ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w04 1/9 ገጽ 3-4
  • ሓጐስ ንምርካብ ዚግበር ጻዕሪ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሓጐስ ንምርካብ ዚግበር ጻዕሪ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ካብ ቅኑዕ ምንጭታት ዲና ሓጐስ ክንረክብ እንጽዕር ዘሎና፧
  • ሓጐስ ምርካቡ ኣዝዩ ዘጸግም ነገር
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ሓጐስ ብኸመይ ከም ዚርከብ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ናይ ሓቂ ሓጐስ ኣበይ ኢዩ ክርከብ ዝከኣል፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ነቲ “ሕጉስ ኣምላኽ” ዜገልግሉ ሕጉሳት እዮም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2018
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
w04 1/9 ገጽ 3-4

ሓጐስ ንምርካብ ዚግበር ጻዕሪ

ቅድሚ ሒደት ዓመታት: ኣብ ፈረንሳን ጀርመንን ዓባይ ብሪጣንያን ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካን ንዚነብሩ ሰባት “ሓጐስ ንምርካብ እንታይ እዩ ዜድሊ፧” እትብል ሕቶ ቐሪባትሎም ነይራ። ካብቶም ነዛ ሕቶ እዚኣ ዝመለሱ: 89 ሚእታዊት ጽቡቕ ጥዕና፣ 79 ሚእታዊት ዜዕግብ ሓዳር ምህላው ወይ መናብርቲ ምርካብ፣ 62 ሚእታዊት ወላዲ ምዃን፣ 51 ሚእታዊት ከኣ ጽቡቕ ስራሕ ምህላው ሓጐስ ንምርካብ ከም ዚሕግዝ ገሊጾም። ብዙሓት ሰባት ገንዘብ ሓጐስ ከም ዘየምጽእ ዚዛረቡሉ እኳ እንተዀኑ: 47 ሚእታዊት ካብቶም ነዛ ሕቶ እዚኣ ዝመለሱ ግን ገንዘብ ሓጐስ ከም ዜምጽእ ይኣምኑ እዮም። እቲ ሓቂ ግን ከምኡ ድዩ፧

ፈለማ: ገንዘብ ሓጐስ የምጽእ እዩ ዚብል ሓሳብ ሓቂ እንተ ዀይኑ እስከ ንርአ። ኣብቶም ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚርከቡ ሓደ ሚእቲ ዝዀኑ ዝበዝሐ ሃብቲ ዘለዎም ሰባት እተገብረ መጽናዕቲ: ካብ ካልኦት ሰባት ንላዕሊ ሕጉሳት ከም ዘይኰኑ እዩ ዚሕብር። ብዘይካዚውን ኣብታ ሃገር እቲኣ ዚነብሩ ብዙሓት ሰባት ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመት ስጋዊ ጥሪቶም ዳርጋ ዕጽፊ እኳ እንተ ወሰኸ: ከምቲ ኽኢላታት ኣእምሮኣዊ ጥዕና ዚገልጽዎ ግን ካብቲ ቐደም ዝነበሮም ዚበልጽ ሓጐስ የብሎምን። ሓደ መጽናዕቲ እሞ ኸኣ “ኣብዚ ዓመታት እዚ ጭንቀት ኣመና ወሲኹ: መንእሰያት ዚፍጽምዎ ርእሰ-ቕትለት ብሰለስተ ዕጽፊ ወሲኹ: መጠነ-ዝምድና ፍትሕ ከኣ ዕጽፊ ወሲኹ” በለ። ተመራመርቲ ኣብ 50 ኣቢለን ዝዀና ሃገራት ብዛዕባ ገንዘብን ሓጐስን መጽናዕቲ ድሕሪ ምግባር: ገንዘብ ሓጐስ ኪዕድግ ከም ዘይክእል ኣብ ዚብል መደምደምታ በጺሖም ኣለዉ።

ቀጺልና ኸኣ ከም ጽቡቕ ጥዕናን ሓዳርን ስራሕን ኣብ ሓጐስና ኽሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ እስከ ንርአ። እዚ ረቛሒታት እዚ ሕጉስ ንምዃን ብሓቂ ዜድሊ እንተ ዚኸውን ነይሩ: ብዛዕባ እቶም ጽቡቕ ጥዕና ወይ ጽቡቕ ሓዳር ዘይብሎም ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት እንታይ እዩ ዚበሃል፧ ብዛዕባ እቶም ውሉዳት ወይ ጽቡቕ ስራሕ ዘይብሎም ሰባትከ፧ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ሓጐስ ኣይረኽቡን እዮም ማለት ድዩ፧ እቶም ሕጂ ጽቡቕ ጥዕናን ጽቡቕ ሓዳርን ዘለዎም ኵነታቶም እንተ ተቐዪሩ: እቲ ዚረኽብዎ ዚበሃል ሓጐስ የጥፍኡ ድዮም፧

ካብ ቅኑዕ ምንጭታት ዲና ሓጐስ ክንረክብ እንጽዕር ዘሎና፧

ኵሉ ሰብ ሕጉስ ኪኸውን እዩ ዚደሊ። እቲ ፈጣሪ ወድሰብ “ሕጉስ ኣምላኽ” ተባሂሉ ስለ እተገልጸን ሰብ ከኣ ብመልክዕ ኣምላኽ ስለ እተፈጥረን እዚ ዜገርም ኣይኰነን። (1 ጢሞቴዎስ 1:11 NW፣ ዘፍጥረት 1:26, 27) ስለዚ: ደቅሰብ ሓጐስ ኪረኽቡ እንተ ጸዓሩ ኣየገርምን እዩ። ይኹን እምበር: ብዙሓት ሰባት ሓጐስ ሒዝካ ምቕጻል: ልክዕ ከም ሑጻ ምሓዝ ኰይኑ እዮም ረኺቦምዎ። ከመይሲ: ብቐሊሉ እዩ ኻብ ኢድካ ዚመሉቝ።

እዚ ግን ገሊኦም ሓጐስ ንምርካብ ኣመና ስለ ዚጽዕሩ ኪኸውን ይኽእልዶ፧ ኤሪክ ሆፈር ዚበሃል ፈላስፋ ማሕበራዊ ጕዳያት ከምዚ ዝኣመሰለ ሓሳብ እዩ ዘለዎ። “ሓጐስ ንምርካብ እንገብሮ ጻዕሪ ሓደ ኻብቲ ሓጐስ ከም ዘይንረክብ ዝገብረና ቐንዲ ምንጭታት እዩ” ድማ በለ። ካብ ግጉይ ምንጭታት ሓጐስ ንደሊ እንተደኣ ዄንና: ከምኡ እዩ ዜጋጥመና። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ጓህን ብስጭትን ከም ዜጋጥመና ኣየጠራጥርን እዩ። ሃብታም ንምዃን ምፍታን፣ ዝና ወይ ተፈላጥነት ንምርካብ ምጽዓር፣ ፖለቲካዊ: ማሕበራዊ: ወይ ቍጠባዊ ሸቶታት ምስዓብ፣ ወይ ከኣ ንርእስኻ ዚጥዕመካ እናገበርካን ግዝያዊ ዕግበት እናረኸብካን ምንባር ሓጐስ ኬምጽእ ኣይከኣለን። ገለ ሰባት ከምቲ ሓንቲ ደራሲት “ሕጉሳት ንኽንከውን ምጽዓር እንተ ንገድፎ ኔርና: ብሓቂ ጽቡቕ እዋን መሕለፍና” ብምባል እተዛረበቶ ኣረኣእያ ኣለዎም።

እቲ ኣብ መእተዊ እዛ ዓንቀጽ እተጠቕሰ መጽናዕቲ: ካብ 10 ሰባት 4 ሓጐስ ዚርከብ ጽቡቕ ብምግባርን ንኻልኦት ብምሕጋዝን ኰይኑ ኸም ዚስምዖም ኪገልጹ ኸለዉ: ካብ 4 ሰባት ከኣ 1 ሃይማኖታዊ እምነት ሕጉስ ኣብ ምዃን ዓብዪ ግደ ኸም ዘለዎ ኣጕሊሖም። እምበኣር: ብሓቂ ሕጉስ ንምዃን እንታይ ከም ዜድሊ ኣጸቢቕና ኽንምርምር ኣሎና። እዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ነዚ ንምግባር ክትሕግዘና እያ።

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]

ብዙሓት ሰባት ገንዘብ: ዜዕግብ ናብራ ስድራቤት: ወይ ጽቡቕ ስራሕ ሓጐስ ከም ዜምጽእ ይኣምኑ። ነዚ ትሰማምዓሉዶ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ