ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lfb ትምህርቲ 23 ገጽ 60-ገጽ 61 ሕ.ጽ. 4
  • ንየሆዋ እተመባጽዑሉ መብጽዓ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንየሆዋ እተመባጽዑሉ መብጽዓ
  • ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሆዋ ሕግታቱ ሃበ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • መገድታት የሆዋ ምፍላጡ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • መብጽዓኦም ኣፍረሱ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • እታ እትነድድ ቈጥቋጥ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
ዝያዳ ርአ
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
lfb ትምህርቲ 23 ገጽ 60-ገጽ 61 ሕ.ጽ. 4
እስራኤላውያን ኣብ እግሪ ኸረን ሲና ደው ይብሉ

ትምህርቲ 23

ንየሆዋ እተመባጽዑሉ መብጽዓ

እስራኤላውያን ካብቲ ኻብ ግብጺ ዝወጹሉ ድሕሪ ኽልተ ወርሒ ኣቢሉ ኣብ ከረን ሲና በጽሑ እሞ ኣብ እግሪ እቲ ኸረን ሰፈሩ። ሙሴ ናብቲ ኸረን ምስ ደየበ ድማ፡ የሆዋ ንሙሴ፡ ‘ንእስራኤላውያን ኣነ እየ ኣድሒነዮም። እንተ ተኣዚዞምንን ሕግታተይ እንተ ሓልዮምን፡ ፍሉይ ህዝቢ ኪዀኑኒ እዮም’ በሎ። ሙሴ ኸኣ ካብቲ ኸረን ወሪዱ ንእስራኤላውያን፡ እቲ የሆዋ ዝበሎ ነገሮም። ንሳቶምከ እንታይ ምላሽ ሃቡ፧ ‘ኵሉ እቲ የሆዋ ዝበለና ንገብር’ ኢሎም መለሱሉ።

ሙሴ መሊሱ ናብቲ ኸረን ደየበ። ኣብኡ ኸኣ የሆዋ፡ ‘ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ኽዛረበካ እየ። ነቶም ህዝቢ ናብ ከረን ሲና ኸይድይቡ ኣጠንቅቆም’ በሎ። ሙሴ ድማ ናብ እስራኤላውያን ወሪዱ፡ ንየሆዋ ንምስማዕ ኪዳለዉ ነገሮም።

እስራኤላውያን ኣብ ልዕሊ ኸረን ሲና በርቅን ጸሊም ደበናን ይርእዩ

ኣብታ ሳልሰይቲ መዓልቲ፡ እስራኤላውያን ኣብቲ ኸረን በርቅን ጸሊም ደበናን ረኣዩ። ብርቱዕ ነጕድን ደሃይ መለኸትን እውን ሰምዑ። ሽዑ፡ የሆዋ ብሓዊ ኣብቲ ኸረን ወረደ። እስራኤላውያን ከኣ ኣዝዮም ስለ ዝፈርሁ፡ ፈጥፈጥ በሉ። ብዘሎ እቲ ኸረን ኣዝዩ የንቀጥቅጥ ነበረ፣ ብትኪ እውን ተሸፊኑ ነበረ። እቲ ደሃይ መለኸት ከኣ እናበርትዐ ኸደ። ሽዑ፡ ኣምላኽ፡ ‘ኣነ የሆዋ እየ። ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይተምልኽ’ በለ።

ሙሴ ድማ ናብቲ ኸረን ደየበ፣ የሆዋ ኸኣ ነቶም ህዝቢ ዚኸውን ሕግታት ሃቦ። እቲ ሕግታት ድማ ብኸመይ ከም ዜምልኽዎን ብኸመይ ኪመላለሱ ኸም ዘለዎምን ዚእዝዝ ነበረ። ሙሴ ኸኣ ነቲ ሕግታት ጸሓፎ እሞ ንእስራኤላውያን ኣንበበሎም። ንሳቶም እውን፡ ‘ኵሉ እቲ የሆዋ ዝበለና ንገብር’ ኢሎም ተመባጽዑ። እወ፡ ንኣምላኽ መብጽዓ ተመባጽዑሉ። ግናኸ፡ ሓልዮምዎዶ፧

“ንየሆዋ ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብምሉእ ነፍስኻን ብምሉእ ኣእምሮኻን ኣፍቅሮ።”—ማቴዎስ 22:37

ሕቶታት፦ ኣብ ከረን ሲና እንታይ እዩ ዀይኑ፧ እስራኤላውያን እንታይ ኪገብሩ እዮም ተመባጺዖም፧

ዘጸኣት 19:1–20:21፣ 24:1-8፣ ዘዳግም 7:6-9፣ ነህምያ 9:13, 14

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ