ጸብጻብ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ
ነቶም ኣብ ርሑቕ ገጠራት ኣውስትራልያ ዚርከቡ ብቑዓት ንምርካብ እተገብረ ጻዕሪ
ኣብ ውሽጣዊ ኽፍሊ ኣውስትራልያ ኣብ ርሑቕ ዚርከብ ገጠራት ኣሎ። ገለ ኽፋል እዚ ኸባቢ እዚ እተገለለ ብምዃኑ ን12 ዓመት ምስክርነት ተዋሂቡዎ ኣይፈልጥን። ስለዚ: ኣብታ ዳርዊን እትበሃል ርእሰ ኸተማ ሰሜናዊ ዞባ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ነቶም ብቑዓት ንምርካብ ትሽዓተ መዓልቲ ዚወስድ ጽዑቕ ወፈራ ገበሩ።—ማቴዎስ 10:11
ነዚ ወፈራ እዚ ልዕሊ ሓደ ዓመት ኣቐዲምካ እዩ መደብ ኪግበረሉ እተጀመረ: 800,000 ትርብዒት ኪሎ ሜተር ስፍሓት ዘለዎ: ማለት ሓደ ሲሶ ሱዳን ኣቢሉ ንዚሽፍን ስፍሓት ካርታ ኺዳሎ ነበሮ። እዚ ዞባ እዚ ኽሳዕ ክንደይ ሰፊሕ ምዃኑ ንኽትግንዘቦ: ኣብኡ ዚርከብ ማእከላይ ዚበሃል ሓደ ሕርሻ ኸብቲ ጥራይ እኳ ኻብቲ ኣፍደጊኡ ኽሳዕ እቲ መንበሪ ቤት ዚርከበሉ ቦታ 30 ኪሎ ሜተር ኣቢሉ ዚኸውን ርሕቀት ከም ዘለዎ ኣብ ኣእምሮኻ ሰኣሎ። ኣብ ገሊኡ ቦታታት ካብ ሓደ ሕርሻ ኸብቲ ናብ ካልእ ንምኻድ ከኣ 300 ኪሎ ሜተር ወይ ካብኡ ዚዛይድ ኣቢልካ ኢኻ እትጐዓዝ።
ብድምር 145 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብፍታዎም ኣብቲ ወፈራ ተሳተፉ። ገሊኦም ካብ ታስማንያ ዚበሃል ርሑቕ ዓዲ መጹ። ገሊኦም ፎር-ዊል-ድራይቭ ዚበሃላ ንበረኻ ዝዀና ማካይኖም ሒዞም ኣብ በረኻ ንምሕዳር ዜኽእሎም ኣቝሑን ንማካይኖም ዚኸውን ቅያር ኣቝሑን ነዳድን ጽዒኖም መጹ። ገሊኦም ከኣ ኣቝሑቶም ኣብ ተጐተትቲ ጸዓንዎ። ኣብ ርእሲ እዚውን እቶም ንበረኻ ዝዀና ማካይን ዘይብሎም ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ነፍሲ ወከፈን 22 ሰባት ዚሕዛ ኽልተ ኣውቶቡሳት ተኻረዩ። እቶም ብኣውቶቡስ እተጓዕዙ ኣብ ውሽጢ እቲ ዞባ ኣብ ዚርከባ ንኣሽቱ ኸተማታት ኣተኰሩ።
እቶም ኣሕዋት ቅድሚ ምብጋሶም እቲ ብስራት ነቶም ኣብ ዘይተለምደ ዞባ ዚርከቡ ሰባት ከመይ ገይሮም ከም ዜቕርቡሎም ዚሕብር ዝርርብን መርኣያታትን ኣቕረቡ። ንኣብነት: ኣብ ኣቦርጅን ዚርከብዎ ማሕበረሰባት ጽቡቕ ምስክርነት ንምሃብ እተወሰነ ስርዓት ኪህልወካን ልምድታት ኣቦርጅን ክትፈልጥን የድሊ። እንስሳታት ዘገዳም ንምዕቃብ ካብ ዚብል ዕላማ ብምብጋስ: ንኣከባቢ ኪጐድእ ዚኽእል ነገራት እውን ምይይጥ ተገይሩሉ ነይሩ።
ካብዚ ወፈራ ብዙሕ ዜደንቕ ተመክሮታት ተረኺቡ እዩ። ንኣብነት: ኣብ ሓደ ኣቦርጅን ዚርከብዎ ከባቢ: እቶም ኣሕዋት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ህዝባዊ ዝርርብ ኬቕርቡ ምድላው ገበሩ። ኣብቲ ማሕበረሰብ ሓለቓ ዝዀነት ሰበይቲ ድማ ባዕላ እናዞረት ነቶም ኣብኡ ዚነብሩ ብዛዕባ እዚ ምድላው እዚ ነገረቶም። ድሕሪኡ: ነቶም ኣብኡ እተኣከቡ 5 መጻሕፍትን 41 ብሮሹራትን ተበርከተሎም። ኣብ ካልእ ቦታ ድማ ንሓደ ኣቦርጅን ረኸቡ። እዚ ሰብኣይ እዚ ኪንግ ጄምስ ቨርሽን ዚበሃል መጽሓፍ ቅዱስ እኳ እንተ ነበሮ: ኣሪጉን ተቐዳዲዱን ነበረ። ስም ኣምላኽ ዚፈልጥ እንተ ዀይኑ ምስ ተሓትተ: ብኣወንታ መልሲ ድሕሪ ምሃብ ካብ ጁባኡ ናይ ቀደም ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ኣውጽአ። ካብታ መጽሔት እቲኣ ኸኣ ማርቆስ 12:30 ጠቒሱ “ንየሆዋ ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻ ኣፍቅሮ” ዚብል ክፋል ኣንበበ። ኣስዕብ ኣቢሉውን “ነዛ ጥቕሲ እዚኣ ናይ ብሓቂ እየ ዝፈትዋ” በለ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ነዊሕ ምይይጥ ድሕሪ ምግባር: ሓድሽ መጽሓፍ ቅዱስን ካልእ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋትን ተቐበለ።
ኣብ ጥቓ ወሽመጥ ካርፐንተርያ ሓደ 400,000 ሄክታር ዚኸውን ሕርሻ ኸብቲ ዚቈጻጸር ሓለቓ: ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ተገዳስነት ኣርኣየ። እተን መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት ከምኡውን ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት ዘርእስተን ጽሑፋትa ምስ ኣርኣይዎ: ብቛንቋ ክሪዮል ዝዀነ ይኹን ጽሑፍ ዚርከብ እንተ ዀይኑ ሓተቶም። ብዙሓት ኣቦርጅን ክሪዮል ዚዛረቡ እኳ እንተዀኑ: መብዛሕትኦም ግን ኬንብቡ ስለ ዘይክእሉ እዚ ዘይተለምደ ሕቶ እዩ። ኵሎም እቶም ኣብኡ ዚሰርሑ 50 ሰራሕተኛታት ክሪዮል ዜንብቡ እዮም ነይሮም። እቲ ሓለቓ ብቛንቋ ክሪዮል እተዳለወ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ጽሑፋት ኪረክብ ምኽኣሉ ኣሐጐሶ: ምእንቲ ኺድውሉሉ ድማ ተሓጒሱ ቝጽሪ ተሌፎኑ ሃቦም።
ኣብቲ ትሽዓተ መዓልቲ ዝወሰደ ጽዑቕ ምስክርነት: ብድምር 120 መጽሓፍ ቅዱሳት: 770 መጻሕፍቲ: 705 መጽሔታት: ከምኡውን 1,965 ብሮሹራት ተዓዲሉ። ብዘይካዚውን 720 ተመላሊስካ ምብጻሕ ተገይሩ: 215 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ኪምራሕ ተጀሚሩ።
እወ: እቶም ኣብዚ ሰፊሕ ቦታ ዚነብሩ ብቑዓት ሰባት ነቲ መንፈሳዊ ጥሜቶም ዜጽግቦም ነገር ኣብ መወዳእታ ይረኽቡ ኣለዉ።—ማቴዎስ 5:6
[እግረ-ጽሑፍ]
a ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትማ።
[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ስእሊ]
(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)
ኣውስትራልያ
ሰሜናዊ ዞባ
ዳርዊን
ወሽመጥ ካርፐንተርያ
ሲድኒ
ታስማንያ