ዛንታ 35
የሆዋ ሕግታቱ ሃበ
ካብ ግብጺ ምስ ወጹ ዳርጋ ክልተ ወርሒ ምስ ሓለፈ: እስራኤላውያን ኣብ ከረን ሲና በጽሑ: ከረን ሲና ሆሬብ ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ ኢዩ። እዚኣ እታ የሆዋ ንሙሴ ኣብ ቘጥቋጥ ኰይኑ እተዛረቦ ቦታ ኢያ። እቶም ህዝቢ ኣብዚ ሰፈሩ: ንቑሩብ ግዜ ኸኣ ኣብኡ ተቐመጡ።
እቶም ህዝቢ ኣብ እግሪ እቲ ከረን ክጽበዩ ከለዉ ሙሴ ናብቲ ከረን ደየበ። የሆዋ ኣብ ልዕሊ እቲ ከረን: እስራኤላውያን ክእዘዙዎን ፈሉያት ህዝቡ ክዀኑን ከም ዝደሊ ንሙሴ ነገሮ። ሙሴ ምስ ወረደ: እቲ የሆዋ ዝበሎ ንእስራኤላውያን ነገሮም። እቶም ህዝቢ ኸኣ ህዝቢ የሆዋ ክዀኑ ስለ ዝደልዩ ሕራይ ንእዘዝ በሉ።
ሕጂ የሆዋ ሓደ ዘደንቕ ነገር ይገብር። እቲ ጫፍ ናይቲ ከረን ከም ዝተክኽን ነጐዳ ከም ዝኸውንን ገበረ። ነቶም ህዝቢ ኸኣ ‘ኣነ ካብ ግብጺ ዘውጻእኩኹም የሆዋ ኣምላኽኩም ኢየ’ በሎም። ከምዚ ኢሉ ኸኣ ኣዘዞም:- ‘ብጀካይ ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይተምልኹ።’
የሆዋ ንእስራኤላውያን ተወሳኺ ትሽዓተ ትእዛዛት ወይ ከኣ ሕግታት ሃቦም። እቶም ህዝቢ ኣዝዮም ፈርሑ። ንሙሴ ኸኣ ‘ንስኻ ንገረና: ምእንቲ ኸይንመውት ግን ኣምላኽ ኣይዛረበና’ በልዎ።
ጸኒሑ የሆዋ ንሙሴ ‘ናባይ ናብ ከረን ደይብ። እቶም ህዝቢ ክሕልውዎ ዝደልዮም ሕግታት እተጻሕፎ ክልተ ጽላት እምኒ ክሀበካ ኢየ’ በሎ። ሙሴ ድማ እንደገና ናብቲ ከረን ደየበ። ን40 መዓልትን ለይትን ከኣ ኣብኡ ጸንሐ።
ኣምላኽ ንህዝቡ ዝኸውን ብዙሕ ሕግታት ኣለዎ። ሙሴ ነቲ ሕግታት ጸሓፎ። ኣምላኽ ከኣ ንሙሴ እተን ክልተ ጽላት እምኒ እውን ሃቦ። ኣብዘን ጽላት እዚአን ከኣ እቲ ኣምላኽ ንዅሉ ህዝቢ ዝሃቦ 10 ሕግታት ባዕሉ ጸሓፎ። ዓሰርተ ትእዛዛት ተባሂሉ ኸኣ ይጽዋዕ።
እቲ ዓሰርተ ትእዛዛት ኣድላዪ ሕግታት ኢዩ። እንተዀነ ግን እቲ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ዝሃቦም ብዙሕ ካልእ ሕግታት እውን ከምኡ ኣድላዪ ኢዩ። ሓደ ካብዚ ሕግታት እዚ ኸኣ ‘ንየሆዋ ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻ: ብምሉእ ሓሳብካ: ብምሉእ ነፍስኻ: ከምኡውን ብምሉእ ሓይልኻ ኣፍቅሮ’ ዝብል ኢዩ። ካልእ ሕጊ ኸኣ ‘ንብጻይካ ከም ነፍስኻ ኣፍቅር’ ዝብል ኢዩ። እቲ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ከኣ እዚኣተን እተን የሆዋ ንህዝቡ እስራኤል ዝሃበን ዝዓበያ ክልተ ሕግታት ኢየን በለ። ጸኒሕና ብዛዕባ ወዲ ኣምላኽን ትምህርትታቱን ብዙሕ ነገራት ክንማሃር ኢና።