ክሳዕ ክንደይ ኢኻ ብዚግባእ ሓሳብ ንሓሳብ እትለዋወጥ፧
ቅድሚ ሒደት ዓመታት: ኣብ ጃፓን ዚርከብ ባንክ ዘዳለዎ ውድድር: “ብወዲ/ብጓል 60 ዓመት እተጻሕፈት ናይ ፍቕሪ ደብዳበ” ዚብል ኣርእስቲ ነበሮ። ነቶም ኣብ 50ታትን 60ታትን ዕድሚኦም ዚርከቡ ጃፓናውያን: ንመጻምድቶም “ናይ ሓቂ ስምዒታቶም” ኪገልጹ ድማ ኣተባብዖም። ሓደ ተወዳዳሪ ንብዓልቲ ቤቱ: “በዚ ትስሕቂ ትዀኒ: እንተዀነ ግን እንተ ዘይበልክዎ ኼጣዕሰኒ እዩ። ስለዚ: ስምዒተይ ብንጹር እንሆ:- ስለ እተመርዓኽኒ አመስግነኪ” ኢሉ ጸሓፈላ።
ኣብ ሓያሎ ባህልታት: እንተላይ ኣብ ገሊኡ ሃገራት ምብራቕ: ውሽጣዊ ስምዒትካ ብጋህዲ ምግላጽ ኣይተባባዕን እዩ። ኰይኑ ግን: ኣብቲ ናይ ፍቕሪ ደብዳበ ብምጽሓፍ እተገብረ ውድድር ልዕሊ 15,000 ሰባት ተሳቲፎም ነይሮም። ኣዝዩ ስለ እተፈትወ: ድሕሪኡ እውን ካልእ ውድድር ተገይሩ: ኣብቲ ደብዳበታት እተመርኰሰ መጻሕፍቲ እውን ተጻሒፉ። እዚ ኸኣ ሓያሎ ሰባት ኣብ ውሽጦም ነቶም ዚፈትውዎም መጻምድቶም ስምዒቶም ኪገልጹሎም ከም ዚደልዩ ዚሕብር እዩ። ገሊኦም ግን ስምዒቶም ኣይገልጹን እዮም። ስለምንታይ፧ መጻምድቶም ኰኑ ኻልኦት ሰባት: ስምዒቶም ከም ዚርድኡሎም ንምግባር ብዙሕ ጻዕርን ክእለትን ስለ ዜድልዮም ኪኸውን ይኽእል እዩ።
እቲ ብዛዕባ ጡረታ መጽሓፍ ዝጸሓፈ ሂቶሺ ካቶ: ነቶም ኣብ ጃፓን ዚርከቡ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰብ ሓዳር ብዚምልከት: ኣንስቲ ንሓያሎ ዓመታት ዓሚቝ ሱር ዝሰደደ ቒምታ ስለ ዘለወን: ብዙሕ ናይ ፍትሕ ሕቶ ኻባታተን ከም ዚብገስ ገለጸ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ: “እንተዀነ ግን: እዚ ነገር እዚ እቶም ሰብ ሓዳር ጸገማት ኬጋጥሞም ከሎ: እሂን ምሂን ዘይበሃሃሉ ብምንባሮም ዝመጸ ሳዕቤን እዩ” በለ።
ሓደ ሰብኣይ ጡረታ ምስ ወጸ: ብዓልቲ ቤቱ ኽትፍታሕ ከም እትደሊ ወረቐት ምስ መጾ ይስምብድ ይኸውን። ንሓያሎ ዓመታት እቶም ሰብ ሓዳር ብዛዕባ ንሓድሕዶም ዘለዎም ስምዒታት ኣይመያየጡን ይዀኑ። ሰብኣይን ሰበይትን ስምዒታቶም ኪገልጹ ዚከኣሎም እኳ እንተ ፈተኑ: ነቲ ዝርርቦም ግን ብኣወንታዊ መገዲ ምቕጻል የጸግሞም። እናተቐራረቡ ኣብ ክንዲ ዚኸዱ: ወግሐ ጸብሐ ኺቋየቑ ይነብሩ።
ሰብኣይን ሰበይትን ነቲ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ዘይምስምማዕ ብሰላማዊ መገዲ ኺፈትሕዎን ስምዒታቶም ባህ ብዜብል መገዲ ንሓድሕዶም ኪገላለጹን ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ እቲ ኻብ ኵሉ ዝበለጸ ግብራዊ ሓሳባት: ኣብቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ብሓደ ኣማኻሪ ሓዳር እተሓትመ መጽሓፍ ዘይኰነስ: ኣብቲ ንሓያሎ ዘመናት ኣኽቢርካ እተራእየ ጥንታዊ መጽሓፍ: ማለት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምዃኑ ተገዳስነት የሕድረልካ ይኸውን።