ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w05 1/7 ገጽ 27
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ካብ ዘሌዋውያን ብዛዕባ ኣተሓሕዛ ሰብ እንረኽቦ ትምህርቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2021
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • “ሕጊ የሆዋ ፍጹም እዩ”
    ንየሆዋ ቕረቦ
  • “ቅዱሳት ኩኑ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2021
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
w05 1/7 ገጽ 27

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ዘዳግም 14:21 “ገለ ሕሉቕ ኣይትብልዑ” ትብል። እዝስ ምስቲ ኣብ ዘሌዋውያን 11:40 ዚርከብ “ካብቲ ገምቡ ዝበልዔ ኸኣ ክዳኑ ይሕጸብ: ክሳዕ ምሸት ድማ ይረክስ” ዚብል ሓሳብ ይጋጮ ድዩ፧

ኣብ መንጎ እዘን ጥቕስታት እዚኣተን ዋላ ሓንቲ ግጭት የለን። እታ ቐዳመይቲ ነቲ ብሓደ ኣራዊት ተቐቲሉ ኪኸውን ዚኽእል ሕሉቕ ከይብላዕ ዚኽልክል ኣቐዲሙ እተዋህበ ሕጊ እያ እትደግም። (ዘጸኣት 22:31፣ ዘሌዋውያን 22:8) እታ ኻልአይቲ ድማ ምናልባት ሓደ እስራኤላዊ ኸይፈለጠ ነቲ ሕጊ እንተደኣ ጥሒሱ: እንታይ ኪገብር ከም ዚኽእል እያ እተብርህ።

ሓደ ነገር በቲ ሕጊ ተኸልኪሉ ማለት: ሓደ ሰብ ነቲ ሕጊ ፈጺሙ ኣይጥሕሶን እዩ ማለት ኣይኰነን። ንኣብነት: ንስርቅን ቅትለትን ብሓሶት ምምስካርን ንኻልእ ከምኡ ዝኣመሰለን ዚምልከት ሕጊ ነይሩ እዩ። ምስናይዚ ድማ: ነዚ ብኣምላኽ እተዋህበ ሕግታት ምጥሓስ ዜስዕቦ መቕጻዕቲ እውን ነይሩ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ መቕጻዕቲ ነቲ ሕጊ ኸም ዚኽበር ይገብሮ: ክሳዕ ክንደይ ረዚን ምዃኑ ድማ የርኢ።

ሓደ ሰብ ሕሉቕ ብምብላዕ ነቲ ሕጊ እንተደኣ ጥሒስዎ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ርኹስ ስለ ዚኸውን: ነቲ ንምንጻህ ኪግበር ዘለዎ ኣድላዪ ኣገባብ ኪፍጽም ኣለዎ። ከምዚ እንተ ዘይገይሩ ግን: “ክፍኣቱ ኺጸውር” ነበሮ።​—⁠ዘሌዋውያን 17:15, 16

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ