ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w04 15/7 ገጽ 26-27
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሆዋ ንሓርነትካ መሰናድዎ ገይሩልካ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2019
  • ዓመት እልልታን ኣብ መጻኢ ዚርከብ ሓርነትን
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2021
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
w04 15/7 ገጽ 26-27

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብ ዘሌዋውያን ምዕራፍ 25 ተጠቒሳ ዘላ ዓመት እልልታ ናይ ምንታይ ጽላሎት እያ፧

ኣብ ሕጊ ሙሴ “በታ ሳብዐይቲ ዓመት . . . ነታ ምድሪ ሰንበት ዕረፍቲ . . . ይኹን” ዚብል ትእዛዝ ተዋሂቡ ነበረ። ብዛዕባ እታ ዓመት እቲኣ እስራኤላውያን “ግራትካ ኣይትዝራእ ወይንኻውን ኣይትጠጥፍ። ባልጋ ቐሪምካ ኣይትዕጸድ: እቲ ኸይጠጠፍካዮ ዝፈረየ ኣስካል ወይንኻ ድማ ኣይትቐንጥብ። ነታ ምድሪ ዓመት ሰንበት ዕረፍቲ ይኹን” ተባሂሎም ተኣዚዞም ነይሮም። (ዘሌዋውያን 25:4, 5) ስለዚ: ነፍሲ ወከፍ ሻውዐይቲ ዓመት ነታ ምድሪ ዓመት ሰንበት እያ እትኸውን ነይራ። ነፍሲ ወከፍ መበል 50 ዓመት: ማለት ደድሕሪ እታ ሻውዐይቲ ዓመት ሰንበት እትመጽእ ዓመት: ዓመት እልልታ እያ ነይራ። ኣብታ ዓመት እቲኣ እንታይ እዩ ዚግበር ነይሩ፧

የሆዋ ብሙሴ ኣቢሉ ንእስራኤላውያን “ነታ መበል ሓምሳ ዓመት ቀድስዋ: ኣብታ ምድሪ ኸኣ: ኣብኣ ንዚነብሩ ዅሎም ሓርነት ኣውጁ። እዛ መበል ሓምሳ ዓመት እዚኣ ዓመት እልልታ ትኹነልኩም: ኣይትዝርኡ: እቲ ባሊጉ ኣብኣ ዝበቘለ ኸኣ ኣይትዕጸዱ: እቲ ዘይተጠጠፈ ወይኒ ድማ ኣይትቐንጥቡ” ኢሉ ነገሮም። (ዘሌዋውያን 25:10, 11) ዓመት እልልታ ነታ ምድሪ ኽልተ ተኸታታሊ ዓመት ሰንበት ተምጽኣላ ነበረት። ነቶም ተቐማጦኣ ኸኣ ሓርነት ተምጽኣሎም ነበረት። ዝዀነ ይኹን ንባርነት እተሸጠ ኣይሁዳዊ ኣብታ ዓመት እቲኣ ሓራ ኺወጽእ ነበሮ። ሓደ ሰብ ግዲ ዀይንዎ ዝሸጦ ውርሲ ናብ ስድራቤቱ ይምለስ ነበረ። ዓመት እልልታ ንጥንታዎት እስራኤል ዓመት ምምላስን ዓመት ሓርነትን እያ ነይራ። ንክርስትያናትከ ናይ ምንታይ ጽላሎት እያ፧

እቲ ቐዳማይ ሰብ ዝነበረ ኣዳም ብምዕላዉ ደቅሰብ ኣብ ትሕቲ ባርነት ሓጢኣት ኣትዮም እዮም። ኣምላኽ ንደቅሰብ ካብ ሓጢኣት ሓራ ምእንቲ ኼውጽኦም በጅነታዊ መስዋእቲ የሱስ ክርስቶስ ኣዳለወ።a (ማቴዎስ 20:28፣ ዮሃንስ 3:16፣ 1 ዮሃንስ 2:1, 2) ክርስትያናት ካብ ሕጊ ሓጢኣት ሓራ ዚዀኑ መዓስ እዮም፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ናብቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ኪጽሕፍ ከሎ: “እቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዘሎ ሕጊ መንፈስ ህይወት ካብቲ ሕጊ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ኣውጺኡኒ እዩ” በለ። (ሮሜ 8:2) እቶም ኣብ ሰማይ ንምንባር ተስፋ ዘለዎም: ብመንፈስ ቅዱስ ምስ ተቐብኡ ሓርነት ይረኽቡ እዮም። ስጋ ዝለበሱን ዘይፍጹማትን እኳ እንተዀኑ: ብኣምላኽ ጸዲቖም: ከም መንፈሳውያን ውሉዳቱ ድማ ተቐቢልዎም እዩ። (ሮሜ 3:24፣ 8:16, 17) ንቕቡኣት ብሓፈሻ ኽንወስዶም ከለና: ዓመት እልልታ ክርስትያናት ብጴንጠቆስጠ 33 ከ.ኣ.ዘ. እያ ጀሚራ።

እቶም ኣብ ምድሪ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረኽቡ ተስፋ ዘለዎም ‘ካልኦት ኣባጊዕከ፧’ (ዮሃንስ 10:16) ነቶም ካልኦት ኣባጊዕ እቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስ እዋን ምምላስን ሓርነትን ኪዀነሎም እዩ። ኣብታ ሽሓዊት ዓመት እልልታ የሱስ ንበጅነታዊ መስዋእቱ ነቶም ዚኣምኑ ደቅሰብ ብዚረብሕ መገዲ ኺጥቀመሉን ሓጢኣት ዜምጽኦ ሳዕቤናት ኬዐርይን እዩ። (ራእይ 21:3, 4) ኣብ መወዳእታ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስ: ደቅሰብ ኣብ ሰብኣዊ ፍጽምና ኺበጽሑ: ካብቲ ዝወረስዎ ሓጢኣትን ሞትን ከኣ ምሉእ ብምሉእ ሓራ ኪዀኑ እዮም። (ሮሜ 8:21) እዚ ምስ ተፈጸመ: እታ ዓመት እልልታ ክርስትያናት ከተብቅዕ እያ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a የሱስ ‘ንምሩኻት ሓርነት ኪእውጅ’ እዩ ተላኢኹ። (ኢሳይያስ 61:1-7፣ ሉቃስ 4:16-21) መንፈሳዊ ሓርነት ከኣ ኣወጀ።

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

እታ ሽሓዊት ዓመት እልልታ ነቶም “ካልኦት ኣባጊዕ” እዋን ምምላስን ሓርነትን ክትከውን እያ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ