ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwbq ዓንቀጽ 172
  • ማርያም መግደላዊት መን እያ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ማርያም መግደላዊት መን እያ፧
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ማርያም መግደላዊት ኣመንዝራ ድያ ነይራ፧
  • ማርያም መግደላዊት “ናይ ሃዋርያት ሃዋርያ” ድያ ነይራ፧
  • ማርያም መግደላዊት ሰበይቲ የሱስ ክርስቶስ ድያ ነይራ፧
  • “ንጐይታ ርእየዮ!”
    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
  • ካብ ማርያም እንመሃሮ ትምህርቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • “እነኹ ባርያ የሆዋ”
    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
ዝያዳ ርአ
መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
ijwbq ዓንቀጽ 172
የሱስ ምስ ተንስአ፡ ማርያም መግደላዊት ኣብ መንጽር እቲ ጥራዩ ዝጸንሓ መቓብር ትረኽቦ።

ማርያም መግደላዊት መን እያ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

ማርያም መግደላዊት እምንቲ ሰዓቢት የሱስ ክርስቶስ እያ ነይራ። እቲ መግደላዊት ዚብል መጸውዒኣ፡ ካብታ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ገሊላ እትርከብ መግደላ (መገዳን ክትከውን እትኽእል) እትብሃል ከተማ እተወስደ ኪኸውን ኣለዎ። ማርያም ኣብኣ ትነብር ነይራ ትኸውን።

ማርያም መግደላዊት ሓንቲ ኻብተን ምስ የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ዚጕዓዛን ብንብረተን ዜገልግላኦምን ዝነበራ ኣንስቲ እያ ነይራ። (ሉቃስ 8:1-3) የሱስ ኪቕተል ከሎ ብዓይና ርእያ እያ፣ ምስ ተንስአ እውን ሓንቲ ኻብቶም ዝረኣይዎ ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ እያ ነይራ።—ማርቆስ 15:40፣ ዮሃንስ 20:11-18።

  • ማርያም መግደላዊት ኣመንዝራ ድያ ነይራ፧

  • ማርያም መግደላዊት “ናይ ሃዋርያት ሃዋርያ” ድያ ነይራ፧

  • ማርያም መግደላዊት ሰበይቲ የሱስ ክርስቶስ ድያ ነይራ፧

  • ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ክንደይ ማርያም ተጠቒሰን ኣለዋ፧

ማርያም መግደላዊት ኣመንዝራ ድያ ነይራ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ማርያም መግደላዊት ኣመንዝራ ኸም ዝነበረት ገይሩ ኣይዛረብን እዩ። የግዳስ፡ የሱስ ሸውዓተ ኣጋንንቲ ኸም ዘውጽኣላ እዩ ዚገልጽ።—ሉቃስ 8:2።

‘ኣመንዝራ እያ ነይራ’ ዚብል ሓሳብ ደኣ ኻባይ እዩ መጺኡ፧ ድሕሪ ሙማታ ዘመናት ጸኒሑ፡ እታ ንኣእጋር የሱስ ብንብዓታ ዝሓጸበቶን ብጸጕሪ ርእሳ ዘንቀጸቶን ስማ ዘይተጠቕሰት ሰበይቲ (ምናልባት ኣመንዝራ)፡ ንሳ ኸም ዝዀነት ጌርካ ኺእመን ጀመረ። (ሉቃስ 7:36-38) እንተዀነ ግና፡ ነዚ ዚድግፍ ቅዱስ ጽሑፋዊ መሰረት የልቦን።

ማርያም መግደላዊት “ናይ ሃዋርያት ሃዋርያ” ድያ ነይራ፧

ኣይፋልን። ማርያም ሓንቲ ኻብተን ብዛዕባ ትንሳኤ የሱስ ንሃዋርያት ዘበሰራ ቐዳሞት ኣንስቲ ስለ ዝነበረት፡ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን “ቅድስቲ ማርያም መግደላዊት” ከምኡ እውን “ናይ ሃዋርያት ሃዋርያ” ኢላ ትጽውዓ እያ። (ዮሃንስ 20:18) እዚ ግና ሃዋርያ ኣይገብራን እዩ። ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እውን በዚ ኸምዚ ተጸዊዓ ኣይትፈልጥን እያ።—ሉቃስ 6:12-16።

መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መወዳእታ ቐዳማይ ዘመን ድ.ክ. እዩ ተጻሒፉ ተወዲኡ። ክሳዕ ሻድሻይ ዘመን ግና መራሕቲ ቤተ ክርስትያን ንማርያም መግደላዊት ናብ ዝለዓለ ደረጃ ኽብ ኣየበልዋን ነይሮም። ኣብ ካልኣይን ሳልሳይን ዘመን ኣብ እተጻሕፈ ኽፋል ቀኖና መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዘይኰነ ጽሑፋት፡ ገሊኦም ሃዋርያት የሱስ ንማርያም ከም ዝቐንኡላ ተጻሒፉ ንረክብ ኢና። እዚ ናይ ፈጠራ ዛንታታት፡ ቅዱስ ጽሑፋዊ መሰረት የብሉን።

ማርያም መግደላዊት ሰበይቲ የሱስ ክርስቶስ ድያ ነይራ፧

ኣይፋልን። የሱስ ከም ዘይተመርዓወ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ይገልጽ እዩ።a

a “የሱስ ተመርዕዩ ነይሩ ድዩ፧ ኣሕዋትን ኣሓትንከ ነይሮምዎዶ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ክንደይ ማርያም ተጠቒሰን ኣለዋ፧

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ማርያም ዝስመን ሽዱሽተ ኣንስቲ ተጠቒሰን ኣለዋ።b

  1. 1. ኣደ የሱስ።—ማቴዎስ 1:18።

  2. 2. ሓብቲ ማርታን ኣልኣዛርን።—ዮሃንስ 11:1, 2።

  3. 3. ማርያም መግደላዊት።—ሉቃስ 8:2።

  4. 4. ኣደ ያእቆብን ዮሴን።—ማቴዎስ 27:56።

  5. 5. ኣደ እቲ ማርቆስ ዚብሃል ዮሃንስ።—ግብሪ ሃዋርያት 12:12።

  6. 6. ኣብ ሮሜ ንዝነበረት ጉባኤ ብዙሕ ዝጸዓረት ክርስትያን።—ሮሜ 16:6።

b እቲ ማርያም ዚብል ስም፡ ካብቲ ብእብራይስጢ ሚርያም ዚብል ስም እተወስደ ናይ ግሪኽኛ ኣጸዋውዓ እዩ። ንኣብነት፡ ሓብቲ ሙሴ፡ ሚርያም እያ እትብሃል ነይራ።—1 ዜና መዋእል 6:3።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ