ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w01 15/2 ገጽ 28-29
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብዛዕባ ናይ ኮምፒተር ተክኖሎጂ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ምዕቃብ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1995
  • ትዝክሮዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ንትርጕም ዚሕግዝ ጠቓሚ ንዋት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ብሓቂዶ ሸፈጥ እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
w01 15/2 ገጽ 28-29

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሓቀኛታት ክርስትያናት ነቲ ልሙድ ኰይኑ ዘሎ ንግዳዊ ናይ ኮምፕዩተር ፕሮግራማት ቀዲሕካ ንኻልኦት ናይ ምሃብ ተግባር ብኸመይ ክርእይዎ ኣለዎም፧

ገሊኣቶም ነቲ “ብኸምኡ ተቐበልኩም: ብኸምኡ ሀቡ” ዝብል ቃላት የሱስ ብምጥቃስ ከም መመኽኔታ ገይሮም የቕርብዎ ይዀኑ። የሱስ ነቲ መሰል ዋና እተሓለወሉ ጽሑፍ ወይ ናይ ኮምፕዩተር ፕሮግራማት (ሶፍትዌር ) ንኻልኦት ብናጻ ብዛዕባ ምሃብ ማለት ነቲ ብሕጊ ምቍጽጻር ዝግበረሉ ነገራት ብዛዕባ ምጥቃም ይዛረብ ዘይምንባሩ እተረጋገጸ ኢዩ። ንሱ ብዛዕባ ኣገልግሎት ኢዩ ዝዛረብ ነይሩ። የሱስ ንሃዋርያቱ ናብ እተፈላለያ ከተማታትን ኣቝሻትን ከይዶም ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ክሰብኩ: ሕሙማት ከሕውዩ: ከምኡውን ኣጋንንቲ ከውጽኡ ነገሮም። እቶም ሃዋርያት ነዚ ብኽፍሊት ዘይኰነስ ‘ብኸምኡ ኢዮም ክህቡ’ ዝነበሮም።​—⁠ማቴዎስ 10:⁠7, 8

ናይ ብሕትን ናይ ስራሕን ኮምፕዩተራት ኣዝየን እናበዝሓ ይኸዳ ስለ ዘለዋ ብዙሓት ሰባት ናይ ኮምፕዩተር ፕሮግራም የድልዮም ኣሎ። መብዛሕትኡ እዋን እዚ ክዕደግ ዘለዎ ኢዩ። ልክዕ ኢዩ: ገሊኦም ውልቀ⁠-​ሰባት ብናጻ ዝዕደልን ቀዲሕካ ንኻልኦት ሰባት ክወሃብ ዝከኣልን ፕሮግራማት የዳልዉ ኢዮም። መብዛሕትኡ ናይ ኮምፕዩተር ፕሮግራማት ግን ኣብ ዕዳጋ ዝሽየጥ ኢዩ። እቶም ነዚ ፕሮግራማት ዝጥቀሙ ሰባት ብብሕቶም ኣብ ቤቶም ይኹን ኣብ ስራሕ ክጥቀምሉ እንተድኣ ደልዮም ከፊሎም ክዕድጉ ትጽቢት ይግበረሎም ኢዩ። ሓደ ሰብ ከይከፈለ ናይ ኮምፕዩተር ፕሮግራማት እንተድኣ ወሲዱ ወይ ቀዲሑ: ልክዕ ከምቲ ንመጽሓፍ ምብዛሕ ወይ ኣባዚሕካ ብናጻ ምዕዳል ዘይሕጋዊ ዝዀነ እዚውን ዘይሕጋዊ ኢዩ።

ንመብዛሕትኡ ናይ ኮምፕዩተር ፕሮግራማት (ጸወታታት እውን ወሲኽካ) ንምጥቃም ፍቓድ የድሊ: እቲ ወናኒ/ተጠቃሚ ድማ ምስቲ ፍሉይ ምድላዋትን ገደባትን ተሰማሚዑ ክኸይድ ኣለዎ። ከምዚ ዝኣመሰለ ፍቓድ ሓደ ሰብ ጥራይ ነቲ ፕሮግራም ኣብ ኮምፕዩተሩ ክቐድሖን ክጥቀመሉን ከም ዝኽእል ይሕብር፣ መብዛሕትኡ እዚ ፕሮግራማት እዚ ኸኣ ኣብ ገዛ ይኹን ኣብ ስራሕ: ወይ ቤት ትምህርቲ: ኣብ ሓንቲ ኮምፕዩተር ጥራይ ኢዩ ክቕዳሕ ዝፍቀድ። ገሊኡ ፍቓድ ነቲ ተጠቃሚ መሐለውታ ፕሮግራም ቀዲሑ ከቐምጥ ከም ዝኽእል: እንተዀነ ግን ንኻልኦት ሰባት ቀዲሑ ክህቦም ከም ዘየፍቅድ ይገልጽ። እቲ ወናኒ እንተ ደልዩ ንብምሉኡ እቲ ፕሮግራም (ማለት ነቲ ፍቓድን ሰነዳትን እውን) ንኻልእ ሰብ ክህብ ይኽእል ኢዩ። ድሕርዚ ግን ንሱ ናይ ምጥቃም መሰል የብሉን። እተፈላለየ ዓይነት ፍቓድ ኣሎ: ስለዚ እቲ ፕሮግራም ዝዕድግ ወይ ዝወሃቦ ሰብ እቲ ፍቓድ ናይቲ ፕሮግራም ክማላእ ዝሓቶ ነገራት ክፈልጥ ኣለዎ።

ብዙሓት ሃገራት ነቲ መሰል ዋና ናይቲ ከም ናይ ኮምፕዩተር ፕሮግራማት ዝኣመሰለ “ናይ ምሁራት ንብረት” ዝሕለወሉ ስምምዓት ተቐቢለንኦ ኢየን: መሰል ዋና ብሕጊ ንኽኽበር ድማ ጻዕሪ ይገብራ ኣለዋ። ንኣብነት: እታ ኣብ 14 ጥሪ 2000 እተሓትመት ዘ ኒው ዮርክ ታይምስ (እንግሊዝኛ) “ናይ ጀርመንን ዴንማርክን ኣባላት ፖሊስ ነቶም ቀንዲ ጕጅለ ሰረቕቲ ናይ ኮምፕዩተር ፕሮግራማት ዝብልዎም ከም ዝኣሰርዎም” ገሊጻ ነይራ፣ እዞም ሰባት እዚኣቶም ናይ ኮምፕዩተር ፕሮግራማትን ጸወታታትን ኣባዚሖም ይዝርግሑ: አረ ገሊኣቶምስ ብኢንተርነት ኣቢሎም እውን ይሸጥዎ ነይሮም ኢዮም።

ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣብዚ እንታይ ኣቕዋም ኣለዋ፧ የሱስ “ናይ ቄሳር ንቄሳር: እቲ ናይ ኣምላኽውን ንኣምላኽ ሀቡ” ኢሉ ኢዩ። (ማርቆስ 12:⁠17) እዚ ኸኣ ክርስትያናት ነቲ ምስ ሕጊ ኣምላኽ ዘይጋጮ ሕግታት ናይታ ዝነብሩላ ዓዲ ክእዘዙ ከም ዘለዎም ዝሕብር ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ መንግስታት ከምዚ በለ:- “ነፍሲ ወከፍ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ስልጣን ዘለዎ ይገዝኣዮ። . . . ነቲ ብዓል ስልጣን ዚቃወም ነቲ ስርዓት ኣምላኽ እዩ ዚቃወሞ። እቶም ዚቃወምዎ ድማ: ባዕላቶም ፍርዲ ኪቕበሉ እዮም።”​—⁠ሮሜ 13:⁠1, 2

ሽማግለታት ክርስትያናዊት ጉባኤ ብዛዕባ መሰል ዋና ዝምልከት ሕግታት ንምንጻርን ንምኽባርን ከም እተመዘዙ ኰይኖም: ናይ ካልኦት ኮምፕዩተራት ናይ ምቍጽጻር ሓላፍነት የብሎምን። እንተዀነ ግን: ክርስትያናት ዘይንብረቶም ከይወስዱን ሕጊ ዘኽብሩ ንምዃን ክጽዕሩን ከም ዘለዎም ይኣምኑን ይምህሩን ኢዮም። በዚ ኸምዚ ክርስትያናት መፍረስቲ ሕጊ ኰይኖም ኣይቅጽዑን: ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከኣ ሰናይ ሕልና ክሕዙ የኽእሎም። ጳውሎስ “ስለዚ ኸኣ ስለ ሕሊና ኢልኩም እምበር: ስለ መቕጻዕቲ ጥራይ ኣይኰነን: ክትግዝእዎም ዚግብኣኩም” ኢሉ ጸሓፈ። (ሮሜ 13:⁠5) ብተመሳሳሊ: ጳውሎስ “ብዅሉ ደግነት ክንነብር እናደሌና: ሰናይ ሕሊና ኸም ዘሎና: ተረዲእናዮ አሎና” ብምባል ነቲ ሓቀኛታት ክርስትያን ዘለዎም ባህጊ ገሊጽዎ ኣሎ።​—⁠እብራውያን 13:⁠18

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ገሊኣተን ትካላትን ኣብያተ⁠-​ትምህርትን እንተ በዝሐ ክንደይ ዝኣኽሉ ሰባት ክጥቀሙሉ ከም ዝኽእሉ ዝገልጽ ፍቓድ ይዕድጋ ኢየን። ኣብ 1995 ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዚ ዝስዕብ ምኽሪ ዝሓዘት ዓንቀጽ ተመያይጠናላ ኢየን:-

“ዝበዝሓ እተን ናይ ኮምፕዩተር ፕሮግራማት ዘዳልዋን ዝሸጣን ኩባንያታት መሰል ዋንነት ኣለወን: ከምኡውን ነቲ ፕሮግራም ብኸመይ ብሕጊ ክትጥቀመሉ ከም እትኽእል ዝገልጽ ዝርዝር ፍቓድ ይህባ ኢየን። መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ፍቓድ: በዓል ንብረት ቅዳሕ ናይቲ ፕሮግራም ንኻልኦት ክህብ ከም ዘይክእል ይገልጽ፣ አረ ኣህጉራዊ ሕጊ ናይ መሰል ዋና ከምዚ ምግባር ዘይሕጋዊ ኢዩ ዝብሎ። . . . ሓድሓደ ዓበይቲ ትካላት ኣቐዲሙ ፕሮግራም ዝኣተወንን ፍቓድ ዘለወንን ኮምፕዩተራት ይሸጣ ኢየን። ይኹን እምበር: ገለ ኮምፕዩተር ዝሸጡ ድኳናት ፍቓድ ኣይህቡን ኢዮም: ምኽንያቱ እቲ ኣቐዲሞም ኣብታ ኮምፕዩተር ዘእተዉዎ ፕሮግራማት ዘይሕጋዊ ቅዳሓት ስለ ዝዀነ ኢዩ: በዚ ድማ እቲ ዓዳጋይ ነቲ ፕሮግራም ክጥቀመሉ ከሎ ነቲ ሕጊ ይጥሕሶ። ምስ እዚ ዝመሳሰል ድማ: ክርስትያናት ነቲ መሰል ዋና ዘለዎን ካብቲ ብዘይ ፍቓድ ናይ ዋና እተቐድሐን (ከም ናይ ማሕበር ጽሑፋት ዝዀኑ) ናይ ኤሌክትሮኒክ ቡለቲን ቦርድ ጽሑፋት: ኣብኡ ክውስኹን ካብኡ ክወስዱን የብሎምን።”

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ