ነቲ ኣድልዎ ዘይብሉ የሆዋ ኣምላኽና ንምሰሎ
“ኣብ ኣምላኽሲ ኣድልዎ ገጽ የልቦን።”—ሮሜ 2:11
1, 2. (ሀ) የሆዋ ብዛዕባ ከነኣናውያን ብሓፈሻ እንታይ ዕላማ ነበሮ፧ (ለ) የሆዋ እንታይ ገበረ: እዚኸ እንታይ ሕቶታት የበግስ፧
ብ1473 ቅ.ኣ.ዘ. እስራኤላውያን ኣብ ጐልጐል ሞኣብ ሰፊሮም ኣብ ዝነበሩሉ እዋን: ንሙሴ ጽን ኢሎም ሰምዕዎ። ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ኣጸጋሚ ዅነታት ይጽበዮም ነበረ። እስራኤላውያን ነቶም ኣብታ ምድሪ ተስፋ ዝነብሩ ሸውዓት ሓያላት ህዝብታት ከነኣን ክስዕርዎም ፍቓድ ኣምላኽ ምዃኑ ሙሴ ነገሮም። እቲ ሙሴ ‘እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ቅድሜኻ ኣሕሊፉ ኽህበካ እዩ: ንስኻውን ውቕዓዮም’ ኢሉ እተዛረቦም ቃላት ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ዘተባብዕ ኰን እዩ ነይሩ! እስራኤላውያን ምስቶም ኣህዛብ ኪዳን ክተኣታተዉ ዀነ ምሕረት ክገብሩሎም ኣይነበሮምን።—ዘዳግም 1:1፣ 7:1, 2
2 ይኹን እምበር: የሆዋ ኻብታ እስራኤላውያን መጥቃዕቲ ዝፈነዉላ ቐዳመይቲ ኸተማ ሓንቲ ስድራቤት ነሓፈ። ኣብ ካልኦት ኣርባዕተ ኸተማታት ዝነብሩ ሰባት እውን ዕቝባ ኣምላኽ ረኸቡ። ስለምንታይ እዩ እዚ ተገይሩ፧ እቲ ምስ ድሕነት እዞም ከነኣናውያን ዝተሓሓዝ ዘደንቕ ፍጻመታት ብዛዕባ የሆዋ እንታይ እዩ ዝምህረና፧ ብኸመይከ ኢና ኽንመስሎ እንኽእል፧
ብዛዕባ የሆዋ ዝሰምዕዎ ወረ ዘሕደረሎም ጽልዋ
3, 4. እስራኤላውያን ብዛዕባ ዝረኸብዎ ዓወት ዝገልጽ ወረ ንገሊኣቶም ከነኣናውያን እንታይ ጽልዋ ኣሕደረሎም፧
3 እስራኤላውያን ቀቅድሚ ናብ ምድሪ ተስፋ ምእታዎም ኣብ በረኻ ኣብ ዝጸንሑሉ 40 ዓመት: የሆዋ ንህዝቡ ኣዕቊብዎምን ተዋጊኡሎምን እዩ። ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ ምድሪ ተስፋ: እስራኤላውያን ምስ ንጉስ ኣራድ ከነኣናዊ ተዋግኡ። ብሓገዝ የሆዋ ነዚ ንጉስን ንህዝቡን ኣብ ሖርማ ሰዓርዎም። (ዘሁልቍ 21:1-3) ጸኒሖም ብወሰነ ወሰን ምድሪ ኤዶም ሓሊፎም ናብ ሰሜናዊ ምብራቕ ምዉት ባሕሪ ገጾም ተጓዕዙ። ኣብዚ ኣቐዲሞም ሞኣባውያን ዝቕመጡሉ ዝነበሩ ቦታ: ኣብቲ ግዜ እቲ ኣሞራውያን ይቕመጡ ነበሩ። ሲሆን ንጉስ ኣሞራውያን ንእስራኤላውያን ብዶቡ ኽሓልፉ ኣይፈቐደሎምን። ኣብ ያሃጽ ማለት ኣብ ስንጭሮ ኣርኖን ድማ ውግእ ኰነ: ኣብኡ ድማ ሲሆን ሞተ። (ዘሁልቍ 21:23, 24፣ ዘዳግም 2:30-33) ድሕሪኡ ብሰሜን ዖግ ንጉስ ባሳን ኣብ ልዕሊ ኻልኦት ኣሞራውያን ይገዝእ ነበረ። ዖግ ንጉዕ እኳ እንተ ነበረ: ምስ የሆዋ ተቓሊሱ ኽዕወት ግን ኣይከኣለን። ኣብ ኤድረይ ድማ ሞተ። (ዘሁልቍ 21:33-35፣ ዘዳግም 3:1-3, 11) ብዛዕባ እዚ ዓወታት እዝን ብዛዕባቲ እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ዝወጽኡሉ ታሪኽን ዝገልጽ ወረ ኣብቶም ኣብ ከነኣን ዝነብሩ ውልቀ-ሰባት ሓያል ጽልዋ ነበሮ።a
4 እስራኤላውያን ንዮርዳኖስ ሰጊሮም ናብ ምድሪ ከነኣን ምስ ኣተዉ: ኣብ ጊልጋል ሰፈሩ። (እያሱ 4:9-19) እታ ብግምቢ እተኸበት ከተማ ያሪኮ ኣብ ጥቓኦም እያ ነይራ። እታ ከነኣናዊት ረሃብ ብዛዕባ ግብሪ የሆዋ ዝሰምዓቶ ወረ ብእምነት ሓደ ነገር ንኽትገብር ደረኻ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ የሆዋ ንያሪኮ ኸጥፍኣ ኸሎ: ንዓኣን ነቶም ኣብ ቤታ ዝነበሩን ነሓፎም።—እያሱ 2:1-13፣ 6:17, 18፣ ያእቆብ 2:25
5. ጊብዖናውያን ብጕርሒ ንኽንቀሳቐሱ ዝደረኾም እንታይ እዩ፧
5 ቀጺሎም እስራኤላውያን ካብቲ ኣብ ጥቓ እቲ ዮርዳኖስ ዘሎ ቈላ ነቒሎም ናብቲ ኣብ ማእከል እቲ ዞባ ዝርከብ ኵድዅዶታት ገዓዙ። እያሱ መምርሒ የሆዋ ብምስዓብ ንኸተማ ዓይ ድብቕ ብምግባር ተዋግኣ። (እያሱ ምዕራፍ 8) ብዛዕባዚ ዝወጸ ወረ ንሓያሎ ነገስታት ከነኣን ንውግእ ብሓደ ንኽሰምሩ ደረኾም። (እያሱ 9:1, 2) እቶም ኣብ ቀረባ ኣብ ዝነበረት ጊብዖን ዝቕመጡ ሃዋውያን ግን እተፈልየ ስጕምቲ እዮም ወሲዶም። እያሱ 9:4 ብዛዕባኦም “ንሳቶም ድማ ተንኰል [“ጕርሒ:” NW ] ገበሩ” ትብል። ልክዕ ከም ረሃብ: ንሳቶምውን የሆዋ ንህዝቡ ኻብ ግብጺ ብኸመይ ከም ዘውጽኦምን ንሲሆንን ዖግን ኣብ ኢዶም ከም ዝሃቦምን ሰሚዖም ነይሮም። (እያሱ 9:6-10) ጊብዖናውያን ንየሆዋ ምጽራር ከንቱ ምዃኑ ኣስተውዓሉ። ስለዚ ንዖኦምን ኣብ ጥቓኦም ንዝርከባ ከፊራን ቤኤሮትን ቂርያት-የዓሪምን ንዝበሃላ ሰለስተ ከተማታትን ዝውክሉ ሰባት: ካብ ርሑቕ ሃገር ከም ዝመጹ መሲሎም ናብ እያሱ ናብ ጊልጋል መጹ። እቲ ጕርሖም ኣሳልጦ ረኸበ። እያሱ ንኸየጥፍኦም ኪዳን ኣተወሎም። ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ እያሱን እስራኤላውያንን ከም እተታለሉ ፈለጡ። ይኹን እምበር: ኪዳን ክኣትዉ ኸለዉ ብየሆዋ ስለ ዝመሓሉ ነቲ ኺዳን ሓለዉዎ። (እያሱ 9:16-19) የሆዋኸ ነዚ ሰሚርዎዶ፧
6. የሆዋ ብዛዕባቲ እያሱ ምስ ጊብዖናውያን ዝኣተዎ ኺዳን ዘለዎ ስምዒት ብኸመይ ኣርኣየ፧
6 ጊብዖናውያን ንህዝቢ እስራኤል ከምኡውን “ንመሰውኢ እግዚኣብሄር” ቈረጽቲ ዕንጨይትን ወረዲ ማይን ክዀኑ ተፈቕደሎም። (እያሱ 9:21-27) ብዘይካዚ: ሓሙሽተ ነገስታት ኣሞራውያንን ሰራዊቶምን ንጊብዖናውያን ከጥፍእዎም ምስ መጹ: የሆዋ ብተኣምራዊ መገዲ ኢዱ ኣእተወ። ካብ ሰማይ ዝወደቐ ዓበይቲ ኣእማን ካብቲ ሰራዊት እያሱ ዝቐተልዎም ዝበዝሑ ጸላእቲ ቐተለ። እቶም ጸላእቲ ፈጺሞም ምእንቲ ኽሰዓሩ ኢሉ እያሱ ጸሓይን ወርሕን ደው ንኽብላ ዘቕረቦ ልመና እውን ከይተረፈ የሆዋ ሰምዖ። ብዛዕባዚ እያሱ “እግዚኣብሄር ንእስራኤል ተዋጊኡሎም እዩ እሞ: እግዚኣብሄር ደሃይ ሰብ ብምስማዕ ከምታ መዓልቲ እቲኣ ዝበለት: ቅድሚኣ ዀነ ድሕሪኣ ኣይነበረትን” በለ።—እያሱ 10:1-14
7. እንታይ ጴጥሮስ ኣፍልጦ ዝሃበሉ ባህሪ ኣምላኽ እዩ ኣብ ገሊኣቶም ከነኣናውያን እተራእየ፧
7 ረሃብ እታ ከነኣናዊትን ስድራቤታን ከምኡውን ጊብዖናውያን ንየሆዋ ይፈርህዎ ብምንባሮም በዚ ተደሪኾም ስጕምቲ ወሲዶም እዮም። እቲ ንዓታቶም ዘጋጠሞም ነገራት ንሓቅነት ናይቲ ክርስትያን ሃዋርያ ጴጥሮስ ጸኒሑ ‘ኣብ ኵሉ ህዝቢ ንኣምላኽ ዝፈርሆን ቅንዕና ዚገብርን እንተሎ: ኣብኡ ቕቡል እዩ እምበር: ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ የልቦን’ ብምባል እተዛረቦ እዩ ብንጹር ዘርኢ።—ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35
ምስ ኣብርሃምን እስራኤላውያንን ኣብ ዝነበሮ ርክብ
8, 9. የሆዋ ምስ ኣብርሃምን ህዝቢ እስራኤልን ኣብ ዝነበሮ ርክብ ኣድልዎ ዘይብሉ ምዃኑ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧
8 ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር ነቲ ኣምላኽ ምስ ኣብርሃምን ዘርኡን ኣብ ዝነበሮ ርክብ ዘርኣዮ ሕያውነት ኣተኲሩሉ እዩ። ንኣብርሃም “ፍቑር ኣምላኽ” ዝገበሮ እምነቱ ደኣ እምበር ዓሌቱ ኣይነበረን። (ያእቆብ 2:23) ኣብርሃም ዝነበሮ እምነትን ንየሆዋ ዝነበሮ ፍቕርን ንዘርኡ በረኸት ኣምጸኣሎም። (2 ዜና መዋእል 20:7) የሆዋ ንኣብርሃም “ኣዝየ ኽባርኸካ እየ: ንዘርእኻ ድማ ከም ከዋኽብቲ ሰማይን ከምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑጻን ኣዝየ ኸብዝሖ እየ” ኢሉ ተመባጽዓሉ። ነታ ቐጺላ “ህዝብታት ኵላ ምድሪ ብዘርእኻ ኪባረኹ እዮም” እትብል ጥቕሲ ግን ብፍላይ ኣስተብህለላ።—ዘፍጥረት 22:17, 18፣ ሮሜ 4:1-8
9 የሆዋ ኣብቲ ንእስራኤላውያን ዝገበረሎም ነገራት ኣድልዎ ዝገብር ዘይኰነስ: ነቶም ዝእዘዝዎ እንታይ ክገብረሎም ከም ዝኽእል እዩ ኣርእዩ። እዚ ተግባራቱ ንእሙናት ኣገልገልቱ ዘለዎ እሙን ፍቕሪ ብኸመይ ከም ዝገልጸሎም ዘርኢ ኣብነት እዩ። የሆዋ ንእስራኤላውያን “ገንዘበይ” እኳ እንተ በሎም: ንኻልኦት ህዝብታት ሕያውነቱ ኣየርእዮምን እዩ ማለት ግን ኣይኰነን። (ዘጸኣት 19:5፣ ዘዳግም 7:6-8) የሆዋ ንእስራኤላውያን ካብ ባርነት ግብጺ ሓራ ኣውጺኡ “ኣነ ኻብ ኵሎም ዓሌታት ምድሪ ንኣኻትኩም ንበይንኹም ፈለጥኩኹም” ኢልዎም እኳ እንተ ነበረ: ብነብዪ ኣሞጽን ብኻልኦትን ኣቢሉ ግን ‘ንዅሎም ህዝብታት’ ዘደንቕ ተስፋ ተመባጽዓሎም።—ኣሞጽ 3:2፣ 9:11, 12፣ ኢሳይያስ 2:2-4
የሱስ እቲ ኣድልዎ ዘይብሉ መምህር
10. የሱስ ብዘይ ኣድልዎ ኣብ ምምልላስ ንኣቦኡ ዝመሰሎ ብኸመይ እዩ፧
10 እቲ ፍጹም ኣርኣያ ኣቦኡ ዝዀነ የሱስ: ኣብ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ነቲ ኣድልዎ ዘይብሉ ኣቦኡ የሆዋ መሲልዎ እዩ። (እብራውያን 1:3) ዕዮኡ ብቐዳምነት ነተን “ጥፉኣት ኣባጊዕ ቤት እስራኤል” ምርካብ እኳ እንተ ነበረ: ንሓንቲ ኣብ ዔላ ዝረኸባ ሳምራዊት ሰበይቲ ኻብ ምምስካር ግን ድሕር ኣይበለን። (ማቴዎስ 15:24፣ ዮሃንስ 4:7-30) ሓደ ኣይሁዳዊ ዘይኰነ ሓለቓ ሚእቲ ምስ ለመኖ ኸኣ ተኣምራት ገበረሉ። (ሉቃስ 7:1-10) ነዚ ዅሉ ኸኣ ኣብ ርእሲ እቲ ንህዝቢ ኣምላኽ ዘለዎ ፍቕሪ ንምግላጽ ብተግባር ዘርእዮ ነገራት እዩ ዝገብሮ። ደቀ መዛሙርቲ የሱስ እውን ሰፊሕ ስብከት ኣካይዶም እዮም። በረኸት የሆዋ ንምርካብ ኣብ ብሄር ዘይኰነስ ኣብ ኵነታት ልቢ እተመርኰሰ ምዃኑ ንጹር ኰነ። ጽድቂ ዝጠምዩን ትሑታትን ቅኑዕ ዝልቦምን ሰባት ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ተቐበልዎ። ብኣንጻሩ ግን: እቶም ዕቡያት ሰባት ንየሱስን መልእኽቱን ነዓቕዎ። ስለዚ ድማ የሱስ “ኣቦይ ጐይታ ሰማይን ምድርን: ነዚ ኻብ ብልህታትን ካብ ለባማትን ስለ ዝሐባእካዮ: ንሕጻናት ከኣ ስለ ዝገለጽካዮ: እወ ኣቦይ: ስምረትካ ኣብ ቅድሜኻ ኸምዚ ስለ ዝዀነ: ኤመስግነካ አሎኹ” በለ። (ሉቃስ 10:21) ንኻልኦት ብፍቕሮምን እምነቶምን ተበጊስና ምስ እንቐርቦም: ነዚ የሆዋ ኸም ዝሰምሮ ፈሊጥና ስለ እንገብሮ ብዘይ ኣድልዎ ኢና እንመላለስ ዘለና።
11. ኣብታ ቀዳመይቲ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣድልዎ ኸም ዘይነበረ እተራእየ ብኸመይ እዩ፧
11 ኣብታ ቀዳመይቲ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣይሁድ ኰኑ ኣህዛብ ብማዕረ እዮም ዝረኣዩ ነይሮም። ጳውሎስ “ሰናይ ንዚገብር ዘበለ ዅሉ ግና ግርማን ክብርን ሰላምን ኪውሀቦ እዩ: ቅድም ንኣይሁዳዊ ኸምኡ ኸኣ ንጽርኣዊ። ኣብ ኣምላኽሲ ኣድልዎ ገጽ የልቦን” ብምባል ገለጸ።b (ሮሜ 2:10, 11) ሰባት ነቲ ዘይበቕዕዎ ሕያውነት የሆዋ ኽረኽቡ ዝኽእሉ: ብዓሌቶም ዘይኰነስ: ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባቲ በጅነት ወዱ የሱስ ዘምጽኦ ተስፋታትን ክፈልጡ ኸለዉ ብዘርእይዎ ኣቀባብላ እዩ። (ዮሃንስ 3:16, 36) ጳውሎስ “ብዚርኤ ኣይሁዳዊ ምዃን ኣይሁዳዊ ኣይኰነን እሞ: እታ ብዚርኤ ኣብ ስጋ እትግበር ግዝረትውን ግዝረት ኣይኰነትን። እቲ ብውሽጡ ኣይሁዳዊ ዝዀነ ግና: ንሱ ኣይሁዳዊ እዩ። እታ ግዝረት ከኣ ግዝረት ልቢ ብመንፈስ እያ እምበር: ብፊዴል ኣይኰነትን” ኢሉ ጸሓፈ። ኣስዕብ ኣቢሉ ነታ “ኣይሁዳዊ” (ትርጕሙ “ካብ ይሁዳ:” ማለት እተናእደ ወይ እተወደሰ) እትብል ቃል ሒዛቶ ዘላ መልእኽቲ ብምጥቃም “ንእዶኡውን ካብ ኣምላኽ እዩ እምበር: ካብ ሰብ ኣይኰነን” በለ። (ሮሜ 2:28, 29) የሆዋ ብዘይ ኣድልዎ እዩ ዝንእድ። ንሕናኸ ከምኡ ዲና፧
12. ራእይ 7:9 እንታይ ተስፋ እያ እትህብ: እዚ ተስፋ እዚኸ ንመን እዩ ተዋሂቡ፧
12 ጸኒሑ ኣብቲ ሃዋርያ ዮሃንስ ዝረኣዮ ራእይ “ካብ ብዘሎ ነገድ [መንፈሳዊ] ደቂ እስራኤል” ዝወጹ 144,000 እሙናት ቅቡኣት ክርስትያናት ረኣየ። ድሕርዚ ኸኣ “ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን ካብ ብዘሎ ቛንቋታትን እተአከቡ: . . . ብዙሓት ሰብ: ጻዕዳ ኽዳውንቲ ተኸዲኖም: ጨነፍር ስየ ኣብ ኣእዳዎም ሒዞም: ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋንን ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸልን ደው ኢሎም” ከለዉ ረኣየ። (ራእይ 7:4, 9) ስለዚ: ኣብዛ ዘመናዊት ክርስትያናዊት ጉባኤ ኽኣቱ ዘይፍቀደሉ ዓሌት ወይ ቋንቋ የለን። እተፈላለየ መበቈል ዘለዎም ውልቀ-ሰባት ካብቲ ዝመጽእ ዘሎ “ብርቱዕ ጸበባ” ድሒኖም ካብቲ ኣብ ሓዳስ ዓለም ዝህሉ “ዔላታት ማይ ህይወት” ናይ ምስታይ ተስፋ ኣለዎም።—ራእይ 7:14-17
ብዘይ ኣድልዎ ምምልላስ ዘምጽኦ ጽቡቕ ፍረ
13-15. (ሀ) ዓሌታውን ባህላውን ፍልልያት ብኸመይ ክንሰግሮ ንኽእል፧ (ለ) ምቕሉል ምዃን ዘምጽኦ ጥቕምታት ዘርኢ ኣብነታት ጥቐስ።
13 ከምቲ ሓደ ንፉዕ ኣቦ ንደቁ ኣጸቢቑ ዝፈልጦም የሆዋ አውን ከምኡ ገይሩ ይፈልጠና እዩ። ብተመሳሳሊ ንሕናውን ንኻልኦት ኣብ ባህሎምን መበቈሎምን ተገዳስነት ብምርኣይ ክንርድኦም ምስ እንጅምር: እቲ ፍልልያትና ኣብ ግምት ዘይኣቱ ይኸውን። ዓሌታዊ ዕንቅፋታት ይእለ: ኣብ መንጎና ናይ ዕርክነትን ፍቕርን ማእሰር ይድልድል: ሓድነትናውን ይሕይል። (1 ቈረንቶስ 9:19-23) እቶም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ከይዶም ከገልግሉ ፍቓደኛታት ዝዀኑ ሚስዮናውያን ነዚ ብዝግባእ ኣንጸባሪቖምዎ እዮም። ነቶም ኣብቲ ዝኸድዎ ዓዲ ዝረኽብዎም ሰባት ብብሕቶም ተገዳስነት የርእይዎም: ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ነዊሕ ከይጸንሑ ምስተን ጉባኤታት ይወሃሃዱ።—ፊልጲ 2:4
14 ብዘይ ኣድልዎ ምምልላስ ዘፍርዮ ሰናይ ፍረ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ይርአ ኣሎ። ኣክሊሉ ኻብ ኢትዮጵያ ናብታ ርእሲ ኸተማ ብሪጣንያ ዝዀነት ለንደን ምስ ከደ ጽምዋ ተሰምዖ። ከምዚ ኽስምዖ ዝኸኣለ ድማ እቶም ደቂ እቲ ዓዲ ነቶም ካብ ካልእ ሃገራት ዝመጹ ስደተኛታት ምቕሉላት ኰይኖም ስለ ዘይቀርብዎም ኰይኑ ተሰምዖ። እዚ ኸኣ ኣብ ብዙሓት ዓበይቲ ኸተማታት ኣውሮጳ ዝንጸባረቕ እዩ። ኣክሊሉ ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ከደ እተሰምዖ ግን ካብዚ እተፈልየ እዩ ነይሩ! እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ኣሕዋት ሓንጐፋይ ኢሎም ተቐበልዎ: ነዊሕ ከይጸንሐ ኸኣ ልክዕ ከም ቤቱ ፈዀሶ። ንፈጣሪ ዘለዎ ሞሳ ብቕልጡፍ እናዓመቘ ኸደ። ነዊሕ ከይጸንሐ ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብቲ ኸባቢኡ ንዝርከቡ ኻልኦት ሰባት ክነግር ጀመረ። ሓደ መዓልቲ ምስኡ ሓቢሩ ዘገልግል ዝነበረ ሓው ኣብ ህይወቱ እንታይ ሸቶታት ከም ዘለዎ ምስ ሓተቶ: ኣክሊሉ ብኡንብኡ ሓደ መዓልቲ ብቛንቋኡ ማለት ብኣምሓርኛ ኣብ እትምራሕ ጉባኤ ኽሳተፍ ከም ዝምነ ገለጸሉ። ሽማግለታት እታ ኣብቲ ኸባቢ እትርከብ ናይ እንግሊዝኛ ጉባኤ ነዚ ምስ ፈለጡ: በቲ ቛንቋ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ህዝባዊ ዝርርብ ንኽግበር ተሓጒሶም ምድላው ገበሩ። ኣብ ብሪጣንያ ንመጀመርታ ግዜ ናይ ኣምሓርኛ ህዝባዊ ኣኼባ ንምግባር ዕድመ እተገብረሎም ብዙሓት ወጻእተኛታትን ደቂ እቲ ዓድን ተኣከቡ። ኣብዚ እዋን እዚ ኢትዮጵያውያንን ካልኦት ኣብቲ ኸባቢ ዝርከቡ ኣሕዋትን ሓንቲ እናሰሰነት እትኸይድ ዘላ ጉባኤ ኣቚሞም ኣለዉ። ብዙሓት ሰባት ኣብ ጐድኒ የሆዋ ኻብ ምቛምን ብክርስትያናዊ ጥምቀት ነዚ ኣቕዋሞም ካብ ምግላጽን ዝዓግቶም ነገር ከም ዘየለ ፈሊጦም ኣለዉ።—ግብሪ ሃዋርያት 8:26-36
15 ባህርያትን መበቈልን ሰባት እተፈላለየ እዩ። እዚ ግን ሓደ ኻብቲ ሓደ ይበልጽ ወይ ይትሕት ማለት ዘይኰነስ: ፍልልያት ጥራይ እዩ። ኣብ ደሴት ማልታ ህይወቶም ዝወፈዩ ኣገልገልቲ የሆዋ ኽጥመቑ ኸለዉ: እቶም ኣብቲ ዓዲ ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሓጐስ ፍንጭሕ በሉ: ካብ ብሪጣንያ ዝኸዱ በጻሕቲ ኸኣ ካብ ሓጐስ እተላዕለ ነብዑ። እቶም ኣብ ማልታ ዝነበሩን ካብ ብሪጣንያ ዝመጹን ጕጅለታት ስምዒታቶም ብእተፈላለየ መገዲ እዮም ገሊጾም: እታ ንየሆዋ ዘላቶም ሓያል ፍቕሪ ኸኣ ማእሰር ክርስትያናዊ ሕውነት ኰይናቶም እያ።—መዝሙር 133:1፣ ቈሎሴ 3:14
ከይመርመርካ ብሕማቕ ናይ ምፍራድ ባህሪ ምስናፉ
16-18. ከይመርመርካ ብሕማቕ ምርኣይ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ብኸመይ ክውገድ ከም ዝኽእል ዘርኢ ተመክሮ ኣዘንቱ።
16 ንየሆዋን ንክርስትያናት ኣሕዋትናን ዘላትና ፍቕሪ እናዓመቘት ምስ ከደት: ንኻልኦት ኣብ ዘሎና ኣረኣእያ ንየሆዋ ብዝያዳ ኽንመስሎ ንኽእል። ንእተወሰኑ ብሄር: ዓሌት: ወይ ባህሊ ዝነበረና ሕማቕ ኣረኣእያ ኸነወግዶ ንኽእል። ንኣብነት: ብዛዕባ ኣልበርት ዝበሃል ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣባል ሰራዊት ብሪጣንያ ዝነበረ ሰብኣይ እስከ ንርአ። ብ1942 ጃፓናውያን ንሲንጋፖር ክቈጻርዋ ኸለዉ ተማረኸ። ድሕሪኡ ንሰለስተ ዓመት ኣቢሉ ኣብቲ ጥቓ እቲ ኣብ ልዕሊ ርባ ካዊ ዝርከብ ድንድል ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቦታ: ኣብ “መገዲ ባቡር ሞት” ሸቀለ። ኣብ መወዳእታ እቲ ውግእ ሓራ ኣብ ዝወጸሉ እዋን: ክብደቱ 32 ኪሎ ክኸውን ከሎ: ምንጋጋኡን ኣፍንጫኡን ተሰቢሩ: ውጽኣትን ዓሶን ሓሚሙ ጽግዕተኛ ሓሳኹ ድማ ነበርዎ። በሽሓት ዝቝጸሩ ምስኡ ተኣሲሮም ዝነበሩ ብጾቱ ኻብዚ ዝገድድ ኣጋጠሞም: ብዙሓት ከኣ ሞቱ። ብሰንኪ እዚ ግፍዒ እዚ: ብ1945 ዓዱ ኽምለስ ከሎ ኣምላኽ ኰነ ሃይማኖት ዝበሃል ጸልአ።
17 ድሕርዚ ኣይሪን ሰበይቲ ኣልበርት ናይ የሆዋ ምስክር ኰነት። ኣልበርት ንዓኣ ንኸሐጕስ ኢሉ ኣብ ገለ ኻብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝገብርዎ ኣኼባታት ተኻፈለ። ሓደ ፖል ዝበሃል መንእሰይ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ንኣልበርት መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ኽምህሮ ኢሉ ኽበጽሖ ኸደ። ኣልበርት ነዊሕ ከይጸንሐ የሆዋ ልቢ ውልቀ-ሰባት ከም ዝርኢ ፈለጠ። ህይወቱ ንየሆዋ ወፍዩ ድማ ተጠምቀ።
18 ድሕርዚ ጸኒሑ ፖል ናብ ለንደን ገዓዘ: ቋንቋ ጃፓን ኣጽኒዑ ድማ ኣብ ናይ ቋንቋ ጃፓን ጉባኤ ኽካፈል ጀመረ። ንገሊኣቶም ክበጽሑ ዝመጹ ጃፓናውያን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ናይ ቀደም ጉባኤኡ ኽወስዶም ምስ ሓሰበ: እቶም ኣብታ ጉባኤኡ ዝነበሩ ኣሕዋት: ኣልበርት ነቶም ካብ ጃፓን ዝመጹ ኸም ዘይፈትዎም ትዝ በሎም። ኣልበርት ናብ ብሪጣንያ ኻብ ዝምለስ ኣትሒዙ ምስ ዋላ ሓደ ጃፓናዊ ገጽ ንገጽ ክራኸብ ኣይደልን ነበረ: ስለዚ እቶም ኣሕዋት ኣብዚ ዅነታት እዚ እንታይ ከም ዝገብር ተጨነቑ። እንተዀነ ግን: ክጭነቑ ኣይነበሮምን። ኣልበርት ነቶም በጻሕቲ ልግሚ ብዘይብላ ሕውነታዊ ፍቕሪ እዩ ተቐቢልዎም።—1 ጴጥሮስ 3:8, 9
“ልብኹም ኣግፍሑ”
19. ዝዀነ ይኹን ዝንባለ ናይ ኣድልዎ እንተ ሃልዩና: እንታይ ጳውሎስ ዝሃቦ ማዕዳ እዩ ኽሕግዘና ዝኽእል፧
19 እቲ ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን “ኣድልዎ ሰናይ ኣይኰነን” ኢሉ ጸሒፉ እዩ። (ምሳሌ 28:21) ምስቶም ኣጸቢቕና እንፈልጦም ምቅርራብ ቀሊል እዩ። ሓድሓደ ግዜ ግን ነቶም ኣጸቢቕና ዘይንፈልጦም ብዙሕ ኣይንግደሰሎምን ኢና። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣድልዎ ሓደ ኣገልጋሊ የሆዋ ኸወግዶ ዘለዎ ባህሪ እዩ። ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ‘ልብና ኸነግፍሕ’ ዝሃበና ንጹር ማዕዳ ምስ እንስዕብ ሰናይ እዩ። እወ: እተፈላለየ መበቈል ንዘለዎም ክርስትያናት ብጾትና ኣብ ዘሎና ፍቕሪ ልብና ኸነግፍሖ ይግባእ።—2 ቈረንቶስ 6:13
20. ኣበየናይ መዳይ ህይወት ኢና ነቲ ኣድልዎ ዘይብሉ የሆዋ ኣምላኽና ኽንመስሎ ዘሎና፧
20 እቲ ዘሎና ተስፋ ሰማያዊ ጽውዓ ይኹን ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ብዘየገድስ: ኣድልዎ ዘይብልና ምዃንና ኣብ ትሕቲ ሓደ ጓሳ ሓድነት ዘሎና ሓደ መጓሰ ንኽንከውን የኽእለና። (ኤፌሶን 4:4, 5, 16) ነቲ ኣድልዎ ዘይብሉ የሆዋ ኣምላኽና ኽንመስሎ ምጽዓርና ኸኣ ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎትና: ኣብ ስድራቤትና: ኣብ ጉባኤና: ኰታስ ኣብ ኵሉ መዳይ ህይወትና ኽሕግዘና ይኽእል። እዚ ግን ብኸመይ እዩ ኽሕግዘና ዝኽእል፧ እዛ እትስዕብ ዓንቀጽ ነዚ ኽትገልጾ እያ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a የሆዋ ዝፈጸሞ ነገራት ጸኒሑ ኣብ ቅዱስ መዝሙራት ኣተወ።—መዝሙር 135:8-11፣ 136:11-20
b ኣብዚ እታ “ጽርኣዊ” እትብል ቃል ኣይሁዳውያን ንዘይኰኑ ብሓፈሻ እያ እተመልክት።—ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመ: ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ (እንግሊዝኛ): 1ይ ጥራዝ: ገጽ 1004
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
• የሆዋ ኣድልዎ ኸም ዘይብሉ ንረሃብን ጊብዖናውያንን ኣብ ዝገበረሎም ነገራት ብኸመይ ኣርኣየ፧
• የሱስ ክምህር ከሎ ኣድልዎ ኸም ዘይብሉ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧
• ንዝዀነ ይኹን ባህሊ ወይ ዓሌት ዝነበረና ጽልኢ ንኸነወግድ ክሕግዘና ዝኽእል እንታይ እዩ፧
[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]
እስራኤላውያን ንከነኣን ወረርዋ
[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]
የሱስ ነታ ሳምራዊት ሰበይቲ ኻብ ምምስካር ድሕር ኣይበለን
[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ ብሪጣንያ ብኣምሓርኛ ዝግበር ህዝባዊ ኣኼባ
[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]
ኣልበርት ንየሆዋ ዘለዎ ፍቕሪ ንዝነበሮ ሕማቕ ኣረኣእያ ንኸወግድ ሓገዞ