ትዝክሮዶ፧
ነቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን ዝወጸ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ሕታማት ብምንባብ ተሓጒስካዶ ኢኻ፧ እምበኣር: እስከ ነዚ ዝስዕብ ሕቶታት ክትምልሶ ትኽእል እንተ ዄንካ ርአ:-
• ሩት ሰናይ ኣብነት ዝዀነትሉ ገለ መዳያት እንታይ እዩ፧
በቲ ንየሆዋ ዝነበራ ፍቕሪ: ንናእሚ ዝነበራ ተኣማንነት: ከምኡውን ብትግሃታን ብትሕትናኣን ሰናይ ኣብነት እትኸውን እያ። እምበኣር እቶም ሰባት “ለባም ሰበይቲ” ገይሮም እንተ ረኣይዋ ሓቆም እዮም። (ሩት 3:11 ትርጕም 1990)—15/4 ገጽ 23-6
• የሆዋ ንተራ ሰባት ከም ዝሓልየሎም ብኸመይ ንፈልጥ፧
ነቶም ኣብ ግብጺ ግፍዒ ዝወረዶም እስራኤላውያን ንውጹዓት ዘበሉ ኸየጋፍዕዎም ኣዘዞም። (ዘጸኣት 22:21-24) እቲ ነቦኡ ዝመሰሎ የሱስ ንተራ ሰባት ናይ ሓቂ ተገዳስነት የርእዮም ነበረ: ነቶም “ዘይተማህሩ ጭዋታት” ከኣ ሃዋርያት ክዀኑ መረጾም። (ግብሪ ሃዋርያት 4:13፣ ማቴዎስ 9:36) ንሕናውን ንሰባት ሓልዮትና ብምርኣይ: ንኣብነት ንመንእሰያት ተገዳስነት ብምርኣይ: ንኣምላኽ ክንመስሎ ንኽእል ኢና።—15/4 ገጽ 28-31
• የሆዋ ነቲ እንገብሮ ኸም ዘስተብህለሉ ብኸመይ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ጸብጻብ የሆዋ ነቲ ደቅሰብ ዝገብርዎ ነገራት ከም ዘስተብህለሉ ይሕብረና። ከምቲ የሆዋ ነቲ ኣቤል ዘቕረቦ መስዋእቲ ዘስተብሃለሉ: ነቲ እነቕርበሉ ‘መስዋእቲ ምስጋና: ፍረ ኸናፍር’ እውን የስተብህለሉ እዩ። (እብራውያን 13:15) ሄኖክ ንጹህን ስነ-ምግባራውን ናብራ ብምንባር ንየሆዋ ኸሐጕሶ ይጽዕር ምንባሩ የሆዋ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። እታ እስራኤላዊት ዘይኰነት ኣብ ሰራጵታ እትነብር ዝነበረት ሰበይቲ ነታ ዘላታ ንእሽቶ መግቢ ንነብዪ ኤልያስ ምክፋላ እውን ተዓዚብዎ እዩ። የሆዋ ነቲ ብእምነት እንገብሮ ተግባራት እውን የስተብህለሉ እዩ።—1/5 ገጽ 28-31
• ድሕሪ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ኣይሁድ ዝዀኑ ክርስትያናት ብብሕቶም ንየሆዋ ህይወቶም ክውፍዩ ነይርዎም ክበሃል ዝከኣል ስለምንታይ እዩ፧
ብ1513 ቅ.ኣ.ዘ. እስራኤላውያን ንየሆዋ እተወፈዩ ህዝቢ ዀኑ። (ዘጸኣት 19:3-8) ድሕሪኡ: ኣይሁድ ካብቶም እተወፈዩ ህዝቢ ይውለዱ ብምንባሮም ኣብ ትሕቲ ሕጊ ኺዳን ነበሩ። እንተዀነ ግን: ብ33 ከ.ኣ.ዘ. የሆዋ ነቲ ሕጊ ኺዳን ብሞት ክርስቶስ ኣቢሉ ኣወገዶ። (ቈሎሴ 2:14) ድሕሪኡ: ንኣምላኽ ተቐባልነት ብዘለዎ መገዲ ኸገልግሉ ዝደልዩ ኣይሁድ ህይወቶም ክውፍዩን ብስም የሱስ ክርስቶስ ክጥመቑን የድልዮም ነበረ።—15/5 ገጽ 30-1
• ዕጣን ምዕጣን ኣብዚ ግዜና ኣብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ቦታ ኣለዎ ድዩ፧
ዕጣን ምዕጣን ክፍሊ እቲ ጥንታዎት እስራኤላውያን ዝፍጽምዎ ዝነበሩ ናይ ሓቂ ኣምልኾ እዩ ነይሩ። (ዘጸኣት 30:37, 38፣ ዘሌዋውያን 16, 12, 13) እቲ ሕጊ ኺዳን: እንተላይ ዕጣን ናይ ምዕጣን ተግባር: ምስ ሞት ክርስቶስ ኣብቂዑ እዩ። ክርስትያናት ምስ ሃይማኖት ምትሕሓዝ ኣብ ዘይብሉ ዅነታት ክዓጥኑ ወይ ከይዓጥኑ በብውልቆም ክውስኑ ኣለዎም: ኣብዚ ግዜና ግን ክፍሊ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኣይኰነን። ንኻልኦት ምእንቲ ኸይንዕንቅፍ እውን ናይ ካልኦት ስምዒት ኣብ ግምት ከነእቱ ይግባእ።—1/6 ገጽ 28-30
• ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ዜና እተዘርግሐ እንታይ መርትዖ እዩ ንብዙሓት ሰባት የሱስ ኣብ ምድሪ ይነብር ምንባሩ ኽሓስቡሉ ዝደረኾም፧
ነቲ ኣብ እስራኤል እተረኽበ ናይ ኣዕጽምቲ ሳጹን ሰፊሕ ናይ ዜና ፈነወ እዩ ተዋሂብዎ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ሳጹን እዩ ዝብል እምነት ኣሎ: “ያእቆብ: ወዲ ዮሴፍ: ሓው የሱስ” ዝብል ጽሑፍ ድማ ኣለዎ። ገሊኣቶም እዚ ርኽበት እዚ ኻብቲ የሱስ ኣብ ምድሪ ኸም ዝነበረ ዝሕብር “ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ወጻኢ እተረኽበ መርትዖታት ብጥንታውነቱ ቐዳምነት ዝሓዘ” እዩ ይብልዎ።—15/6 ገጽ 3-4
• ወድሰብ ፍቕሪ ዝመሃር ብኸመይ እዩ፧
ሰባት ንፍቕሪ ፈለማ በቲ ወለዶም ዝገድፉሎም ኣብነትን ዝህብዎም ስልጠናን እዮም ዝመሃርዋ። ሰብኣይን ሰበይትን ዝፋቐሩን ዝከባበሩን እንተ ዀይኖም: ደቆም ፍቕሪ ኽመሃሩ ይኽእሉ እዮም። (ኤፌሶን 5:28፣ ቲቶስ 2:4) ሓደ ሰብ ፍቕሪ ኣብ ዘየንጸባርቑ ስድራቤት እኳ እንተ ዓበየ: ነቲ ኣባታዊ መምርሒ የሆዋ ብምቕባል: ካብ መንፈስ ቅዱስ ሓገዝ ብምርካብ: ከምኡውን ነቲ ኻብ ክርስትያናዊ ሕውነት ዝረኽቦ ደገፍ ብምጥቃም ፍቕሪ ኽመሃር ይኽእል እዩ።—1/7 ገጽ 4-7
• ዮሲቤስ እንታዋይ እዩ ነይሩ: ካብ ታሪኽ ህይወቱኸ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧
ዮሲቤስ ብ324 ከ.ኣ.ዘ. ዓሰርተ ጥራዝ ዘለዋ ታሪኽ ቤተ-ክርስትያን ዘርእስታ መጽሓፍ ዝዛዘመ ጸሓፍ ታሪኽ እዩ ነይሩ። ኣቦ ቕድሚ ወዲ ይነብር ምንባሩ ዝኣምን እኳ እንተ ነበረ: ኣብ ዋዕላ ኒቅያ እተፈልየ ኣረኣእያ ተቐበለ። ነቲ የሱስ ንሰዓብቱ ‘ካብ ዓለም ከይኰኑ’ ዝሃቦም ትእዛዝ ዕሽሽ ከም ዝበሎ ንጹር እዩ። (ዮሃንስ 17:16)—15/7 ገጽ 29-31
• የሆዋ ኻብ ሓንቲ ሰበይቲ ንላዕሊ ብዛዕባ ምእታው ዝነበሮ ኣረኣእያ ቐዪሩ ድዩ፧
ኣይፋሉን: የሆዋ ኻብ ሓንቲ ሰበይቲ ንላዕሊ ብዛዕባ ምእታው ዝነበሮ ኣረኣእያ ኣይቀየረን። (ሚልክያስ 3:6) ኣምላኽ ነቲ ቐዳማይ ሰብኣይ ‘ምስ ሰበይቲ ኽጠብቕ:’ ሓደ ስጋ ድማ ክዀኑ እዩ ምድላው ገይሩ። (ዘፍጥረት 2:24) የሱስ ብዘይ ምኽንያት ዝሙት ንሰበይቱ ፈቲሑ ኻልእ ዘእቱ ዘማዊ ኸም ዝዀነ ጠቒሱ ኣሎ። (ማቴዎስ 19:4-6, 9) የሆዋ ነዚ ኻብ ሓንቲ ሰበይቲ ንላዕሊ ናይ ምእታው ተግባር ዕሽሽ ዝበሎ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኽሳዕ እትቐውም ጥራይ እዩ።—1/8 ገጽ 28