ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w05 1/11 ገጽ 14
  • ጽቡቕ ጠባይ ፍረ የፍሪ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ጽቡቕ ጠባይ ፍረ የፍሪ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሰላምታ ዘለዎ ጥቕሚ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2018
  • ከም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ጽቡቕ ጠባይ ነርኢ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ዝሓበራ ብዙሓት ውሉዳት ዘለዉወን ስድራቤታት
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
w05 1/11 ገጽ 14

ጽቡቕ ጠባይ ፍረ የፍሪ

ሓንቲ ሰበይትን ሰለስተ ደቃን ካብ ገማግም ደቡባዊ ጃፓን ብዙሕ ከይረሓቕካ ኣብ እትርከብ ንእሽቶ ደሴት: ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመረት። እቶም ኣብዚ ምሕድግ ዝበለን ስርዓት እንዳባ ኣብ ዚስዕቡን ከባቢ ዝነብሩ ጐረባብታ: ከምዛ ዘይረኣይዋ ዀይኖም ኪሓልፍዋ ጀመሩ። “ብዛዕባይ ግዲ ዘይምግባሮም ከይኣክል: ንሰብኣየይን ንደቀይን ገጽ ምኽላኦም ኣዝዩ ዜሕዝን እዩ” በለት። እንተዀነ ግን: “ምእንቲ የሆዋ ኢልና ነዞም ጐረባብትና ሰላም ምባልና ኽንቅጽል ኣሎና” እናበለት ንደቃ ትነግሮም ነበረት።—ማቴዎስ 5:47, 48

ነቶም ደቃ ኣብ ገዛ ኾፍ ኣቢላ: ዋላ ተቐባልነት ኣይርከቡ እምበር ንሰባት ኬኽብሩ ኸም ዘለዎም ትምህሮም ነበረት። ከምቲ ኣዘውቲሮም ዚገብርዎ: ናብቲ ዚፍልፍል ውዑይ ማይ ዚርከቦ ቦታ ብመኪና ኪኸዱ ኸለዉ ነቲ ኣብ ገዛ እተማህርዎ ብተግባር ኬርእይዎ ጀመሩ። ናብቲ እቲ ቦታ ዚርከበሉ ህንጻ ኺኣትዉ ኸለዉ ብፍሽሑው ገጽ: “ኮኒቺዋ!”—ብጃፓንኛ “ከመዓልኩም፧” ይብሉ ነበሩ። እዞም ስድራቤት: ዋላኳ እቶም ጐረባብቶም ኣይገደሱሎም እምበር: ንዝረኸብዎ ሰብ ሰላም ምባሎም ኣይሓደጉን። እቶም ህዝቢ ድማ ነቲ ጽቡቕ ጠባይ እቶም ቈልዑ ኸየስተብሃሉሉ ኣይሓለፉን።

ኣብ መወዳእታ: ካብቶም ጐረባብቶም እተወሰኑ ሰባት: “ኮኒቺዋ!” እናበሉ ነዞም ስድራቤት ኪምልሱሎም ጀመሩ። ድሕሪ ኽልተ ዓመት: ዳርጋ ዅሎም ነበርቲ እታ ኸተማ: ንሰላምታ እዞም ስድራቤት ኪምልሱሉ ጀመሩ። እቶም ነበርቲ እውን ንሓድሕዶም ሰላምታ ኺለዋወጡን ኪቀራረቡን ጀመሩ። እቲ ምክትል ከንቲባ: እዞም ቈልዑ ኣብቲ እተራእየ ለውጢ ዓብዪ ተራ ብምጽዋቶም ክብ ኬብሎም ደለየ። ኣዲኦም ግን ሓደ ክርስትያን ኪገብሮ ዘለዎ ጥራይ ከም ዝገበሩ ነገረቶ። ብድሕርዚ: ሓደ ኻብቶም ቈልዑ: ኣብ ብምልእታ እታ ደሴት ኣብ እተገብረ መደረ ናይ ምቕራብ ውድድር: ዋላ ሰባት ሸለል ይበሉኻ ብዘየገድስ: ብትሕትና ሰላምታ ኸተቕርብ ኣድላዪ ምዃኑ ኣዲኦም ከም ዝመሃረቶም ገለጸ። በቲ ዘቕረቦ መደረ ቐዳማይ ኰይኑ ተሸለመ: ኣብቲ ናይታ ኸተማ ጋዜጣ ድማ ተሓቲሙ ወጸ። እዞም ስድራቤት: ክርስትያናዊ ስርዓት ስዒቦም ከምዚ ዝኣመሰለ ጽቡቕ ፍረ ብምርካቦም ሕጉሳት እዮም። ነቲ ብስራት ብቐሊሉ ኽትቀርቦም ንእትኽእል ሰባት ምክፋል ቀሊል እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ