ዕጣን ምዕጣን ኣብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ቦታ ኣለዎዶ፧
“ኣማልኽቲ ምኡዝ ሽታ ይፈትዉ።” እዚ ናይ ጥንታዎት ግብጻውያን ብሂል እዩ። ዕጣን ምዕጣን ክፍሊ ኣምልኾኦም እዩ ነይሩ። ኣማልኽቲ ጥቓና እዮም ዘለዉ ኻብ ዝብል እምነት: ኣብ ኣብያተ-መቕደሶምን ኣብ ቤቶም ኣብ ዝርከብ መሰውኢታትን: አረ ኣብ ስርሖም እውን ከይተረፈ መዓልታዊ ዕጣን ይዓጥኑ ነበሩ። ካልኦት ህዝብታት እውን ተመሳሳሊ ልማድ ነይርዎም።
ዕጣን እንታይ እዩ፧ ነቲ ዝወጽእ ትኪ ወይ ነቲ ኣብ ሓዊ ዝኣቱ ነገር ከመልክት ይኽእል እዩ። ዕጣን ከም መቐርን በለሳንን ካብ ዝኣመሰለ ጥዑም ሽታ ዘለዎ ዕንዲዳ እዩ ዝዳሎ። እዚ ይድቈስ እሞ ምኡዝ ሽታ ምእንቲ ኽህልውዎ ምስ ቀመማት: ቅራፍ ኦም: ከምኡውን ዕምባባታት ይሕወስ።
ዕጣን ብግዜ ጥንቲ ኣዝዩ ተጠላብን ክቡር ዝዋግኡን ብምንባሩ: ንእኡ ንምድላው ዘገልግል ቀመማት ኣብ ንግዲ ተደላዪ ዀነ። መስመር ንግዲ ሒዞም ዝጐዓዙ ቃፍላያት ካብ ርሑቕ ሃገራት ነዚ ይስከሙ ነበሩ። እቲ መንእሰይ ዝነበረ ዮሴፍ ወዲ ያእቆብ ነቶም “ኣግማሎም ሽቱን ቀመምን ከርበን ተጽዒነን ናብ ግብጺ ኼውርድዎ ኪኸዱ: ካብ ጊልዓድ” ዝመጹ እስማኤላውያን ነጋዶ ኸም እተሸጠ ትዝክር ትኸውን። (ዘፍጥረት 37:25) ዕጣን ኣዝዩ ተደላዪ ብምዃኑ በቶም ነጋዶ ዕጣን ተኸፊቱ ክኸውን ዘለዎ መስመር ንግዲ: ኣብ መንጎ እስያን ኣውሮጳን ርክብ ንኽህሉ ኣኽኣለ።
ሎሚውን ብዙሓት ሃይማኖታት ኣብ ዝገብርኦ ጽምብላትን በዓላትን ዕጣን ይጥቀማ እየን። ብዘይካዚ ብዙሓት ሰባት ነቲ ምኡዝ ሽታኡ ስለ ዝፈትዉዎ ኣብ ቤቶም ይዓጥኑ። ክርስትያናት ዕጣን ምዕጣን ብኸመይ ክርእይዎ ኣለዎም፧ ኣብቲ ንኣምላኽ ዝቐርብ ኣምልኾ ተቐባልነት ኣለዎዶ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባዚ እንታይ ከም ዝብለና እስከ ንርአ።
“ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ”
ነቶም ኣብቲ ማሕደር ዘገልግሉ ዝነበሩ ኻህናት ጥንታዎት እስራኤላውያን ዕጣን ምዕጣን ኣገዳሲ ቦታ ነበሮ። ብማክሊንቶክን ስትሮንግን እተዳለወ ሳይክሎፔድያ ከምዚ ይብል:- “ዕጣን ምዕጣን ኣብ እብራውያን ክፍሊ ኣምልኾ ወይ ቅዱስ መስዋእቲ ጌርካ ይርአ ብምንባሩ: ኣብዚ መዳይ እዚ እንተ ዘይኰይኑ ኣብ ካልእ ከም እተጠቕሙሉ ዝገልጽ ጽሑፍ ኣይንረክብን ኢና።”
የሆዋ ኣምላኽ ኣብ ማሕደር ዝዕጠን ኣርባዕተ ቐመማት ክጠቅስ ከሎ ኸምዚ በለ:- “ጥዑም ጨናታት: ከርበን ሸኸለትን ከልበናን: ጥዑም ጨናታት ምስ ጽሩይ ዕጣንን በብዓይነቱ ማዕረ ማዕረ ኸም ዚኸውን ጌርካ ውሰድ። ንእኡ ድማ ከም ብብልሓት እቶም ገበርቲ ቕብኢ ጨው ዝአተዎ ጽሩይ ቅዱስ ቅብኢ ዕጣን ግበሮ። ካብኡ ኣድኪምካ ጕዳእ እሞ: ኣብቲ ኣነ ምሳኻ ዝራኸበሉ: ኣብ ድንኳን ምርኻብ ኣብ ቅድሚ ምስክር ኣንብሮ።” (ዘጸኣት 30:34-36) ገሊኣቶም ምሁራት ድሕሪ ግዜ ኣይሁድ ኣብ ቤተ መቕደስ ካልእ ተወሳኺ ቀመማት ይጥቀሙ ምንባሮም ይገልጹ።
ኣብ ማሕደር ዝዕጠን ዕጣን ኣዝዩ ቅዱስ ካብ ምዃኑ እተላዕለ: ንኣምላኽ ኣብ ዝቐርብ ኣምልኾ ጥራይ እዩ ዝዕጠን ነይሩ። የሆዋ “እቲ በዚ ኣገባብራኡ እትገብሮ ዕጣን ንኣኻትኩም ኣይትግበሩ። ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ ይኹነልካ። ዝዀነ ይኹን ኪዕጠኖ ኢሉ ኸምኡ ዝበለ ዚገብር: ካብ ህዝቡ ይመንቈስ” ኢሉ ኣዘዞም። (ዘጸኣት 30:37, 38) ካህናት ኣብቲ ነዚ እተዳለወ መሰውኢ ኣብ መዓልቲ ኽልተ ሳዕ ዕጣን ይዓጥኑ ነበሩ። (2 ዜና መዋእል 13:11) ብመዓልቲ ምትዕራቕ ከኣ እቲ ሊቀ ኻህናት ኣብ ውሽጢ እቲ ቕድስተ ቕዱሳን ዕጣን ይዓጥን ነበረ።—ዘሌዋውያን 16:12, 13
እንተዀነ ግን: ኵሉ እቲ ዝዕጠን ዕጣን ብኣምላኽ ተቐባልነት ነይርዎ ማለት ኣይኰነን። ነቶም ካህናት ዘይኰኑ ሰባት ብድፍረት ካህናት ከም ዝዀኑ ገይሮም ዕጣን ስለ ዝዓጠኑ ቐጺዕዎም እዩ። (ዘሁልቍ 16:16-18, 35-40፣ 2 ዜና መዋእል 26:16-20) እቲ ኣይሁድ ኣብ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ኽሳተፉ ኸለዉን ኣእዳዎም ብደም መሊአን ከለዋን ዝዓጥንዎ ዝነበሩ ዕጣን ንየሆዋ የጕህዮ ነበረ። ብሰንኪ እቲ ግብዝናኦም ከኣ “ዕጣን ንኣይ ፍንፉን እዩ” ኢሉ ተዛረቦም። (ኢሳይያስ 1:13, 15) እስራኤላውያን ነቲ የሆዋ ንኣምልኾ ዝምልከት ዘውጽኣሎም ስርዓት ዕሽሽ ብምባል ንቤተ መቕደስ ዓጽዮም ኣብ ካልእ መሰውኢታት ዕጣን ዓጠኑ። (2 ዜና መዋእል 28:24, 25) ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት እቲ ቕዱስ ዕጣን ንናይ ሓሶት ኣማልኽቲ እውን ክዓጥኑሎም ጀመሩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባራት ከኣ ካብ የሆዋ ምዕላው እዩ ነይሩ።—ህዝቅኤል 16:2, 17, 18
ዕጣንን ቀዳሞት ክርስትያናትን
ብ33 ከ.ኣ.ዘ. ክርስቶስ ነቲ ሓድሽ ኪዳን ምስ ኣቘሞ: እቲ ሕጊ ኺዳን እንተላይ እቲ ቕዱስ ዕጣን ብኻህናት ክዕጠን ዝእዝዝ ሕጊ ኣብቅዐ። (ቈሎሴ 2:14) ቀዳሞት ክርስትያናት ንሃይማኖታዊ ጽምብል ኢሎም ዕጣን ከም ዝዓጠኑ ዝገልጽ ጽሑፍ የለን። ብዛዕባዚ ብማክሊንቶክን ስትሮንግን እተዳለወ ሳይክሎፔድያ ከምዚ ይብል:- “[እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት] ዕጣን ይዓጥኑ ዘይምንባሮም እተረጋገጸ እዩ። ዕጣን ምዕጣን መለለዪ ኣረማውነት እዩ ነይሩ . . . ሓደ ሰብ ቍንጣሮ ዕጣን ኣብ መሰውኢ ኣረማውያን ምዕጣኑ ኸም ኣምልኾ ይርአ ነበረ።”
ቀዳሞት ክርስትያናት ሞት እውን ከስዕበሎም ዝኽእል እንተ ነበረ: ኣብቲ ሃጸይ ሮማ “መለኮት” ምዃኑ ኣፍልጦ ንምሃብ ዝግበር ዕጣን ናይ ምዕጣን ስርዓት ምስታፍ ኣብዮም እዮም። (ሉቃስ 4:8፣ 1 ቈረንቶስ 10:14, 20) ኣብቲ ግዜ እቲ ዕጣን ምዕጣን ምስ ኣምልኾ ጣኦት ዝተሓሓዝ ብምንባሩ: ቀዳሞት ክርስትያናት ኣብ ንግዲ ዕጣን እውን ከይተረፈ እንተ ዘይተሳተፉ ዘገርም ኣይኰነን።
ኣብዚ ግዜና ዕጣን ምዕጣን
ኣብዚ ግዜና ዕጣን ንምንታይ እዩ ዘገልግል፧ ኣብ ብዙሓት ኣብያተ-ክርስትያናት ዕጣን ኣብ ሃይማኖታዊ ጽምብላትን ኣብ ቅዳሴን ይጥቀሙሉ እዮም። ኣብ እስያ ዝርከባ ስድራቤታት ነማልኽተን ንምኽባርን ንምዉታተን ካብ ሕማቕ ንምክልኻልን ኣብ ኣብያተ-መቕደስ ወይ ኣብቲ ኣብ ኣባይቲ ዝቕመጥ መሰውኢ ዕጣን ይዓጥና እየን። ኣብ ሃይማኖታዊ ጽምብላት ዕጣን ነቲ ቦታ ዑብ ንምባል: ንምፍዋስ: ንምንጻህ: ከምኡውን ከም ዕቝባ ንምዃን የገልግል እዩ።
ኣብዚ ቐረባ ግዜውን እቶም ሃይማኖት የብልናን ዝብሉ ኸይተረፉ ዕጣን ክዓጥኑ ጀሚሮም ኣለዉ። ገሊኣቶም ከስተንትኑ ኸለዉ ዕጣን ይዓጥኑ። ሓደ መምርሒ መጽሓፍ ኣብቲ ኻብ ዓለምና ወጻኢ ዘሎ “ረቂቕ ጽፍሕታት” ከምኡውን “ሓይልታት” ንምብጻሕ ዕጣን ምዕጣን ከም ዘድሊ ይገልጽ። ኣብ ህይወት ንዘጋጥም ጸገማት መፍትሒ ንምርካብ: ምስ “ልዕለ-ባህርያዊ ኣካላት” ርክብ ምግባር ዘጠቓልል ዕጣን ናይ ምዕጣን ስርዓት ክግበር ከም ዘለዎ እውን ይላቦ። ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባራት ንክርስትያናት ዝኸውን ድዩ፧
የሆዋ ንናይ ሓሶት ሃይማኖት ምስ ንጹህ ኣምልኾ ክሓናፍጹ ንዝፍትኑ ኣትሪሩ እዩ ዀኒንዎም። ሃዋርያ ጳውሎስ ካብ ትንቢት ኢሳይያስ ጠቒሱ ንክርስትያናት ካብ ዘይንጹህ ጽልዋ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ሓራ ኽወጹ ኸም ዘለዎም ክምሕጸኖም ከሎ “ካብ ማእከሎም ውጹን ተፈለዩን ርኹስ ኣይትተንክዩን: ኣነውን ክቕበለኩም እየ: ይብል እግዚኣብሄር” በሎም። (2 ቈረንቶስ 6:17፣ ኢሳይያስ 52:11) ናይ ሓቂ ክርስትያናት ካብቲ ምስ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ወይ ሽሕር ዝተሓሓዝ ዝዀነ ይኹን ነገር ይርሕቑ እዮም።—ዮሃንስ 4:24
ዕጣን ኣብ ሃይማኖታዊ ጽምብላት ወይ ኣብ ሓተታ መናፍስቲ ዝጠቀሙሉ ብምዃኖም ዝዀነ ይኹን ዕጣን ምዕጣን ጌጋ እዩ ማለት ድዩ፧ ከምኡ ማለት ኣይኰነን። ምናልባት ሓደ ሰብ ንገዝኡ ምኡዝ ሽታ ደልዩ ወይ ጨና እቲ ዕጣን ባህ ስለ ዝብሎ ዕጣን ክዓጥን ይደሊ ይኸውን። (ምሳሌ 27:9) ይኹን እምበር: ሓደ ክርስትያን ዕጣን ክዓጥን ወይ ከይዓጥን ኣብ ዝገብሮ ውሳነ: ገለ ረቛሒታት ክምርምር ይግባእ። ኣብ ከባቢኻ ዝነብሩ ሰባት ዕጣን ምዕጣን ምስ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ድዮም ዘተሓሕዝዎ፧ ምስቲ ናይ ሓተታ መናፍስቲ ጽምብላትከ የተሓሕዝዎ ድዮም፧ ወይ ከኣ ምስ ሃይማኖታት ምትሕሓዝ ንዘይብሉ ተግባራት ይዝውተር ድዩ፧
ሓደ ሰብ ዕጣን ክዓጥን እንተ ደልዩ: ኣብ ውሳነኡ ንሕልናኡን ንስምዒት ካልኦትን ኣብ ግምት ከእቱ ኣለዎ። (1 ቈረንቶስ 10:29) እቲ ጳውሎስ ንሰብ ሮሜ ኸምዚ ዝስዕብ ብምባል ዝጸሓፎ ቓላት ክዓየሉ ይኽእል እዩ:- “ኣስኣሰር ናይ ሰላም ነገርን ኣስኣሰር ንሓድሕድና ዚሀንጽን ንስዐብ። ነቲ ተግባር ኣምላኽሲ ብምኽንያት ብልዒ ኣይተፍርሶ። ኵሉ ንጹህ እዩ: ነቲ ብውልውል ዚበልዕ ሰብ ግና ክፉእ እዩ። ሓውካ ዚዕንቀፈሉ ዘበለ ዘይምግባር: ስጋ ዘይምብላዕ ወይስ ወይኒ ዘይምስታይ: ጽቡቐ እዩ።”—ሮሜ 14:19-21
ከም “ዕጣን” ዝርአ ጸሎት
እቲ እስራኤላውያን ዝዓጥንዎ ዝነበሩ ዕጣን ነቲ ኣምላኽ ዝሰምዖ ጸሎት ዘመልክት እዩ ነይሩ። ስለዚ ድማ ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር ንየሆዋ “ጸሎተይ ኣብ ቅድሜኻ ኸም ዕጣን . . . ይኹን” ኢሉ ዘመረ።—መዝሙር 141:2
እሙናት እስራኤላውያን ዕጣን ምዕጣን ከም ትርጕም ዘይብሉ ሃይማኖታዊ ጽምብል ገይሮም ኣይኰኑን ዝርእይዎ ነይሮም። የግዳስ ከምቲ የሆዋ ዝኣዘዞም ገይሮም ንምድላዉን ንምዕጣኑን ብዙሕ ይጥንቀቑ ነበሩ። ሎሚ ክርስትያናት ቃል ብቓሉ ዕጣን ዘይኰነስ: ነቲ ንሰማያዊ ኣቦና ዘሎና ዓሚቝ ሞሳን ኣኽብሮትን ዘንጸባርቕ ጸሎት እዮም ዘቕርቡ። እዚ ድማ ልክዕ ከምቲ ካህናት ኣብ ቤተ መቕደስ ዝዓጥንዎ ዝነበሩ ጥዑም ጨና ዘለዎ ዕጣን ብምዃኑ: ቃል ኣምላኽ “ጸሎት ቅኑዓት . . . ባህ የብሎ” ብምባል የረጋግጸልና።—ምሳሌ 15:8
[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ ማሕደርን ኣብ ቤተ መቕደስን ዝዕጠን ዝነበረ ዕጣን ቅዱስ እዩ ነይሩ
[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ስእሊ]
ንምስትንታን ተባሂሉ ዕጣን ምዕጣን ንክርስትያናት ዝኸውን ድዩ፧