ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w04 1/12 ገጽ 31
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ማርያም መግደላዊት መን እያ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • “ንጐይታ ርእየዮ!”
    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
  • ናብ እተሸጐረ ክፍሊ ምእታው
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • እቲ መቓብር ጥራዩ ጸንሐ—የሱስ ህያው ኰነ!
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
w04 1/12 ገጽ 31

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

እቲ ዝተንስአ የሱስ ንቶማስ ኪትንክዮ ኺሓቶ ኸሎ: ኣቐድም ኣቢሉ ግን ንማርያም ብዓልቲ መግደላ ኣይትተንክይኒ ዝበላ ስለምንታይ እዩ፧

ኣብ ገሊኡ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ: የሱስ ንማርያም ብዓልቲ መግደላ ኣይትተንክይኒ ኸም ዝበላ ዀይኑ ተተርጒሙ ኣሎ። ንኣብነት: ኣብ ትርጕም 1956 ቃላት የሱስ “ናብ ኣቦይ ኣይደየብኩን እሞ: ኣይትተንክይኒ” ተባሂሉ ኺትርጐም ከሎ ትርጕም 1990 እውን ካብዚ እተፈልየ ኣይኰነን። (ዮሃንስ 20:17) ይኹን እምበር: እታ ዚበዝሕ ግዜ “ተንከየ” ተባሂላ እትትርጐም ናይ ግሪኽ ቃል “ምልጋብ: ምሕቛፍ: ጨቢጥካ ምሓዝ” ተባሂላ ኽትትርጐም ትኽእል እያ። ስለዚ እምበኣር የሱስ ማርያም ብዓልቲ መግደላ ስለ ዝተንከየቶ ጥራይ ይዛረባ ኸም ዘይነበረ ርዱእ እዩ። ከመይሲ: ኣብቲ መቓብር ዝነበራ ገለ ኣንስቲ ‘እግሩ ኪሕዛኦ’ ኸለዋ ስቕ ኢሉ ርእይወን እዩ።—ማቴዎስ 28:9

ኣብ ከም እኒ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም: ዘ ኒው ጀሩሳሌም ባይብል: ከምኡውን ዘ ኒው ኢንግሊሽ ባይብል ዝኣመሰለ ሓያሎ ዘመናዊ ናይ እንግሊዝኛ ትርጕማት ቃላት የሱስ “ፈንውኒ” ተባሂሉ ስለ እተተርጐመ ነቲ ቕኑዕ ትርጕሙ ኽንርድኦ ሓጊዙና እዩ። የሱስ ነታ ሓንቲ ኻብቶም ናይ ቀረባ ፈተውቱ ዝነበረት ማርያም ብዓልቲ መግደላ “ፈንውኒ” ዝበላ ስለምንታይ እዩ፧—ሉቃስ 8:1-3

ማርያም ብዓልቲ መግደላ ሽዑ የሱስ ሓዲግዎም ንሰማይ ዚኸይድ ዘሎ መሲልዋ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ምስ ጐይታኣ ኽትከውን ልባዊ ባህጊ ስለ ዝነበራ: ጨቢጣ ብምሓዝ ይኺድ ክትሓድጎ ኣይደለየትን። የሱስ ዚኸደሉ ግዜ ገና ኸም ዝዀነ ምእንቲ ኼረጋግጸላ ኢሉ ኽትፍንዎ እሞ ኸይዳ ንደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ከም ዝተንስአ ኸተበስሮም ነገራ።—ዮሃንስ 20:17

እቲ ኣብ መንጎ የሱስን ቶማስን ዝነበረ ጕዳይ ግን ፍሉይ እዩ ነይሩ። የሱስ ንገለ ኻብቶም ደቀ መዛሙርቱ ኺረኣዮም ከሎ ቶማስ ኣይነበረን። ድሕሪዚ ቶማስ ነቲ የሱስ እተሸንከረሉ ቝስሊ እንተ ዘይርእዩን ኣእዳዉ ኣብቲ እተሸንከሮ ኽፍሊ እንተ ዘየእትዩን ከም ዘይኣምን ብምዝራብ ብዛዕባ ትንሳኤ የሱስ ከም ዝጠራጠር ገለጸ። ድሕሪ ሸሞንተ መዓልቲ ኸኣ የሱስ እንደገና ንደቀ መዛሙርቱ ተራእዮም። ኣብዚ ግዜ እዚ ግን ቶማስ ስለ ዝነበረ የሱስ ኣቝሳሉ ኺትንክዮ ነገሮ።—ዮሃንስ 20:24-27

ስለዚ እምበኣር: የሱስ ንማርያም መግደላዊት ፈንውኒ ኺብላ ኸሎ ሓዲግዎም ዚኸይድ ዘሎ መሲልዋ ስለ ዝሓዘቶ ሽዑ ኸም ዘይከይድ ንኺገልጸላ ኢሉ ኪኸውን ከሎ: ንቶማስ ግን ስለ እተጠራጠረ እዩ ዚሕግዞ ነይሩ። ኣብ ክልቲኡ ኣጋጣሚታት የሱስ ከምኡ ዝገበረሉ ብቑዕ ምኽንያታት ነይርዎ እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ