ ዝርከብ ኣቶስ ዝበሃል ከረን “ካብ ዝዀነ ይኹን ኣብ እምነት ኦርቶዶክስ ዝርከብ ቅዱስ ቦታታት እቲ ኣዝዩ ቅዱስ ከረን” ኢዩ ዝብል እምነት ኣለዎም። ዝበዝሑ ካብዚኣቶም ናብቲ ኸም “ቅዱስ ከረን” ዝቝጸር ከረን ኣቶስ ዝግበረሉ ንግደት ክኸዱ ሃረር ኢዮም ዝብሉ። እዚ “ቅዱስ ከረን” እዚ እንታይ ኢዩ፧ ክንድዚ ዝኣክል ኣገዳስነት ዝረኸበኸ ከመይ ኢሉ ኢዩ፧ እቶም ንኣምላኽ ዝፈርሁ ሰባት መንፈሳዊ መሪሕነትን ናይ ሓቂ ኣምልኾን ንኽረኽቡ ትጽቢት ክገብሩሉ ዝግብኦም “ከረን” ድዩ፧
እቲ “ቅዱስ ከረን” ዝብል ኣጸዋውዓ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ይርከብ ኢዩ። ምስቲ ቕዱስን ጽሩይን ክብ ዝበለን ኣምልኾ እቲ ሓቀኛ ኣምላኽ እተተሓሓዘ ኸኣ ኢዩ። ንጉስ ዳዊት ንታቦት ኪዳን ናብቲ ኣብ ጥንታዊት የሩሳሌም ዝነበረ ከረን ጽዮን ምስ ኣምጽኦ: እቲ ኸረን ‘ቅዱስ ከረን’ ኰነ። (መዝሙር 15:1፣ 43:3፣ 2 ሳሙኤል 6:12, 17) እታ ሰሎሞን ዝሰርሓ ቤት መቕደስ ኣብ ከረን ሞርያ ምስ ተሃንጸት: “ጽዮን” ነቲ ቤት መቕደስ ዝርከበሉ ቦታ ሓቘፈ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ጽዮን ‘ቅዱስ ከረን’ ኣምላኽ ኰይኑ ቀጸለ። (መዝሙር 2:6፣ ዮኤል 3:17) ቤት መቕደስ ኣምላኽ ኣብ የሩሳሌም ብምንባሩ: ሓድሓደ ግዜ እታ ኸተማ እውን ‘ቅድስቲ ከረን’ ኣምላኽ ተባሂላ ትጽዋዕ ነይራ ኢያ።—ኢሳይያስ 66:20፣ ዳንኤል 9:16, 20
ሎሚኸ፧ ከረን ኣቶስ—ወይ ካልእ ዝዀነ እምባ—እቲ ሰባት ንኣምላኽ ቅቡል ብዝዀነ መገዲ ምእንቲ ከምልኽዎ ናብኡ ክውሕዙ ዝግብኦም ‘ቅዱስ ከረን’ ድዩ፧
ገዳማዊ “ቅዱስ ከረን”
ከረን ኣቶስ ብወገን ምብራቕ ናይዛ ዘመናዊት ተሰሎንቄ ኰይኑ: ኣብ ምብራቓዊ ጫፍ ናይቲ ኣብ ሓውሲ ደሴት ካልሲዳሲ ዘሎ ናብ ባሕሪ ኤጅያን እትው ዝበለ ልሳን ባሕሪ ኢዩ ዝርከብ። ትኽ ኢሉ ካብ ባሕሪ ዝወጸ 2,032 ሜትሮ ዝቝመቱ መሳጢ ናይ እምነ-በረድ እምባ ኢዩ።
ከረን ኣቶስ ከም ቅዱስ ቦታ ኻብ ዝውሰድ ነዊሕ እዋን ኰይኑ ኢዩ። ብመሰረት ኣፈ-ታሪኽ ግሪኽ: ኣማልኽቲ ኣብ ከረን ኦሊምፐስ ቅድሚ ምስፋሮም ከረን ኣቶስ መሳፍርኦም ኢዩ ነይሩ። ኣብ ገለ እዋን ድሕሪ ዘመን ቆስጣንጢኖስ ዓቢ (ራብዓይ ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ.) ከረን ኣቶስ ብኣብያተ-ክርስትያን ከም ቅዱስ ቦታ ክርአ ጀመረ። ሓደ ያታ ኸም ዝሕብሮ “ድንግል” ማርያም ብዮሃንስ እቲ ወንጌላዊ ተሰንያ ንኣልኣዛር ክትበጽሖ ናብ ቆጵሮስ ክትከይድ ከላ ንእግረ-መገዳ ብምኽንያት ዘጋጠመ ሃንደበታዊ ብርቱዕ ህቦብላ ኣብ ከረን ኣቶስ ወረደት። ብማራኽነት ናይቲ ኸረን ስለ እተመሰጠት ድማ ንኽውሃባ ንየሱስ ሓተተቶ። በዚ ኸምዚ ድማ ኢዩ ከረን ኣቶስ “ስፍራ ኣታኽልቲ እታ ቕድስቲ ድንግል” ዝብል ተወሳኺ ስም እተዋህቦ። ኣብ መፋርቕ መዋእል ባይዘንታይን እቲ ከውሓዊ እምባ: “ቅዱስ ከረን” ተባሂሉ ክፍለጥ ጀመረ። እዚ ኣጸዋውዓ እዚ ብኣዋጅ ሃጸይ ቆስጣንጢኖስ ታሽዓይ መኖማከስ ኣብ 1046 ከ.ኣ.ዘ. ብወግዒ ጸዲቑ ሕጋዊ ኰነ።
ብምኽንያት እቲ ከውሓዊ ተፈጥሮኡን ምሕድግ ዝበለ ቦታ ምዃኑን ከረን ኣቶስ ንናብራ ብሕትውና ዝምሽእ ቦታ ኢዩ። ኣብዚ ዝሓለፈ ክፍለ-ዘበናት ካብ ኵሉ እቲ ናይ ኦርቶዶክስ ቦታታት—ግሪኽ: ሰርብያ: ሮማንያ: ቡልጋርያ: ሩስያ: ከምኡውን ካብ ካልእ ቦታታት—ንዝመጹ ሃይማኖታውያን ሰባት ክስሕቦም ጸኒሑ ኢዩ: ንሳቶም ከኣ ኣብያተ-ክርስትያንን ናይ ገዛእ ርእሰን ማሕበረሰባትን ዘለወን ሓያለይ ገዳማት መስረቱ። ካብዘን ገዳማት እዚኣተን ገለ 20 ዝዀና ክሳዕ ሕጂ ኣለዋ።
ከረን ኣቶስ ሎሚ
ሎሚ ከረን ኣቶስ ኣብ 1926 ዝጸደቐ ቻርተር ዘለዎ ርእሰ-ምምሕዳራዊ ዞባ ኢዩ። ቍጽሪ ናይቶም ኣብኡ ዝቕመጡ ፈለስቲ ንብዙሕ ዓመታት ከንቈልቍል ድሕሪ ምጽንሑ: ሕጂ ናብ ልዕሊ 2,000 ደዪቡ ኣሎ።
ነፍሲ ወከፍ ገዳም ናይ ገዛእ ርእሳ ኣገባብ ማሕረስ: ቤት ጸሎት: ከምኡውን መንበሪ ኣለዋ። ኣብቲ ብወገን መወዳእታ ናይ ከረን ኣቶስ ዝርከብ ኣዝዩ በሪኽ ዝዀነ ኣጻድፍ እተሃንጸ ካሩሊያ ዝብሃል ሰፈር እቲ ቐንዲ ቅዱስ ቦታ ናይቶም ባሕተውቲ ኢዩ። ኣብዚ ናብ ሓደ እኩባት ኣጓዱ ዝርከባሉ ቦታ ንምብጻሕ መውጽኢኡን መእተዊኡን ዘይፍለጥ ናይ እግሪ መገዲ: መሰጋገሪ እምኒ: መንጠልጠሊ ሰንሰለት ኢኻ እትጥቀም። እቶም ኣብ ከረን ኣቶስ ዝነብሩ ፈለስቲ ገና በቲ ጥንታዊ ወግዒ ኢዮም መዓልታዊ ህይወቶም ዝመርሑ ዘለዉ: ኣቈጻጽራ ሰዓት ባይዘንታይን (ጸሓይ ክትዓርብ ከላ ሓድሽ መዓልቲ ይጅምር) ከምኡውን ዓውደ-ኣዋርሕ ጁልያን (ካብ ኣቈጻጽራ ጎርጎርዮስ 13 መዓልቲ ዝድሕር) ኢዮም ዘዘውትሩ።
እዚ ሃይማኖታዊ ቦታ እዚ ብጓል ኣንስተይቲ ኸም ‘እተቐደሰ’ እኳ ዝዝረበሉ እንተዀነ: እቶም ኣብኡ ዝነብሩ ፈለስትን ባሕተውትን ግን ንስሉባት ወይ ጭሕሚ ዘይብሎም ሰብኡት ሓዊስካ ዝዀነት ትኹን ኣንስተይቲ—ሰብ ትኹን እንስሳ—ናብታ ሓውሲ ደሴት ገጻ ተወር ከይትብል ብዕሊ ኻብ ዝእውጁ 1,000 ዓመት ሓሊፉ ኣሎ። ኣብዚ ቐረባ እዋን እቲ ኣብ ልዕሊ ጭሕሚ ዘይብሎም ሰብኡትን ገለ ኣንስትዮ እንስሳታትን ዝነበረ ሕጊ ኸም ዝፈኵስ እኳ እንተ ተገብረ: ገና ግን ደቂ ኣንስትዮ ካብ ገማግም ከረን ኣቶስ 500 ሜትሮ ክርሕቃ ኣለወን።
ንዅሉ ሰብ ዝኸውን “ቅዱስ ከረን”
ከረን ኣቶስ እቶም ንኣምላኽ ዝፈርሁ ክርስትያናት ንኣምልኾ ክኸድዎ ዝግባእ “ቅዱስ ከረን” ድዩ፧ የሱስ ሓንቲ ንኣምላኽ ኣብ ከረን ጌሪዝም ከነምልኾ ይግብኣና ኢዩ ዝብል እምነት ዝነበራ ሳምራዊት ሰበይቲ ክዛረባ ኸሎ: ዝዀነ ይኹን ግኡዝ ከረን ኣምላኽ ዝምለኸሉ ቦታ ገይርካ ኸም ዘይቍጸር ብግልጺ ነጊሩ ኢዩ። ‘ኣብዚ ኸረን እዚ [ጌሪዝም] ወይ ኣብ የሩሳሌም ነቦ ዘይትሰግዱላ ግዜ ክትመጽእ ኢያ’ ኢሉ ተዛረበ። ስለምንታይ፧ “ኣምላኽ መንፈስ እዩ: እቶም ዚሰግዱሉ ድማ ብመንፈስን ብሓቅን ኪሰግድሉ ይግብኦም።” (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።)—ዮሃንስ 4:21, 24
ናብዚ ግዜና ብምምልካት ነብዪ ኢሳይያስ ሓደ ምሳልያዊ “ናይ ቤት እግዚኣብሄር ከረን ኣብ ርእሲ ኣኽራን ኪቐውም: ኣብ ልዕሊ ዅድዅዶታት ድማ ልዕል ኪብል” ምዃኑ: ካብ ኵሎም ህዝብታት እተኣከቡ ብዙሓት ሰባት ናብቲ ኸረን ብምሳልያዊ መገዲ ክውሕዙ ምዃኖም ተነብዩ ኢዩ።—ኢሳይያስ 2:2, 3
ምስ ኣምላኽ ስምረት ዘለዎ ርክብ ክገብሩ ዝደልዩ ደቂ ተባዕትዮ ይኹኑ ደቂ ኣንስትዮ: ንየሆዋ “ብመንፈስን ብሓቅን” ከምልኽዎ ጻውዒት ይቐርበሎም ኣሎ። ኣብ መላእ ምድሪ ዝርከቡ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት መገዶም ናብ ‘ከረን እግዚኣብሄር’ ኣቕኒዖም ኣለዉ። ንሳቶምን ካልኦትን ምስ ሓሳባት ናይቲ ብዛዕባ ኣቶስ “መንፈሳውነት ብግምቢ ተኸሊላ ወይ ድማ ኣብ ገዳማት ተዓጽያ ኣላ ዝብል እምነት የብለይን” ብምባል እተዛረበ ግሪኻዊ ጠበቓ ይሰማምዑ ኢዮም።—ምስ ግብሪ ሃዋርያት 17:24 ኣረኣእዮ።
[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ሳጹን]
ንነዊሕ ተሰዊሩ ዝጸንሐ እኩብ ቅርስታት
ኣብዚ ዝሓለፈ ክፍለ-ዘበናት ኣቶሳውያን ፈለስቲ መዛግብቲ ኣኪቦም ኢዮም። እዚ ድማ ነቲ ገለ ሰባት ካብ ራብዓይ ክፍለ-ዘበን ኣትሒዙ ዝነበረ ኢዩ ዝብልዎ ብግምት 15,000 ዝኸውን ኢደ-ጽሑፋት ዘጠቓልል ኰይኑ ሓደ ኻብቶም ኣብ ዓለምና ዘለዉ ኣዝዮም ብሉጻት ናይ ምእካብ ዕዮታት ኢዩ። እቲ ቕርስታት ንጥቕሉል ጽሑፋት: ምሉእ መጻሕፍቲ ከምኡውን ቈጽሊ ወረቓቕቲ ናይ ወንጌላትን መዝሙራትን ማህሌታትን፣ ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ኣዝዩ ጥንታዊ ናይ ቅብኣ ስእልታት: ምስልታት: ቅርጽታት: ከምኡውን እተፈላለየ ፍርያት ሓጺን ዘጣምር ኢዩ። ሽሕኳ ገና ብሕጂ ግቡእ ስነዳ ክግበረሉ እንተለዎ: ከረን ኣቶስ ሓደ ርብዒ ናይቲ ኣብ ዓለምና ዝርከብ ናይ ቋንቋ ግሪኽ ኢደ-ጽሑፋት ሒዙ ኸም ዘሎ ይግመት። ኣብ 1997 ንፈለማ ግዜ እቶም ፈለስቲ ገለ ኻብቲ ቅርስታቶም ኣብ ተሰሎንቄ ንምርኢት ክቐርብ ፈቒዶም ኢዮም።
[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
Telis/Greek National Tourist Organization