ብዛዕባ ናይ ኮምፒተር ተክኖሎጂ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ምዕቃብ
1 ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብቲ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ክርስትያናት “እቲ ዘመን ሓጺር” ስለ ዝዀነ ከይዝንብሉ ተማሕጸኖም። (1 ቈረ. 7:29) መወዳእታ ናይዚ ኣረጊት ኣገባብ እዚ እናቐረበ ክኸይድ ከሎ: ‘ቅድም እታ መንግስትን ጽድቂ ኣምላኽን ክንደሊ’ ከምኡውን ‘[ምቹእ ትሓዓ ] ግዜ ክንዕድግ’ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ህጹጽ ኢዩ! ግዜ ክቡር ኢዩ።—ማቴ. 6:33፣ ኤፌ. 5:15, 16
2 ተክኖሎጂ ከም ዓቢ ናይ ግዜ ቈጣቢ ተወዲሱ ኢዩ። ንኣብነት: ሓንቲ ናይ ኮምፒተር ሞልጐም ብምጽቃጥ: እቲ ነታ ኮምፒተር ዝጥቀመላ ዘሎ ሰብ ብኡንብኡ ኣዝዩ ብዙሕ ሓበሬታ ክረክብ ይኽእል ኢዩ። ኮምፒተራት: ነቲ ብኻልእ መገዲ ክትሰርሖ ከሎኻ ሰዓታት ወይ ሰሙናት ክወስድ ዝኽእል ብኻልኢታት ክገብርኦ ይኽእላ ኢየን። ብግቡእ ምስ እትጥቀመለን: ሓገዝቲ መሳርሒታት ኢየን።
3 ብሓቂ ግዜ ክትቍጥብ ድያ፧:- በቲ ሓደ ወገን ድማ: ከምዚ ዝኣመሰለ ውጽኢት ናይ ተክኖሎጂ ብዘይ ብዙሕ ወጻኢታት ናይ ክልቲኡ ገንዘብን ግዜን ኣይመጸን። እታ ኮምፒተር ብኸመይ ገለ ዕዮታት ከም እትዓዪ ክትገብራ ንኽትመሃር ሰዓታት የድሊ ይኸውን። ኣብ ርእሲኡ ድማ እቲ ብውጺኢት ናይቲ ተክኖሎጂ እተደነቐ ሰብ: ብዝበለጸ ክጥቀመሉ ዝኽእል ዝነበረ ግዜ ከጥፍእ ይኽእል ኢዩ። ነቲ ‘[ምቹእ ትሓዓ ] ጊዜ ዓዲግና: ከም ለባማት’ ክንመላለስ ኣብ ናይ ሃዋርያ ጳውሎስ ምኽሪ ዘሎ ስርዓት ኣብ ኣእምሮ ብምሓዝ: ሚዛናዊ ኣረኣእያ ክንሕዝ ኣሎና።—1 ቈረንቶስ 7:31 ርአ።
4 ብዙሓት ጽቡቕ ድላይ ዘለዎም ኣሕዋት ናይ ጉባኤ ጸብጻባት ንኽሕዝሉ ናይ ኮምፒተር ፕሮግራማት ነዲፎም ኢዮም። ልክዕ’ዩ: ሓደ ሓው ብኸመይ ነታ ኮምፒተሩ ከም ዝጥቀመላ ናይ ብሕቲ ውሳኔ ኢዩ። ይኹን እምበር: እቲ ቅጥዒ እንተድኣ ኣልዩ ናይ ጉባኤ ጸብጻባት ኣብ ኮምፒተር ክትሓዙ የብሎምን: ምኽንያቱ ቈልዑ ወይ ዘይተፈቕደሎም ሰባት ክርእይዎ ይኽእሉ ኢዮም። ኵሎም ናይ ጉባኤ ጸብጻባት—ናይ ሕሳብ ጸብጻባት: ናይ ጉባኤ ኣስፋሕቲ ናይ ጸብጻብ ካርድ: ከምኡውን ካልኦት—ኣብቲ ብማሕበር እተዋህበ ቅጥዕታት ክትሓዝ ኣለዎ: ከምኡውን እቲ ኣብዞም ናይ ጉባኤ ቅጥዕታት ዘለዉ ሓበሬታ ኣብ ኮምፒተር ክቕመጡ የብሎምን። በዚ መገዲ እዚ እቲ ናይ ጉባኤ ስቱር ጸብጻባት ይሕሎ።
5 ብተወሳኺ: ኣብ ሓድሓደ ቦታታት: ናይ ኮምፒተር ፕሮግራማት ነቲ ናይ ጉባኤ ናይ ዝርርብ ክፍልታት ንምድላው ይጥቀምሉ ኢዮም። እቶም ሓላፍነት ዘለዎም ተዓዘብቲ ነቲ ናይ ቲኦክራቲካዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ከምኡውን ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ክፍልታት ክምዝዙ ከለዉ መስተውዓልቲ ክዀኑ ኣለዎም። ነቲ ኣብ እተወሰነ ክፍሊ ክወሃብ ዘለዎ ትምህርቲ ኣብ ኣእምሮኦም ክሕዝዎ ኣለዎም። ንኣብነት: ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ነቲ ዝርርብ: ዝዀነ ተማሃራይ ክህቦ ኣይግባእን ይኸውን። እቲ ዕላማ ናይቲ ትምህርትን ብቕዓት ናይቲ ውልቀ-ሰብ ከምኡውን ዓይነት ናይቲ ትምህርትን ኣብ ግምት ክኣቱ ኣለዎ። ነዚ እታ ኮምፒተር ክትውስኖ ክግደፍ የብሉን።
6 ሓደ ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ክፍሊ ክህብ እተመዘዘ ሓው: ኣብ ናይ ኮምፒተር መራኸቢታት ስለ እተዳለወን ክትጥቀመሉ ስራሕ ዘውሕደሉ ስለ ዝዀነን ጥራይ: ኣብቲ ብፍላይ ብዘይፈልጦ ካልእ ሓው እተዳለወ: ክምርኰስ የብሉን። ሓላፍነት ዝስምዖ ክርስትያን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርርባት ወይ ናይ ኣኼባ ክፍልታት ኣዳልዩ ካልኦት ምእንቲ ክጥቀምሉ ኣብ ናይ ኮምፒተር መራኸቢታት ኣየቐምጦን ኢዩ። ይኹን እምበር: እታ ኮምፒተር ከምኡውን እቲ ኣብ ሲዲ-ሮም ኣብ ኢድ እቲ ሓው ዘሎ ናይ ማሕበር ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ቤተ መጻሕፍቲ: በቲ ዘሎ ውሱን ግዜ ስሉጥ ምርምር ንምግባር ኣስተዋጽኦ ዝገብሩ ዋጋ ዘለዎም መሳርሒታት ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም።
7 ናይ ኮምፒተር ፕሮግራማት: ዝርዝራት: ምስኡ እተተሓሓዘ ሰነዳት ኣባዚሕካ ንኣሕዋት ካብ ምዕዳል: ከምኡውን ናይ ኣገልግሎት ኣኼባን ናይ ቲኦክራቲካዊ ኣገልገሎት ቤት ትምህርቲ ክፍልታት ብኤሌክትሮኒክ ወይ ካልእ መገድታት ኣዳሊኻ ካብ ምዕዳል: እቶም ኣሕዋት ነቲ ከባቢ ዝጠቅም ነገር ኣብ ኣእምሮኦም ብምሓዝ ናይ ገዛእ ርእሶም ዝርርብ ክዳለዉ ኵሉ ግዜ እቲ ዝሓሸ ኢዩ። (1 ጢሞ. 4:13, 15) እቲ ምስ ጉባኤ እተተሓሓዘ ነገራት ብዝዀነ ይኹን መገዲ: ናይ ገንዘብ መኽሰብ ንምርካብ ኢልካ ክውዕል የብሉን።
8 ብዛዕባ እቲ ኣብ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽናዕቲ ወይ ኣብ ናይ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ዘሎ ጥቕስታት ብኮምፒተር ኣሕቲምካ ምዕዳልከ እንታይ ክበሃል ኢዩ፧ እቶም ኣስፋሕቲ: እቲ ናይ ብሕቲ ሓሳባቶምን ምልክታቶምን ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ዝጽናዕ ዘሎ ጽሑፋት ክገብሩ ዝሓሸ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣብ ኣኼባ ነቶም ኣብቲ ጽሑፋት እተጠቕሱ ጥቕስታት ብኮምፒተር እተሓትመ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ጥቕስታት ምጥቃም: ጥቕስታት ንምድላይ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ከይትጥቀም ከስንፈካ ይኽእል ኢዩ። ኣብ ግዜ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ ይኹን ወይ ናይ ጉባኤ ኣኼባ: ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ጥቕስታት ምድላይ ግን ናይቲ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ንመጽሓፍ ቅዱስ ብስሉጥ መገዲ ክንጥቀመሉ ዘዕጥቐና ናይ ምልምማድ ክፍሊ ኢዩ። ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት: ብፍላይ ከኣ ንውሕ ዝበለ ጥቕሲ ክህሉ ከሎ እቶም ተሳተፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክከታተሉ ኣብ ዝተባብዕሉ ግዜ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ብቐጥታ ምንባብ ዝያዳ ስሉጥ ኢዩ።
9 ካልእ ሓደገኛ መፈንጠራ:- ከምቲ ኣብ ናይ 1 ነሓሰ 1993 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 13 እተገልጸ: ንኮምፒተር ምስ ናይ ኤሌክትሮኒክ ናይ ቡለቲን ቦርድ ምትሕሓዝ ናብ ሓደ ዓቢ መንፈሳዊ ሓደጋ መገዲ ክኸፍት ይኽእል ኢዩ። ከምቲ ሓደ ዘይእርኑብ ሰብ ኣብ ናይ ቡለቲን ቦርድ ቫይረስ—ናይ ኮምፒተር ፋይላት ከባላሹን ከዕኑን ተባሂሉ ዝዳሎ ፕሮግራም—ከእቱ ዝኽእል ሃዋርያት ሓሶት: ኣቕሽሽቲ: ከምኡውን ንኻልኦት ብስነ-ምግባር ከባላሽዉ ዝፍትኑ ሰባት ወይ ድማ ካልኦት ነቲ መርዛም ሓሳባቶም ኣብቲ ናይ ቡለቲን ቦርድ ናጻ ኰይኖም ከቐምጥዎ ይኽእሉ ኢዮም። ዋላ እቲ “ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥራይ” ዝብል ነቶም ብሱላት: እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ንኽጥቀምሉ እተወሰነ ናይ ቡለቲን ቦርድ ብግቡእ እንተ ዘይተመርሚሩ ንሓደ ክርስትያን ተጠቃሚ ናብ “ሕማቕ ዕርክነት” ክመርሖ ይኽእል ኢዩ። (1 ቈረ. 15:33) ማሕበር: እቶም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ናይ ብሕቲ መራኸቢታት ዝበሃሉ: ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገራት ከም እትጠራጠር ዝገብሩ ጥራይ ዘይኰነስ: ሕማቕ ምኽሪ ዝህቡ: ሕሜትን ናይ ሓሶት ሓበሬታን ዝዝርግሑ: ተኸዊሎም ኣሉታዊ ሓሳባት ዘመሓላልፉ: ንእምነት ናይ ሓደ ሰብ ዘዕኑ ሕቶታትን ጥርጣሬታትን ዘልዕሉ: ከምኡውን ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ናይ ብሕቲ ትርጕም ዝዘርኡ ምዃኖም ጻብጻባት ተቐቢላ ኢያ። ብላዕሊ ላዕሊ ገለ ሓበሬታ ዘገድስን ሓባርን ኰይኑ ክርአ ይኽእል ኢዩ: ጌና ግን መርዛም ነገራት እተሓወሶ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ክርስትያናት ንእዋናዊ መንፈሳዊ መግብን መብርህን ነቲ “እሙንን ኣስተውዓሊ ባርያን” ኢዮም ዝጽበዩ። (ነታ ናይ 1 ሓምለ 1994 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 4-6 ርአ።) ሓደ ክርስትያን እምነቱ ካብ ኵሉ ዓይነት ዘበላሹ ተጽዕኖታት ክከላኸል ከቢድ ሓላፍነት ኣለዎ: ነዚ መሰረታዊ ነገር ድማ: ኵሉ ግዜ ምስ መን ከም ዝሓብር ምፍላጥ ኢዩ።—ማቴ. 24:45-47 ትሓዓ፣ 2 ዮሃ. 10, 11
10 እታ ግምቢ ዘብዐኛ እቲኣ: ብዛዕባ ኣገዳስነት ናይ መሰል ዋና ዝምልከት ተጕልሕ። ዝበዝሓ እተን ናይ ኮምፒተር ፕሮግራማት ዘዳልዋን ዝሸጣን ኩባንያታት መሰል ዋንነት ኣለወን: ከምኡውን ነቲ ፕሮግራም ብኸመይ ብሕጊ ክትጥቀመሉ ከም እትኽእል ዝገልጽ ዝርዝር ፍቓድ ይህባ ኢየን። ኵሉ ግዜ እቲ ፍቓድ: በዓል ንብረት ቅዳሕ ናይቲ ፕሮግራም ንኻልኦት ክህብ ከም ዘይክእል ይገልጽ፣ አረ አህጉራዊ ሕጊ ናይ መሰል ዋና ከምዚ ምግባር ዘይሕጋዊ ኢዩ ዝብሎ። ብዙሓት ስሱዓት ሰባት ነቲ ሕጊ ከፍርሱ ስኽፍ ኣይብሎምን ኢዩ። ክርስትያናት ግን ብዛዕባ ናይ ሕጊ ጉዳይ ዝመጸ: ናይ ቄሳር ንቔሳር ብምሃብ: ንጹሃት ክዀኑ ኣለዎም።—ማቴ. 22:21፣ ሮሜ 13:1
11 ሓድሓደ ዓበይቲ ትካላት ኣቐዲሙ ፕሮግራም ዝኣተወንን ፍቓድ ዘለወንን ኮምፒተራት ይሸጣ ኢየን። ይኹን እምበር: ገለ ኮምፒተር ዝሸጡ ድኳናት ፍቓድ ኣይህቡን ኢዮም: ምኽንያቱ እቲ ኣቐዲሞም ኣብታ ኮምፒተር ዘእትውዎ ፕሮግራማት ዘይሕጋዊ ቅዳሓት ስለ ዝዀነ ኢዩ: በዚ ድማ እቲ ዓዳጋይ ነቲ ፕሮግራም ክጥቀመሉ ከሎ ነቲ ሕጊ ይጥሕሶ። ምስ እዚ ዝመሳሰል ድማ: ክርስትያናት ነቲ መሰል ዋና ዘለዎን ካብቲ ብዘይ ፍቓድ ናይ ዋና እተቐድሐን (ከም ናይ ማሕበር ጽሑፋት ዝዀኑ) ናይ ኤሌክትሮኒክ ቡለቲን ቦርድ ጽሑፋት: ኣብኡ ክውስኹን ካብኡ ክወስዱን የብሎምን።—እብ. 13:18
12 ነቲ ውጸኢት ናይ ዝዀነ ይኹን ተክኖሎጂ ክትጥቀመሉ ዘለዎ ረብሓን: እቲ ዘለዎ ሓደጋን ክመዛዘን ኣለዎ። ከምቲ ተሌቪዥን ንጽቡቕ እትጥቀመላ እኳ እንተዀነት: እቲ ሎሚ ኣብ ወድሰብ ዘለዎም ዘይጥዑይ ሳዕቤን ነቶም ዓለማውያን ምንጭታት ከይተረፈ ሓደገኛ ሳዕቤን ከም ዘለዎ ንኽገልጹ ገይርዎም ኣሎ። ናይ ኮምፒተር መራኸቢታት ኣብ ብዘላ ዓለም ኢዮም ዝዝርግሑ: ኣዝዩ ብዙሕ ዝዀነ ዋጋ ዘለዎ ሓበሬታ ድማ ናብ ቤት ወይ ናይ ስራሕ ቦታ ከምጽኡ ይኽእሉ ኢዮም። ነቶም ኣብዚ ሕጂ እንነብረሉ ዘሎና ኣዝዩ ዝውንጨፍ ዘሎ ሕብረተሰብ ምስ ብሕታውን ናይ ንግድን ድሌታት ማዕረ ማዕረ ክጓዓዙ ዝደልዩ ንግድታትን ማሕበራትን ከምኡውን ውልቀ-ሰባት ብዘይ መጠን ዝድለ ኣገልግሎት ይህቡ ኢዮም። ምስናይዚ ድማ: ናይ ኮምፒተር መራኸቢታት ብኸም እኒ ጽዩፍ ጽሑፋት: ፕሮፓጋንዳ ናይ ፈላላዪ ጽልኢ ከምኡውን ነውራምን እኩይን ተግባራት ብኸመይ ከም እትፍጽም ዓሚቝ ሓበሬታ ምሃብ ዝኣመሰለ ሽግራት ተወሪሮም ኢዮም።
13 ስለዚ: ሓደ ክርስትያን ብዛዕባ ናይ ኮምፒተር ተክኖሎጂ ዝምልከት ስለምንታይ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ክህልዎ ከም ዘለዎ እምበኣር ብዙሕ ኣድላዪ ምኽንያታት ኣሎ። ብዙሓት ኣሕዋት ነቶም ማሕበር ብናይ ኮምፒተር ዲስኬታት ኣዳልያቶም ዘላ ትርጕም ሓዳስ ዓለም: ናይ ኢንሳይት ጥራዛት: ከምኡውን ጌትቬርስ ዝበሃል ፕሮግራም ይሕጐስሎም ኣለዉ። ካልኦት ድማ ነቲ ተወሳኺ ምርምር ክትገብር ዘኽእል ማሕበር ኣብ ሲዲ-ሮም ዘውጽኣቶ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ቤተ መጻሕፍቲ ብምዝውታር ጥቕሚ ረኺቦም ኢዮም። ነቲ ናይ ገለ ተክኖሎጂ ዋጋ ኣፍልጦ እኳ እንተተዋህበ: ንጠቓሚ ዕላማ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘመናዊ ተክኖሎጂ ዘዘውትር ሓው: ካብ ዝዀነ ኣሉታዊ መዳያት ንገዛእ ርእሱን ንኻልኦትን ንኽከላኸል ጥንቁቕ ክኸውን ኣለዎ። እቲ ጉድኣት ዘይብሉ ጥቕሚ ናይ ቴክኖሎጂውን ይኹን ካብቲ እተወፈየ ግዜና መጠኑ ዝሓለፈ ግዜ ምእንቲ ከይወስደልና ወይ ድማ ካብቲ ቀንዲ ዕዮናን ሸቶናን ምእንቲ ከየዘንብለና ሚዛን ከነዘውትር ከድልየና ኢዩ።—ማቴ. 6:22፣ 28:19, 20