ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w06 1/4 ገጽ 31
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ትዝክሮዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • “ሕጊ የሆዋ ፍጹም እዩ”
    ንየሆዋ ቕረቦ
  • ቅድሚ ክርስቶስ ዝነበረ ሕጊ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
w06 1/4 ገጽ 31

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ካብቲ ኣብ ዘጸኣት 23:19 ዚርከብ “ንማሕስእ ብጸባ ኣዲኡ ኣይተብስል” ዚብል ሕጊ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሰለስተ ሳዕ ተጠቒሱ ዚርከብ ሕጊ ሙሴ: ኣብ ቅድሚ የሆዋ እቲ ግቡእ እንታይ ምዃኑን ንድንጋጹን ለውሃቱን ንኽንፈልጥ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ የሆዋ ንናይ ሓሶት ኣምልኾ ኸም ዚፍንፍኖ እውን ዜጕልሕ እዩ።—ዘጸኣት 34:26፣ ዘዳግም 14:21

ንሓደ ማሕስእ ወይ ድማ ካልእ እንስሳ ብጸባ ኣዲኡ ምብሳል: ነቲ የሆዋ ዝሰርዖ ናይ ተፈጥሮ ምድላው ምጽራር ማለት እዩ። ኣምላኽ ንጸባ ኣደ ዝፈጠረሉ ቐንዲ ምኽንያት: እቲ ማሕስእ ንኺምገቦን ዕቤት ንኺገብር ንኺሕግዞን ኢሉ እዩ። ስለዚ: ንሓደ ማሕስእ ብጸባ ኣዲኡ ምብሳል: ከምቲ ሓደ ምሁር ዝበሎ: “ነቲ ብኣምላኽ እተመስረተን እተቐደሰን ኣብ መንጎ ኣደን ውላድን ዘሎ ርክብ ከም ምንዓቕ” ጌርካ እዩ ዚርአ።

ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ገሊኦም ሰባት ንሓደ ማሕስእ ብጸባ ኣዲኡ ምብሳል: ዝናም ንምምጻእ ተባሂሉ ዚግበር ዝነበረ ኣረማዊ ልምዲ እዩ ይብሉ። ከምዚ እንተደኣ ዀይኑ: እዚ ሕጊ እዚ ንእስራኤላውያን ካብቲ በቶም ኣብቲ ኸባቢ ዚነብሩ ኣህዛብ ዚግበር ዝነበረ ርሕራሐ ኣልቦን ዜስካሕክሕን ሃይማኖታዊ ተግባር ዜዕቍቦም እዩ ነይሩ። ሕጊ ሙሴ: እስራኤላውያን ብኣመል እዞም ኣህዛብ እዚኣቶም ከይከዱ ብግልጺ ይኽልክሎም ነበረ።—ዘሌዋውያን 20:23

ብዘይካዚውን: እዚ ሕጊ እዚ ነቲ የሆዋ ዘለዎ ናይ ድንጋጽ ስምዒት ዜርኢ እዩ። ብርግጽ: እቲ ሕጊ ነቲ ኣብ ልዕሊ እንስሳታት ዚወርድ ጭካነ ዚዅንን ከምኡውን ኣንጻር እቲ ናይ ተፈጥሮ ምድላው ንኸይትኸይድ ዚከላኸል ካልእ ብዙሕ ትእዛዛት ዝሓዘ እዩ ነይሩ። ንኣብነት: ሓደ እንስሳ ምስ ኣዲኡ ብውሑዱ ሸውዓተ መዓልቲ ኸይገበረ ንኸይስዋእ: ሓንቲ እንስሳ ምስ ውላዳ ብሓንቲ መዓልቲ ንኸይትሕረድ: ከምኡውን ሓንቲ ዑፍ ምስ ጨጨውታ ወይ ከኣ ምስ እንቋቝሖኣ ንኸይትውሰድ ዚኽልክል ትእዛዝ ነበሮ።—ዘሌዋውያን 22:27, 28፣ ዘዳግም 22:6, 7

ስለዚ: እቲ ሕጊ ሕልኽልኽ ዝበለ ትእዛዛትን ሕግታትን ዝመልአ ኣይነበረን። ካብቲ ሕጊ ኻብ እንረኽቦ ገለ ጥቕምታት: እቲ ስርዓታቱ ነቲ የሆዋ ዘለዎ ዜስደምም ባህርያት ንኸነንጸባርቕ ዚሕግዝ ክብ ዝበለ ስነ-ምግባራዊ ስምዒት ዜሕድረልና ምዃኑ እዩ።

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

© Timothy O’Keefe/Index Stock Imagery

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ