ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w00 1/7 ገጽ 3-4
  • ውሽጣዊ ሰላም ክትረክብ ትኽእልዶ ኢኻ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ውሽጣዊ ሰላም ክትረክብ ትኽእልዶ ኢኻ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ውሽጣዊ ሰላም ደለዩ
  • ውሽጣዊ ሰላም ኣበይ ክትረክብ ትኽእል፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ኣብዛ ሽግር ዝመልኣ ዓለም ሰላም ክትረክብ ትኽእልዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ሰላም—ከመይ ጌርካ ትረኽባ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2018
  • ናይ ሓቂ ሰላም—ካበየናይ ምንጪ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
w00 1/7 ገጽ 3-4

ውሽጣዊ ሰላም ክትረክብ ትኽእልዶ ኢኻ፧

ብ1854 ኣመሪካዊ ደራሲ ሄንሪ ዘሮው “መብዛሕትኦም ሰባት ተስፋ ዘይብሉ ህይወት ኢዮም ዝነብሩ” ኢሉ ጸሓፈ።

ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ መብዛሕትኦም ሰባት ውሽጣዊ ሰላም ከም ዘይነበሮም እተረጋገጸ ኢዩ። ይኹን እምበር: እዚ ቅድሚ 150 ዓመታት ኣቢሉ ኢዩ ነይሩ። ሎሚኸ እቲ ዅነታት ተቐዩሩዶ ኢዩ: ወይስ ቃላት ዘሮው ክሳዕ ሕጂ ይሰርሕ ኢዩ፧ ብብሕትኻ እንታይ ምበልካ፧ ሰላም ብምርካብ ዕግበት ረኺብካዶ ኢኻ: ወይስ ውሕስነት ዝበሃል ዘይስምዓካን ብዛዕባ መጻኢ ዘይትተኣማመንን: ብኻልእ ኣበሃህላ ከምቲ ቃላት ዘሮው “ተስፋ ዘይብሉ” ሰብ ኢኻ፧

እቲ ዘሕዝን ግን: ኣብ ዓለም ውሽጣዊ ሰላም ዝሰርቕ ብዙሕ ነገራት ኣሎ። ገለ ካብዚ እስኪ ንጥቀስ። ኣብ ብዙሓት ሃገራት ሽቕለት ኣልቦነትን ትሑት ኣታውን ዘስዕቦ ድኽነት ከምኡውን ቁጠባዊ ቅልውላው ኣሎ። ኣብ ካልኦት ሃገራት ከኣ ብዙሓት ሰባት መብዛሕትኡ ጉልበቶም ደድሕሪ ሃብትን ንዋታዊ ጥሪትን ክጐዩ ኢዮም ዘሕልፍዎ። ይኹን እምበር: እቲ ውድድር ዝመልኦ ኣነባብራ ጭንቀት ድኣ እምበር ሰላም ኣየምጽእን ኢዩ። ሕማም: ውግእ: ዓመጽ: ምጕዳል ፍትሒ: ከምኡውን ጭቈና ንናይ ሰባት ሰላም ዝሰርቕ ኢዩ።

ውሽጣዊ ሰላም ደለዩ

ብዙሓት ሰባት ነዚ ዓለም ዘላቶ ኵነታት ኣሜን ኢሎም ክቕበልዎ ፍቓደኛታት ኣይኰኑን። ኣንቶንዮa መራሒ ሸቃሎ ናይ ሓደ ኣብ ሳኦ ፓውሎ: ብራዚል ዝርከብ ዓቢ ፋብሪካ ኢዩ ነይሩ። ናብራ የመሓይሽ ይኸውን ብዝብል ተስፋ ኣብ እተፈላለየ ተቓውሞታትን ሰላማዊ ሰልፍን ተኻፈለ: እንተ​ዀነ ግን እዚ ናይ ኣእምሮ ሰላም ኣየምጽኣሉን።

ገለ ሰባት መርዓ ኣብ ህይወቶም ዓቢ ውሽጣዊ ሰላም ከምጽኣሎም ትጽቢት ይገብሩ ኢዮም: እንተ​ዀነ ግን እዚ እውን ከምቲ እተጸበይዎ ከይከውን ይኽእል ኢዩ። ማርኮስ ዕዉት ነጋዳይ ነበረ። ኣብ ፖለቲካ ኢዱ ኣእተወ እሞ ከንቲባ ናይ ሓንቲ ኢንዱስትሪያዊት ከተማ ዀነ። ይኹን እምበር: ኣብ ናብራ ስድራ​ቤቱ ፈጺሙ ዕዉት ኣይነበረን። ደቁ ካብ ቤት ወጺኦም ነበሩ: ንሱን ሰበይቱን እውን ክቃደዉ ስለ ዘይከኣሉ ተፈላለዩ።

ሓደ ኣብ ሳልቫዶር: ብራዚል ዝነብር ገርዞን ዝበሃል ግዳም ሓደር ዝዀነ ወዲ ፍሉይ ጕዕዞ ክገብር ደለየ። ንመራሕቲ ዓበይቲ ማካይን ተማልኡኒ እናበለ ካብ ከተማ ናብ ከተማ ኰለል በለ። ነዊሕ ከይጸንሐ ግዙእ ወልፊ ሓሽሽ ኰነ: ነዚ ሕማቕ ኣመል ዝኸውን ገንዘብ ንምርካብ ከኣ ክዝርፍ ጀመረ። ብተደጋጋሚ ብፖሊስ ተታሕዘ። ገርዞን ቍጡዕን ህውከተኛን እኳ እንተ ነበረ: ውሽጣዊ ሰላም ንምርካብ ግን ይህንጠ ነበረ። ውሽጣዊ ሰላም ክረክብ ይኽእል ደኾን ይኸውን፧

ቫንያ ገና ንእሽቶ ጓል ከላ ኣዲኣ ስለ ዝሞተት ናይ ቤት ሓላፍነት ኣብኣ ወደቐ: እዚ ድማ ነታ ሕምምቲ ሓብታ ምእላይ ዘጠቓልል ነበረ። ቫንያ ናብ ቤተ⁠-​ክርስትያን ትኸይድ ነበረት: እንተ​ዀነ ግን ኣምላኽ ዝጠንጠና ኰይኑ ኢዩ ዝስምዓ ነይሩ። ብዘይ​ጥርጥር ናይ ኣእምሮ ሰላም ኣይነበራን።

ማርሴሎ ድማ: ሓጐስ ክረክብ ይደሊ ነበረ። ምስ ካልኦት መንእሰያት ሳዕስዒት: መስተ: ከምኡውን ሓሽሽ ናብ ዘለዎ ኣብያተ⁠-​ትልሂት ምኻድ ይፈቱ ነበረ። ሓደ እዋን ተባእሰ እሞ ንሓደ መንእሰይ ጐድኦ። ድሕርዚ: በቲ ዝገበሮ ኣዝዩ ተጣዕሰ: ኣምላኽ ክሕግዞ ኸኣ ጸለየ። ንሱ እውን ናይ ኣእምሮ ሰላም ደለየ።

እዚ ተመክሮታት እዚ ንናይ ኣእምሮ ሰላም ክሰርቕ ዝኽእል ሓድሓደ ኵነታት ኢዩ ዝገልጽ። እቲ መራሒ ሸቃሎ: እቲ ፖለቲከኛ: እቲ ግዳም ሓደር: እታ ካብ መጠን ንላዕሊ እትሰርሕ ጓል: ከምኡውን እቲ ናብ ኣብያተ⁠-​ትልሂት ምኻድ ዘዘውትር ሰብ ነቲ ዘናድይዎ ዝነበሩ ውሽጣዊ ሰላም ክረኽቡ ዝኽእሉሉ ገለ መገዲ ይህሉ ደኾን ይኸውን፧ እቲ ዘጋጠሞም ነገር ገለ ትምህርቲ የመሓላልፈልናዶ ኢዩ፧ ኣብዛ ቀጺላ ዘላ ዓንቀጽ ከም እንርእዮ ናይዘን ክልተ ሕቶታት መልሲ እወ ዝብል ኢዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ገሊኡ ኣስማት ተቐይሩ ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]

ውሽጣዊ ሰላም ንምርካብ ሃረር ትብልዶ ኢኻ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ