ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w04 1/9 ገጽ 30-31
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናብ ሰማይ ዚኸዱ መን እዮም፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ነቲ ናይ ስዕረት ሓድሽ መዝሙር ምዝማር
    ራእይ እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ!
  • ራእይ—ንመጻኢኻ ዘለዎ ትርጉም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
  • “ዘሐጕስ ዜና” ካብ ኣፖካሊፕስ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
w04 1/9 ገጽ 30-31

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ተጠቒሱ ዘሎ 144,000 ዚብል ቍጽሪ ምሳልያዊ ዘይኰነስ ቃል ብቓሉ እዩ ዚብሉ ስለምንታይ እዮም፧

ሃዋርያ ዮሃንስ “ቍጽሪ እቶም ሕቱማት ድማ ሰማዕኩ: ካብ ብዘሎ ነገድ ደቂ እስራኤል ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን ሽሕ ሕቱማት” ኢሉ ጸሓፈ። (ራእይ 7:4) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተን “እቶም ሕቱማት” ዚብላ ቓላት: ነቶም ካብ ደቅሰብ እተመረጹ ኣብ ሰማይ ምስ ክርስቶስ ኰይኖም ኣብ ልዕሊ እታ ገነት እትኸውን ምድሪ ዚገዝኡ ጕጅለ ውልቀ-ሰባት የመልክታ። (2 ቈረንቶስ 1:21, 22፣ ራእይ 5:9, 10፣ 20:6) ቍጽሮም ድማ ቃል ብቓሉ 144,000 እዩ እንብለሉ ሓያሎ መርትዖታት ኣሎ። ደድሕሪ እቲ ኣብ ራእይ 7:4 ተጠቒሱ ዘሎ ሓሳብ: ሓደ ኻብቲ መርትዖታት እዩ።

ሃዋርያ ዮሃንስ ብዛዕባ እቶም 144,000 ጕጅለ ውልቀ-ሰባት ራእይ ድሕሪ ምርኣዩ: ብዛዕባ ኻልእ ጕጅለ ድማ ረኣየ። ዮሃንስ ብዛዕባኦም ኪገልጽ ከሎ “ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን ካብ ብዘሎ ቛንቋታትን እተአከቡ: ሓደ እኳ ኪቘጽሮም ዘይኽእል ብዙሓት ሰብ” በለ። እቶም ብዙሓት ሰብ ተባሂሎም ዘለዉ: ካብቲ ነዚ ሕጂ ዘሎ ኽፉእ ኣገባብ ዜጥፍእ “ብርቱዕ ጸበባ” ዚድሕኑ እዮም።—ራእይ 7:9, 14

ዮሃንስ ንቝጽሪ 4ን ንቝጽሪ 9ን ብኸመይ ከም ዘነጻጸሮ እሞ ኣስተብህል። እቶም ቀዳማይ ጕጅለ: ማለት “እቶም ሕቱማት” ውሱን ቍጽሪ: እቶም ካልኣይ ጕጅለ: ማለት እቶም “ብዙሓት ሰብ” ድማ ዘይውሱን ቍጽሪ ኸም ዘለዎም እዩ ገሊጹ። ስለዚ: ነቲ 144,000 ዚብል ቍጽሪ ቓል ብቓሉ ምውሳድና ርትዓዊ እዩ። እቲ 144,000 ዚብል ቍጽሪ ምሳልያውን ብዝሖም ንዘይተወሰነን እዩ ዜመልክት እንተ ኢልና: ንትርጕም እቲ ኣብዘን ክልተ ቝጽርታት ዘሎ ምንጽጻር ዜጥፍኦ እዩ። ስለዚ እምበኣር እዚ መርትዖታት እዚ እቲ 144,000 ዚብል ቍጽሪ ቓል ብቓሉ ኸም ዚውሰድ እዩ ዜረጋግጽ።

ቀደም ዝነበሩን ሕጂ ዘለውን እተፈላለዩ ምሁራት መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ቝጽሪ ቓል ብቓሉ እዩ ዚውሰድ ኣብ ዚብል ተመሳሳሊ መደምደምታ እዮም በጺሖም። ንኣብነት: ቅድሚ 100 ዓመት ኣቢሉ ኣዳላዊ መዝገበ-ቓላት ዶ/ር ኤትልበርት ዳብሊው. ቡሊንገር ብዛዕባ ራእይ 7:4, 9 “እዚ ብቕልል ዝበለ መገዲ እተገልጸ ሓቂ እዩ: ኣብዛ ምዕራፍ እዚኣ ሓደ ውሱን ዝዀነ ቝጽሪ ምስ ሓደ ዘይውሱን ቍጽሪ እዩ ተወዳዲሩ ዘሎ” በለ። (ዘ ኣፖካሊፕስ ኦር “ዘ ደይ ኦቭ ዘ ሎርድ” ገጽ 282) ኣብቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዚርከብ ዘ ማስተርስ ሰሚናሪ ናይ ሓድሽ ኪዳን ፕሮፌሰር ዝዀነ ሮበርት ኤል. ቶማስ ጁንየር ኣብዚ ቐረባ እዋን “እቲ ቝጽሪ ምሳልያዊ እዩ ንምባል ዜኽእል ድልዱል መሰረት የልቦን” ኢሉ ጸሓፈ። ኣስዕብ ኣቢሉ “እቲ [ኣብ 7:4 ዘሎ] ውሱን ቝጽሪ ምስቲ ኣብ 7:9 ዘሎ ዘይውሱን ቍጽሪ እዩ ተነጻጺሩ ዘሎ። እዚ ኸም ምሳልያዊ ጌርካ እንተደኣ ተወሲዱ ኣብቲ መጽሓፍ ተጠቒሱ ዘሎ ቝጽርታት ብምሉኡ ቓል ብቓሉ ኺውሰድ ኣይክእልን ማለት እዩ” በለ።—ረቨሌሽን:- ኣን ኤክሰጀቲካል ኰመንተሪ 1ይ ጥራዝ: ገጽ 474

ገለ ሰባት መጽሓፍ ራእይ ብዙሕ ምሳልያዊ ኣዘራርባታት ስለ እትጥቀም: ኣብታ መጽሓፍ ተጠቒሱ ዘሎ ዅሉ ቝጽርታት: እንተላይ እቲ 144,000: ምሳልያዊ እዩ ይብሉ። (ራእይ 1:1, 4፣ 2:10) እዚ መደምደምታ እዚ ግን ግጉይ እዩ። ሓቂ እዩ: ኣብ መጽሓፍ ራእይ ሓያሎ ምሳልያዊ ቝጽርታት ኣሎ: ይኹን ደኣ እምበር ቃል ብቓሉ ዚውሰድ እውን ኣሎ። ንኣብነት: ዮሃንስ ብዛዕባ “ዓሰርተው ክልተ ስም ናይቶም ዓሰርተው ክልተ ሃዋርያት እቲ ገንሸል” ይዛረብ እዩ። (ራእይ 21:14) እቲ 12 ዚብል ቍጽሪ ቓል ብቓሉ እምበር ምሳሌያዊ ኸም ዘይኰነ ንጹር እዩ። ብተወሳኺውን ዮሃንስ ብዛዕባ “እተን ሽሕ ዓመት” ግዝኣት ክርስቶስ ጽሒፉ እዩ። እዚ ቝጽሪ እዚ ቓል ብቓሉ ኸም ዚውሰድ: እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብጥንቃቐ እተገብረ ምርምር ይሕብር እዩ።a (ራእይ 20:3, 5-7) ስለዚ: ኣብ መጽሓፍ ራእይ እተገልጸ ቝጽሪ ቓል ብቓሉ ዚውሰድ ወይ ድማ ምሳሌያዊ ምዃኑ ንምፍላጥ ኣብቲ ኣብ ከባቢኡ ዚርከብ ሓሳባት እተመርኰሰ እዩ።

ስለዚ: እቲ 144,000 ዚብል ቍጽሪ ቓል ብቓሉ እዩ ዚውሰድ: ምስቶም “ብዙሓት ሰብ” ኺነጻጸር ከሎ ድማ ንእተወሰነ ቝጽሪ እዩ ዜመልክት ዚብል መደምደምታ: ምስ ካልእ ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ ዚሰማማዕ እዩ። ንኣብነት: ኣብቲ ሃዋርያ ዮሃንስ ጽንሕ ኢሉ ዝረኣዮ ራእይ እቶም 144,000 “ንኣምላኽን ነቲ ገንሸልን በዅራት ኪዀኑ: ካብ ደቂ ኣዳም እተዐደጉ” ተባሂሎም እዮም። (ራእይ 14:1, 4) እቲ “በዅራት” ዚብል ኣገላልጻ እተመርጹ ውሑዳት ከም ዝዀኑ እዩ ዜመልክት። የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ እውን ነቶም ምስኡ ኣብታ ሰማያዊት መንግስቲ ዚገዝኡ “ሒደት መጓሰ” ኢልዎም እዩ። (ሉቃስ 12:32፣ 22:29) እወ: እቶም ኣብ ሰማይ ኰይኖም ንደቅሰብ ዚገዝኡ: ምስቶም ኣብታ ኣብ ምድሪ እትህሉ ገነት ዚነብሩ ደቅሰብ ኪነጻጸሩ ኸለዉ ሒደት እዮም።

እምበኣርከስ ኣብ ከባቢ ራእይ 7:4 ዚርከብ ሓሳባትን ኣብ ካልእ ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምስዚ ዚተሓሓዝ ሓሳባትን: እቲ 144,000 ዚብል ቍጽሪ ቓል ብቓሉ ኸም ዚውሰድ እዩ ዜረጋግጽ። ነቶም ኣብ ሰማይ ምስ ክርስቶስ ኰይኖም ኣብ ልዕሊ እታ ንየሆዋ ዜምልኹ ብዙሓት ሕጉሳት ደቅሰብ ዚነብሩላ ገነታዊት ምድሪ ዚገዝኡ እዩ ዜመልክት።—መዝሙር 37:29

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብዛዕባ እተን ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስ ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ: ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ራእይ—እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ! ዘርእስታ መጽሓፍ ገጽ 289-90 ተወከስ።

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ቍጽሪ እቶም ሰማያዊ ውርሻ ዘለዎም 144,000 ጥራይ እዩ

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

እቶም “ብዙሓት ሰብ” ቍጽሮም ውሱን ኣይኰነን

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Stars: Courtesy of Anglo-Australian Observatory, photograph by David Malin

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ